ልዕሊ ፍርቂ ዋህዮታትና ናይ ሰብ ኣይኰኑን - ተመራመርቲ

ልዕሊ ፍርቂ ዋህዮታትና ናይ ሰብ ከምዘይኰነ ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠት ይዛረቡ
መግለጺ ስእሊ, ልዕሊ ፍርቂ ዋህዮታትና ናይ ሰብ ከምዘይኰነ ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠት ይዛረቡ

ካብ ጠቕላላ ቁጽሪ ዋህዮታት ኣካላትና እቶም ብሓቂ ዋህዮታት ደቂ ሰብ 43 ሚእታዊት ጥራይ እዮም።

እቶም ዝተረፉ 57 ሚእታዊት ማይክሮስኮፒክ (ኣዝዮም ደቀቕቲ ነፍሳት) ሰፈርቲ እዮም።

ነዚ ብሰፈርቲ ዝተዓብለለ ሕቡእ ፍርቂ ገዛእ ርእስና ምርዳእ፡ ካብ ኣለርጂ ክሳብ ፓርኪንሰን ኣብ ዝኣመሰሉ ሕማማት ዘለና ርድኢት ብቕልጡፍ ይቕይሮ ኣሎ።

እቲ ዓውዲ "ሰብ" ምዃን ባዕሉ እንታይ ማለት ምዃኑ ከይተረፈ ሕቶታት የልዕል ኣሎ። ከም ውጽኢቱ ድማ ናብ ሓደስቲ ምህዞታት ሕክምናታት እናመርሐ ይርከብ።

እቶም ሰፈርቲ "ንጥዕናና ኣገደስቲ እዮም፡ ኣካላትካ ንስኻ ጥራይ ኣይዀነን" ትብል ኣብ ማክስ ፕላንክ ኢንስቲትዩት ዳይረክተር ክፍሊ ሳይንስ ማይክሮባዮም ዝዀነት ፕሮፌሰር ሩት ሌይ።

ክሳብ ክንደይ ጽቡቕ ገይርና ንሕጸብ ብዘየገድስ፡ ዳርጋ ኵሉ ኩርናዕን ጫፍን ኣካላትና ብኣዝዮም ደቀቕቲ (ማይክሮስኮፒክ) ነፍሳት ዝተሸፈነ እዩ።

ገለ ካብዚኦም ድማ ባክተርያ፡ ቫይረሳት፡ ፋንጋስን ኣርኪያን (ኣብ መጀመርታ ብጌጋ ከም ባክተርያ ዝረኣዩ ዝነበሩ) ይርከብዎም።

እቲ ዝዓበየ ምትእኽኻብ ናይዞም ነፍሳት ድማ ኣብቲ ኦክስጅን ዝሓረሞ ጸልማት መዓሙቕ መዓንጣና ይርከብ።

ካብ ዩኒቨርሲቲ ካሊፎርንያ ሳንዲያጎ ፕሮፌሰር ሮብ ናይት ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ "ካብ ሰብ ምዃንና ብዝዛይድ ደቀቕቲ ነፍሳት (ማይክሮብ) ኢና" ይብል።

ኣብ መጀመርታ ዋህዮታትና ብቑጽሪ 10 ንሓደ ዝተዓብለሉ ምዃኖም ይሕሰብ ነይሩ።

"እዚ ናብ ዝተቐራረበ ኣሃዝ ተጸጊዑ ኣሎ፡ ስለዚ እቲ ሕጂ ዘሎ ግምት ኵሎም ዋህዮታት እንተተቖጺሮም፡ ኣስታት 43 ሚእታዊት ሰብ ኢና" ይብል ፕሮፌሰር ሮብ ናይት።

ብጀነቲካዊ መዳይ ግን ዝያዳ ዝተዓብለልና ኢና።

ከስዐ

ሕነተ-ሰረት (genome) ደቂ ሰባት ምሉእ ስብስብ መፈጠራዊ (ጀነቲካዊ) መምርሒታት ዝሓዘ ኰይኑ ብ20 ሽሕ ሰረታት (genes) ዝበሃሉ መምርሒታት ዝቖመ እዩ።

ግን ኵሎም ኣብቲ ምትእኽኻብ ደቀቕቲ ነፍሳት ዘለዉ ሰረታት ብሓባር እንተድኣ ደሚርናዮም እቲ ኣሃዝ ካብ ክልተ ክሳብ 20 ሚልዮን ማይክሮባያላዊ ሰረታት ይበጽሕ።

ኣብ ካልቴክ ክኢላ ደቀቕቲ ነፍሳት ዝዀነ ፕሮፌሰር ሳርኪስ ማዝማኒያን "ሓደ ሕነተ-ሰረት ጥራይ የብልናን፡ ሰረታት ምትእኽኻብ ደቀቕቲ ነፍሳት ብመሰረቱ ካልኣይ ሕነተ-ሰረት የቕርቡ እዚ ድማ ንጥፈት ናይቲ ናትና ሕነተ-ሰረት የዕብዮ" ክብል ይምጉት።

"ብናተይ ኣረኣእያ፡ ሰብ ዝገብረና ውህደት ናይ ገዛእ ርእስና ዲኤንኤ፡ ዲኤንኤ ናይቶም ኣብ መዓንጣና ዝርከቡ ደቀቕቲ ነፍሳት ተወሲኹ'ዩ።"

ክንድዚ ዝኣኽሉ ደቀቕቲ ነፍሳት ተሰኪምና ግን ድማ ኣብ ኣካላትና ፈጺሙ ዝዀነ ጽልዋ ከየሕደረ ንኸይድ ኣለና ኢልካ ምሕሳብ ግርህነት እዩ።

ሳይንስ፡ ዓለም ደቀቕቲ ነፍሳት ኣብ ምሕቃቕ መግቢ፡ ኣብ ቁጽጽር ስርዓተ ምክልኻል ሕማም፡ ኣብ ምክልኻል ሕማም ከምኡ’ውን ኣገደስቲ ቫይታሚናት ኣብ ምፍራይን ዝጻወቶ ተራ ብቕልጡፍ እናቃልዐ ይርከብ።

"እዞም ደቀቕቲ ነፍሳት ክሳብ ቀረባ እዋን ሓሲብናዮ ብዘይ ንፈልጥ መንገዲ ንጥዕናና ምሉእ ብምሉእ ዝቕይሩሉ መንገድታት ንረክብ ኣለና" ይብል ፕሮፌሰር ናይት።

እዚ ዓለም ደቀቕቲ ነፍሳት ዝምልከት ሓድሽ ኣተሓሳስባ እዩ። ክሳዕ ሕጂ ምስ ደቀቕቲ ነፍሳት ዝነበረና ርክብ ብዓቢኡ ዳርጋ ውግእ እዩ ነይሩ።

ግንባር ቃልሲ ደቀቕቲ ነፍሳት

ጸረ-ነፍሳትን ክታበታትን ኣንጻር ከም በዓል ፍንጣጣ፡ ማይኮባክተርየም ቲቢ ዝኣመሰሉ ሕማማት ኰይኖም ጸኒሖም እዮም።

እዚ ድማ ህይወት ብዙሓት ሰባት ዘድሓነ ጽቡቕ ነገር እዩ።

ይኹን’ምበር ኣብ ልዕሊ እቶም ሕማቕ ነፍሳት ዝገበርናዮ መጥቃዕቲ ኣብቶም "ጽቡቓት ባክተርያ" ዘይንገር ጉድኣት ከምዘውረደ ስክፍታ ከምዘሎ ተመራመርቲ ይገልጹ።

"ኣብ ዝሓለፈ 50 ዓመታት ተላባዒ ሕማማት ኣብ ምውጋድ ዘደንቕ ስራሕ ሰሪሕና ኢና" ይብል ፕሮፌሰር ለይ።

"ግን ስርዓተ-ምክልኻልና ብጌጋ ንገዛእ ርእሱ ዘጥቃዓሉን ቁጥዐን ኣብ ዝኣመሰሉ ሕማማት ኣዝዩ ዓቢን ዘስካሕክሕን ወሰኽ ርኢና ኢና።"

"ኣብ ምትእኽኻብ ደቀቕቲ ነፍሳት ዝግበር ስራሕ ዘድልየሉ ምኽንያት ድማ፡ ንረኽሲ ዘስዕቡ ባእታታት ኣብ ምቅላስ ዝረኸብናዮ ዓወት ስዒቡ ኣብቶም ነፍሳት ዝመጽእ ለውጢ፡ ሕጂ ንኽንገጥሞም ዘለና ምሉእ ብምሉእ ሓድሽ ምትእኽኻብ ሕማማት ብኸመይ ኣበርክቶ ከምዝገበረ ምርኣይ'ዩ" ክብል ይውስኽ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

እቲ ምትእኽኻብ ደቀቕቲ ነፍሳት ምስ ሕማም ነድሪ መዓንጣ፡ ፓርኪንሰን ምትእስሳር ይግበረሉ ኣሎ፤ ዋላ መድሃኒታት መንሽሮ ይሰርሑ ድዮም ኣይሰርሑን እንተላይ ምስ ጭንቀትን ኦቲዝምን ዝርከብዎም ሕማማት ዘለዎ ምትእስሳር ይጽናዕ ኣሎ።

ክራሸ ወይ ልዕሊ ዓቐን ክብደት ሰብነት ካልእ ኣብነት እዩ። ታሪኽ ስድራቤትን ኣነባብራን ተራ ከምዘለዎም ንጹር’ዩ፤ እንተዀነ ግን ኣብ መዓንጣ ዝርከብ ምትእኽኻብ ደቀቕቲ ነፍሳት’ከ?

ኣብዚ እዩ እዚ ጉዳይ ክደናገር ዝኽእል።

በርገርን ቸኮሌትን ዘጠቓልል ኣመጋግባ ንሓደጋ ክራሸን ከምኡ’ውን ኣብ ስርዓተ ምሕቃቕ መግቢ ዝዓብዩ ዓይነታት ደቀቕቲ ነፍሳትን ዝጸልው እዩ።

ስለዚ ሕማቕ ምትሕውዋስ ባክተርያ ንክራሸ ኣበርክቶ ብዝገብር ኣገባብ ንመግቢ ዘሕቅቕ እንተዀይኑ ከመይ ገይርና ንፈልጥ?

ፕሮፌሰር ናይት፡ ኣብ ልዕሊ ኣብ ኣዝዩ ጽሬት ዘለዎ ከባቢ ዝተወለዱ ኣናጹ ፈተነታት ኣካይዱ እዩ።

ምሉእ ህላወ እቶም ኣናጹ ፍጹም ካብ ደቀቕቲ ነፍሳት ነጻ እዩ ነይሩ።

"ካብ ዕባራን ልዕሊ ዓቀን ክብደት ዘለዎምን ደቂ ሰባት ቀልቀል ወሲድካ ነቲ ባክተርያ ናብ ኣናጹ እንተሰጊርካዮ፡ ካብ መን ደቀቕቲ ነፍሳት ረኺቦም ኣብ ዝብል መሰረት ገይርካ እቶም ኣናጹ ክዓብሩ ወይ ክሰብሑ ምግባር ከምዝካኣል ከነርኢ ክኢልና" ይብል እቲ ፕሮፌሰር።

እቶም ዝዓበሩ ናብ ዝሰብሑ ባክተርያ ብምውሳኽ እውን እቶም ኣናጹ ክብደቶም ንኽንኪ ከምዝሓገዘ ወሲኹ ይሕብር።

"እዚ ቅሩብ ዘገርም እዩ ሓቀይ? ሕጂ እቲ ሕቶ እዚ ኣብ ደቂ ሰባት ዝሰርሕ ድዩ ዝብል እዩ።"

እዚ ድማ ኣብቲ ዓውዲ ዘሎ ዓቢ ተስፋ እዩ፤ ደቀቕቲ ነፍሳት ሓድሽ ዓይነት ሕክምና ክዀኑ ይኽእሉ እዮም። "ነፍሳት ከም መድሃኒት" ምጥቃም ተባሂሉ ድማ ይፍለጥ።

መግቢ

ዕደና ዘይነዓቕ ሓበሬታ

ዶክተር ትሬቨር ላውሊ ኣብ ኢንስቲትዩት ዌልከም ትራስት ሳንገር ካብ ጥዑያትን ዝሓመሙን ሰባት ምሉእ ምትእኽኻብ ደቀቕቲ ነፍሳት ከዕብይ እናጸዓረ ይርከብ።

"ኣብ ዝሓመመ ኵነታት ዝጎደሉ ነፍሳት ክህልዉ ይኽእል'ዮም፡ ስለዚ እቲ ኣምር ነቶም ዝጎደሉ ዳግማይ ምትእትታው'ዩ" ይብል።

ኣብ ከም ቁስሊ መዓንጣ ዝኣመሰሉ ሕማማት፡ ናይ ሓደ ሰብ ምትእኽኻብ ደቀቕቲ ነፍሳት ምጽጋን "ብሓቂ ናብ ሕውየት ከምርሕ ከም ዝኽእል" ዝሕብሩ መርትዖታት እናወሰኹ ይመጹ ከምዘለዉ ዶክተር ላውሊ ይጠቅስ።

ሕክምና ምትእኽኻብ ደቀቕቲ ነፍሳት ገና ኣብ መጀመርታ ደረጃኡ ዝርከብ እኳ እንተዀነ፡ ገለ ተመራመርቲ ግን ኣብዚ ምትእኽኻብ ዝግበር ምክትታል ኣብ ቀረባ እዋን ብዛዕባ ጥዕናና ዘይነዓቕ ሓበሬታ ዝህብ መዓልታዊ ፍጻመ ክኸውን እዩ ዝብል ግምት ኣለዎም።

ፕሮፌሰር ናይት "ነፍሲ ወከፍ ማንካ ሻሂ ቀልቀል ካብቲ ሓደ ቶን ዲቪዲ ክኽዝኖ ዝኽእል ንላዕሊ ኣብ ዲኤንኤ ናይቶም ነፍሳት ዝያዳ ሓበሬታታት ኣሎ ኢልካ ምሕሳብ ንምእማኑ ዘጸግም'ዩ" ይብል።

"እዚ ናይ ብሓቂ ለውጢ ዘምጽእ'ዩ ዝመስለኒ።"