እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ነፋሪት መገዲ ኣየር ኬንያ ተሓቢኡ እንግሊዝ ክበጽሕ ዝፈተነ ውልቀ-ሰብ
ኣብ ነፋሪት መገዲ ኣየር ኬንያ ብደገ ተሓቢኡ ከጓዓዝ ከም ዝፈተነ ዝጥርጠር ውልቀ-ሰብ፡ ሰራሕተኛ ማዕርፎ ነፈርቲ ኬንያ ከይኮነ ከም ዘይተርፍ ሓደ በዓል ስልጣን እታ ሃገር ተዛሪቡ።
እቲ ሰብ፡ ካብ ናይ ቅድሚት መዕረፊ ጎማ ነፋሪት ከም ዝወደቐ ክኸውን ከም ዝኽእል ይግመት።
እቲ ሰብ ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት'ዩ ኣብቲ ኣደቡብ-ምዕራብ ከተማ ለንደን ኣብ ሓደ ጀርዲን ተረኺቡ።
ሓደ ናይ ዓይኒ ምስክር፡ እቲ ሰብ [ኣብ ናይ ቅድሚት ጎማ ነፋሪት ተሓቢኡ ዝጓዓዝ ዝነበረ] ኣብ መረባ ጎረቤቱ ከም ዝወደቐ ተዛሪቡ።
እቲ ስሙ ክግለጽ ዘይደለየ ሰብ፡ 'ጅው' ዝብል ድምጺ ምስ ሰምዐ፡ ብመስኮት ናብ ታሕቲ ምስተቐልቀለ፡ ዝወደቐ ኣካል ሰብን "ንመንደቕ ናይቲ ጀርዲን ዝሸፈነ ደምን" ከም ዝረኣየ ሓቢሩ።
"ሽዑ ናብ ደገ ወጺአ፤ ጎረቤተይ'ውን መጺኡ ምስረኣየ ብፍርሒ ኣንቀጥቂጡ" ኢሉ።
ፖሊስ ምርመራታት ከም ዝካየድ ብምግላጽ፡ ኣማውትኡ ግን ጥርጣረ ክፍጠር ዝገብር ከም ዘይኮነ ኣረዲኡ።
መገዲ ኣየር ኬንያ ብወገኑ፡ ኣብታ ነፋሪት ተፍትሽ ከም ዝተኻየደን ዝበጽሐ ጉድኣት ከም ዘይረኸበን ኣፍሊጡ።
ናይ ቅድሚት ጎማ ኣብ ዝጥርነፈሉ ኣካል'ታ ነፋሪት፡ ሻንጣ፣ ማይን መግብን ሽዑ ምስ ዓለበት ተረኺቡ'ዩ።
ወሃቢ ቓል መገዲ ኣየር ኬንያ ከም ዝበሎ፡ እቲ 6,840 ኪሎ ሜትሮ ርሕቀት ከባቢ 8 ሰዓትን 50 ደቒቓን ይወስድ።
እቲ ውልቀ-ሰብ ህይወቱ ብምሕላፉ ብሸም እቲ መገዲ ኣየር ዝተሰምዖም ሓዘን ገሊጹ።
"መገዲ ኣየር ኬንያ ምስ ዝምልከቶም ኣብ ናይሮቢን ለንደንን ዘለዉ ሓለፍቲ ብምዃን ኣብቲ ጉዳይ ምርመራ የካይድ ኣሎ" ኢሉ።
ናብ እንግሊዝ መዕርፎ ነፈርቲ ሂትሮው ኣብ ዝግበር በረራ ከምዚ ዓይነት ሓደጋ ከጋጥም ንመጀመርታ ግዜ ኣይኮነን።