ካስተር ሰመንያ መን'ያ፤ ዘቕረበቶ ክሲ ንምንታይ'ዩ ኣገዳሲ ኰይኑ?

ካስተር ሰመንያ ኣብ ግንቦት 2024 ኣብ ቤት ፍርዲ ሰብኣዊ መሰላት ኤውሮጳ

ምንጪ ስእሊ, Frederick FLORIN / AFP via Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ሰመንያ ክልተ ግዜ ሻምፕዮን ኦሎምፒክ፡ ሰለስተ ግዜ ሻምፕዮን ዓለም (800 ሜትሮ) እያ

ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኤውሮጳ፡ ካስተር ሰመንያ ኣብ 2023 ኣብ ልዕሊ ደንቢ ኣትሌቲክስ ዓለም ኣብ ዘቕረበቶ ይግባይ፡ እቲ ንኸይትወዳደር ዝገበራ ምኽልኻል ብላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፈደራል ስዊዘርላንድ ከም ዝተጣሕሰ ወሲኑ።

ድርብ ሻምፕዮን ኦሎምፒክ 800 ሜትሮ ዝዀነት ሰመንያ፡ ኣብ ቤት ፍርዲ ሰብኣዊ መሰላት ኤውሮጳ (ECHR) ኣብ ልዕሊ ሕግታት ጾታዊ ደረጃ ኣትለቲክስ ኣብ ዝገበረቶ ነዊሕ ሕጋዊ ክትዕ ብኸፊል ዓወት ኣመዝጊባ።

ጓል 34 ዓመት ሰመንያ፡ ፍልልይ ጾታዊ ምዕባለ (DSD) ሒዛ ዝተወልደት ኰይና፡ ኣትለቲክስ ዓለም ኣብ 2019 ካብ 400 ሜትሮ ክሳብ ማይል ንዝካየድ ውድድራት ትራክ ደረጃ ቴስቶስትሮን ዝድርት ሕጊ ካብ ዘምጽእ ንደሓር ኣብ 800 ሜትሮ ክትወዳደር ኣይከኣለትን።

እዛ ደቡብ ኣፍሪቃዊት ናይ ማእከላይ ርሕቀት ጎያዪት እያ።

ንሳ፡ ኣትለቲክስ ዓለም ኣብ ልዕሊ 'ዲኤስዲ' ዘለዎም ስፖርተኛታት ብቑዓት ንኽዀኑ መጠን ቴስቶስትሮን ከም ዘጕድሉ ብምግባር ኣድልዎ ከም ዘርኣየ ትኣምን።

ኣመሓዳሪ ኣካል ኣትለቲክስ፡ እቲ ኣብ 2023 ንዅሉ ውድድራት ትራክን ፊልድን ደቀንስትዮ ንምሽፋን ዝሰፍሑ ሕግታት፡ ፍትሓዊ ውድድር ንምርግጋጽን ምድብ ደቀንስትዮ ንምሕላውን ከም ዘድልዩን ይገልጽ።

ካተስር ሰመንያ መን'ያ?

ካስተር ሰመንያ ኣብ 20 ነሓሰ 2016 ኣብ ሪዮ ዲ ጃኔሮ ብራዚል ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ኦሎምፒክ ሪዮ 2016 800 ሜትሮ ውድደር ደቀንስትዮ ሜዳልያ ክትቕበል እንከላ ዘርኢ ምስሊ

ምንጪ ስእሊ, Patrick Smith/Getty Images

ሰመንያ ክልተ ግዜ ሻምፕዮን ኦሎምፒክ - ኣብ 2012ን 2016ን ውድድር 800 ሜትሮ ወርቂ ተዓዊታ - ከምኡ'ውን ሰለስተ ግዜ ሻምፕዮን ዓለም (800 ሜትሮ) እያ።

ካብ 2009 ክሳብ 2019፡ ንስፖርታ ዓብሊላ ብምንባራ፡ ኣብ ግንቦት 2019 ኣብ ውድድር ዶሓ ዳይመንድ ሊግ 800 ሜትሮ ብምዕዋት 30 ተኸታታሊ ዓወት ኣመዝጊባ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣብ 2009 ንፈለማ እዋን ወርቂ ሻምፕዮን ዓለም ድሕሪ ምውሳዳ፡ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ናይ ጅግና ኣቀባብላ ተገይሩላ።

ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ደገፍቲ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ጆሃንስበርግ ድሙቕ ኣቀባብላ ገይሮምላ።

ይዅን እምበር፡ ካብ ዘይትፍለጥ መንእሰይ ናብ ኮኸብ ዓለም ብቕልጡፍ ምድያባ፡ ኣብ ጾታኣን ስነ-ህይወታዊ ኵነታታን ክህልዋ ዝኽእል ብልጫታትን ምጽራይ ክግበር ጀሚሩ።

ድሒሩ ምስ 'ዲኤስዲ' ከም ዝተወልደት ተገሊጹ።

ሓደ ውጽኢት ናይዚ ድማ ልዑል መጠን ቴስቶስትሮን - ንጭዋዳታትን ሓይልን ክውስኽ ዝኽእል ሆርሞን ኣለዋ ማለት እዩ።

ቤት ፍርዲ ዳንነት ስፖርት (CAS) ኣብ ዘሕለፎ ውሳነ እዩ፡ ፍሉይ ዲኤስዲ ሰመንያ 46 XY 5-ARD (5-alpha-reductase deficiency) ምዃኑ ዝተረጋገጸ።

እዚ ፍሉይ ዲኤስዲ ዘለዎም ሰባት ናይ ወዲ ተባዕታይ XY ክሮሞዞም ኣለዎም።

ገሊኦም ከከም ግዳማዊ ኣካሎም ኣብ እዋን ውልደት ጓል ኣንስተይቲ ወይ ተባዕታይ ተባሂሎም ይምዝገቡ።

ሰመንያ ኣብ 2023፡ ኣቓልቦኣ ኣብ ክንዲ መዳልያ ምእካብ "ኣንጻር ሰበስልጣን ኣብ ዝካየድ ክትዓት ቤት ፍርዲ ምዕዋት፡ ክኸውን ከም ዝተገደደት ገሊጻ ነይራ።

ካስ፡ ከም በዓል ሰመንያ ዝኣመሰሉ 5-ARD ዘለዎም ስፖርተኛታት ኣብነቶም ዘሎ ቴስቶስትሮን "ኣብ ደቂ ተባዕትዮ ዘሎ 46 XY እምበር ብደረጃ ደቀኣንስትዮ ዝህሉ 46 XX" ከም ዘዀነ ይገልጽ።

እዚ ድማ "ኣብ ልዕሊ 46 XX ደቀንስትዮ ኣትለታት ርኡይ ስፖርታዊ ብልጫ" ከም ዝህብ ገሊጹ።

ሰመንያ ኣብ 2023 ምስ ቢቢሲ ስፖርት ኣብ ዘካየደቶ ቃለ መሕትት፡ "ብዘይ ማህጸን" ከም ዝተወልደትን እንተዀነ ኣብ ውሽጢ ኣካላታ ፍረ ነፍሲ ከም ዘለዋ ብምግላጽ፡ "ኣነ ጓል ኣንስተይቲ እየ፡ ርሕሚ ድማ ኣለኒ" ኢላ ነይራ።

ውሳነ ቤት ፍርዲ ሰብኣዊ መሰላት ኤውሮጳ እንታይ'ዩ?

ብ2019፡ ሰመንያ ኣብ ስዊዘርላንድ ኣብ ዝርከብ ቤት ፍርዲ ዳንነት ስፖርት (ካስ) ንሕግታት ኣትለቲክስ ዓለም ብምቅዋም ዘቕረበቶ ክሲ ኣይተዓወተትን።

ቤት ፍርዲ ሰብኣዊ መሰላት ኤውሮጳ (ECHR) ኣብ ሓለም 2023፡ ኣብ ደቀንስትዮ ኣትለታት ምስ መጠን ቴስቶስትሮን ዝተኣሳሰር ጕዳይ ንሰመንያ ዝድግፍ ውሳነ ሂቡ።

እቲ ኣብቲ ቤት ፍርዲ ዝቐረበ ጕዳይ ኣንጻር ስፖርታዊ ኣካላት ወይ ሕግታት ዲኤስዲ ዘይኰነስ ብፍላይ ኣንጻር መንግስቲ ስዊዘርላንድ መሰላት ሰመንያ ብዘይምሕላዉ ዝዓለመ ኰይኑ፡ ካብ 2020 ጀሚሩ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ስዊዘርላንድ ዝሃቦ ውሳነ ዝምልከት እዩ።

መንግስቲ ስዊዘርላንድ እቲ ጕዳይ ናብ ዓቢይ ባይቶ እቲ ቤት ፍርዲ ክቐርብ ሓቲቱ።

ነዚ ስዒቡ ድማ፡ እቲ ብይን ስዊዘርላንድ ብመሰረት ዓንቀጽ 6 (መሰል ፍትሓዊ መስርሕ ፍርዲ) ኤውሮጳዊ ውዕል ሰብኣዊ መሰላት "ነቲ ፍሉይ ጽንዓት ዝሓትት ጠለብ ከም ዘየማልአ" ረኺቡ ኣሎ።

ይዅን እምበር፡ እቲ ዓቢይ ባይቶ፡ ሰመንያ ብመሰረት ዓንቀጽ 8 (መሰል ምኽባር ውልቃዊ ህይወት)፡ 13 (መሰል ውጽኢታዊ ፍታሕ)ን 14 (ምኽልካል ኣድልዎ)ን ዘቕረበቶ ጥርዓናት "ኣብ ትሕቲ ስልጣን ስዊዘርላንድ ስለ ዘይወድቕ" ተቐባልነት ከም ዘይብሉ ገሊጹ።

እዚ ጕዳይ ንመንግስቲ ስዊዘርላንድ እምበር ንዓለምለኻዊ ኣትለቲክስ ዝምልከት ስለ ዘይኰነ፡ ነቲ ሕጂ ኣብ ልዕሊ ኣትለታት ዲኤስዲ ዘሎ ገደብ ብቕጽበት ኣይጸልዎን እዩ።

ሰመንያ፡ እቲ ውጽኢት "ንዓይ ብሉጽ፡ ንኣትለታት ብሉጽ'ዩ። እዚ፡ መራሕቲ ንስፖርተኛታት ክሕለዉ ከም ዘለዎም ዘዘኻኽር'ዩ፡" ኢላ።

ወሲኻ፡ "ቅድሚ ምቍጽጻርና ንኣትለታት ከነኽብርን መሰላቶም ከነቐድምን ኣለና፡" ትብል።

ዓቢይ ቤት ምኽሪ ቤት ፍርዲ ሰብኣዊ መሰላት ኤውሮጳ ዝወስዶ ውሳነታት ይግባይ ክበሃል ክፉት ኣይኰነን።

ሕጂ ጕዳይ ሰመንያ ናብቲ ኣብ ሎዛን ዝርከብ ፈደራላዊ ቤት ፍርዲ ስዊዘርላንድ ክምለስ ይኽእል እዩ።

ኣትለቲክስ ዓለም፡ ኣብዚ ጕዳይ ዝዀነ ርእይቶ ክህብ ኣይደለየን።

ኣገዳስነት እዚ ውሳነ እንታይ'ዩ?

ካስተር ሰመንያ ኣብ ሻድሻይ መዓልቲ ሻምፕዮን ኣትለቲክስ ዓለም ኦሪገን22፡ ኣብ ሜዳ ሃይዋርድ 20 ሓምለ 2022 ኣብ ዩጂን ኦሪገን ኣብ ውድድር 5000 ሜትሮ ውድድር ደቀንስትዮ ተሳቲፋ

ምንጪ ስእሊ, Andy Lyons/Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ሰመንያ ኣብ 2022፡ ዲኤስዲ ዘለዎም ኣትለታት ኣብ ሓጺር ርሕቀት ካብ ዘጋጥሞም ክልከላታት ንምህዳም፡ ኣብ ኦሪገን ኣብ ዝተኻየደ ሻምፕዮን ዓለም 5000 ሜትሮ ክትውድኦ ኣይከኣለትን።

ኤዲተር ስፖርት ቢቢሲ ዳን ሮኣን፡ እዚ ውሳነ ነቲ ካስተር ሰመንያ ኣንጻር እቲ ኣካታዒ ሕግታት ብቝዕነት ጾታ ዝገበረቶ ነዊሕ ሕጋዊ ክትዕ ህያው ከም ዝገብሮ ይገልጽ።

"እቲ ክቕይሮ ዘይክእል ነገር፡ ንሞያ ሰመንያ ብኣድማዒ መገዲ ዘብቅዐ ሕግታት ኣትለቲክስ ዓለም ምግልባጥ'ዩ።"

"ጕዳያ ኣንጻር መንግስቲ ስዊዘርላንድ እዩ ቀሪቡ፤ ሰበስልጣን ኣመሓዳሪ ኣካል ትራክን ፊልድን ድማ፡ እቲ ጕዳይ ዳግማይ ብላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፈደራል እታ ሃገር ቅድሚ ምስምዑ ሓያሎ ዓመታት ክወስድ ከም ዝኽእል ይኣምኑ።

"እዚ ነታ ሕጂ ኣሰልጣኒት ኰይና እትሰርሕ ዘላ ሰመንያ ዳግም ናብ ትራክ ክትምለስ ንምግባር ኣዝዩ ዝደንጐየ'ዩ።"

"ኣትለቲክስ ዓለም፡ ነቲ ሕግታት ካብ ዘተኣታቱ ንደሓር፡ ከም ሰመንያ ተመሳሳሊ ኵነታት ዲኤስዲ ዘለዎም ስፖርተኛታት ኣብ ልዕሊ ዲኤስዲ ዘይብሎም ተቐናቐንቲ ርኡይን ወዲ ተባዕታይ ዝመስልን ስነ-ኣካላዊ ብልጫ ከም ዝዕቅቡ ብዘርኢ ሳይንሳዊ መጽናዕቲ ስዒቡ፡ ነዚ ሕጊ ምሕያል ዝያዳ ኣገዳሲ ኰይኑ ከም ዘሎ ርግጸኛ እዩ።

"ብሓቂ እቲ ትካል ኣብ ዝቕጽሉ ሒደት ሰሙናት መርመራ ዲኤንኤ ብምምጻእ ሓንቲ ኣትለት ብስነ-ህይወት ጓል ኣንስተይቲ እንዀይና ንምፍላጥ መደብ ኣለዎ። እቲ መርመራ ነቲ ኣካል ናይ Y ክሮሞዞም ዝዀነን ባህርያት ደቂ ተባዕትዮ ክምዕብል ዝገብርን SRY ጂን ዘጻሪ'ዩ።

"ምስ ሰመንያ ተመሳሳሊ ኵነታት ዘለዋ ኣትለት ዝዀነ ይዅን ምዕፋን ወይ ምጕዳል ቴስቶስትሮን እንተሎ ብዘየገድስ ኣብ ምድብ ደቀንስትዮ ከይትወዳደር ክኽልኽላ እዩ።

"ዓለምለኻዊ ኮሚቴ ኦሎምፒክ - ኣብ ትሕቲ ሓዳስ ፕረዚደንት ኪርስቲ ኮቨንትሪ - ከምዚ ዓይነት መርመራ ኣብ ኵሉ ስፖርት ንምትግባር ኣብ ዝሓስበሉ ዘሎ እዋን፡ እቲ ብይን ቤት ፍርዲ ሰብኣዊ መሰላት ኤውሮጳ፡ ስፖርት ኣብ ምድብ ደቀንስትዮ ፍትሓውነት ንምሕላው ከም ዘድሊ ዝጽዕረሉ ሕግታት፡ ግን ከኣ ነቐፍቲ ኣድልዎ ዝፈጥር እዩ ዝብልዎ ሕግታት ዳግማይ ምጽራይ ማለት'ዩ።"

ዲኤስዲ እንታይ'ዩ?

ፍልልይ ጾታዊ ምዕባለ - ዲኤስዲ ሳሕቲ ዘጋጥም ኲነታት ኰይኑ፡ ግዳማዊ እዩ።

ናይ ሓደ ሰብ ሆርሞናት፡ ጂናትን/ወይ መፍረ ኣካላትን ዝተሓዋወሰ ባህርያት ደቂ ተባዕትዮን ደቀንስትዮን ክዀኑ ይኽእሉ።

ገለ ካብቶም በዚ ዝተጠቕዑ ሰባት "ኢንተርሴክስ" ዝብል ቃል ይመርጹ። 46 XY 5-ARD ፍሉይ ዓይነት አኤስዲ እዩ።

ዲኤስዲ ምስ ኵነታት 'ኢንተርሴክስ' ከምኡ'ውን 'ሃይፐራንድሮጀኒዝም' [ኣብ ደቀንስትዮ ዝረአ ኵነታት ኰይኑ፡ ኣብ ኣካላት ብ"ተባዕታይ" ሆርሞናት ዝፍለጥ ኣንድሮጅን ዝለዓለ መጠን እንክህሉ'ዩ] ክደናገር የብሉን።

'ኢንተርሴክስ'፡ ኣብ ጾታ ባህርያቶም ምስ ልሙድ ምድብ ደቂ ተባዕትዮ ወይ ደቀንስትዮ ዘይሰማማዕ ስነ-ህይወታዊ ኵነታት ንዘለዎም ሰባት ንምግላጽ ዝውዕል ቃል እዩ።

ሃይፐራንድሮጀኒዝም፡ ካብቲ ልሙድ ንላዕሊ መጠን ኣንድሮጅን ወይ ሆርሞናት ጾታ ደቂ ተባዕትዮ ዝልለ ሕክምናዊ ኵነታት ኰይኑ፡ እቲ ዝበዝሐ ዝርአ ቴስቶስትሮን እዩ።