ንመጻምድቲ ዘሸግር ምሕርናኽ ብምንታይ ይፍታሕ?

ብሰንኪ ምሕርናኽ “ፍትሕ ድቃስ”

ምንጪ ስእሊ, GETTY IMAGES

መግለጺ ስእሊ, ብሰንኪ ምሕርናኽ “ፍትሕ ድቃስ”

ኣብዚ እዋን’ዚ ብምሕርናኽ ሓድሕዶም ዝሽገሩ ሓያሎ መጻምድቲ ኣብ ዝተፈላለየ ክፍልታት ክድቅሱ ይውስኑ ኣለዉ። እዚ ነገር’ዚ ድሕሪ ለበዳ ኮቪድ-19 እዩ ተጋኒኑ።

ሓንቲ ካብቶም ብዙሓት ብምሕርናኽ መጻምድቶም ዝተሸገሩ ጓል 35 ዓመት ሴሲልያ እያ። በዓል ሓዳራ፡ ምስ ደቀሰ ዓው ኢሉ ስለዝሕርንኽ፡ መታን ክግልበጥ እንከሎ ድምጺ ከቋርጽ እንተተንከፈቶ እኳ ከምዝሓሰበቶ ኣይኮነላን። ዋላ እውን ንግዝይኡ ድምጺ እንተቋረጸ ምስተገልበጠ እንደገና ምሕርናኽ ይቕጽል። ብስእነት ድቃስ ምስ ተሸገረት ከኣ ኣብ በበይኖም ክፍሊ ክድቅሱ ወሲኖም።

“ምሉእ መዓልቲ ስለዝደክም ኣብ ስርሐይ ከድህብ ኣይከኣልኩን። ንሓደ ክልተ ለይቲ ክትጻወሮ ይከኣል ይኸውን፤ እንተነዊሑ ግን ከቢድ እዩ። እቲ በበይንኻ ምድቃስ ዘሐጉስ ኣይኮነን። ቁሩብ እውን ተንኪፉና እዩ። ምስተረዳዳእና ግን ተሓጒሰ" ክትብል ንቢቢሲ ገሊጻ።

ሴሲልያን ወዲ 43 ዓመት መጻምድታን፡ ብሰንኪ ምሕርናኽ “ፍትሕ ድቃስ” ኣዊጆም ኣለው።

“መብዛሕትኡ ግዜ፡ ፍትሕ ድቃስ ንግዚኡ እዩ ዝግበር። ዳሕራይ እቶም መጻምድቲ ጽቡቕ ምስ ደቀሱ ግን ይዝውተር ” ትብል ኣብ ሆስፒታል ማክሊን ኣመሪካ እትርከብ ሓኪም ስነ-ኣእምሮ ስቴፋኒ ኮሊየር።

“እቲ ምሕርናኽ ምስ ጥዕና ዝተኣሳሰር እዩ። ለይቲ ንክሸይን ደጋጊሙ ዝትንስእ ሰብ እውን ንመጻምድቱ ናይ ድቃስ ጸገም ክፈጥረሉ ይኽእል እዩ።” ክትብል ንቢቢሲ ተዛሪባ።

"ብሰንኪ ምሕርናኽ ተፈላሊኻ ምድቃስ ከም ፍታሕ ኣማራጺ ዝኸውን ዘሎ ኣገባብ’ዩ።"

ኣብ ሚለንየማውያን እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ተርእዮ

እዚ ተርእዮ’ዚ፡ ኣብቶም 1980ታትን 1990ታትን ዝተወልዱ ሰባት እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ፍልጥቲ ኣመሪካዊት ተዋሳኢት ካሜሮን ዲያዝ፡ ንሳን በዓል ቤታን ኣብ ሓደ ክፍሊ ከምዘይደቀሱ ገሊጻ ነይራ።

"ኣብ ዝተፈላለየ መደቀሲ ክፍሊ ምድቃስ ንቡር ክንገብሮ ኣለና ይመስለኒ" ኢላ።

እቲ ርእይቶኣ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታትን መራኸቢ ብዙሃንን ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ግብረ-መልሲታት እኳ እንተስዓበ እቲ ጉዳይ ግን ኣብኣ ጥራይ ዘጋጥም ኣይኰነን።

ብመሰረት ኣብ 2023 ብኣካዳሚ ሕክምና ድቃስ ኣመሪካ (AASM) ዝተገብረ መጽናዕቲ፡ ኣብ ኣመሪካ ልዕሊ ሲሶ ካብቶም ተሳተፍቲ፡ ጽቡቕ ድቃስ ንምርካብ ሓሓሊፎም ወይ ብስሩዕ ካብ መጻምድቶም ተፈልዮም ኣብ ካልእ ክፍሊ ከምዝድቅሱ ሓቢሮም።

እቲ ዝንባለ ኣብ “ሚለንየማውያን” (ኣብዚ እዋን’ዚ ካብ 28 ክሳብ 42 ዓመት ዝዕድሚኦም) ከምዝውስኽ እቲ መጽናዕቲ የመልክት፤ ኣስታት ንፍርቂ ዝቐርብ (43 ሚእታዊት) ካብ መጻምድቶም ተፈልዮም ከምዝድቅሱ እዮም ሓቢሮም።

ቀጺሎም ዝርከቡ “ወለዶ X” (ኣብ መንጎ 1965ን 1980ን ዝተወልዱ) ኰይኖም፡ 33 ሚእታዊት ይበጽሑ። ብድሕሪኦም “ጀነሬሽን ዜድ” (ኣብ መንጎ 1997ን 2012ን ዝተወልዱ) ድማ 28 ሚእታዊት እዮም። ኣብ መወዳእታ ድማ እቶም “ቤቢ ቡመርስ” (ኣብ መንጎ 1946ን 1964ን ዝተወልዱ) ኣብ 22 ሚእታዊት ይርከቡ።

“ንኣሽቱ ወለዶታት ካብ ሓድሕዳዊ ምክሳስ ንክድሕኑ በበይንኻ ምድቃስ ዝሓሸ እዩ ካብ ዝብል ዝነቐለ ክኸውን ከምዝኽእል ግምታት ኣሎ። እዚ ባህላዊ ለውጢ’ዩ። ‘ጽቡቕ እንተደቂሰ ተጊሀ ይሰርሕ፤ ስለዚ በበይንኻ ምድቃስ እንታይ ጸገም ኣለዎ?’ ይብሉ” ትብል ዶክተር ኮሊየር።

ኣብ ዝሓለፈ እዋን መጻምድቲ ኣብ ዝተፈላለየ ክፍሊ ክድቅሱ ልሙድ ከምዝነበረ ተመራመርቲ ታሪኽ ይሕብሩ

ኣብ ታሪኽ ግን እዚ ተቐይሩ እዩ።

ገለ ጸሓፍቲ ታሪኽ፡ እቲ “ዓራት ሓዳር” (ወይ ድርብ ዓራት) ዘመናዊ ኣምር ምዃኑን ምስ ኢንዱስትርያዊ ሰውራ፡ ሰባት ኣብ ዝበዝሐ ህዝቢ ዝነብረሉ ከባቢታት ክነብሩ ምስ ጀመሩ ኣጠቓቕማኡ ከምዝወሰኸን ይሕብሩ።

ቅድሚ መበል 19 ክፍለ ዘመን ግን ሰብ ሓዳር ተፈላልዮም ክድቅሱ ልሙድ’ዩ ነይሩ።

“እቲ ማሕበረ-ቁጠባዊ ደረጃ ብዝለዓለ መጠን ድማ ዝያዳ ልሙድ እዩ ነይሩ። ኣባላት ንጉሳውያን ከመይ ከምዝድቅሱ ክትዕዘብ ትኽእል ኢኻ” ይብል ኣብ ቤት ትምህርቲ ሕክምና ካቶሊካዊ ዩኒቨርሲቲ ቺለ ክኢላ ድቃስ ፓብሎ ብሮክማን።

ቅድሚ መበል 19 ክፍለ ዘመን ግን ሰብ ሓዳር ተፈላልዮም ክድቅሱ ልሙድ’ዩ ነይሩ

ምንጪ ስእሊ, GETTY IMAGES

እንታይ ዝሓሸ ረብሓታት ኣለዎ?

ኣብ ዝተፈላለየ ክፍልታት ክድቅሱ ዝወሰኑ መጻምድቲ ሓያሎ ዝሓሸ ረብሓታት ከምዝረኽቡ ክኢላታት ይሰማምዑ።

“እቲ ቀንዲ ብልጫ ስሩዕን ዓሚቝን ድቃስ ክረኽቡ ይኽእሉ እዮም። ጽቡቕ ድቃስ ምርካብ ድማ ንሓፈሻዊ ጽቡቕ ሂወት ኣገዳሲ እዩ” ትብል ዶክተር ኮሊየር።

“ሓደ ሰብ ክድቅስ እንተዘይክኢሉ፡ ካብ ናይ ሕማም ምክልኻል ዓቕሙ ክሳብ ኣሰራርሓ ኣካላቱ ንኹሉ ይጸልዎ። ዝያዳ ቀልጢፉ ይሓርቕን ትዕግስቲ ይስእንን። ገለ ዓይነት ጭንቀት ከይተረፈ ከማዕብል ይኽእል’ዩ” ክትብል ትውስኽ።

እታ ናይ ስነ-ኣእምሮ ሓኪም፡ "ፍትሕ ድቃስ" ብተወሳኺ "ዝሓሸ" ዝምድና ንምዕቃብ'ውን ክሕግዝ ከምዝኽእል ትኣምን።

"መጻምድቲ፡ ጽቡቕ ዕረፍቲ እንተዘይረኺቦም፡ ዝያዳ ከምዝሰሓሓቡን ከም ዝቑጥዑን ይፍለጥ እዩ" ትብል።

ገለ ሰባት ንበይኖም ምስ ዝድቅሱ ዝያዳ ስሩዕን ዓሚቝን ድቃስ ይረኽቡ

ክኢላ ሳንቡእን ወሃቢ ቃል ኣካዳሚ ሕክምና ድቃስ ኣመሪካን ሲማ ኮስላ ምስዚ ሓሳብ’ዚ ይሰማማዕ።

"ሕማቕ ድቃስ ንስምዒታትካ ከጋድዶ ከም ዝኽእል ንፈልጥ ኢና፡ እቶም ድቃስ ዝሰኣኑ ድማ ምስ መጻምድቶም ናይ ምክታዕን ምጭቕጫቕን ተኽእሎኦም ዝለዓለ እዩ። ኣብ ልዕሊ እቲ ምዝንባዕ ድቃስ ዘጋጠሞ ሰብ ገለ ቂምታ ክህሉ ይኽእል'ዩ። እዚ ድማ ኣብ ዝምድናታት ኣሉታዊ ጽልዋ ከስዕብ ይኽእል'ዩ" ይብል እቲ ኣካዳሚ ኣብ "ፍትሕ ድቃስ" መርመራኡ ኣብ ዝጀመረሉ እዋን።

“ጽቡቕ ድቃስ ምድቃስ ንጥዕናን ሓጐስን ኣገዳሲ’ዩ፡ ስለዚ ገለ መጻምድቲ ንሓፈሻዊ ጽቡቕ ሂወቶም ተፈላልዮም ክድቅሱ ምምራጾም ዘገርም ኣይኰነን” ክትብል እታ ናይ ስነ-ኣእምሮ ሓኪም ወሲኻ ገሊጻ።

ንሴሲልያ፡ ካብ መጻምድታ ተፈልያ ኣብ ካልእ ክፍሊ ምድቃሳ፡ "ህይወታ ቀይርዎ" እዩ።

“ዝሓሸ ድቃስ ክትድቅስ ምኽኣል፡ ወይ ኣብ ዓራት ዝያዳ ቦታ ምህላው፡ ንኻልኦት ከይረበሽካ ክትገላበጥ ምኽኣል...ኣዝዩ ዝያዳ ምቹእ እዩ” ትብል።

“ምስ መጻምድትኻ ግድን ኣብ ሓደ ግዜ ክትበራበር ኣየድልየካን’ዩ። ብሓቂ ኣብ ዘድልየካ እዋን ኢኻ ክትበራበር ዘለካ።”

እንታይ ዝሓሸ ረብሓታት ኣለዎ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

እቲ ኣሉታዊ ጎኑኸ?

እቲ ኣዝዩ ርኡይ ኣሉታዊ ጎኒ፡ እቲ ኣገባብ ተወሳኺ ዓራትን ምናልባት ተወሳኺ ክፍልን ስለ ዝሓትት፡ ንብዙሓት መጻምድቲ ኣማራጺ ዘይክኸውን ይኽእል’ዩ።

ኣማራጺ ክኸውን እንተኸኣለ’ውን እዚ ውሳነ ገለ ኣሉታዊ ሳዕቤናት ክህልዎ ተኽእሎ ኣሎ። ብዙሓት መጻምድቲ፡ ቅርበት ከይስእኑ ከምዝጭነቑ ክኢላታት ይዛረቡ።

"ብዝዀነ ደረጃ ምስ መጻምድተይ ዝነበረኒ ርክብ፡ ዝተቐየረ ይመስለኒ" ትብል ሴሲልያ።

“እቲ ዝምድና፡ እቲ ቅርበት፡ ብርግጽ ይደክም እዩ። ግን ክንድኡ ዕቱብ ኣይኰነን። እቲ ረብሓታት ዝዛይድ ይመስለኒ” ክትብል ትውስኽ።

ዶክተር ኮሊየር፡ ብዙሓት ምሉእ ግዜ ዝሰርሑ ሰባት፡ ኣብታ ዝድቅሱላ እዋን ምስ መጻምድቶም ከም ዝራኸቡ ትገልጽ።

"ስለዚ ሓደ ካብቶም መፍትሒታት፡ ብሓባር ዘሕልፍዎ ግዜ ብዝበለጸ ምምሕያሽ'ዩ" ትብል።

"ምትእስሳር ሕልሚ"

 “ናይ ድቃስ ፍትሕ”

ምንጪ ስእሊ, GETTY IMAGES

ዶክተር ብሮክማን ብወገኑ እዚ “ናይ ድቃስ ፍትሕ” ንኹሎም መጻምድቲ ከምዘይሰርሕ ይዛረብ።

“ድቃስ ዓቢ ስነ-ህይወታዊ ረብሓ ኣለዎ። መብዛሕትኦም መጻምድቲ ኣብ ሕልሚ ምትእስሳር ይፍጥሩ እዮም። እዚ ኣብ ዓሌት ደቂ ሰባት ዘጋጥም መሰረታዊ ነገር እዩ። ንኣብነት ሓንቲ ኣደን ውላዳን መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ እዋን ምጥባው ነዚ ምትእስሳር እዚ ይፈጥሩ እሞ ክልቲኦም ንኸዕርፉ ተመሳሳሊ ዑደት ድቃስ ይህልዎም።”

“ንዓመታት ብሓባር ዝድቅሱ መጻምድቲ፡ ምትእስሳር ስለዘለዎም፡ ደረጃታት ድቃስ ከዕምቑ ዝኽእሉ ከምዘለዉ ዝሕብሩ መጽናዕትታት ኣለዉ። በዚ ድማ ጥዕና ድቃሶም ይመሓየሽ” ይብል እቲ ናይ ድቃስ ክኢላ።

ይኹን እምበር፡ መጻምድቲ “ናይ ድቃስ ፍትሕ” ክፍትኑ እንተወሲኖም፡ ገለ ክኽተሉዎ ዝግበኦም ለበዋታት ከምዘለዉ ክኢላታት ይዛረቡ።

"እቲ በበይንኻ ምድቃስ ክልቴኻ ክትደልዮ ኣለካ። ከምኡ እንተዘይኮይኑ እቲ ምፍልላይ ቂምታ ከስዕብ ይኽእል'ዩ" ትብል ዶክተር ኮሊየር።

“ገለ ሰባት በይኖም ክድቅሱ ኣይደልዩን እዮም፤ ስለዚ ድማ ሕማቕ ይስምዖም። ስለዝዀነ ብዛዕባ ሓባራዊ ስምምዕ ክሓስቡ ኣለዎም፣ ክልቲኦም ዝቕበልዎ ውሳነ ክኸውን ይግባእ።”

ዶክተር ብሮክማን እውን ምስቲ ሓሳብ ይሰማማዕ።

“ነቲ ምሕንርናኽ ይኹን፡ ብድቁስካ ምዝዋር ወይ ደጋጊምካ ክትሸይን ምትንሳእ ጸገም ዘለዎ ሰብ፡ ከቢድ ክኸውን ይኽእል እዩ። ምኽንያቱ [ኣብ ዝተፈላለየ ዓራት ምድቃስ] ዘይፈትዉ ሰባት ስለዘለዉ... ብሓፈሻ ደቂ ተባዕትዮ ዝያዳ ፍቓደኛታት ኣይኰኑን” ይብል።

ክሳዕ ሕዚ ዘለዉ መጽናዕትታት፡ እቲ ዝንባለ እንተወሓደ ኣብ ገለ ሃገራት እናወሰኸ ይኸይድ ከምዘሎ ይሕብሩ።

ሃገራዊ ፈደረሽን ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ 2020 ዘካየዶ መጽናዕቲ፡ ዳርጋ 15 ሚእታዊት መጻምድቲ ተፈላልዮም ከም ዝድቅሱ የመልክት። ካብኣቶም ዳርጋ 89 ሚእታዊት ኣብ ዝተፈላለየ ክፍልታት ከምዝድቅሱ ገሊጾም።

ስለዚ መጻምድቲ ጽቡቕ ድቃስ ንምድቃስ ዝለዓለ ኣድህቦ ዝህቡዎ ዘለው ይመስሉ።

*ሴሲልያ መንነታ ንምሕላው ዝተቐየረ ስም እዩ።