90 ሚእታዊት ኣትሌታት ዝገበሩዎ ሓድሽ መርመራ ጾታ እንታይ'ዩ?

ኣብ ሻምፕዮን ዓለም ደቂ ኣንስትዮ ዝወዳደሩ ኣትሌታት መርመራ ጾታ ክገብሩ እዮም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ሻምፕዮን ዓለም ደቂ ኣንስትዮ ዝወዳደሩ ኣትሌታት መርመራ ጾታ ክገብሩ እዮም

ሻምፒዮና ዓለም 2025፡ ካብ 13 መስከረም ጀሚቱ ኣብ ቶክዮ ክካየድ ጀሚሩ ኣሎ። ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም ድማ፡ ኣብ ምድብ ደቀንስትዮ ዝወዳደሩ ኣትሌታት ሓደ ግዜ ጥራይ ክገብሩዎ ዝግባእ መርመራ ጂን [ጾታ]፡ ግብራዊ ገይሩ።

ኣትሌቲክስ ዓለም፡ ክሮሞዞም ዋይ -Y chromosome - ምህላው ዘረጋግጽ መርመራ ጾታ፡ ተኣማንነት ውድድር ደቀንስትዮ ንምሕላው ዝዓለመ'ዩ ይብል።

ይዅን'ምበር፡ እዚ ጕዳይ ኣዝዩ ኣካታዒ ብምዃኑ፡ ከመይ'ዩ ክፍታሕ? ብኸመይ ኢና ኣብዚ በጺሕና? ኣብ ዙርያ ጾታ ዝለዓል ክትዕ ትርጕሙ እንታይ'ዩ? ዝብሉ ሓያሎ ሕቶታት ይለዓሉ'ዮም።

እቲ መርመራ፡ ኣካል ክሮሞዞም ዋይ ዝዀነ 'ኤስኣርዋይ' -SRY- ዝተባህለ ወይ ድማ ጾታ ዝፈሊን ባህሪያት ወዲ ተባዕታይ ክዓቢ ዝገብርን ክፍሊ እዩ ዝምርምር።

ሓደ ድቂ፡ "ኤክስዋይ"ክሮሞዞም እንተሃልዩዎ፡ እቲ ጾታ ዝፈሊ ከም ጥንካረን ጭዋዳን ዝበሉ ናይ ወዲ ተባዕታይ ዕብየት ዘምጽኡ ሆርሞናት ቴስቶስትሮን የፍሪ።

ወዲ ኰይኖም ዝተወልዱ ኣትሌታት፡ ጓለንስተይቲ ኰይኖም ካብ ዝተወልዱ ዝሓሸ ስነ-ኣካላዊ -ፊዚዮሎጂ] ብልጫ ከም ዘለዎም መጽናዕቲታት የመልክቱ።

እቲ መርመራ፡ 'ጾታኦም ተለዊጡ ዝተወልዱ' ኣትሌታት፡ ተፈጥሮኣዊ ጾታኦም ንምፍላይ ተባሂሉ ዝተዳለወ እዩ።

እዚ ኵነታት፡ ብዙሕ ዘይተለምደ፡ ሆርሞን ሓደ ሰብን ክፍሊ ተዋልዶ ባህሪ ጓልን ወድን ኰይኑ ክተሓዋወስ እንከሎ ማለት እዩ።

ገሊኦም፡ ብልዕቲ ጓለንስተይቲ ሒዞም እኳ እንተተፈጥሩ፡ ሆርሞን ተባዕታይ ዘለዎም ኰይኖም፡ መብዛሕትኡ ግዜ ጓል ተባሂሎም ናይ ልደት ወረቐት ዝወሃቦምን ከም ጓል ንክዓብዩ ዝግደዱን'ዮም።

መርመራ 'ኤስኣርዋይ' ብኸመይ ይካየድ?

እቲ መርመራ፡ ካብ ኣፍ ቅምሶ ብምውሳድ ወይ ብመርመራ ደም እዩ ዝካየድ። እዚ መርመራ ኣትሌታት፡ ኣብ ሃገሮም ብዘለው ፌደሬሽናት ኣብ ህይወቶም ሓደ ግዜ ጥራይ እዮም ዝገብሩዎ።

ኣብ እዋን መርመራ፡ 'ዋይ ክሮሞዞም፡ ኔጋቲቭ ወይ ባዶ እንተዀይኑ፡ እቶም ኣትሌታት ኣብ ምድብ ደቀንስትዮ ንክወዳደሩ ብቍዓት'ዮም ማለት እዩ።

ዓለምለኸ ፌደሬሽን ኣትሌቲክስ ከም ዝብሎ፡ '46 ኤክስዋይ ዲኤስዲ' እንተተረኺቡን እዞም ናይ ወዲ ክሮሞዞም ዘለዎም ተወዳደርቲ 'ብኤስዋይኣር' ከምኡ'ዉን ካልኦት ጂናት ምኽንያት መራብሒ ስነ-ተዋልዶ ይህልዎም።

እዞአም ሰባት፡ መብዛሕትኡ ግዜ ጓል ኰይኖም ዝተወልዱ'ዮም።

እዚ ክፍጠር እንከሎ፡ እቶም ኣትሌታት ናይ ወዲተባዕታይ ቴስቶስትሮን ሆርሞኖም ናይ ምጥፋእ ሕክምና ምስ ወድኡን ብናይ ወዲ ናይ ጕርምስና ግዜ ምስ ሓለፉን፡ ኣብ ምድብ ደቀንስትዮ ንክወዳደሩ ብቍዓት ይዀኑ።

ደንብታት ኣትሌቲክስ ዓለም ክሳብ ዘኽበሩ ድማ፡ ዝተሓተ ለውጢ ዕብየት ጾታ [ዲኤስዲ] ዘለዎም ኣትሌታት ንክወዳደሩ ፈቒዱ'ዩ።

ክሳብ ሕጂ ዝተኻየዱ መርመራታት

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ፌደሬሽን ኣትሌቲክስ ዓለም ኣብ ዘካይዶ ሻምፒዮና ዓለም ዝሳተፉ ልዕሊ 90 ሚእታዊት ኣትሌታት፡ መርመራ ገይሮም እዮም።

ኣብ ቶኪዮ ድማ፡ ብዙሓት መርመራታት ክግበሩ'ዮም ተባሂሉ ኣሎ።

ፕረዚደንት እቲ ፌደሬሽን ሎርድ ሰባስቲያን ኮ፡ እቲ ናይ መርመራ ግዜ ኣዝዩ ሓጺር ከም ዝዀነ ብምግላጽ፡ ኣብ ፈረንሳን ኖርወይን ሓዊሱ ኣብ ገለ ሃገራት ንሕክምና ምኽንያት ዘይኰነ መርመራ ጀነቲክ፡ ዘይሕጋዊ ብምዃኑ እቲ መስርሕ ዝተሓላለኸ ኵነታት ከም ዝፈጠረ ገሊጹ።

ጕጅለ ኣትሌታት ካናዳ፡ "ስሕተት መርመራ" ምፍጣሩ ስዒቡን ካብ ኣፍ ዝውሰድ ቅምሶ ግቡእ ረቛሂታት ብዘይምምልኡን፡ ዳግም መርመራ ክገብር ተገዲዱ'ዩ።

ደቡብ ኣፍሪቃዊት ካስተር ሰመንያ፡ ብ2009 ኣብ በርሊን ኣብ ዝተኻየደ ሻምፕዮን ዓለም ካብ እትዕወት ንደሓር፡ ጾታ ኣብ ኣትሌቲክስ ዓብዪ ጕዳይ ኰይኑ ኣሎ።

እታ ኣትሌት '46XY5-ARD' ዝበሃል ኵነታት ሒዛ እያ ተወሊዳ።

እዚ ኵነታት ዘለዎም ሰባት፡ ናይ ወዲ ተባዕታይ 'XY' ክሮሞዞም ዘለዎም ኰይኖም መብዛሕትኡ ግዜ ምስ ተወለዱ ከም ጓል ኣንስተይቲ ይምዝገቡ።

ኣብ 2019 ፈደረሽን ኣትሌቲክስ ዓለም ንቤት ፍርዲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ካስተር ሰመንያ "ብተፈጥሮኣ ወዲ ተባዕታይ እያ" ኢሉ። እታ ኣትሌት ግን በቲ ርእይቶ ከም ዝተጸረፈት ከም ዝተሰምዓ ገሊጻ።

ሰመንያ ኣብ ሕጋዊ ምስክር ወረቐት ልደታ ከም ጓል ኣንስተይቲ እያ ተመዝጊባ።

እታ ኣትሌት፡ ብውሽጢ ብልዕቲ ወዲ ተባዕታይ (ቴስቲክልስ) ሒዛ ከም ዝተወልደትን ብልዕቲ ጓለንስተይቲ ከም ዘለዋን ትዛረብ።

ብ2016 ኣብ ዝተኻየደ ኦሎምፒክ፡ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር 800 ሜትሮ ደቀንስትዮ፡ ካስተር ሰመንያ ሓዊሱ ሰለስቲአን ኣብቲ ውድድር ዝተዓወታ ኣትሌታት ፍልልያዊ ምዕባለ ጾታዊ ርክብ (DSD) ዝነበረን እየን።

እዚ ድማ ዝያዳ ተሪር ሕግታት ክቐርብ ጸቕጢታት ክግበር ምኽንያት ኰይኑ ኣሎ።

ፈደረሽን ኣትሌቲክስ ዓለም ካብ ሽዑ ጀሚሩ ኣትሌታት ካብ 400 ሜትሮ ክሳብ ሓደ ማይል ዝበጽሕ ውድድራት ትራክ ንኽሓልፉ መጠን ቴስቶስትሮን ከጕድሉ ኣተሓሳሲቡ።

ካስተር ሰመንያ፡ እዚ ንሰብኣዊ መሰላ ዝግህስን ኣድልዎ ዝፈጥር ኣሰራርሓን እዩ ብምባል ነጺጋቶ።

ካስተር ሰመንያ ብ2016 ኣብ ውድድር 800 ሜትሮ ደቀንስትዮ ካብ እትወዕት ንድሓር ጕዳይ ጾታ ኣካታዒ ኰይኑ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ካስተር ሰመንያ ብ2016 ኣብ ውድድር 800 ሜትሮ ደቀንስትዮ ካብ እትወዕት ንድሓር ጕዳይ ጾታ ኣካታዒ ኰይኑ

በዚ ምኽንያት ሕጋዊ ክትዓት ኣብ ዝቕጽልሉ ዘሎ እዋን፡ ፈደረሽን ኣትሌቲክስ ዓለም ኣብ 2023 ነቲ ሕግታት ዝያዳ ኣትሪሩዎ።

ዕድመ ንእስነት ሓሊፎም ዝሰጋገሩን ጾታኦም ዝቐየሩን ኣትሌታት ኣብ ውድድር ደቀንስትዮ ከይሳተፉ ኣጊዱ።

ብተወሳኺ ናይ ጾታ ፍልልይ ዘለዎም ኣትሌታት ኣብ ሓጺርን ነዊሕን ርሕቀት ኣብ ዝካየዱ ውድድራት መጠን ቴስቶስትሮን ክቕንሱ ይጠልብ።

ኣብ መጀመርታ 2025፡ ሓደ ጕጅለ ስራሕ እቲ ፈደረሽን፡ ደረጃ ቴስቶስትሮን ምንካይ ንኣካላዊ ልዕልና ደቂ ተባዕትዮ ምሉእ ብምሉእ ከም ዘየወግድ ዝሕብር መጽናዕቲ ብምጥቃስ፡ ጽኑዕ ቁጽጽር ክግበር ሓሳብ ኣቕሪቡ።

ፕረዚደንት እቲ ፈደረሽን ሎርድ ሰባስቲያን ኮ፡ "ኣብ ዓበይቲ መድረኻት፡ ኣብ ምድብ ደቀንስትዮ ንክትወዳደር፡ ብተፈጥሮ ጓለንስተይቲ ክትኸዉን ኣለዋ፡" ክብል ተዛሪቡ።

ካልኦት ስፖርታትከ?

ኣብዚ ዓመት፡ ፌደሬሽን ጕስጢት ኣስገዳድ መርመራ ጾታ ክግበር ዝእዝዝ መምርሒ ኣተኣታትዩ።

ኣብ ሊቨርፑል ኣብ ዝካየድ ሻምፕዮን ዓለም ክሳተፋ ዝደልያ ደቂ ኣንስትዮ ተጓሰጥቲ ተመርሚረን።

እቲ ፈደረሽን፡ ደቂ ተባዕትዮ ኰይኖም ዝተወልዱ ማለት 'SRY' ጂን ዘለዎም ወይ ጾታ ዝቕይር ጂን ዘለዎም ስፖርተኛታት ኣብ ምድብ ደቂ ተባዕትዮ ክወዳደሩ ብቑዓት ምዃኖም ይገልጽ።

ኣብ ፓሪስ ኦሎምፒክ 2024፡ ኢማን ካሊፋን ሊን ዩ-ቲንግን፡ ኣብ መርመራ ብቑዕነት ጾታ ሻምፕዮን ዓለም ወዲቐን እንከለዋ ኣብቲ ውድድር ክዕወታ ምኽኣለን ክትዓት ኣልዒሉ እዩ።

ክልቲአን ተጓሰጥቲ፡ ኣብ እዋን ውልደት ጓለንስተይቲ ኰነን ክምዝገባ እንከለዋ፡ ደቂ ኣንስትዮ ምዃነን ይዛረባ።

ይኹን እምበር፡ ማሕበር ቦክሲንግ ዓለም፡ ካሊፋ 'X-chromosome' ከም ዘለዋ ብምግላጹ፡ እታ ኣትሌት ለውጢ ዕብየት ጾታ ከም ዘለዋ ግምታት ነይሮም።

ቢቢሲ ነዚ ከረጋግጽ ኣይከኣለን።

ካሊፋ፡ ሕጊ መርመራ ጺታ ንክቕየር ኣብ ቤት ፍርዲ ሽምግልና ስፖርት ክሲ ኣቕሪባ ኣላ።

ኣህጉራዊ ኮሚቴ ኦሎምፒክ፡ መርመራ ጾታ ኣብ ልዕሊ ስፖርተኛታት ኣድልዎ ወይ ምንጻል ከስዕብ ከም ዝኽእል ስክፍታ ኣለዎ።

ብ2024 ፕረዚደንት ነበር ቶማስ ባክ፡ "ከምቲ ገለ ሰባት ዝሓስብዎ ቀሊል ኣይኰነን። 'XX' ወይ 'XY' ኣብ መንጐ ተባዕታይን ኣንስተይትን ንጹር መስመር ኣይኰነን። ኣብዚ እዋን'ዚ ብሳይንሳዊ መዳይ ሓቂ ኣይኮኰን፡" ኢሉ ነይሩ።

ይኹን እምበር ድሕሪ ውድድር ጕስጢ ኦሎምፒክ ፓሪስ 2024 ፍልይቲ ራፖርተር ሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝግበር መርመራ ጾታ ዳግም ክጅመር ጸዊዓ።

ሓዳስ ፕረዚደንት ኮሚቴ ኦሎምፒክ ክሪስቲ ኮቨንትሪ፡ ተሳትፎ ደቀንስትዮ ምሕላው ቀዳምነት ከም ዝወሃቦ ብምግላጽ፡ ኣብ ኵሎም ግምባራት ስፖርት መርመራ ተግባራዊ ንምግባር ድልየት ከም ዘሎ ኣመልኪታ።

ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣብ 2028 ኣብ ዝካየድ ኦሎምፒክ ሎስ ኣንጀለስ ኣብ ገለ ስፖርታት መርመራ ጾታ ክተኣታቶ ምዃኑ ገሊጹ።

ይኹን እምበር፡ ፕረዚደንት ኮሚተ ፓራኦሎምፒክ ዓለም ኣንድሪው ፓርሰንስ፡ ኰሎም ፌደሬሽናት ናይ ባዕሎም ዓውዲ ስፖርት ብመሰረት ናይ ገዛእ ርእሶም ሕጊ ንክውሰን ክግበር ይግባእ ብምባል፡ መርመራ ብቕዓት ጾታ "ባዶ ፍታሕ'ዩ፡" ኢሉ።

ኣስገዳድ መርመራ ክሮሞዞም ቅድሚ ምትግባሩ፡ ኣህጉራዊ ኮሚተ ኦሎምፒክ ኣብ 1960ታት መርመራ ዓይኒ ይጥቀም ነይሩ።

እዚ ግን፡ ንደቂ ኣንስትዮ ዘትሕትን ብሕትውነአን ዝጥሕስን እዩ ዝብል ስግኣት ነይሩ።

ኣብ 1986 ስጳኛዊት ተወዳዳሪት መሰናኽል ማርያ ጆሴ ማርቲነዝ ፓሊኖ፡ በቲ መርመራ ድሕሪ ምውዳቓ ካብ ጸወታታት ኤውሮጳ ተኣጊዳ። ድሕሪኡ 'ኤክስዋይ' ክሮሞዞም እንተሃለዋ'ዉን ኣካላታ ካብ ቴስቶስትሮን ከም ዘይተጠቐመ ተረጋጊጹ።

ነዚ ስዒቡ፡ እታ ኣትሌት ናብ ውድድራት ክትምለስ እንከላ፡ ኮሚቴ ኦሎምፒክ መርመራ ጂን 'ኤስኣርዋይ' እኳ እንተጀመረ፡ ኣትሌታት ብተፈጥሮኣዊ ኵነታቶም ይቕጽዑ ኣለው ዝብል ስክፍታ ሓዲሩዎ እዩ።

ኣብ 1990ታት ድማ መርመራታት ምርግጋጽ ጾታ ክተርፉ ገይሩ።

ፕረዚደንት ኣትሌቲክስ ዓለም ሎርድ ሰባስቲያን ኮይ፡ በዚ ሓድሽ መርመራ ካብ ኣትሌታት "ልዕሊ እቲ ትጽቢት ዝተገብሮ ምትሕብባር፡" ከም ዘርኣዩ ገሊጹ።

ተሓለቕቲ፡ መርመራ ጾታ ዳግማይ ምትእትታው፡ ብሓጐስ ተቐቢሎምዎ።

"ኩሉ ስፖርት፡ ንኣትሌቲክስ ዓለምን ፌደሬሽን ጕስጢን ክኽተል ይግባእ፡" ኢሎም።

ይኹን'ምበር፡ ኣመሪካዊት ትራንስጀንደር -ስግረ ጾታ ዝገበረት- ኒኪ ሂልትዝ፡ እቲ መርመራታት "ዘሕርቕ" እዩ ብምባል፡ "እቲ ዘሕልፎ ዘሎ መልእኽቲ ኣይፈተኽዎን፡" ኢላ።

እታ ሻምፕዮን ዓለም ዝሓለፈት ኣትሌት፡ መርመራ ምግባራ እኳ እንተገለጸት፡ በቲ መስርሕን ወጻኢታትን ግን ሕጕስቲ ከም ዘይኰነት ገሊጻ።

ካብ ማሕበረሰብ ሳይንስን ኣካዳሚያውን ሓዊሱ ዝቐርቡ ነቐፌታት'ዉን ነይሮም።

እቲ መርመራታት "ልዕሊ ዓቐን" ምዃኑን ንኣትሌታት ብጾታዊ መንነቶም ኣሕሊፉ ዝህብን'ዩ ብምባል ይነቕፉ።

ፈደረሽን ኣትሌቲክስ ዓለም፡ እቲ ናይ መጀመርታ መርመራ ፖዘቲቭ እንተዀይኑ፡ ቅድሚ ውሳነ ብቑዕነት ምውሳኑ፡ ውዱእ ውጽኢት ንምርካብ ተወሳኺ ሕክምናዊ መርመራታት ክካየድ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

ገለ ክኢላታት እውን እቲ ናይ ጾታ መርመራ ሕጋዊ ብድሆታት ከም ዘጋጥሞ ይዛረቡ ኣለዉ።