ኵዕሶ እግሪ፡ ኣብ ታሪኽ ብሪጣንያ ዝኸበሩ ሓሙሽተ ተጻወትቲ

ኵዕሶ እግሪ፡ ኣብ ታሪኽ ብሪጣኒያ ዝኸበሩ ሓሙሽተ ተጻወትቲ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መስኮት ዝውውር ኵዕሶ እግሪ ኤውሮጳ ብ1 መስከረም 2025 ተዓጽዩ ኣሎ።

ኣብዚ ዓመት ኣብ ፕሪሚየር ሊግ ኢንግሊዝ ድማ ኣሌክሳንደር ኢሳቕን ፍሎሪያን ሪትዝን ጸብለል ኢሎም ዝተርኣይሉ ኰይኑ ሓሊፉ ኣሎ።

ሊቨርፑል፡ ኣርሰናል፡ ማንቸስተር ሲቲ፡ ቸልስን ማንቸስተር ዩናይትን፡ ነቲ መስኮት ዝውውር ዝተቘጻጸራኦ ጋንታታት እየን።

ሊቨርፑል ነቲ ዕዳጋ ክትቈጻጸሮ እንከላ፡ ንኤርትራዊ ሽወደናዊ ኣጥቃዓይ ኣሌክሳንደር ኢሳቕ፡ ብ125 ሚልዮን ፓውንድ ብምፍራም ካብ ኒውካስል ወሲዳቶ።

እዚ ኣብ ብሪጣንያ ኣዝዩ ዝኸበረ ተጻዋታይ ዝገብሮ ክብረወሰን ዝሓዘ ዝውውር እዚ ዓመት እዩ።

ብ116 ሚልዮን ፓውንድ ካብ ባየር ለቨርኩሰን ፍሎርያን ሪትዝ ንሓጺር ግዜ ነዚ ክብረወሰን ሒዙዎ ጸኒሑ እዩ። ሊቨርፑል ኣብዚ ክረምቲ ድማ ብጠቕላላ ልዕሊ 400 ሚልዮን ፓውንድ'ያ ወጻኢ ገይራ።

ኣሌክሳንደር፡ ብሓደ መስከረም ኣብ ኣንፊልድ ንሽዱሽተ ዓመት ዘጽንሖ ውዕል ፈሪሙ ኣሎ።

ሊቨርፑል ኣብ መጀመርታ ናይዚ ወርሒ ብ110 ሚልዮን ፓውንድ ክትገዝኦ እያ ወጢና ነይራ።

እዚ ንደገፍቲ ሊቨርፑል ጽቡቕ ዜና ጥራይ ዘይኰነ፡ እታ ክለብ ምስተን ኣብ ኤውሮጳ ዝርከባ መሪሕ ክለባት ክትወዳደር ድልውቲ ምዃና ዘመልክት'ዩ።

ነታ ብሰንበት ብሊቨርፑል 1 ብ 0 ዝተሳዕረት ኣርሰናል ወይ ማንቸስተር ሲቲ፡ እዚ ሓድሽ ብድሆ እዩ።

እቲ ምንታይ ሕጂ ኣብ መስመር ምጥቃዕ ርኡይ ሓይሊ ዝወሰኸት ጋንታ እያ ክትገጥመን።

ብዝዀነ፡ ኣብ ብሪጣንያ ዝኸበሩ ሓሙሽተ ዝውውራት ክንነግረኩም፤

ራይዝ (ማእከል) ካብ ዌስትሃም ድሕሪ ምግዓዙ ክብረወሰን ዝውውር ኣርሰናል ሒዙ ነይሩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ራይዝ (ማእከል) ካብ ዌስትሃም ድሕሪ ምግዓዙ ክብረወሰን ዝውውር ኣርሰናል ሒዙ ነይሩ

5. ዴክለን ራይዝ - 105 ሚልዮን ፓውንድ

ብ2023 ካብ ዌስት ሃም ናብ ኣርሰናል ተዘዋዊሩ።

ራይዝ ምስታ ጋንታ ክናዋሕ ዝኽእል ንሓሙሽተ ዓመት ዘጽንሖ ውዕል እዩ ፈሪሙ ዘሎ።

ካብ ዌስትሃም ድሕሪ ምግዓዙ ክብረወሰን ዝውውር ኣርሰናል ሒዙ ነይሩ።

4. ኢንዞ ፈርናንደዝ - 107 ሚልዮን ፓውንድ

ቸልሲ፡ ንኣርጀንቲናዊ ፈርናንደዝ ካብ በነፊካ ንምምጻእ ዝኸፈለቶ 107 ሚልዮን ፓውንድ ኣብ እንግሊዝ እቲ ዝኸበረ ነይሩ።

ምስታ ጋንታ ድማ ንሸሞንተ ዓመትን ፈረቓን ዝጸንሕ ውዕል ፈሪሙ ኣሎ።

ኤንዞ ፈርናንደዝ ኣብ 2023 ካብ ቤንፊካ ብናይ ብሪጣንያ ክብረወሰን ብዝሓዘ ናይ107 ሚልዮን ፓውንድ ዝውውር ናብ ቸልሲ ተጸንቢሩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኤንዞ ፈርናንደዝ ኣብ 2023 ካብ በነፊካ ብናይ ብሪጣንያ ክብረወሰን ዝሓዘ ናይ107 ሚልዮን ፓውንድ ዝውውር ናብ ቸልሲ ተጸንቢሩ

3. ሞይስ ካይሴዶ - 115 ሚልዮን ፓውንድ

ሞይስ ካይሴዶ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ሞይስ ካይሴዶ

ኢኳዶራዊ ካይሴዶ፡ ብ2023 ካብ ብራይተን ናብ ቸልሲ ክዘዋወር እንከሎ፡ 115 ሚልዮን ፓውንድ ኣውጺኡ።

ሊቨርፑል ብ111 ሚልዮን ፓውንድ ውዕል ክትወስዶ ድልየት ኣርእያ ነይራ፤ ንሱ ግን ንቸልሲ መሪጹ።

2. ፍሎሪያን ሪትዝ - 116 ሚልዮን ፓውንድ

ፍሎርያን ዊርትዝ ብጀርመን 31 ግዜ ተዓዋቲ ኰይኑ'ዩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ፍሎርያን ሪትዝ ኣብ ጀርመን 31 ግዜ ተዓዋቲ ኰይኑ'ዩ

ወዲ 22 ዓመር ሪትዝ ኣብ ሊቨርፑል እቲ ዝኸበረ ተጻዋታይ ኰይኑ ጸኒሑ'ዩ።

እዚ ጀርመናዊ ናይ ማእከል ተጻዋታይ፡ ሓደ ካብቶም ኣብ ዓለም ዘለው ብሉጻት ተጻወትቲ ማእከል እዩ።

1. ኣሌክሳንደር ኢሳቕ - 125 ሚልዮን ፓውንድ

ኣሌክሳንደር ኢሳቕ፡ ኣብ ኒውካስል ንሰለስተ ዓመት ጸኒሑ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣሌክሳንደር ኢሳቕ፡ ኣብ ኒውካስል ንሰለስተ ዓመት ጸኒሑ

ሕጂ፡ ብ125 ሚልዮን ፓውንድ ዝተዓደገ ኣሌክሳንደር ኢሳቕ፡ ሕጂ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝኸበረ ተጻዋታይ ኰይኑ ኣሎ።

ኣሌክሳንደር ኣብ 2023 እዩ ካብ ሪያል ሶሲዳድ ናብ ኒው ካስል ብ60 ሚልዮን ፓውንድ ዝተዘዋወረ።

ኣብ ዝሓለፈ መጋቢት፡ ኣብ ዋንጫ ካራባኦ፡ ኣብ ልዕሊ ሊቨርፑል ብዘቝጸሮ ሸቶ ጋንታኡ ዝነበረት ኒውካስል ድሕሪ ብዙሕ ዓመታት ዋንጫ ክትዓትር ኣኽኢሉዋ እዩ።

ብተወሳኺ፡ ኒውካስል ንቻምፒየንስ ሊግ ኤውሮጳ ንኽትሓልፍ ዓቢይ እጃም ነይሩዎ።

እቶም ኣብ ኵዕሶ እግሪ፡ ኣዝዮም ዝኸበሩ ዝውውራት ፓሪስ ሰይንት ዠርማን ነይማርን ኪልያን 'ምባፐን ከተፈርም እንከላ ዝነበሩ'ዮም።

እታ ፈረንሳዊት ጋንታ፡ ብ2017፡ ንነይማር ካብ ባርሴሎና ክትወስዶ እንከላ 200 ሚልዮን ፓውንድ ኣውጺኣ።

ኣብ ተመሳሳሊ ዓመት ናብታ ጋንታ ዝተጸንበረ ምባፐ፡ ኣብ መጀመርታ ብልቓሕ ብ166 ሚልዮን ፓውንድ ከተምጽኦ እንከላ፡ እዚ ጸኒሑ ቀዋሚ ውዕል ኰይኑ።

ዋጋ ዝውውር ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ካብ ምባፐን ነይማርን ዝንኣሰ እኳ እንተዀነ፡ ካብ ዋጋ ዝውውራት ፊሊፕ ኮቲንሆን ዑስማን ደምበሌን ክብ ዝበለ እዩ።

ኮቲንሆ ኣብ ጥሪ 2018 ካብ ሊቨርፑል ብ142 ሚልዮን ፓውንድ ናብ ባርሴሎና ተጸንቢሩ፤ ፈለማ እቲ ዝውውር 105 ሚልዮን ፓውንድ ነይሩ።