ስፖርት፡ ምናልባት ዘይትፈልጥዎም ሓሙሽተ ሕጊታት ኵዕሶ እግሪ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ኩዕሶ እግሪ ኵሉ ሰብ ዝፈልጦ፡ ኣብ ክሊ ሳንዱቕ ፍጹም ቅላዕ ተጻዋታይ ብኢዱ ኵዕሶ እንተተንኪፉ ንኣንጻር ጋንታ ፍጹም ቅላዕ ይወሃብ።
ተጻዋታይ በደል እንተፈጺሙ ከኣ ከከም ክብደት ናይቲ ዝፈጸሞ ጌጋ መጠንቀቕታ፡ ብጫ ወይ ቀይሕ ካርድ ይወሃቦ።
እዝን ካልእን መብዛሕትኡ ዝፈልጦ ወይ ዝርድኦ ሕጊታት ኵዕሶ እግሪ'ዩ።
ካብዚ ወጻኢ ካልእ ብዙሕ ሰብ ዘይፈልጦም ሓሙሽተ ሕጊታት ኵዕሶ እግሪ ክንነግረኩም፡ ንቐደም በሉ።

'ቢች ቦል ኢንሲደንት'

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ደገፍቲ ሊቨርፑል ነዛ ሕጊ እዚኣ ኣጸቢቘም ክዝክርዋ ይኽእሉ'ዮም።
እቲ ፍጻመ ኣብ 2009 ኰይኑ ሊቨርፑል ኣንጻር ሳንደርላንድ እናተጻወተት እንከላ ዘጋጠመ'ዩ።
ኣጥቃዓይ ሳንደርላንድ ዳረን ቤንት ናብ ሸቶ ዝቐልዓ ኵዕሶ፡ ሓደ ደጋፋይ ናብ ሜዳ ዝሰደዳ ፎኳስ ኵዕሶ ገማግም ባሕሪ ሃሪማ ኣንፈታ ብምቕያር ንሓላዊ ልዳት ሊቨርፑል ረይና ኣንፈቱ ኣስሒታ ሸቶ ተቘጽረት።
ተጻወትቲ ሊቨርፑል ናብ ዳኛ ጥርዓኖም ኣስሚዖም፡ እታ ሸቶ ግን ጸዲቓ።
እንተዀነ ከም ንቡር ሸቶ ክትከውን ኣይግብኣን'ዩ ነይሩ፤ ካብዛ ክስተት እዚኣ ብምብጋስ ፊፋ ሓደ ሕጊ ኣጽዲቝ።
ካብ ኣብ ሜዳ ዝርከቡ ተጻወትቲ ወጻኢ፡ ናብ ሜዳ ስሊኹ ዝኣተወ ደጋፊ፡ ዝዀነ ግኡዝ ነገር፡ እንስሳ ወይ ካልእ ነገር ኣተንኪፋ ሸቶ ምስ እትምዝገብ ወይ ሸቶ ካብ ምዃን ምስ እትዕገት ጸወታ ደው ይብል፣ ዝብል ሕጊ ኣተኣታትዩ።
እዚ ሕጊ እዚ ከኣ 'ቢች ቦል ኢንሲደንት' ተባሂሉ ይጽዋዕ።
ካብ ኔስትሮ ናብ ገዛእ ጋንታኻ ሸቶ ኣይምዝገብን'ዩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images/ BBC
ሓደ ተጻዋታይ ናብ ገዛእ ጋንተኡ ብጌጋ ሸቶ ከመዝግብ ብዙሕ ግዜ ተዓዚብና ኢና።
ኣብ ታሪኽ ፕረምየርሊግ ከኣ ሪቻርድ ዱነ ናብ ገዛእ ልዳቱ 10 ሸቶታት ብምምዝጋብ ኣብ ቅደሚት ተሰሪዑ ይርከብ።
ማርቲን ስከርትል፡ ጂሚ ካራገርን ፊለ ጃጌልካ ነፍሲ ወከፎም ሸሸውዓት ሸቶታት ናብ ገዛእ ልዳቶም ብምምዝጋብ ንሪቻርድ ዱኑ ይስዕብዎ።
ኣብ ጸወታ ዘጋጥም ኣይፍለጥን'ዩ ብምባል ፊፋ ዘጽደቘ ሕጊ ከኣ ምስዚ ዝተኣሳሰር'ዩ።
ካብ ኔስተር ናብ ኣንጻር ጋንታ ብኢድካ ኩዕሶ ደርቢኽ ብቐጥታ ሸቶ ከተመዝግብ ኣይፍቀድን'ዩ።
እዚ ትፈልጥዎ ትዀኑ ኢኹም።
ብተመሳሳሊ ናብ ገዛእ ጋንታኻ'ውን ካብ ኔስትሮ ደርቢኻ ዝዀነ ሰብ ከይተንከፋ ሸቶ ምስ እትኣቱ፡ ከም ሸቶ ኣይትቝጸርን'ያ።
ኣብ ክንድኡ ንኣንጻር ጋንታ ኵርናዕ ይወሃብ።
ብተመሳሳሊ ቅላዕ መቕጻዕቲ ተዋሂብካ ነታ ኩዕሶ ዝዀነ ካልእ ሰብ ከይተንከፋ ናብ ገዛእ ጋንታኻ ምስ እተመዝግባ፡ ከም ሸቶ ኣይትቝጸርን'ያ፤ ኣብ ክንድኡ ንኣንጻር ጋንታ ኩርናዕ ይወሃባ።
እዚ ኣብ 2002 ኣብ መንጐ ኣስቶንቪላን በርሚንግሃምን ኣብ ዝነበረ ጸወታ፣ ተጻዋታይ ኣስቶን ቪላ ኦሎፍ ሜልበርግ ነታ ንጋንታኡ ዝተውሃበት ኔስተር ናብ ሓላዊ ልዳት ጋንታኡ ደርበያ፣ ሓላዊ ልዳት ፔተር ኢንከልማን ግን ብእግሩ ደው ከብላ፡ ንጫፍ እግሩ ተንኪፋ ሸቶ ተቘጸረት።
ኢንከልማን እንተዘይትንክፋ ነይሩ ግን ሸቶ ኣይምጸደቐትን ነይራ።
ሓላዊ ልዳት ንኵዕሶ ን6 ካልኢት ጥራይ'ዩ ክሕዛ ዝፍቀዶ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሓንቲ ጋንታ ትመርሕ እንተሃልያ'ሞ ጸወታ ኣብ ምውድኡ እንተዀይኑ፡ ተጻወትታ ግዜ ንምብኻን ዘይገብርዎ ነገር የለን፤ ብፍላይ ከኣ ሓለውቲ ልዳት።
ሓላዊ ልዳት ንዝተቐልዓትሉ ኵዕሶ ምስ ቆለባ፡ ኣብ ከባቢኡ ተጻወትቲ ኣንጻር ጋንታኡ እንተዘይሃልዮም ነታ ኵዕሶ ንልዕሊ ሽዱሽተ ካልኢት ሓቊፍዋ ክጸንሕ ኣይፍቀደሉን'ዩ።
እዚ ሕጊ ሓለውቲ ልዳት ግዜ ንምብኻን ንኩዕሶ ንነዊሕ ካልኢታት ንኸይሕዝዋ ንምግታእ ዝተኣታተወ ሕጊ'ዩ።
እንተዀነ ዳያኑ ነዚ ሕጊ እዚ ሳሕቲ'ዮም ዝጥቐምሉ።
ኣብ 2015 ሓላዊ ልዳት ሊቨርፑል፡ ሲሞን ሚኞለት ጋንታኡ ኣብ ኢሮፕያን ሊግ እናተጻወተት እንከላ ንኩዕሶ ን22 ካልኢት ሒዝዋ፡ ዳኛ ብጫ ካርድ ብምሃብ ንኣንጻር ጋንታ ኣብ ክሊ ሳንዱቕ ፍጹም ቅላዕ፡ ቅላዕ መቕጻዕቲ ሂብዋ፤ ተመዝጊባ ድማ።
ኣሰራርሓ ኵዕሶን ምስኡ ዝተሓሓዝ ሕጊን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኵልና ከም እንፈልጦ ኵዕሶ ከባብ'ያ።
እታ ሕጋዊት ኩዕሶ ዙርያኣ ካብ 68 ክሳብ 70 ሴንቲሜተር ክኸውን ከም ዘለዎ ግን ኣብ ሕጊ ሰፊሩ'ዩ።
ብዘይካ እዚ እታ ኩዕሶ ጽርየቱ ብዝሓለወ ንጥረ ነገር ክትስራሕ ከም ዘለዋ ኣብቲ ሕጊ ሰፊሩ ኣሎ።
እዛ ንርእያ ዘለና ኵዕሶ ኣብ ኣሰራርሓ ነዊሕ ታሪኽ'ዩ ዘለዋ፤ መጀመርታ ኵዕሶ ናይ ሓሸማን ናይ በጊዕን ፍሕኛ'ያ ነይራ።
ኣብ መንጐ ጸወታ ምስ እትነፍስ ከኣ ሓደ ካብ ተጻወትቲ ብኣፉ ይነፍሓ ነይሩ።
ምኽንያቱ ኣብ ሓደ ሜዳ ልዕሊ ሓንቲ ወይ ክልተ ኩዕሶ ክትሕዝ ዝክኣል ኣይነበረን።
ዋንጫ ዓለም ኣብ 1930 ኣብ ዝጀመረሉ፡ ኣርጀንቲናን ኡራጓይን ናብ ፍጻመ በጽሓ።
እንተዀነ ኣርጀንቲና ኣብ ሃገሮም ኡራጓይ ከኣ ኣብ ሃገሮም ዝጻወቱለን ዝነበሩ ዓይነታት ኵዕሶ ዓይነተን በበይኑ ስለ ዝነበረ፡ እተን ጋንታታት ቅድሚ ዕረፍቲ በታ ትየኒ ተባሂላ ትጽዋዕ ኵዕሶ ኣርጀንቲና ክጻወታ ድሕሪ ዕረፍቲ ከኣ በታ ናይ ኡራጋይ ቲ ሞዴል ትብሃል ኵዕሶ ክጻወታ ኣብ ስምምዕ ተበጽሐ።
ቅድሚ ዕረፍቲ ኣርጀንቲና ክልተ ንሓደ መሪሓ ወጺኣ፡ ድሕሪ ዕረፍቲ ግን በታ ብክብደትን ብዓቐንን ካብታ ናይ ኣርጀንቲና ትዓቢ ቲ ሞዴል ትብኣል ናይ ኡራጋይ ኩዕሶ ምስ ተጋጠመ ኡራጓይ በታ ዝለመደታ ኵዕሶ ሰለስተ ሸቶታት ብምምዝጋብ፡ ኣብ ሜዳኣ 4 ብ 2 ብምስዓር በዅሪ ተዓዋቲት ዋንጫ ዓለም ኰነት።
ሕጂ ግን ፊፋ ኵለን እተን ዓለምለኻዊ ውድድራት ዝካየደለን ኳዓሳሱ ብዓቐንን ብክብደትን ሓደ ዓይነት ክዀና ከም ዘለወን'ዩ ኣዊጁ።
ኣብ መንጐ ጸወታ ኩዕሶ ምስ እትነፍስ፡ ጸወታ ደው ይብል፡ ካልእ ኵዕሶ ከኣ ትወሃብ።
ምስ ኵዕሶ ኣብ ዝተሓሓዝ ካልእ ሕጊ፡ ዝተቐልዐት ኵዕሶ ነፊሳ እንከላ ሸቶ ምስ እትቝጸር እታ ሸቶ ኣይትጸድቕን'ያ።
ትስረዝ!
ሕጊ ፍጹም ቅላዕ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ፍጹም ቅላዕ ተዋሂባትካ ናብ ወዲ ጋንታኻ ከተቐብላ ትኽእል ኢኻ፤ እንተዀነ ነታ ኩዕሶ ናብ ቅድሜኻ'ምበር ናብ ድሕሪት ኣይትቐልዓን ኢኻ።
እቲ ፍጹም ቅላዕ ዝሃርም ተጻዋታይ እንተስ ናብ ሓላዊ ልዳት ክቐልዓ እንተስ ናብ ወዲ ጋንታኡ ከቐብላ ነታ ኩዕሶ ሓንሳብ ጥራይ'ዩ ክትንክፋ ዝፍቀዶ።
ፍሉጣት ተጻወትቲ ከም ልዮነል መሲን ጆሃን ክሩፍን ንሓላዊ ልዳት ንምትላል ናብ ሓላዊ ልዳት ዝሃርሙ ተመሲሎም ናብ ደቂ ጋንታኦም ከቐብሉ ርኢናዮም ኢና።
ኣብ 2005 ኣርሰናል ኣንጻር ማንቸስተር ሲቲ እናተጻወተት እንከላ፡ ተጻወትቲ ኣርሰናል ዝነበሩ ሮበርት ፒረስን ቴሪ ሄንሪን ከምኡ ክገብሩ ተራእዮም ነይሮም፤ ፒረስ ንሓላዊ ልዳት ንምትላል ነታ ዝተወሃበቶም ፍጹም ቅላዕ ናብ ቴሪ ሄንሪ ከቐብላ ወሰነ።
እንተዀነ ነታ ኩዕሶ ትንክፍ ኣቢሉ ናይ ሰንቲሜተራት ጥራይ ኣንቀሳቀሳ።
ካልኣይ ግዜ ስለዝተንከፋ ከኣ ዳኛ ነታ ፍጹም ቅላዕ ሰሪዙ ንማንቸስተር ሲቲ ቅላዕ መቕጻዕቲ ሂብዎም።
እዚ ሕጊ ምስ ዝልዓል ከኣ ኣርሰናልን ሮበርት ፒረስን'ዮም ዝዝከሩ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







