ስለ ምንታይ’ዩ ንጥዕናና ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነ ድቃስ ንእስን? መፍትሒኸ ኣለዎ’ዶ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ኵነታት ድቃስኩም እንታይ ይመስል ነይሩ - ኣስከ ሕሰቡ! እኹል ድቃስ ዝረኸብኩም ዶ ይመስለኩም? ብዘይ ዝዀነ ጸቕጢ ካብ ድቃስኩም ተንሲእኩም፡ ሰብነትኩም እኹል ዕረፍቲ ረኺቡ ዝተሰምዓኩም መዓልቲ’ኸ ትዝክሩዎ’ዶ?
“ኣይፋል” እንተዀይኑ እቲ ምላሽ፡ ብውሑዱ ኣብ በይንኹም ከም ዘይኰነ ተረድኡ።
ሮዳስ በየነ፡ ድሕሪ ሞት ምንኣስ ሓዋ ውሽጣ “ብፍርሒ ስለ ዝተሸመመ” ክድቅስ ኣይክኣልኩን ትብል።
ናብራኣ ኣብ ጅቡቲ ስለ ዝነበረ፡ ሓዋ ኣብ እዋን ኲናት ትግራይ ክመውት እንከሎ፡ ንሳ እቲ ኲናት ደው ምስ በለ ድሕሪ ሓደ ዓመት እያ ተረዲኣ።
ካብ ሽዑ ኣትሒዙ፡ ጽቡቕ ድቃስ ክትረክብ ትጽገምን ኣዝዩ ዝተቘራረጸ ሰዓታት ድቃስ ከም እተሕልፍን ትዛረብ።
“ካብ ሰለስተ ሰዓታት ዘይዛይድ’የ ዝድቅስ። ከውታ ለይቲ ኰይኑ ሃንደበት ምስ ነቓሕኩ ተመሊሰ ክድቅስ ይኣብየኒ፤ ምንም ክገብር ስለ ዘይኽእል ከኣ፡ እንተደኸመኒ ብዝብል ፊልም ይርኢ” ትብል።
ሓሓሊፉ፡ ንተኸታተልቲ ሰሙናት ንነዊሕ ሰዓታት ድቃስ ከም ዝስእን ዝዛረብ ካልእ ብሞያ ጋዜጠኛ ዝዀነ ውልቀሰብ ድማ፡ ምኽንያቱ’ኳ ብወግዒ እንተዘይፈለጥኩዎ ድቃስ ዝስእነሎም መዓልታት ከም ዘለው ግን እግንዘብ’የ ይብል።
ንሱ፡ ኣብ ስክሪን ተሌፎንን ላፕቶፕን ዘሕልፎ ግዜ ከምኡ’ውን ሓሓሊፉ ምስ መሰየ ቡን ዝሰትየሎም መዓልታት ከም ዘለው ግን ኣይሓብአን።
እንተዀነ፡ “ድቃስ ስኢነ ሓዲረ ናብ ስራሕ ክመጽእ እንከለኹ፡ ባህሪያተይ ብምሉኡ’ዩ ዝቀያየር። ወግዒ ምስ ሰባት ይጽልኣኒ፣ ትዅረት ይስእን፣ ቀጨውጨው’ውን የብዝሕ። ድቃስ ምስኣን የፍርሕ’ዩ” ይብል።
እዞም ውልቀሰባት፡ ንመዓልታት ድቃስ ብምስኣኖም ኣብ ስርሖም ጽልዋ የሕድረሎምን ኣብ ማሕበራዊ ህይወቶም ዕግበት ክስእኑ ከም ዝገብሮምን ይዛረቡ።
እወ፤ ኵላትና ጽቡቕ ድቃስ ዘይምርካብ ዝፈጥሮ ስምዒትን ሻቕሎትን እንታይ ከም ዝዀነ ንፈልጥ ኢና።
ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ዝወጽኡ ብርክት ዝበሉ መጽናዕቲታት፡ ኣብዚ እዋን ብውሑድ ሓደ ካብ ዓሰርተ ኣባጽሕ ድቃስ ከም ዝሓርሞም የመልክቱ።
ለይቲ ብተደጋጋሚ ትነቕሑን ካብ ድቃስ ምስ ተሳእኩም ድማ ስምዒት ድኻም ይስምዓኩም እንተሃልዩን ምናልባት ኢንሶምኒያ (ስእነት ድቃስ) ኣለኩም ማለት’ዩ።
እዚ ኣዝዩ ልሙድ ኵነታት ኰይኑ፡ ስእነት ድቃስ ብተደጋጋሚ ከጋጥም እንከሎ፡ ኣብ ሰዓታት ቀትሪ ምድካም ተገንዝቦኣዊ ዓቕምን ሓራቕ ምዃንን ከስዕብ ይኽእል።
ኣብዚ እዋን ኣብ ካናዳ፡ ሆስፒታል ኬሲ ሃውስ፡ ‘ወልፊታትን ጥዕና ኣእምሮን’ ኣብ ዝምልከት ዓውዲ ጥዕና ዝሰርሕ ዘሎ ክኢላ ሆስፒታል ጥዕና ኣእምሮ ኣማኑኤል ዶ/ር ዮናስ ላቀው፡ ሓደ ሰብ ዝተማልአ ኣካላውን ኣእምሮኣውን ጥዕና ንኽህልዎ እኹል ድቃስ ክረክብ ግድን ከም ዝዀነ ገሊጹ።
“ኢንሶምኒያ ድማ፡ ሰባት እኹልን ዓሚቝን ድቃስ ብምስኣኖም ኣብ ዝስዕብ መዓልቲ ኣብ ስምዒቶም፡ ጠባዮም፡ ሓሳቦም ለውጢታት ክኽሰቱ እንከለው’ዩ” ዝብል ዶ/ር ዮናስ፡ ሓደ ሰብ ክረኽቦ ዝግባእ ማእከላይ መጠን ድቃስ ዝተረጋግአ፡ ዘይተቘራረጸን ምቾት ዘይጐደሎን ክኸውን ከም ዘለዎ ይጠቅስ።
ኣብዚ እዋን፡ ዝበዝሕ ክፋል ህዝቢ ዓለም ትሕቲ እቲ ክኢላታት ዝምዕዱዎ (ካብ 7 ክሳብ 9 ሰዓታት) እኹል ድቃስ ከም ዘይድቅስ ይግለጽ።
ካብዚ ብዝብገስ፡ ከም እንግሊዛዊ ፕሮፌሰር ስነ-ልቦናን ኒውሮሳይንስን ዩኒቨርሲቲ ካሊፎርኒያ ማቲው ዎከር ዝበሉ ተመራመርቲ፡ ሓካይም ድቃስ “ከም መድሃኒት” ምእዛዝ ክጅምሩ ይጉስጕሱ።
ማቲው ዎከር፡ ‘Why we sleep?’ ኣብ ዝብል መጽሓፉ ብልክዕ ከምቲ “ምብላዕ፡ ምስታይን ምርባሕን ኣገደስቲ ህይወት ገይርና እንወስዶም፡ ድቃስ’ውን ዕሽሽ ክንብሎ ኣይግብኣናን” ብምባል፡ እኹል ድቃስ ዘይምርካብ፡ ጠንቂ ሕማም ኣልዛይመር ክኸውን ይኽእል’ዩ ክብል ጠቒሱ ኣሎ።
እኹል ድቃስ ከም ዝረኸብና ብምንታይ ንፈልጥ ዝብል ተወሳኺ ክሊኒካዊ መጽናዕቲ ዘድልዮ’ኳ እንተዀነ፡ ዶክተር ማቲው ብኽልተ መገዲታት ምፍላጥ ከም ዝክኣል ይገልጽ።
እቲ ሓደ፡ ንግሆ ምስ ተሳእካ ረፋድ ከባቢ ሰዓት 10 ተመሊስካ ክትድቅስ ትኽእል’ዶ ዝብል እዩ።
እቲ መልሲ “እወ” እንተዀይኑ፡ እኹልን ዓሚቝን ድቃስ ኣይረኸብካን ማለት’ዩ።
እቲ ኻልኣይ፡ ቅድሚ ድሕሪ ቀትሪ ብዘይ ዝዀነ ካፌይን ንቝሕ ኴንካ ክትጸንሕ ትኽእል’ዶ? ዝብል ኰይኑ፤ እቲ መልሲ “ኣይፋል” እንተዀይኑ፡ ሓደ ሰብ ዘነቓቕሑ ነገራት ብምውሳድ ጥራይ ንቝሕ ኰይኑ ክጸንሕ ይፍትን እንተሃልዩ፡ ናብ ቀጻሊ ስእነት ድቃስ ከቃልዖ ዝኽእል ነገር እዩ ዝገብር ዘሎ ብምባል የረድእ።
ኢንሶምኒያ እንታይ’ዩ?
ቢቢሲ ዘዘራረቦም ክኢላ ጥዕና ኣእምሮ ዶ/ር ዮናስ ላቀውን ኣማኻሪ ጥዕና ኣእምሮ ሓቂ ፋውንዴሽንን መምህር ዩኒቨርሲቲ ዓዲ ግራትን ዝዀነ ዮናስ ክፍሎምን፡ ኢንሶምኒያ፡ ሓደ ካብቶም ብዙሓት ጸገማት ድቃስ ከም ዝዀነ ብምግላጽ፡ ምስ ድቃስ ብዝዛመድ ካብ ዝመጽኡ ሕማማት ብሰፊሑ ዝርአ ክስተት ከም ዝዀነ ሓቢሮም።
- እዚ ድማ፡ ብዝተፈላለዩ መልክዑ ይግለጽ፤
- ድቃስ ምምጻእ ምጽጋምን ለይቲ ከይደቀስካ ምሕዳርን
- ለይቲ ብዙሕ ግዜ ምብርባር
- ኣንጊህካ ምስ ተበራበርካ ዳግም ናብ ድቃስ ክትምለስ ምጽጋም
- ካብ ድቃስ ምስተሳእካ ስምዒት ድኻም ምህላው
- ደኺምካ እናሃለኻ’ውን ኣብ ሰዓታት ቀትሪ ንሓጺር ሰዓት ክትድቅስ ዘይምኽኣል
- ኣብ ሰዓታት ቀትሪ ስምዒታት ድኻምን ቍጥዐን ምህላው
- ብሰንኪ ድኻም ትዅረት ምስኣን ዝብሉ ምልክታት ይርከብዎ ኢሎም።
ኢንሶምኒያ፡ ንዘለዎም ሰባት ብምሕጋዝ ንዝሓለፉ ልዕሊ ዓሰርተ ዓመታት ኣብ ጉዳይ ድቃስ ክሰርሕ ዝጸንሐ ፊዚዮሎጂስት ዶክተር ጋይ ሜዶውስ፡ ድቃስ እቲ ዝሓየለን ተፈጥሮኣዊ ጥዕና ዝህብን ዑደት ከም ዝዀነ ይገልጽ።
ንሱ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ኵሉ መዳያዊ ናይ ሓጺርን ነዊሕን ግዜ ጥዕናኻን ብቕዓትኻን ኣብ ድቃስ ይምርኰስ ክብል ተዛሪቡ።
“ኣእምሮና ጽቡቕ ስራሕ ንኽሰርሕን ትኩራት ንኽንከውንን ከምኡ’ውን ጽቡቕ ዝኽሪ፡ ምሃዝነትን ተበግሶን ንኽህልወና ኣዝዩ ጽቡቕ ድቃስ ክንረክብ ክንክእል ኣለና። ድቃስ ንናይ ሸውሃት ሆርሞናትና ብምምሕዳር ክብደት ሰብነትና ኣብ ምዕቃብ እውን ዓቢ እጃም'ዩ ዘለዎ” ኢሉ።
ስለ ምንታይ ኢና ጽቡቕን እኹልን ድቃስ ንስእን ዘለና?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሓደ ሰብ ድቃስ ክስእን እንከሎ ብዙሕ መግቢ ናይ ምብላዕ ድልየቱ ከም ዝውስኽ ዝገልጹ ክኢላታት፡ እዚ ድማ ውሑድ ድቃስ እቲ ስምዒት ጥምየት ክስምዓና ዝገብር ሆርሞን ነቲ ናይ ዕግበት ሆርሞን ስለ ዝጸቕጦ ዝስዕብ ምዃኑ የረድኡ።
ድቃስ ምስኣን፡ ኣብ መስርሕ ብኢንሶምኒያ ዝጅምር ሳሕቲ ዘጋጥም ጀነቲካዊ ምዝባዕ ከኸትል ከም ዝኽእል ብምግላጽ፡ እዚ ንኣዋርሕ ክደጋገገም እንከሎ፡ ዝበዝሕ ዕማማት ሰብነትናን ኣእምሮናን ከም ዘስእነና ይገልጹ።
ክኢላ ጥዕና ኣእምሮ ዶ/ር ዮናስ ላቀው፡ ምሸት ናብ ዓራት ክንከይድ እንከለና ቀልጢፍና ክንድቅስን ዘይክንድቅስን፡ ኣብ ሰዓታት ቀትሪ ዝህልወና ኣወዓዕላ -ንኣብነት ኣካላዊ ምንቅስቓስ ንገብር’ዶ፡ መዓልትና ጽቡቕ’ዶ ነይሩ- ዝብሉ ከምኡ’ውን ስነ-ልቦናዊ ጉዳያት ጭንቀት፡ ጻዕቂ ስራሕ ወይ ወጥሪ እንተሃልዩ፡ ሕማም እንተሃልዩ ኣብ ድቃስ ጽልዋ የሕድሩ’ዮም ኢሉ።
ካብኡ ብዝሰገረ፡ ዝተፈላለዩ ወልፊ ዘትሕዙ ነገራት ምውሳድ ድቃስ ከም ዘስእኑ ምግንዛብ የድሊ።
ንኣብነት ኣልኮል ገለ ሰባት ስምዒት ድኻም ክስምዖምን ክድቅሱን ይገብር። ከም ሽጋራን ጫትን ዝኣመሰሉ ኣነቓቓሕቲ ድማ እቲ ስሩዕ ወይ ሰብነት ዘድልዮ መጠን ድቃስ ቀልጢፉ ንኸይረክብ ጽልዋ ከም ዘሕድሩ ኣረዲኡ።
ሰብ ሞያ፡ ለይቲ ጽቡቕ ድቃስ ንኽንረክብ፡ ኣብ ዓራት ሞባይልን ካልኦት ድቃስ ክኸልኡ ዝኽእሉ ነገራትን ከነወግድ ከም ዘለና ይምዕዱ።
ብኻልእ ወገን ድቃስ ምስኣን ምስ ኣካላዊ ጥዕና ዝተኣሳሰር ከም ዝዀነ ዝጠቅስ እቲ ክኢላ፡ ጻዕቒ ስራሕ ምህላው፡ ተምሃሮ ድማ ኣብ እዋን ፈተና ብዝፍጠር ጭንቀት ከምኡ’ውን ሰባት ጸገም ወይ ሓዘን ከጋጥሞም እንከሎ ናይ ድቃስ ሰዓታት ክዛባዕን ድቃስ ከስእኑና ከም ዝኽእሉን ሓቢሩ።
ጾታ፡ ምስ ምውሓድን ምንዋሕን ድቃስ ቀጥታዊ ምትእስሳር ከም ዘለዎ ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ብዙሓት ሃገራት ክካየድ ዝጸንሐ ሓደ መጽናዕቲ ኣነጺሩ።
እዚ፡ ደቂ ኣንስትዮ ምስ ደቂ ተባዕትዮ ብምንጽጻር ዝሓጸረን ዘይቅሱንን ድቃስ ከም ዘለወን የመልክት።
ኣብ ርእሲኡ፡ ስነ-እምሮኣውን ማሕበራውን ረቋሒታት ከኣ ገለ ካብ ቀንዲ ምኽንያታት ምዃኖም ይጠቅስ።
ሓንቲ ካብቲ ነቲ መጽናዕቲ ዘካየዱ ኣብ ዩኒቨርስቲ ስታምፎርድ ተመራማሪት ዝዀነት ዶክተር ረንሴስ ሎክ፡ ሆርሞን ድቃስ ንምስኣን ሓደ ምኽንያት ምዃኑ ትሕብር።
“ምቅይያር ሆርሞናት ሓደ ካብቲ ምስ ምምጻእ ወርሓዊ ጽግያት ዝኽሰት’ዩ፤ እዚ ቀጨውጨውታ ብምፍጣር ደቂ ኣንስትዮ ጥዑም ድቃስ ከይድቅሳን ቀልጢፈን ንኽበራበራን ዝድርኽ ተፈጥሮኣዊ ክስተት ኰይኑ ንድቃሰን ዝጸሉ ረቋሒ’ዩ።
“እቲ ካልኣይ ምኽንያት ‘ኢንሶምኒያ’ ወይ ስእነት ድቃስ ኰይኑ፡ እዚ ብቀጥታ ምስ ስነ-ኣእምሮኣዊ ጸገማትን ቅዛነትን ዝተኣሰሳሰር’ዩ። ቅዛነት ዘለዎም ሰባት መብዘሕትኡ ግዜ ኢንሶምኒያ የጥቅዖም’ዩ፤ ቅዛነት ከኣ ካብ ኣብ ደቂ ተባዕትዮ ኣብ ደቂ ኣንሰትዮ ስለ ዝዛይድ ንብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ሓጺር ድቃስ ንኽህልወን ይድርኽ ከም ዘሎ ክንርዳእ ክኢልና ኣለና” ኢላ።
እቲ ካልእ ምኽንያት ኢላ እትጠቕሶ፡ ንኽትርድኦ ቅሩብ ክብድ ዝብል ኰይኑ፡ ደቂ ኣንስትዮ ንሓንቲ ሰዓት ኣብ ውሽጠን ዝህብኣ ግምት ምስ ናይ ደቂ ተባዕትዮ ክነጻጸር እንከሎ ዝነወሐ’ዩ ብምባል፡ “ኣርባዕተ ሰዓት ጥራይ ደቂሰን እንከለዋ ሓሙሽተ ወይ ሽዱሽተ ሰዓት ዝደቀሳ ኰይኑ ይስመዐን” ክትብል ኣብሪሃ።
መብዛሕትኡ ግዜ ደቂ ኣንስትዮ ልዕሊ ደቂ ተባዕትዮ ደቀን ኣብ ምሕብሓብ ሓላፍነት ስለ ዝወስዳ ለይቲ ደቂሰን እንከለዋ ድምጺ ምስ ዝሰምዓ ወደን ወይ ጓልን ዝወደቐ ስለ ዝመስለን፡ ዘይቅሱን ድቃስ ከም ዝህልወን’ውን ዶክተር ረንሰስ ሎክ ተረድእ።
ካልእ ዕድመ ክኸውን እንከሎ፡ ህጻናት ንኣስታት 20 ሰዓታት ክድቅሱ ይኽእሉ’ዮም፤ ኣባጽሕ ድማ ካብ 6 ክሳብ 9 ሰዓታት ክድቅሱ ተኽእሎ ከም ዘሎ ዶ/ር ዮናስ ይገልጽ።
ሰብ ዕድመኡ እናደፍአ ክኸይድ እንከሎ ግን ዝድቅሰሉ ሰዓት ዝሓጽር ኰይኑ ዕድመኦም ካብ 60/70ን ልዕሊኡን ዝዀኑ ካብ ኣርባዕተ ክሳብ ሓሙሽተ ሰዓታት ጥራይ ክድቅሱ ይኽእሉ።
ገለ ሰባት ንሓሙሽተ ሰዓታት ደቂሶም’ውን እኹል ድቃስ ዝረኽቡ ሰባት ኣለው። እቲ ሰዓት ሓጺር እንተዀነ’ውን ንቝሓት ኰይኖም፡ ተሓዲሶም፡ ጽቡቕ ስምዒት ሒዞም እንተተሲኦም እኹል እዩ ክብል የረድእ።
“እንተዀነ ንውሕ ዝበለ ሰዓታት ድቃስ ዘድልዮም ሰባት’ውን ስለ ዘለው፡ እዚኦም ክሳብ ትሸዓተ ወይ ዓሰርተ ሰዓት ብምድቃስ ተሓዲሶም ክትስኡ ኣለዎም። እቲ ሰዓታት ክነውሕን ክሓጽርን ይኽእል፤ እቲ ኣገዳሲ ነገር ተሓዲስካ፡ ክትትስእ ምኽኣል እዩ” ኢሉ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ምሕጻርን ምንዋሕን ሰዓታት ድቃስ ምስ ምንዋሕን ምሕጻርን ናይ ሞት መዓልቲታት ከም ዝዛመድ ዝኣምን ማቲው ዎከር፡ ሓደ ሰብ ካብ 12 ክሳብ 18 ኣዋርሕ እኹል ድቃስ ክረክብ እንተዘይክኢሉ መዋቲ’ዩ ክብል’ዩ ዝምጕት።
ስለ ዝዀነ፡ እንድቅሰሉ ሰዓታት ካብ ሸውዓተ ክሳብ ትሸዓተ ሰዓታት ክኸውን ከም ዘለዎ ይመክር።
ኢንሶምኒያ፡ ብኣመጋግባ ክመጽእ ከም ዝኽእል ዝጠቅስ ኣማኻሪ ጥዕና ኣእምሮ ሓቂ ፋውንዴሽን ዮናስ ክፍሎም፡ ከም ቡን ዝኣመሰሉ ኣነቓቕሕቲ ‘ካፌይን’ ዘለዎም ነገራት ድሕሪ ሰዓት 6:00 ኣጋምሸት ምውሳድ፡ ድቃስ ክመጽኣሉ ዝግበኦ ሰዓት ክነውሕ ወይ ክዛባዕ ከም ዝገብር ሓቢሩ።
ብቐንዱ ግን፡ ናብ ከቢድ ማህሰይቲ ዘቃልዑ ሃንደበታዊ ክስተታት ህይወት፡ ዓቐኑ ዝሓለፎ ጭንቀት ወይ ኣሉታዊ ሓሳብ ዘእትውልና ነገራት ክህልዉ እንከለው ድቃስ ከም እንስእን ተዛሪቡ።
“መዓልታዊ ውጥረት፡ ሞት ቀረባ ዘመድ፡ ጻዕቂ ስራሕ፡ ምስ ቤተሰብ፡ ሓዳር ኣሕዋት ዝህሉ ርክባት፡ ፋይናንሳዊ ጸገማት ስነ -ልቦናዊ ምኽንያታትት ኰይኖም ድቃስ ክኸልኡና ይኽእሉ እዮም” ኢሉ።
ካብዚ ሓሊፉ ግን፡ ንዝዀነ ሰብ ድቃስ ከስእኑዎ ዝኽእሉ ዝተፈላለዩ ሕማማት’ዮም፤ ካብዚኦም ኣካላዊ ቃንዛ፡ ኣዝማ ዘለዎም ሰባት ብዙሕ ግዜ ድቃስ ክኣብዮም ይኽእል።
ድቃስ ናይ ምምጻእ ስምዒት ወይ ዝተቘራረጸ ድቃስ ምህላው ኣብ ሰሙን ንሰለስተ መዓልቲ ዘጋጥም እንተዀይኑ፤ እዚ ድማ ንተኸታታሊ ሰለስተ ወርሒ ዝጸንሕ እንተዀይኑ ምዝባዕ ስእነት ድቃስ (ኢንሶምኒያ ዲስኦርደር) ምባል ከም ዝክኣል እቲ ክኢላ ይሕብር።
እንተዀነ፡ ሓደ ውልቀሰብ ኣካላዊ ቃንዛ ሃልይዎ ወይ ብሰንኪ ዝወስዶ መስተ፡ ወልፊ ብዝተሓሓዝ ድቃስ ይስእን እንተሃልዩ፡ ኢንሶምኒያ ኣለዎ ምባል ከም ዘይክኣል ብምግላጽ፡ “ስለዚ፡ ሓደ ሰብ ዘለዎ ሕማም፡ ዝወስዶ መድሃኒት እንተሃልዩ ከም ሕማም ኣይንርእዮም። እዞም ደረኽቲ ነገራት ኣብ ዘይብሉ የጋጥም እንተሎ ኢና ምዝባዕ ስእነት ድቃስ እንብሎ” ክብል ኣረዲኡ።
እዚ ጸገም ዝደጋገም እንተዀይኑን ኣብ ስራሕናን ህይወትናን ጽልዋ ከሕድር እንተጀሚሩ፡ ድቃስ ምስኣን ምልክት ካልኦት ሕማማት ኣእምሮ ክኸውን ስለ ዝኽእል፤ ኣብ ርእሲኡ ጭንቀት እንተሃልዩዎ ሓገዝ በዓል ሞያ ምሕታት ኣገዳሲ ከም ዝዀነ ዶ/ር ዮናስ ይምዕድ።
“ውጥረት፡ ጭንቀትን ቅዛነትን ኢንሶምኒያ ከስዕቡ ይኽእሉ። እዚ ድማ ምናልባት ምስትንፋስ ብተደጋጋሚ ክቋረጽን ክጅምርን ዝገብር ኣዝዩ ከቢድ ጸገም ምዝባዕ ድቃስ (Sleep apnea) ከስዕብን ናብ ካልኦት ከበድቲ ጸገማት ከምርሕን ይኽእል እዩ” ብምባል ንድቃስ እንህቦ ትዅረት ዕሽሽ ክንብሎ ከም ዘይግባእ ኣዘኻኺሩ።
እዚ ጸገም ብኸመይ ንፈትሖ?
ዮናስ ክፍሎም ከም ዝብሎ፡ መብዛሕትኡ ረብሓ ድቃስ፡ ምስ ምርግጋጽ ጥዕና ኣእምሮ፡ ህንጸት ጭዋዳታት፡ ምዕባይ ተፈጥሮኣዊ ሕማማት ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ከምኡ’ውን ኣብ እዋን ድቃስ ብዙሕ ምምጥጣን ሆርሞናት ስለ ዝካየድ፡ ብሰንኪ ፍልልይ ሆርሞናት ዝመጽኡ ከም ናይ ልቢ፡ ጸቕጢ ደምን ሽኮርን ዝበሉ ሕማማት ክንክዩ ምግባር’ዩ።
“ሰብ ክሓዝን፡ ክሓርቕ ወይ ክሕጐስ እንከሎ ኣብ ሰብነቱ ዝፍጠሩ ሆርሞናት ኣለው፤ ብፍላይ ምስ ጥዕና ኣእምሮ ብዝተሓሓዝ ‘ኒውሮ-ትራንስሚተርስ’ ኣብ ኣእምሮና ዝርከቡ ኬሚካላት፡ መልእኽቲ ዘመሓላልፉ መትኒታት ንሓድሕዶም ከም ዝረዳድኡ ዝገብሩ ምስ ስምዒት ብዝተሓሓዝ ሓላፍነት ዘለዎም ሆርሞናት ኣለው። ድቃስ፡ እዞም ከሚካላት ኣብ ምምጥጣን ዓብይ ቦታ ኣለዎ” ኢሉ።
ብተወሳኺ፡ ድቃስ ጭንቀት ወይ ውጥረት ናይ ምጽዋር ዓቕሚ ኣብ ምዕባይ ሓጋዚ ተራ እዩ ዘለዎ።
ስለዚ፡ ንስእነት ድቃስ ምኽንያት ክዀኑ ዝኽእሉ ብርክት ዝበሉ ምኽንያታት፡ ገሊኦም ባዕልና ክንትፈትሖም ከም እንኽል እቶም ሰብ ሞያ ይገልጹ።
እቲ ሓደ፡ ብቝዕ ድቃስ ክትረክብ ምልማድ እዩ፤ እዚ ድማ እትድቅስሉ ክፍሊ ጽልምት ዝበለን ጸጥታ ዝዓሰሎን ክኸውን ምግባር፡ ከም ተሌፎን፣ ላፕቶፕ ዝበሉ ነገራት ኣብ ዓራት ዘይምጥቃምን መጽሓፍ ዘይምንባብን ከም ዝምከር ዶ/ር ዮናስ ይጠቅስ።
ኣብ ሰዓታት ቀትሪ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ምግባርን ቅድሚ ናብ ዓራት ምኻድካ ሰብነትካ ምፍትታሕን ጽቡቕ ድቃስ ክትረክብ ይሕግዙ’ዮም።
ብተወሳኺ፡ ጽርየት እትድቅሰሉ ዓራት ኣዝዩ ኣገዳሲ ከም ዝዀነ ብምዝኽኻር፡ እነንጽፎ ኣንሶላ ጽሬቱ ዝሓለወ ክኸውን ምግባር፣ እቲ መደቀሲ ክፍሊ ንፋስ ዝኣትወሉ ክኸውን ኣገዳሲ ምዃኑ ኣገንዚቦም።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







