ኤርትራዊት ስደተኛ፡ ኣኻውሕ ኣብ ዝበዝሖ ደሴት ግሪኽ ሓሪሳ

ምንጪ ስእሊ, AP
ሓንቲ ኤርትራዊት ስደተኛ፡ ኣብ ከባቢ ሌስቦስ ግሪኽ ኣብ ዝርከብ ሰብ ዘይነብረሉ ኣኻውሕ ዝበዝሖ ደሴት ከም ዝሓረሰት ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ኣቓሊሐን።
እታ ጓል ኣንስተይቲ ምስ ካልኦት ካብ ቱርኪ ዝመጹ ስደተኛታት ኣብ ጕዕዞ እንከላ’ያ ሓሪሳ።
ሓደ ኣባል ሰብመዚ ሓለዋ ባሕሪ ግሪኽ፡ 29 ኤርትራውያን ማለት 24 ደቂ ተባዕትዮን 5 ደቂ ኣንስትዮን ኣብ ጥቓ ምብራቓዊት ደሴት ሌስቦስ ግሪኽ ከም ዝተራእዩ ሓቢሩ። ሓንቲ ካብተን ደቂ ኣንስትዮን፡ ባዕላ እታ ሓራስ’ያ ነይራ።
እቶም ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ብኣባላት ሓለዋ ባሕሪ ግሪኽ ድሒኖም ናብ ሌስቦስ ተወሲዶም ኣለው። እታ ኣደን እቲ ዕሸልን ኣብ ሆስፒታል ሕክምናዊ ክንክን ይግበረሎም ከምዘሎ፡ ካብቲ ቦታ ዝተዘርግሐ ዜና ሓቢሩ።
ኣደን ውላዳን ኣብ ከመይ ኵነታት ኣለው?

ምንጪ ስእሊ, AP
"እታ ኣደን ውላዳን'ውን ኣብ ጽቡቕ ጥዕና ኣለዉ" ክብል ሓደ በዓል ስልጣን ግሪኽ ሓቢሩ።
እቶም ስደተኛታት፡ ካብ ሌስቦስ ንምብራቕ ኣስታት ሰለስተ ኪሎሜተር፡ ካብ ገማግም ባሕሪ ቱርኪ ኣስታት 20 ኪሎ ሜተር ርሒቓ ኣብ እትርከብ ንእሽቶ ደሴት ባርባልያስ እዮም ተረኺቦም። ሰበስልጣን እቲ ከባቢ፡ እቲ ውላድ፡ ወዲ ምዃኑ ገሊጾም ኣለው።
ሚኒስተር መጓዓዝያ ባሕሪ ጂያኒስ ፕላኪዮታኪስ፡ “ሓንቲ ኣብታ ኣኻውሕ ዝበዝሓ ደሴት ዝሓረሰትን፡ ስነ-ምግባር ብዘይብሎም ኣሰጋገርቲ ዝተደርበየትን ኣደን ውላዳን ንዘድሓኑ ሓለፍቲን ኣባላትን ሓለዋ ባሕሪ እንቋዕ ሓጐሰኩም” ክብል ኣብ ትዊተር ጽሒፉ’ሎ።
ሌስቦስ፡ ብፍላይ ኣብ 2015 ክሳብ 2016 ኣብ ዝነበረ ቅልውላው፡ ኣማኢት ኣሽሓት ስደተኛታትን ካብ ዒራቕን ሶርያን ካልኦት ቦታታትን ካብ ኲናት ኣብ ዝሃደሙሉ እዋን፡ መእተዊት ኣፍደገ ሕብረት ኤውሮጳ ኰይና እያ። ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝርከብዎም ኣፍሪቃውያን’ውን ናብ ኤውሮጳ ንምእታው ካብ ቱርኪ ናብ ግሪኽ ከም ዝኸዱ ይግለጽ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







