ኦነግን ኦፌኮን ንውሳነ ቤት ምኽሪ ፌደሬሸን "ዘይሕጋዊ" ክብሉ ተቓዊሞምዎ

ኣይተ ዳውድ ኢብሳን ፐሮፌሰር መረራ ጉዲና

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣይተ ዳውድ ኢብሳን ፐሮፌሰር መረራ ጉዲና

ኣብ ኦሮሚያ ዝመሰረቶም ውድባት ፖለቲካ ኢትዮጵያ፡ ነቲ ዕድመ ስልጣን መንግስቲ ንምንዋሕ ዝተወሰነ ውሳነ ተቓዊሞምዎ።

ውድባት ግምባር ናጽነት ኦሮሞ (ኦነግ) ከምኡ ድማ ፌደራሊስት ኮንግረስ ኦሮሞ (ኦፌኮ) ኣብ ዘውጽእዎ ሓበራዊ መግለጺ፡ ቤት ምኽሪ ፌደሬሸን ኢትዮጵያ ዕድመ ስልጣን መንግስቲ ንምንዋሕ ንዝወሰኖ ውሳነ ከምዘይቅበልዎ ኣፍሊጦም።

"ንሕገ-መንግስቲ ዝጠሓሰ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ንሰላምን ርግኣትን እታ ሃገር ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ ዘይሕጋዊ ውሳነ" ክብሉ ገሊጾምዎ።

ሕገ-መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ምንዋሕ ስልጣን ከምዘይፈቅድ ብተደጋጋሚ ክገልጹ ምጽንሖም ብምዝኽኻር፡ ኣማራጺ ፍታሕ ኣርቂቖም ከምዘቕረቡ ሓቢሮም።

"እቲ ኣብ መወዳእታ ዝተወሰነ ውሳነ፡ ንድልየት እቲ ገዛኢ ውድብ ዘንጸባርቕ" ከምዝኾነ'ውን እቲ ሓበራዊ መግለጺ ኣመልኪቱ።

"መረጻ ንምንዋሕ ዘፍቅድ ኩነታት ኣብ ሕገ-መንግስቲ ዘይተቐመጠ እናሃለወ፡ እቲ ሃገራዊ መረጻ ክናዋሕ ምግባር፡ ናብ ቅልውላው ከእቱ ከምዝኽእል ስክፍታና ገሊጽና ነይርና" ይብል መግለጺ ውድባት ኦነግን ኦፌኮን።

ኣብ ሕገ መንግስቲ ዓንቀጽ 54 (1) ከምኡ'ውን 58 (3) ከምኡ ድማ ሕጊ መረጻ ዓንቀጽ 7፡ መረጻ በብ 5 ዓመት ክካየድ ካብ ምሕባር ወጻኢ፡ ዝኾነ ዓይነት ምንዋሕ ክህልዉ ከምይክእል ከምዘነጽሩ ኣመልኪቱ'ሎ።

እቲ ሕዚ ዘሎ ሕገ-መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ መድብለ-ፓርቲ ስርዓት ዴሞክራሲ ክህነጽ ኣብ ዘፍቅደሉ ኩነታት፡ "ነቲ ብሓደ ፓርቲ ዝተወሰነ ውሳነ ምንዋሕ ዕድመ ስልጣን ፈጸምቲ ስራሕ ክልላትን ፌደራልን ኣትሪርና ንቃወሞ" ኢሉ እቲ ሓበራዊ መግለጺ።

"ናብ ናዕቢ ክሰጋገር ዝኸእል ሰፊሕ ህዝባዊ ተቓውሞ ክለዓል ከምዝኽእል ዘለና ስግኣት ክንገልጽ ንፈቱ። እዚ ድማ ናብ ድሕሪት ዝመልሰና ጥራይ ዘይኮነስ፡ እቲ ብብዙሓት ማሕበረ-ቁጠባዊ ጉዳያት ዝፍተን ዘሎ መንግስቲ'ውን ክቆጻጸሮ ክኸብዶ'ዩ" ኢሉ።

"ነቲ ድሕሪ መስከረም 2020 ከጋጥም ዝኽእል ሕገመንግስታዊ ቅልውላው ንምፍታሕ፡ ሓበራዊ ዘተ ንፖለቲካዊ ምርግጋእ ክካየድ ኣለዎ ብዝብል ንሕና ከምኡ'ውን ካልኦት ውድባትን ዜጋታትን ዘቕረብናዮ ረቂቕ በቲ ገዛኢ ውድብ ተቐባልነት ክረክብ ዘይምኽኣሉ ዘጣዕስ'ዩ" ክብል'ውን ስክፍትኡ ኣቐሚጡ።

ጃዋር መሓመድ
መግለጺ ስእሊ, ጃዋር መሓመድ

እቲ ገዛኢ ውድብ "ስልጣኑ ንምንዋሕ ዝወሰኖ ውሳነ" ብቕሉዕ ንሕገ-መንግስቲ ዝጠሓሰን ስልጣን ብዘይኣገባብ ዝተጠቐመን ከምዝኾነ፡ ኣብቲ መግለጺ ሰፊሩ'ሎ።

ነዚ ውሳነ ብትሪ ከምዝቃወሙ ብምሕባር "ፍታሕ ንምድላይን ኣብ ፖለቲካዊ ምርድዳእ ንምብጻሕን እቲ ውድብ ምስ ተቓወምቲ ስልፍታት ኮፍ ኢሉ ክዝትይ ደጊምና ጻውዒትና ነቕርብ" ኢሎም።