ወዲቑ ዝተንስአ ደምበለ፡ ተዓዋቲ ባሎን ዲኦር 2025 ኰይኑ

ዑስማን ደምበለ ንስልማት ባሎን ዲ ኦር እናሰዓመ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ተጻዋታይ ፓሪስ ፒስጂ ዑስማን ደምበለ - ጋንታኡ ኣብ ዝዓብለለቶ ሽልማት - ዕውት ባሎን ዲ ኦር 2025 ደቂ ተባዕትዮ ብምዃን ደሚቑ።

እዚ ወዲ 28 ዓመት ፈረንሳዊ ኣጥቃዓይ፡ ዝሓለፈ ዓመት ምስ ፒ.ኤስ.ጂ ኣብ ዘካየዶ 53 ጸወታታት 35 ሸቶታት ብምምዝጋብን 14 ሸቶ ንዝዀና ኳዓሳሱ ብምቕባልን ሻምፕዮንስ ሊግ ኤውሮጳ፡ ዋንጫ ሊግን ዋንጫ ፈረንሳን ተዓዊቱ።

ኣብ ሊግ 1 ፈረንሳ 21 ሸቶታት ብምምዝጋብ ምስ ካልኣዩ ዝለዓለ ኣመዝጋቢ ሸቶ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ብሉጽ ተጻዋታይ ፈረንሳን ብሉጽ ተጻዋታይ ሻምፕዮንስ ሊግን ተባሂሉ።

ከምኡ'ውን ንፒ.ኤስ.ጂ ናብ ፍጻመ ዋንጫ ዓለም ክለባት ክትበጽሕ ሓጊዙዋ፣ ኣብቲ ግጥም ብቸልሲ ተሳዒራ።

ንመንእሰይ ባርሴሎና ላሜነ ያማል ረቲዑ ናብ ሽልማት ዝበቕዐ ደምበለ፡ እቲ ወግዒ ስልማት እናተኻየደ ጋንታኡ ትጻወት እኳ እንተ ነበረት፡ ኣብቲ ኣብ ፓሪስ ዝካየድ ዝነበረ ጽንብል ክሳተፍ ክኢሉ እዩ።

ብኮዀብ ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ ዝነበረ ሮናልዲኖ ተጸዊዑ ናብ መድረኽ ምስ ደየበ ድማ ንብዓት ስዒሩዎ።

እዚ ኣብ መጕዳእቲ ዝርከብ ኣጥቃዓይ፡ ንሱ ስልማት እናወሰደ ጋንታኡ ብማርሴ 1 ብ 0 ተረቲዓ።

"እዚ ኣብ ፒ.ኤስ.ጂ ዝተመኰርኩዎ ፍሉይ እዩ፣ ንዓኡ ዝኸውን ቃላት የብለይን፡" ክብል ብስምዒት ተዛሪቡ።

ኣደኡ ኣሰንያቶ ኣብቲ መድረኽ ደዪባ ነይራ።

"ቅሩብ ጸቕጢ ይስምዓኒ ኣሎ፣ ነዛ ዋንጫ'ዚኣ ክትዕወተላ ምኽኣል ቀሊል ኣይኰነን። ካብቲ ኣርካን ኩዕሶ እግሪ ዝዀነ ሮናልዲኖ ምቕባለይ ድማ ፍሉይ እዩ።"

"ነታ ኣብ 2023 [ካብ ባርሴሎና] ክትወስደኒ ዝመጽአት ፒ.ኤስ.ጂ ከመስግና እደሊ። ንምእማኑ ዘጸግም ስድራቤት'ያ። ፕረዚደንት ናስር [ኣል-ኸላይፊ] ንዓይ ከም ኣቦይ እዩ። ብተወሳኺ፡ ንዅሎም ሰራሕተኛታትን ከም ኣቦይ ዝዀነ ኣሰልጣንየይን፣ ከምኡ'ውን ንዅሎም ደቂ ጋንታይ ከመስግኖም እፈቱ።"

"ኵሉ ብሓባር ኢና ተዓዊትናዮ። ኣብቲ ጽቡቕን ኣጸጋምን እዋን ደጊፍኩምኒ። እዛ ውልቃዊት ዋንጫ እታ ጋንታ ብሓባር ዝዓተረቶ እያ።"

ላሚነ ያማል ኣብቲ ኣጋጣሚ መደረ እናኣስምዐ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ንብሉጽ መንእሰይ ተጻዋታይ ኮፓ ትሮፊ ዝተዓወተ ወዲ 18 ዓመት ላሚነ ያማል ካልኣይ ደረጃ ሒዙ
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

እዚ፡ ንሓደ ካብ ኣብ ሬንስ ዝጻወተሉ ዝነበረ እዋን ኣትሒዙ ኣብ ናይ ሊግ ጸወታኡ ኣብ ሓደ ዓመተ-ስፖርት ድርብ ኣሃዝ ሸቶታት ከየመዝገበ ዝጸንሐ ተጻዋታይ፡ ኣብ ስፖርታዊ ጕዕዞኡ ዘደንቕ ትንሳኤ እዩ።

ኣሰልጣኒ ፒ.ኤስ.ጂ ልዊስ ኤንሪከ - ብሉጽ ኣሰልጣኒ ናይዚ ዓመት ተባሂሉ ዝተሸለመ - ኣብ መፋርቕ ታሕሳስ ብዘካየዶ ታክቲካዊ ምቅይያር ኣብ ሽልማት ደንበለ ዓቢይ ምስጋና ዝግብኦ እዩ።

ንደምበለ ብ15 ታሕሳስ ኣንጻር ሊዮን ካብ የማናይ ናይ ክንፊ ተጻዋታይ ናብ ማእከላይ ኣጥቃዓይ ኣሰጋጊሩዎ፣ ቅድመኡ 5 ሸቶታት ጥራይ ኣመዝጊቡ ነይሩ።

ካብታ ዕለት ጀሚሩ ግን ንፒ.ኤስ.ጂ 30 ሸቶታት ኣመዝጊቡላ።

ደምበለ ኣብ 2017 ካብ ቦሩስያ ዶርትሙንድ ብ96.8 ፓውንድ (ናብ 135.5 ሚልዮን ፓውንድ ክዓቢ ዝኽእል) ናብ ባርሴሎና ተሰጋጊሩ።

ኣብቲ ግዜ'ዚ ካልኣይ ዝኸበረ ተጻዋታይ ዓለም ብምንባሩ፡ ብብዙሓት ዓቢይ ትጽቢት ዝሓደሮ ተጻዋታይ ነይሩ።

እንተዀነ፡ ተደራራቢ ማህረምቲ፡ ቀጻሊ ብቕዓት ዘይምንጽብራቕን ሸቶ ዘይምምዝጋብን ከምቲ ትጽቢት ዝተገብረሉ ክኸይድ ኣይከኣለን።

ይዅን'ምበር፡ እዛ ብልጽቲ ጋንታ ባሎን ዲ ኦር 2025 ተባሂላ ዝተሰለመት ፒ.ኤስ.ጂ ኣብ 2023 ብ43.5 ሚልዮን ፓውንድ ጥራሕ ካብ ባርሴሎና ገዚኣቶ።

ደምበለ ኣብ 2024-25 ንፈረንሳ ኣብ 7 ጸወታታት ክልተ ሸቶታት ኣመዝጊቡ እዩ።

ደምበለ ነዚ ሽልማት ዝዓተረ ሻዱሻይ ፈረንሳዊ ኰይኑ፡ ኣብ 21 ክፍለ-ዘመን ግና ድሕሪ'ቲ ኣብ 2022 ነዚ ሽልማት ዝበቕዐ ካሪም ቤንዘማ ካልኣይ እዩ።

ወዲ 18 ዓመት ላሚነ ያማል ካልኣይ ደረጃ ሒዙ - ንብሉጽ መንእሰይ ተጻዋታይ ኮፓ ትሮፊ እውን ተዓዊቱ።

ካብቶም ብሉጻት 10 ተጻወትቲ ዝሓለፈ ዓመት 5 ኣካል ጋንታ ፒኤስጂ ኰይኖም፡ ቪቲንሃ (ሳልሳይ)፡ ኣሽራፍ ሓኪሚ (ሻዱሻይ)፡ ጂያንሉይጂ ዶናሩማ (ታሽዓይ)፡ ኑኖ መንደስ (10ይ) ይርከቡዎም።

ተጻዋታይ ሊቨርፑል መሓመድ ሳላሕ ራብዓይ ክኸውን ከሎ፡ ተጻዋታይ ቸልሲን እንግሊዝን ኮል ፓልመር ድማ ሻሙናይ ደረጃ ሒዞም።