ዓበይቲ ትካላት ኣመሪካ ወጻኢታት መጓዓዝያ ጥንሲ ዝሰዳ ሰራሕተኛታቶም ክሽፍኑ እዮም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ብሚልዮን ዝቝጸራ ደቂ ኣንስትዮ ኣመሪካ፡ ጥንሲ ናይ ምስዳድ መሰለን ንምክልኻል ስዒቡ፡ ከም ደዝኒ፡ ጄፒ ሞርጋንን ወናኒ ፌስቡክ ዝዀነ ሜታን ዝኣመሰሉ ዓበይቲ ትካላት ኣመሪካ፡ ምስ ጥንሲ ምስዳድ ንዝተሓሓዙ ወጻኢታት መጓዕዝያ ሰራሕተኛታቶም ከምዝሽፍኑ ኣፍሊጦም።
እቶም ትካላት፡ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣመሪካ፡ መሰል ምንጻል ጥንሲ ንዝፈቅድ ሕጊ እታ ሃገር ድሕሪ ምስራዙ እዮም ነዚ ስጕምቲ ዝወስዱ ዘለዉ።
ውሳነ እቲ ቤት ፍርዲ ኵለን ግዝኣታት ኣመሪካ ንመስርሕ [ምንጻል] ክኽልክላ መንገዲ ዝጸርግ እዩ።
ከም ኣማዞን ዝኣመሰሉ ካልኦት ትካላት'ውን ንሰራሕተኛታቶም ተመሳሳሊ ሓገዝ ከም ዝገብሩ ምግላጾም ዝዝከር እዩ።
ድሕሪ እቲ ውሳነ ብዙሓት ትካላት፡ ነተን ጥንሲ ንምስዳድ ኢለን ካብ ዝነብራሉ ግዝኣት ክንቀሳቐሳ ዝግደዳ ደቂ ኣንስትዮ ወጻኢታት መጓዓዓዝያአን ብመደባት ጥዕና ኢንሹራንስ ኣቢሎም ከምዝሽፍኑ ኣረጋጊጾም ኣለዉ።
ደዝኒ፡ ውሳነ እቲ ቤት ፍርዲ ኣብ ልዕሊ ሰራሕተኛታቱ ዘስዕቦ ጸቕጢ ከም ዝተረደአን ሰራሕተኛታቱ ተመጣጣኒ ኣገልግሎት ሓለዋ ጥዕና ክረኽቡ ከምዝገብርን ንሰራሕተኛታቱ ምግላጹ ኣፍሊጡ ኣሎ።
እቲ ትካል ኣብታ ካብ 1 ሰነ ጀሚሩ፡ ልዕሊ 15 ሰሙን ዝገበረ ጥንሲ ምንጻል ከልኪላ ዘላ ፍሎሪዳ፡ ኣስታት 80 ሽሕ ሰራሕተኛታት ኣለዉዎ።
ዓርሞሸሽ ትካል ባንክ፡ ጄፒ ሞርጋን ብተመሳሳሊ፡ “ሕጋዊ ምንጻል ጥንሲ” ሓዊሱ ሰራሕተኛታቱ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ንምርካብ ዘውጽእዎ ወጻኢታት ከም ዝሽፍን ምግላጹ ወኪል ዜና ሮይተርስ ጸብጺቡ።
ፍሉጥ ኣመሪካዊ ባንክ ኢንቨስትመንት ጎልድማን ሳችስ ብተመሳሳሊ፡ ካብ 1 ሓምለ ጀሚሩ ናብ ካልእ ግዝኣት ከይደን ጥንሲ ክንጽላ ናይ ዝደልያ ሰራሕተኛታቱ ወጻኢታት መጓዓዝያ ከምዝሽፍን ኣፍሊጡ ኣሎ።
ኣሕታሚ ቬግ ኮንደ ናስት፡ ኣፍራዪ ጂንስ ለቪ ስትራውስ፡ ኣገልግሎት መጓዓዝያ ዝህቡ ሊፍትን ኡበርን እውን ተመሳሳሊ ስጕምቲ ከም ዝወስዱ ኣፍሊጦም ኣለዉ።
ኣማዞን፡ ሪቪው ዌብሳይት የልፕን ፍሉጥ ባንክ ሲቲግሩፕን ቅድሚ ውሳነ እቲ ቤት ፍርዲ እዮም ኣብ ዝነብራሉ ግዝኣት ጥንሲ ምንጻል ንዘይክእላ ሰራሕተኛታቶም ናይ መጓዓዝያ ወጻኢ ከምዝሽፍኑ ዘፍለጡ።
ዋና ፈጻሚ የልፕ፡ ጀረሚ ስቶፕልማን፡ ውሳነ እቲ ቤት ፍርዲ፡ “ንጥዕና ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ሓደጋ ዘእቱ” ብምባል “መራሕቲ ትካላት ንግዲ ድምጾም ከስምዑ ይግባእ” ክብል ኣብ ትዊተር ጽሒፉ።
እቲ ሕጊ ኣብ ኣመሪካ ምሉእ ብሙሉእ ምንጻል ጥንሲ ዝኽልክል ዘይኮነስ፡ ነፍስወከፍ ግዝኣት፡ መዓስን ብኸመይን ከምእተፍቅድን ትኽልክልን ክትውስን ዕድል ዝህብ እዩ።
ዛጊት 13 ግዝኣታት ኣብ ምንጻል ጥንሲ ክልከላታት ዝገብሩ ሕጊታት ዘጽደቓ ኰይነን፡ ልዕሊ 20 ድማ ተበጻሕነት እቲ ኣገልግሎት ንምቕናስ ይንቀሳቐሳ ኣለዋ።
ወጻኢታት መጓዓዝያ ምንጻል ጥንሲ ሰራሕተኛታቶም ከምዝሽፍኑ ዝገለጹ ትካላት፡ ብጐስጎስቲ ኣንጻር ምንጻል ጥንሲ ዝዀኑ ኣባላት ሰልፊ ሪፐብሊካን ሓያል ተቓውሞ ከም ዝበጽሖም ይግመት።
ጉዳይ ምንጻል ጥንሲ ንህዝቢ ኣመሪካ ኣብ ክልተ ዝመቐለ ጉዳይ እዩ። ኣብ ቀረባ ዝተኻየደ መጽናዕቲ ከም ዘመልክቶ፡ 61 ሚእታዊት ዓበይቲ ኣመሪካውያን ምንጻል ጥንሲ ኵሉሻብ ወይ መብዛሕትኡ እዋን ክፍቀድ ዝድግፉ ኮይኖም፡ 31 ሚእታዊት ድማ ክኽልከል ወይ መብዛሕትኡ እዋን ዘይሕጋዊ ክኸውን ይድግፉ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







