ተጻወትቲ ኩዕሶ እግሪ ትሕቲ ከንፈሮም ዝቐብርዎ ጥቕላል እንታይ እዩ? ሕጋዊ ድዩኸ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ቀረባ እዋን ዝተገብረ መጽናዕቲ ከም ዝሕብሮ፡ ካብ ሓሙሽተ ፕሮፌሽናል ተጻወትቲ ኩዕሶ እግሪ እቲ ሓደ ‘ስኑስ’ ዝበሃል ኒኮቲን [ኣብ ሽጋራ ዝርከብ] ንጥረ ነገር ይጥቀም።
ፍርቂ ካብቶም ኣብቲ ዳህሳስ ዝተሳተፉ ተጻወትቲ ከኣ ነዚ ልምዲ ክገድፍዎ ከምዝደልዩ ይዛረቡ።
እቲ ብዩኒቨርሲቲ ሎውቦሮ ምስ ማሕበር ፕሮፌሽናል ተጻወትቲ ብምትሕብባር ዝተኻየደ መጽናዕቲ ከም ዘመልክቶ፡ ካብ ሓሙሽተ ተጻወትቲ እቶም ክልተ እንተወሓደ ሓደ ግዜ ነቲ ንጥረ ነገር ፈቲኖምዎ እዮም።
"ሓቀኛ ቁጽሪ" ናይቶም ስኑስ ዝጥቀሙ ተጻወትቲ ኣዝዩ ዝለዓለ ክኸውን ከም ዝኽእል ዘመልክት እቲ ጸብጻብ፡ ብዙሓት ተጻወትቲ ወልፊ ከምዘለዎም ንምዝራብ ፍቓደኛታት ኣይኮኑን ይብል።
እዚ ኣብ ቀረባ እዋን ዝተዘርግሐ መጽናዕቲ ምስ ኣጠቓቕማ ስኑስ ብዝተሓሓዝ ዝተኻየደ ናይ መጀመርታን ዝዓበየን መጽናዕቲ እዩ።
ኣብቲ መጽናዕቲ ካብ ጋንታታት ፕሪምየር ሊግን ሊግ ኩዕሶ እግሪ እንግሊዝን [ኢኤፍኤል] ዝተወከሉ 628 ደቂ ተባዕትዮ ተጻወትቲ ዝተሳተፉ ኮይኖም፤ 51 ተጻወትቲ ሱፐር ሊግ ደቂ ኣንስትዮ እውን ተሳቲፈን።
18 ሚእታዊት ካብቶም ደቂ ተባዕትዮ ተጻወትቲ ክሳብ ሕጂ ስኑስ ከም ዝጥቀሙ ክዛረቡ እንከለዉ፡ 42 ሚእታዊት ድማ እንተወሓደ ሓደ ግዜ ከም ዝፈተንዎ ተኣሚኖም።
ካብተን ደቂ ኣንስትዮ ከኣ እተን 22 ሚእታዊት ክሳብ ሕጂ ከም ዝጥቀማሉ ክገልጻ እንከለዋ፡ 39 ሚእታዊት ድማ ከም ዝፈተንኦ ሓቢረን።
48 ሚኢታዊት ካብ ደቂ ተባዕትዮ ተጻወትቲ ኣብ ዝቕጽል ዓመት ነቲ ማስቲካ ዝመስልን ነገር ኣብ ትሕቲ ከንፈሮም ምቕባር ከቋርጹ ከም ዝደልዩ ገሊጾም ኣለዉ። ካብተን ደቂ ኣንስትዮ ከኣ እተን 9 ሚእታዊት ጥራይ እየን ናይ ምቁራጽ ድሌት ዘለወን።
ኣብቲ መጽናዕቲ 16 ፕሮፌሽናል ጋንታታት ዝተዳህሰሳ ኮይነን፤ ሰብ ሞያ ጥዕና እውን ቃለ መሕትት ተገይሩሎም።
ስኑስ እንታይ እዩ?
ስኑስ ልክዕ ከም ቆጽሊ ሻሂ ተዓሺጉ ዝመጽእ ፍርያት ትምባኾ እዩ። እዚ ኣብ ትሕቲ ከንፈር ዝቕበር ነገር ከኣ ኒኮቲን ናብ ደራውር ደም ይለቅቕ።
ኣብ ዕዳጋ ዓዲ እንግሊዝ ክቐርብ ዘይፍቀድ እኳ እንተኾነ ምጥቃሙ ግን ብሕጊ ዘቕጽዕ ኣይኮነን።
መብዛሕትኦም ተጻወትቲ ኣብ ክንዲ ትምባኾ ዝሓዘ ስኑስ ነቲ ኒኮቲን ዘለዎ ክጥቀሙ ይመርጹ። ግን ከኣ ነቶም ኒኮቲን ዝሓዙ ጥቕላላት እውን ስኑስ እዮም ዝብልዎም።
ተጻወትቲ ኩዕሶ እግሪ ንምንታይ እዮም ስኑስ ዝጥቀሙ?
ካብቶም ስኑስ ተጠቒሞም ብቕዓቶም ዘዕበዩ 45 ደቂ ተባዕትዮ ተጻወትቲ እቶም 29 ሚኢታዊት ከምኡ’ውን ካብ 11 ደቂ ኣንስትዮ ተጻወትቲ እተን 55 ሚእታዊት፡ ጥዕና ኣእምሮአንን ብቕዓተንን ከምዝተመሓየሸ ይዛረቡ።
ካብ 84 ደቂ ተባዕትዮ 56 ሚኢታዊት እዚ ዕሹግ ባእታ ሰላም ኣእምሮ ከም ዝህቦም ክዛረቡ እንከለዉ፡ ካብ 11 ደቂ ኣንስትዮ ድማ እተን 36 ሚኢታዊት ተመሳሳሊ ምላሽ ሂበን።
ተጻወትቲ መብዛሕትኡ ግዜ ድሕሪ ልምምድን ጸወታን ስኑስ ይጥቀሙ። ክኢላታት ጥዕና ጋንታታት ተጻወትቲ ስኑስ ከም "መፈወሲ ውጥረት" ከም ዝጥቀሙሉ ይዛረቡ።
እቲ መጽናዕቲ ከም ዝሕብሮ፡ ተጻወትቲ ሓደ ሓደ ግዜ ናይ መግቢ ሸውሃቶም ንምግታእ ነዚ ጥቕላል ክወስድዎ እንከለዉ፡ ጀመርቲ ድማ ምስ ምኩራት ተጻወትቲ ንምምስሳል ይጥቀምዎ።
ካብ ደቂ ተባዕትዮ ተጻወትቲ እቶም 56 ሚእታዊት ስኑስ ክጥቀሙ ዝጀመሩ ምስቶም ሙኩራት ተጻወትቲ ንምምስሳል ከምዝኾነ ክገልጹ እንከለዉ፡ 73 ሚእታዊት ደቂ ኣንስትዮ ተጻወትቲ ድማ ተመሳሳሊ ምላሽ ሂበን።
ጎናዊ ሳዕቤናቱ እንታይ እዩ?
እዚ ንጥረ ነገር ንጥዕና ሳዕቤን ከም ዘለዎ ዝሕብር መርትዖታት ኣሎ። መጽናዕትታት ከም ዘመልክትዎ ንሓደጋ ሕማም ልቢ ክውስኽ ይኽእል እዩ።
ካልኦት መጽናዕትታት ከኣ ስኑስ ምጥቃም ቁስለት ኣፍን ሕጽረት ትንፋስን ከስዕብ ከምዝኽእል ይሕብሩ።
ማሕበር ፕሮፌሽናል ተጻወትቲ ኤውሮጳ ኣብ መጋቢት 2023 ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ቁጽሪ ስኑስ ዝጥቀሙ ተጻወትቲ እናወሰኸ ይኸይድ ከምዘሎ ስክፍታኡ ኣፍሊጡ ነይሩ።
ገለ ተጻወትቲ እውን ናብ ወልፊ ስለዝተቓልዑ ሓገዝ ይረኽቡ ከምዘለዉ ጠቒሱ።
ካብቶም ኣብቲ ዳህሳስ ዝተሳተፉ ተጻወትቲ 53 ሚእታዊት ደቂ ተባዕትዮን 86 ሚእታዊት ካብ ደቂ ኣንስትዮን ጽግዕተኛ ኒኮቲን ከምዝኾኑ ይዛረቡ። ማለት’ውን ከይሓሰብዎ ከለዉ ድልየት ስኑስ ምምጻእ፤ ደው ምስ ኣበልዎ ድማ ጭንቀትን ዘይምቹእነትን ስእነት ርግኣትን ይስምዖም።
ክልተ ሲሶ ካብ ደቂ ተባዕትዮ ነቲ ስኑስ ኣብ ሹቓት ከም ዝረኽብዎ ተዛሪቦም። ልዕሊ ፍርቂ ካብ ደቂ ኣንስትዮ ድማ ብኢንተርነት ከም ዝዕድጋ ገሊጸን።
እዚ ፍርያት ምስ መነቓቕሒታት እንተተሓዋዊሱ ንተጻወትቲ ሓደጋ ከስዕብ ከምዝኽእል እቲ መጽናዕቲ የጠንቅቕ።
ጋንታታት እዚ ጥቕላል ኣብ ረብሓ ከይውዕል ዘንበርኦ እንግድ ብዙሕ ኣድማዒ ኣይኮነን። ስለዚ ክድገፉን ክገድፉን ንዝደልዩ ተጻወትቲ ብውልቂ ምሕጋዝ ይምዕድ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







