‘ኣካለይ ኣብ ፍርቂ ቈሪጾም ርሕመይ ብሽጋራ ከምዘቃጸሉኒ ይስምዓኒ’ - ቫልቮዳይንያ እንታይ’ዩ?

ፓንት

ምንጪ ስእሊ, THINKSTOCK

እስኪ ንሓንቲ ካልኢት ብዛዕባ ብልዕቲ ደቂ ኣንስትዮ ንሕሰብ።

ሕጂ ድማ ቅልጽምና ብሓያል ጸሓይ ከምዝነደደ ገይርና ንውሰድ። ሽዑ ዝዀነ ሰብ እቲ ዝነደደ ቅልጽምና ንድሕሪት ብሓይሊ ክጥምዝዞ ከሎ ክሳብ ክንደይ ቃንዛ ከምዘለዎ ንገመት?

እሞ እዚ ቃንዛ ኣብ ታሕተዋይ ኣካል ደቂ ኣንስትዮ እንተዝኸውን እንታይ ትብሉ?

ከምዚ ዓይነት ቃንዛ ዘለዋ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ምስላዅ ዘጠቓልል ጾታዊ ርክብ ክትፍጽም ኣይትኽእልን። እኳደኣ ንውሕ ዝበለ ግዜ ኮፍ ክትብል ትጽገም’ያ። ጸቢብ ጂንስ ክትለብስ ወይ ታምፖን (ጨርቂ ጽግያት - ሞዴስ) ክትጥቀምን እውን ዳርጋ ኣይትኽእልን።

እዚ ንደቂ ኣንስትዮ ዘጋጥመን ህይወተን ዝቈጻጸር ሕዱር ቃንዛ ብልዕቲ ‘ቫልቮዳይንያ’ ይበሃል።

እዚ ሕማም ዝርአ ምልክት ስለዘይብሉ ገለ ሓካይም ኣብ ምልላይ ከጽገሙ ከምዝኽእሉ ይንገር።

መጠንቀቕታ፡ እዚ ዛንታ ኣብ ገለ ሰባት ስክፍታ ክፈጥሩ ዝኽእሉ መግለጺታት ጾታዊ ርክብን ጾታዊ ብልዕቲ ደቂ ኣንስትዮን ኣለዎ።

ክላውድያ፡ ሓንቲ ካብተን በዚ ኵነታት ዝሳቐያ ደቂ ኣንስትዮ እያ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ንሳ፡ “ኣብ መንጐ ርሕሚን መሃንቱስን ኣብ ዘሎ ቦታ፡ ኣብ ጥቓ ፈንዶት ወይ ፐሪኒየም ዝርከብ ቁንጣሮ ቆርበት፡ ልክዕ ኣብ ትሕቲ መእተዊ ርሕሚ፡ ኣብኡ’ዩ እታ ጓል ኣንስተይቲ ቃንዛ ዝስምዓ” ክትብል ነቲ ኵነታት ትገልጽ።

"ካብ ኣብ ጐድኒ ዝስማዕ ኣዝዩ ንእሽቶ ስምዒት ክሳብ ኣብ ምሉእ እቲ ኣካል ዝስማዕ ቃንዛ” ክኸውን ከምዝኽእል ድማ ትዛረብ።

ነቲ ቃንዛ ክትገልጾ እንከላ ድማ ብመላጸ ተቘሪጻ "ኣብ ልዕሊዑ ድማ ብበርበረ ከምዝተደረዘ” ኰይኑ ይስምዓኒ ትብል።

ክላውድያ ንፈለማ እዋን ምልክታት ቫልቮዳይንያ ክትርኢ ከላ ገና ጐርዞ መንእሰይ እያ ነይራ፤ ናብ ሓኪም ከይዳ መርመራ ንኽትገበር ዘኽእላ ትብዓት ንምርካብ ግን ነዊሕ ግዜ ወሲዱላ’ዩ።

ክላውዲያ ኣፍቃሪ ካብ እትሕዝ ክልተ ዓመት ገይራ እያ፤ እንተዀነ እቲ ሕማም ኣብ ጾታዊ ርክቦም ጽልዋ ከም ዘሕደረ ትገልጽ።

"ከም ድሌትኪ ፍትሕ ክትብሊ፡ ምስ መጻምድትኺ ምቹእነት ክስምዓኪ ትኽእሊ ኢኺ፤ ነገራት ክፍጸሙ ኣዝዩ ድሌት ኣለኪ፡ ግን በቃ ከምዚ ኣይከውንን” ክትብል ትገልጽ።

"ሓደ እዋን ክፍትን እዝክር። ጾታዊ ርክብ ክፍጽም ኣዝዩ ድሌት ነይሩኒ” ብምባል ተዘክሮኣ ትጅምር።

"ፍጹም ጌጋ ውሳነ ነይሩ። ኣብ መወዳእታ እቲ ዘቃጽል ቃንዛ ደው ክብለለይ ንኽልተ ሰዓት ኣብ ባኞ ኮፍ ኢለ” ድማ ትብል።

ክላውድያ፡ ቫልቮዳይንያ ንጾታዊ ህይወታ ጥራይ ዝጸለወ ከምዘይኰነ’ያ ትገልጽ።

ምልክታት ክስምዓ ከሎ ብሽክለታ ክትዝውር፡ ዝዀነ ስጡም ክዳን ክትክደንን ከምኡ’ውን ኣብ ህዝባዊ መጓዓዝያ ንነዊሕ እዋን ኮፍ ክትብል ኣይትኽእልን።

"ጸቢብ ጂንስ ተኸዲነ ክሳብ ፌርማታ ኣውቶቡስ ብእግረይ ክኸይድ ኣይክእልን፡ ኣዝዩ ምቹው ኣይኰነን" ትብል።

"ጸገማት ክፍጠሩ ከም ዝኽእሉ ስለ ዝፈልጥ፡ ኣዝዩ ኣሰልቻዊ ዝዀነ ካብ ጡጥ ዝተሰርሐ ስረ-ብርኪ ይኽደን ነይረ።"

ክላውድያ ብመላጸ ተቖሪጻ "ኣብ ልዕሊዑ ድማ ብሚጥሚጣ ከምዝተደረዘት” ኰይኑ ከምዝስምዓ ትዛረብ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images/BBC

መግለጺ ስእሊ, ክላውድያ ብላማ ተቘሪጻ "ኣብ ልዕሊዑ ድማ ብበርበረ ከምዝተደረዘት” ኰይኑ ከምዝስምዓ ትዛረብ

ካብዚ ሓሊፉ ኣብ ሓደ እዋን "ጾታዊ ርክብ ክገብር ኣይክእልን፤ ስለዚ ብሓቂ ጓል ኣንስተይቲ ኣይኰንኩን” ኢላ ሓሲባ ከምዝነበረትን እዚ ድማ “ኣዝዩ ዘስካሕክሕ ስምዒት” ከምዝፈጠረላን ትዝክር።

ኵነታታ ዝርዳእ ሓኪም ንምርካብ ቅሩብ ግዜ ወሲዱላ’ኳ እንተዀነ፡ ብድሕሪኡ ግን ውጽኢት ዝረኸበትሉ ሕክምና ገይራ’ያ።

እቲ ኵነታት "መጀመርታ ምስ ተፈለጠ፡ ናብ ሓደ ፊዚዮተራፒስት ከይደ ተራእየ። ንሱ ድማ ብሃገራዊ ኣገልግሎት ጥዕና ዝምወሉ ዝተፈላለየ ዓቐን ዘለዎም ዲልዶታት (ሰብ-ሰርሖ ዝቐንዐ መትሎታት) ሂቡኒ። ‘ነዚኦም ባዕልኺ፡ ብናይ ገዛእ ርእስኺ መጠነ-ቅልጣፈ ተጠቐምሎም፤ መትሎ ናብ ውሽጥኺ ክኣቱ ከሎ ግድን ጉድኣት ክስምዓኪ’ዩ ማለት ከምዘይኰነ ኣካላትኪ ክለምድ ግበሪ’ ኢሉኒ" ትብል።

ሓያል መዐገሲ ቃንዛ እውን ትወስድ ስለዝነበረት፡ ዝዀነ ኣልኮላዊ መስተ ክትሰቲ ኣይትኽእልን ነይራ።

ብመሰረት ኣገልግሎት ጥዕና ብሪጣንያ፡ ቫልቮዳይንያ መብዛሕትኡ ግዜ ካብ 20 ክሳብ 60 ዓመት ኣብ ዝዕድመአን ደቂ ኣንስትዮ ከጋጥም ይኽእል፤ ምልክታቱ ድማ ቅድሚ 25 ዓመተን ከምዝጅምረን ይገልጽ።

ኣብ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ዳርጋ 5000 ሰባት ዝተኻየደ መጽናዕቲ፡ ካብ ሽዱሽተ ደቂ ኣንስትዮ ኣስታት ሓንቲ ኣብ ህይወተን ንልዕሊ ሰለስተ ኣዋርሕ እቲ ምልክታት ከምዘጋጠመን ይሕብር።

ኣብዚ መጽናዕቲ ካብ ዝተሳተፋ ደቂ ኣንስትዮ ትሕቲ ፍርቂ ወግዓዊ መርመራ ዝረኸባ ኰይነን ብዙሓት ድማ ፈጺመን ዝዀነ ሕክምናዊ ሓገዝ ኣይሓተታን።

ሓደ ክፋል ናይቲ ጸገም ኣብ መርመራ ክመጽእ ከሎ፡ ቫልቮዳይንያ ብተለምዶ ዝዀነ ዝርአ ምልክታት ስለዘይብሉ እዩ።

"ከይደን ብሓኪም ተራእየን ክዀና ይኽእላ እየን - መብዛሕትኡ ግዜ ድማ ብሓፈሻዊ ሓኪም። እቲ መርመራ ግን ዝዀነ ነገር ኣይገልጽን" ትብል ኣብ ምፍዋስ ቃንዛ ብልዕቲ ክኢላ ዲቦራ ቦይል ዝተባህለት ሓኪም ማህጸን።

ንሳ፡ ሓደ ክፋል ስራሕ ብዛዕባ ቃንዛ ብልዕቲ ንኻልኦት ሓካይም ምምሃር የጠቓልል። ስነ-ቅርጺ ብልዕቲ ክስእሉ ክትሓቶም እንከላ፡ መብዛሕትኦም "እንታይ ኣበይ ይርከብ ዝብል ፍጹም ርግጸኛታት ኣይኰኑን" ትብል። እዚ ድማ ነቲ ሕማም ንምርዳእ ዝያዳ ኣጸጋሚ ይገብሮ።

ጠንቂ ናይቲ ኵነታት ብዝምልከት ብርክት ዝበሉ ክልሰ-ሓሳባት ኣለዉ፡ ገለ ካብዚኦም መጕዳእቲ መትኒ፡ ኣለርጂ ወይ ንረኽሲ መባዅዕቲ (ዪስት) ልዑል ተሃዋሲ ምዃን ይርከብዎም።

ዲቦራ ቦይል፡ ሓደ ካብቲ መብዛሕትኡ ግዜ ዝንገር ምኽንያት፡ እተን በቲ ኵነታት ዝሳቐያ ሰባት ታሪኽ ጾታዊ ዓመጽ ዘለወን ስለዝዀና’ዩ ዝብል ምዃነን ትገልጽ።

እንተዀነ ካብ ምስ ስርሓ ብዝተኣሳሰር ዘለዋ ተመኵሮ ተበጊሳ “ከምኡ ኣይኰነን” ትብል። ሓደ ሓደ ግዜ ክኸውን’ይኽእል እዩ፡ ግን መብዛሕትአን እተን ዝሳቐያ ዘለዋ ደቂ ኣንስትዮ ብፍጹም [ዓመጽ ዘጋጠመን] ኣይኰናን" ክትብል ትገልጽ።

ምሉእ ከባቢ ብልዕቲ ደቂ ኣንስትዮ ሕምቦ ይበሃል

ምንጪ ስእሊ, VULVAL PAIN SOCIETY 2015

መግለጺ ስእሊ, ምሉእ ከባቢ ብልዕቲ ደቂ ኣንስትዮ ሕምቦ ይበሃል

እዚ መሪርን ህይወት ዝዘርግን ሕማም ንመጀመርያ ግዜ ዝተሰነደ ኣብ 1880 እዩ።

ኣብቲ እዋን “ልዕሊ ተነቃፍነት ሕምቦ” ከምኡ’ውን ቃንዛ ዘለዎ ርክብ ዝብሉ መግለጺታት ተዋሂብዎ ነይሩ። ክሳዕ ሕጂ ግን ሓካይም ብዛዕባ ጠንቁ - ወይ ፍወሳኡ ርግጸኛታት ኣይኰኑን።

ሎሚ፡ መጽናዕትታት ከም ዘመልክትዎ፡ 16 ሚእታዊት ደቂ ኣንስትዮ ኣመሪካ ኣብ ገለ እዋን ህይወተን ብሕማም ቫልቮዳይንያ ከምዝሳቐያ ፈጻሚት ዳይረክተር ሃገራዊ ማሕበር ቫልቮዳይንያ ሊዛ ጎልድስታይን ተመልክት።

እንተዀነ ብሰንኪ ዝተፈላለዩ ረቛሒታት ብዛዕባ’ቲ ሕማም ዝተገብሩ መጽናዕትታት ኣዝዮም ውሑዳት እዮም - ተሃዋሲ ኣርእስቲ ምዃኑ፡ ኣብ ትርጕምን መርመራ መዐቀኒታትን ፍልልይ ስለዘሎ፡ ከምኡ'ውን ብቐንዱ ንደቂ ኣንስትዮ ዝጸሉ ኵነታት ጥዕና ዝምልከት መጽናዕቲ እኹል መጽናዕቲ ስለዘይግበር ዝብሉ ገለ ካብቶም ረቛሒታት እዮም።

ከም ውጽኢቱ ድማ እቲ ሕማም ብዓቢኡ ምስጢር ኰይኑ ይቕጽል ኣሎ። መብዛሕትኡ ግዜ ዝፍለጥ ጠንቂ የለን፣ ንዅሉ ዝምጥን ሓደ ዓይነት ፍወሳ’ውን የብሉን።

ስለዝዀነ በዚ ኵነታት ዝተጠቕዓ ገለ ደቂ ኣንስትዮ ናይ ገዛእ ርእሰን መፍትሒ ክረኽባ ይጽዕራ ኣለዋ።

ሓንቲ ካብዚአን ታራ ላንግደል-ሽሚት እያ።

ንሳ፡ እቲ ቃንዛ ክጅምራ እንከሎ፡ ብዙሕ ኣይተገደሰትሉን። ደገ ብምውጻእ ወይ ምስ በዓል ቤታ ጾታዊ ርክብ ምስ ገበሩ ዝመጸን መሊሱ ዝኸይድን ቃንዛ እዩ ኢላ ሓሲባ።

ኣብቲ እዋን ላንግደል-ሽሚት፡ ምስ ኢንዶሜትሪዮሲስ ዝተበሃለ ንማህጸን ዝቐርጹ ንቡር ቲሹታት ካብ ማህጸን ወጻኢ ዝዓብየሉ ኵነታት ትቃለስ ስለዝነበረት ተኸታታሊ መጥባሕቲ ተገይሩላ ነይሩ።

እቲ ቫልቮዳይንያ ዘስዓቦ ቃንዛ ብሰንኪ ኢንዶሜትሪዮሲስ ዝመጸ መሲልዋ፤ ኣብ ሓጺር እዋን ድማ ክጠፍእ’ዩ ኢላ ሓሲባ።

ኣብ ክንድኡ ግን እቲ ቃንዛ እናገደደ ብምኻዱ ልዕሊ ዓቕማ ኰይኑ።

“ዝዀነ ሰብ ኣካለይ ኣብ ፍርቂ ቈሪጹ ኣብ ተመሳሳሊ ግዜ ውሽጢ ርሕመይ ብሽጋራ ዘቃጽለኒ ዘሎ ኰይኑ ይስማዓኒ ነይሩ” ትብል ላንግደል-ሽሚት።

ናብ ዝተፈላለዩ ሓካይም ከይዳ መፍትሒ ኣይረኸበትን፤ መብዛሕትኦም ሸለል ኢሎምዋ።

“ቃል ብቓሉ ሓደ ሓኪም ወይኒ ሰትየ ኣድቪል ክውሕጥን ክዛነን ነጊሩኒ። ካልእ ሓኪም ድማ፡ ነቲ ቃንዛ ዝስመዓኒ ከባቢ ከይመርመረ፡ ነቲ ዘሕመኒ ኣካል ክቘርጾ ወይ ጸረ-ጭንቀት መድሃኒት ክህበኒ ከምዝኽእል ነጊሩኒ። ናብ ክልቲኦም [ሓካይም] ተመሊሰ ከይደ ኣይፈልጥን።”

ኣብቲ እዋን ጓል 28 ዓመት ዝነበረት ላንግደል-ሽሚት ብቑጥዐ፡ ተስፋ ምቝራጽን ስቓይን፡ ባዕላ መጽናዕቲ ከተካይድ ወሲና።

ኣብ ኢንተርነት ኣብ ዝግበሩ ዘተታት ጥዕና ደቂ ኣንስትዮን ሕክምናዊ መድረኻትን ዝረኸበቶም ጽሑፋት ብምንባብ ድማ ብዛዕባ እቲ ብዙሕ ርድኢት ዘይብሉ ቫልቮዳይንያ ክትፈልጥ ክኢላ።

ጽልዋ ቫልቮዳይንያ ኣካላዊ ቃንዛ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮን ዝቐርብወን ሰባትን ስምዒታውን ኣእምሮኣውን ዕንወት ከስዕብ ከምዝኽእል ተረዲኣ።

ህይወት ሰባት ብዓቢ ዘዘናብል’ዩ፡ ማሕበራዊ ተነጽሎ’ውን ከስዕብ ይኽእል፤ ብሰንኪ እዚ ኵነታት ናብ ፍትሕ ዘምርሑ ኣለዉ። ካልኦት ድማ ብሰንኪ’ቲ ቃንዛ ብዙሕ ግዜ ካብ ስርሐን ክቦኽራ ተገዲደን’የን።

ሰብ ኣካለይ ኣብ ፍርቂ ቆሪጹ ኣብ ውሽጢ ርሕመይ ብሽጋራ ዘቃጽለኒ ዘሎ ኰይኑ ይስማዓኒ - ታራ ላንግደል-ሽሚት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images/BBC

መግለጺ ስእሊ, ሰብ ኣካለይ ኣብ ፍርቂ ቈሪጹ ኣብ ውሽጢ ርሕመይ ብሽጋራ ዘቃጽለኒ ዘሎ ኰይኑ ይስምዓኒ - ታራ ላንግደል-ሽሚት

ላንግደል-ሽሚት፡ ካብ ሰብኡተንን ዝቐርብወንን ሰባት ድጋፍ ዘይረኽባ በዚ ኵነታት ዝሳቐያ ደቂ ኣንስትዮ ትፈልጥ’ያ። ንሳ ግን ኣብቲ እዋን በዓል ቤታ ኣዝዩ ይድግፋ ስለዝነበረ ዕድለኛ ከምዝዀነት ትዛረብ።

ንሳ ርሕሚ ዘግፍሑ መሳርሒታት ንዓቕሚ ርሕሚ ንምምላስ ከምዝውዕሉ ትፈልጥ ነይራ። ብተወሳኺ ቅድሚ ሕጂ ሓደጋ መኪና ኣጋጢምዋ ቃንዛ መትኒ ሕቘን ክሳድን ንምንካይ ኒዮዳይምየም ማግነት ትጥቀም ስለዝነበረት ካብዚ ተመኵሮ ተበጊሳ ክልቲኦም ኣጣሚራ ክትፍትን ወሲና።

ሓደ ርሕሚ ዘግፍሕ መሳርሒ ከም ቆፎ ጥርሑ ብምግባር በቲ ማግነት መሊኣ ኣብ መዓልቲ ክልተ ግዜ ን20-30 ደቓይቕ ኣብ ገዛእ ርእሳ ክትጥቀም ጀሚራ።

እዚ ድማ ብቕጽበት ኣብ እዋን ጾታዊ ርክብ ዝስምዓ ዝነበረ ቃንዛ ብኣስታት 60 ሚእታዊት ከምዝነከዮ ትዛረብ። ቅድሚ ጾታዊ ርክብ ምፍጻማ እንተተጠቒማትሉ ድማ፡ እቲ ቃንዛ ብ90 ሚእታዊት ከምዝንኪ ትገልጽ።

ብድሕሪ’ዚ ላንግደል-ሽሚት ነቲ ‘ቩቫ ማግነቲክ ዲላተር’ ኢላ ዝሰመየቶ ምህዞኣ ዝሃበተን ተመሳሳሊ ኵነታት ዘለወን ካልኦት ደቂ ኣንስትዮ፡ ‘ደጊመ ጾታዊ ርክብ ክገብር ይኽእል እየ ኢለ ሓሲበ ኣይፈልጥን’፡ ከምኡ’ውን ‘ሓዳረይ ኣድሒንክዮ’ ዝብሉ መልእኽትታት ከምዝለኣኻላ ትገልጽ።

“ደቂ ኣንስትዮ ናይ ገዛእ ርእሰን ተጣበቕቲ ክዀና ኣዝዩ ኣገዳሲ’ዩ፡ ብፍላይ ብዙሕ መጽናዕቲ ዘይተገብረሎም ሕዱር ኵነታት” ትብል ዳይረክተር ማእከል ጎሎኣዊን ውሽጣዊን ቃንዛ ዝዀነት ኣንጂ ስቶር።

ሓደ ሓደ ግዜ ከም ላንግደል-ሽሚት ታራ እንተዀንክን ድማ “ብልዑል ሕርቃን፡ ባዕልኽን ኬድክን ገለ ነገር ክትምህዛ ትኽእላ” ክትብል ትውስኽ።

ኣብ ምዕራባዊ ሕክምና ንውጽኢታዊነት ማግነታዊ ፍወሳ ዘረጋግጽ መጽናዕቲ ውሑድ እዩ።

ዋሕዚ ደም ከምዝውስኹን ልዕሊ ዓቐን ንጡፋት መትኒታት ከምዘዛንዩን ዝንገረሎም ማግነታት፡ ንልዕሊ 2000 ዓመታት ኣብ ሕክምና ቻይና ወሳኒ ተራ ነይርዎም።

ማግነት ቃንዛ ከም ዘቃልል ወይ ንሕክምናዊ ኵነታት ክሕክም ከም ዝኽእል ዝሕብር መርትዖ ግን የለን።