ኣብ እዋን ጾታዊ ርክብ ዓቕሚ ዝፈጥር ኣካላዊ ምውስዋስ ከምዘሎ ትፈልጡ'ዶ?

ክኢላታት ከም ዝብልዎ፡ ምውስዋስ ኣካላት መብዛሕትኡ ግዜ ንጥዕና ደቂ ሰባት ኣገዳሲ እዩ።
ኣካላዊ ምንቅስቓስ፡ ኣብ ጥዕና ደቂ ሰባት ርኡይ ለውጢ ከምጽእ ከም ዝኽእል መጽናዕትታት የመልክቱ።
ዝተፈላለዩ ዓይነታት ምውስዋስ ኣካላት ኣለዉ፤ እንተዀነ ግን ኩሎም ርክብ ወይ ሓዳር ደቂ ሰባት ንምምሕያሽ ዝሕግዙ ኣይኰኑን።
ንብዙሓት ሕማማት ፈውሲ ስለዝዀነ ሓካይም ሰባት ምውስዋስ ኣካላት ክገብሩ ይምዕዱ።
ፊዚዮቴራፒስት ኣቡበከር ኣሕመድ ትሴፍ፡ ንጥዕና ኣካላት መፍረ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ከማሓይሹ ዝኽእሉ ዝተፈላለዩ ዓይነታት ምውስዋስ ኣካላት ከም ዘለዉ ይገልጽ።
ዶክተር ኣቡበከር ኣሕመድ ትሴፍ፡ ኣዕጽምቲ ኣብ ኣካላትና ዝሰርሑሉ ኣገባብ ዘጽንዐ ክኢላ’ዩ። ንሱ፡ ምውስዋስ ኣካላት ንጽቡቕ ጾታዊ ርክብ ኣድላዪ ከም ዝዀነን ረብሓ ከም ዘለዎን ይገልጽ።
እቲ ዶክተር ከም ዝብሎ፡ ምውስዋስ ኣካላት ንደቂ ተባዕትዮ ካብ ብገንኡ ምፍሳስ ዘርኢን ዘይዕግበትን ከምኡ’ውን ገለ ጸገማት ፍሕኛ ሽንቲ ንምክልኻል ክሕግዞም ይኽእል’ዩ።
ብተወሳኺ ብወገን ደቂ ኣንስትዮ ድማ ብዝበለጸ ጥዑይ መጋጠሚ ጎሎ ክህልወን ይሕግዝ።
ካብቶም ርክብ መጻምድቲ ወይ ሓዳር ንምምሕያሽ ክሕግዙ ዝኽእሉ ምውስዋስ ኣካላት ሓደ ኬግል እዩ።
ኬግል እንታይ’ዩ?
ዶክተር ኣቡበከር፡ ኬግል ፍወሳዊ ምውስዋስ ኣካላት እዩ ይብል።
ኬግል ንደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ጭዋዳታት ሽምጢን ኣብ ትሕቲኡ ንዘለዉ ኣካላትን ንምሕያል ዝሕግዝ ቀሊል ዓይነት ምውስዋስ ኣካላት እዩ።
ጎሎ ንማእከል እቲ ኣካላት መፍረ ኣንስተይትን ተባዕታይን ዝርከቡሉ ክልተ ኣዕጽምቲ እግሪ የጠቓልል።
መጽሔት ሄልዝላይን ሄልዝ ብዛዕባ ምውስዋስ ኣካላት ኬግል ኣብ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ዘካየዶ ዝርዝር መጽናዕቲ፡ ኬግል ኣብ ትሕቲ ጎሎ ዝርከቡ ኣካላት ርክብን ምቁጽጻርን ፍሕኛ ሽንቲ ንምምሕያሽ ከምኡ’ውን ዓቕሚ ጾታዊ ንጥፈት ንምብራኽን ከም ዝሕግዝ ይሕብር።
ድኽመት ጭዋዳታት ታሕተዋይ ጎሎ፡ ድኽመት ፍሕኛ ሽንቲን ኣብ እዋን ጾታዊ ርክብ ድማ ዕግበት ዘይምርካብን ከስዕብ ይኽእል። ምውስዋስ ኣካላት ኬግል ድማ ጭዋዳታት ታሕተዋይ ጎሎ ንኽጥንክሩ ስለዝሕግዝ እቶም ጸገማት ኣብ ምክልኻል ኣበርክቶ ኣለዎ።
እቲ ዶክተር ከም ዝብሎ፡ ምውስዋስ ኣካላት ኬግል ዝደኸሙ ጭዋዳታት ሽምጢ ንምጥንካር ይሕግዝ’ዩ።

ረብሓታት ኬግል ኣብ ደቂ ኣንስትዮ
ጥንስን ሕርስን፡ ወይ ጸገማት ፍሕኛ ሽንቲ ኣብ መትኒን ጎሎን ደቂ ኣንስትዮ ጉድኣት ከስዕቡ ይኽእል’ዩ።
ደቂ ኣንስትዮ ስሩዕ ምውስዋስ ኬግል ብምግባር ንጭዋዳታት ጎሎን ሽምጢን ከጠንክራን ዝያዳ ውጽኢታዊ ክገብራን ከም ዝኽእላ ሓካይም ይዛረቡ።
ዶክተር ትሴፍ፡ ምውስዋስ ኣካላት ኬግል፡ ኣብ ከባቢ ሽምጢን ኣብ ቅድሚት ኣካላት ጓል ኣንስተይቲን ዑደት ደም ከም ዝውስኽ ይዛረብ። እዚ ዝዀነሉ ምኽንያት ድማ እቲ ምንቅስቓስ ኣብ ፍሕኛ ሽንቲ ዝርከብ ርስሓት ንምእላይ ስለ ዝሕግዝ ከም ዝዀነ የብርህ።
"ኣብ ምሉእ ከባቢ ትሕቲ ጎሎ ዝርከቡ መትኒታት ንምሕያል ይሕግዙ እዩ - እቲ ርስሓት ናብ ፍሕኛ ሽንቲ ምስ ከደ ድማ ኩሉ ብሽንቲ ኣቢሉ ይወጽእ'ዩ፡ በዚ ድማ ኣብ ከባቢታት ጎሎን ትሕቲኡን ክህሉ ዝኽእል ቃንዛ ይከላኸል።"
"ኣካላዊ ምውስዋስ ኬግል፡ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ጾታዊ ርክብ ናይ ምፍጻም ድሌታ ክውስኽን ጾታዊ ርክብ ኣብ ትፍጽመሉ እዋን ድማ ዕግበት ክትረክብን ይሕግዛ" ይብል እቲ ክኢላ።

ረብሓታት ኬግል ኣብ ደቂ ተባዕትዮ
ኣብ ታሕተዋይ ክፋል ጎሎ መጉዳእቲ ከስዕቡ ወይ ከዳኽሙ ዝኽእሉ ሓያሎ ምኽንያታት ኣለዉ፤ ብፍላይ ደቂ ተባዕትዮ ዕድሚኦም እናወሰኸ ምስ ዝኸይድ ንጾታዊ ህይወቶም ዝጸሉ መጉዳእቲ ክበጽሖም ይኽእል’ዩ።
ምውስዋስ ኣካላት ኬግል ምግባር፡ ኹነታት ናይቶም ጾታዊ ርክብ ዘይፍጽሙ ደቂ ተባዕትዮ ንምምሕያሽን ኣብ እዋን ጾታዊ ርክብ ብቕልጡፍ ንኸይውድኡን ከም ዝሕግዝ ሓያሎ መጽናዕትታት ከም ዘመልክቱ መጽሔት ሄልዝላይን ይሕብር።
ከም ውጽኢቱ፡ ኣብ ደቂ ተባዕትዮ ንጥፈትን ባህታን ጾታዊ ርክብ ክውስኽ ኣኽኢሉ’ዩ።
ኬግል፡ ኣብ ትሕቲ ጎሎ ኣብ ዝርከቡ ኣካላት መፍረዪን ብሓፈሻ ኣብ መላእ ኣካላትና ዘሎ ዑደት ደም ብምምሕያሽ መትኒታትን ጭዋዳታትን ክጥንክሩ ስለዝገብር ክዝውተር ከም ዘለዎ ዶክተር ትሴፍ ይገልጽ።
ሽንቲ ምቁጽጻር ንዝተጸገሙ ሰባት’ውን ምውስዋስ ኣካላት ኬግል ብዙሕ ክሕግዞም ከም ዝኽእል እውን ይዛረብ።

ቅድሚ ምውስዋስ ኣካላት ኬግል ምጅማርና እንታይ ክንገብር ኣለና?
እቲ ምውስዋስ ኣካላት ክንጅምር ከለና፡ መጀመርታ ምንጪ ናይቶም መትኒታት ምልላይን ይረዳድኡ ድዮም ዝብል ምፍላጥን ኣድላዪ’ዩ።
እዞም መትኒታት እዚኣቶም፡ ኣብ መንጎ ኣጻብዕቲ ዘለዉ መትኒታት ኣብ ሕርሚ ብምጽቃጥ ምልላይ ከም ዝከኣል መጽሔት ሄልዝላይን ይሕብር።
ካልእ ንደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ዝኸውን ሜላ፡ ሽንቲ ኣብ እንሸነሉ እዋን ፍሕኛና ወይ ሽንቲ ክፈስስ ዝገብሩ ጭዋዳታት ብምጭባጥ ሽንትና ብተደጋጋሚ ምፍናውን ምቁራጽን ክኸውን ይኽእል።
እቶም ሽንቲ ከይፈስስ ዝገብሩ መትኒታት ጎሎ እዮም፤ ዝዀነ ሰብ ድማ ዝርከቡሉ ከባቢ ከለልይ ይኽእል’ዩ - ንጥፈቶምን ሓይሎምን ንምምሕያሽ ምንቅስቓስ ስለዘድልዮም ምውስዋስ ኣካላት ኬግል ብምግባር ነዚ ምፍጻም ከም ዝከኣል ክኢላታት ይገልጹ።
ዓይነታት ምውስዋስ ኣካላት ኬግል
ዝተፈላለዩ ዓይነታት ምውስዋስ ኣካላት ኬግል ኣለዉ - ደው ኢልካ ወይ ኮፍ ኢልካ ወይ ደቂስካ ክፍጸሙ ይኽእሉ።
እቲ ዝቐለለ ዓይነት እግርና ኣጣሚርና ኣብ መሬት ብምድቃስ፡ ብርክና ኣጺፍናን ቅልጽምና ዘርጊሕናን ኣካልና ምልዓል እዩ።
ዶክተር ትሴፍ ከም ዝብሎ፡ ካብ ሰለስተ ክሳዕ ሓሙሽተ ካልኢት ምውስዋስ ኣካላት ኬግል ድሕሪ ምግባር ትንፋስ ምውሳድ የድሊ፤ እዚ ብተደጋጋሚ ይፍጸም።

ካልእ ድማ ኮፍ ኢልና ሓንቲ እግርና ኣብ ልዕሊ እታ ካልእ ብምንባር ክንፍጽሞ እንክእል ኬግል’ዩ።
እዚ ዕረፍቲ እናወሰድና ብዙሕ ግዜ ደጋጊምና ክንፍጽሞ ንኽእል ኢና።
ካልእ ዓይነት ኬግል ብከብድና ደቂስና ኣእጋርና ብኣእዳውና ሒዝና ምውስዋስ ይከኣል።
ምውስዋስ ኣካላት ኬግል ሓደ ግዜ ምስ ተረዳእናዮ ኣብ ዝዀነ እዋንን ኣብ ዝዀነ ቦታን ክንፍጽሞ ከም እንኽእል ዶክተር ትሴፍ ይዛረብ።
ነዚ ልምምድ ኣብ መዓልቲ ክልተ ግዜ ንግሆን ምሸትን ወይ ድማ ብዘለና ግዜ መጠን ክንፍጽሞ ንኽእል ኢና።

![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/660/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)


![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







