እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቺለ፡ ገለ ክፋል ናይታ 38 ሰባት ሒዛ ዝተሰወረት ነፋሪት ተረኺቡ
ሰብ መዚ ቺለ ናይታ ብሰኑይ 38 ሰባት ሒዛ ዝጠፈአት ወተሃደራዊት ነፋሪት፡ ገለ ስብርባር ኣካል ከም ዝረኸቡ ሓቢሮም።
እቲ ስብርባር ናይታ ነፋሪት፡ ካብቲ ርክብ ዘቋረጸትሉ 30 ኪሎሜተር ርሒቁ ኣብ ደሬክ ፓሴጅ ዝተብሃለ ማያዊ ኣካል ከም ዝተረኸበ'ውን እቲ ዝወጽአ ሓበሬታ ይሕብር።
እታ ብሰኑይ ዝጠፈአት ነፋሪት ካብ ደቡባዊት ክፋል ከተማ ፑንታ ኣሬና ተበጊሳ ናብቲ ኣብ ኣንታርቲካ ዝርከብ ፕረዚደንት ኢድዋርዶ ፈረይ ሞንታለቫ ዝተብሃለ መዓስከር ሓይሊ ባሕሪ እያ ትኸይድ ነይራ።
ኮማንደር ሓይሊ ኣየር ቺለ ኢድዋርዶ ሞስኮርያ ኣብ፡ እቲ ዝተረኸበ ክፋል እታ ነፋሪት ውሽጣዊ ኣካል ገንኢ ነዳዲ ናይታ ነፋሪት ክኸውን ከም ዝኽእል ሓቢሩ።
ኮማንደር ኢድዋርዶ ሞስኮርያ፡ እቲ ዝተረኸበ ስብርባር ብርግጽ ናይታ ብሰኑይ ዝጠፈአት ነፋሪት ምኳኑ ኣብ ምጽራይ ከም ዝርከቡን ዝተረፈ ኣካላት እታ ነፋሪት ንምርካብ ይረባረቡ ምህላዎምን'ውን ሓቢሩ።
ኣብዚ ናይ ምድላይ መስርሕ፡ ኣርጀንቲና፣ ብራዚል፣ ዓባይ ብርጣንያን ኡራጓይን ነፈርቲ ብምልኣኽ ሓገዘን ከበርክታ እንከለዋ፡ ኣሜሪካን እስራኤልን ኸኣ ኣሳእል ናይ ሳተላይት ብምልኣኽ ሓገዘን የበርክታ ምህላወን ተገሊጹ።
እንተኾነ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ብርቱዕ በረድ ነቲ ናይ ምድላይ መስርሕ የሰናኽሎ ምህላዉ ይግለጽ።