ቺለ፡ ገለ ክፋል ናይታ 38 ሰባት ሒዛ ዝተሰወረት ነፋሪት ተረኺቡ

ኣብቲ እታ ኣየር ዝጠፈኣትሉ ከባቢ ዝተረኸበ ኣካል

ምንጪ ስእሊ, EPA

መግለጺ ስእሊ, ኣብቲ እታ ኣየር ዝጠፈኣትሉ ከባቢ ዝተረኸበ ኣካል

ሰብ መዚ ቺለ ናይታ ብሰኑይ 38 ሰባት ሒዛ ዝጠፈአት ወተሃደራዊት ነፋሪት፡ ገለ ስብርባር ኣካል ከም ዝረኸቡ ሓቢሮም።

እቲ ስብርባር ናይታ ነፋሪት፡ ካብቲ ርክብ ዘቋረጸትሉ 30 ኪሎሜተር ርሒቁ ኣብ ደሬክ ፓሴጅ ዝተብሃለ ማያዊ ኣካል ከም ዝተረኸበ'ውን እቲ ዝወጽአ ሓበሬታ ይሕብር።

እታ ብሰኑይ ዝጠፈአት ነፋሪት ካብ ደቡባዊት ክፋል ከተማ ፑንታ ኣሬና ተበጊሳ ናብቲ ኣብ ኣንታርቲካ ዝርከብ ፕረዚደንት ኢድዋርዶ ፈረይ ሞንታለቫ ዝተብሃለ መዓስከር ሓይሊ ባሕሪ እያ ትኸይድ ነይራ።

ኮማንደር ሓይሊ ኣየር ቺለ ኢድዋርዶ ሞስኮርያ ኣብ፡ እቲ ዝተረኸበ ክፋል እታ ነፋሪት ውሽጣዊ ኣካል ገንኢ ነዳዲ ናይታ ነፋሪት ክኸውን ከም ዝኽእል ሓቢሩ።

ሲ-130 ሰራዊትን ንብረትን ኣብ ምግዕዓዝ ክትነጥፍ ዝጸንሐት ዓባይ ኣየር እያ

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ሲ-130 ሰራዊትን ንብረትን ኣብ ምግዕዓዝ ክትነጥፍ ዝጸንሐት ዓባይ ኣየር እያ

ኮማንደር ኢድዋርዶ ሞስኮርያ፡ እቲ ዝተረኸበ ስብርባር ብርግጽ ናይታ ብሰኑይ ዝጠፈአት ነፋሪት ምኳኑ ኣብ ምጽራይ ከም ዝርከቡን ዝተረፈ ኣካላት እታ ነፋሪት ንምርካብ ይረባረቡ ምህላዎምን'ውን ሓቢሩ።

ኣብዚ ናይ ምድላይ መስርሕ፡ ኣርጀንቲና፣ ብራዚል፣ ዓባይ ብርጣንያን ኡራጓይን ነፈርቲ ብምልኣኽ ሓገዘን ከበርክታ እንከለዋ፡ ኣሜሪካን እስራኤልን ኸኣ ኣሳእል ናይ ሳተላይት ብምልኣኽ ሓገዘን የበርክታ ምህላወን ተገሊጹ።

እንተኾነ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ብርቱዕ በረድ ነቲ ናይ ምድላይ መስርሕ የሰናኽሎ ምህላዉ ይግለጽ።