ትግራይ፡ ቀይሕ መስቀል ኣብ ኵናት ንዝተጎድኡ ንምሕጋዝ ይጽዕር ከምዘሎ ገሊፁ

ኣብ መቐለ ዝርከብ ሆስፒታል ዓይደር 'ብሕጽረት ቀረባት ቁሱላት ክሕክም ተጸጊሙ'

ምንጪ ስእሊ, MU

ኣብ ትግራይ ኵናት ምውልዑ ስዒቡ፡ ኣብቲ ከባቢ ሰብኣዊ ሓገዝ ይህብ ዘሎ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኢትዮጵያ፡ ልዕሊ 50 ቀዳማይ ደረጃ ረድኤት ዝህብ ጉጅለ ምውፋሩ፡ ንቢቢሲ ገሊፁ።

ምክትል ሓላፊ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኢትዮጵያ ኣይተ እንግዳ ማንደፍሮ፡ ካብ መጀመርታ መዓልቲ ኣትሒዙ እቲ ማሕበር፡ ኣብቲ ከባቢ ይሕግዝ ከምዘሎን፤ ልዕሊ 35 ኣምቡላንሳት ከምዘዋፈረን ሓቢሩ።

"ማሕበርና ኣገልግሎት ኣምቡላንስ፣ ቀዳማይ ደረጃ ረድኤት ሕክምናን ካልኦት ሓገዛትን ይገብር ኣሎ" ኢሉ።

ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኢትዮጵያ፡ ንሆስፒታላት እቲ ከባቢ ብዘይካ ምግቢ ካልኦት ዘድልዩ ንዋታት ይድጉም ከምዘሎ ድማ ወሲኹ ገሊፁ።

ንዝተጎድኡ ሰባት ኣገልግሎት ኣምቡላንስ ካብ ምሃብ ብተወሳኺ፣ ኣብ ከባቢ ምዕራብ ትግራይ ንዝተመዛበሉ ሰባት ከም ኮበርታን ፍርናሽን ዝኣመሰሉ ከምዝተኸፋፈለ፡ ኣይተ እንግዳ ተዛሪቡ።

እቲ ማሕበር ምስ ዓለም ለኸ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ብምዃን፡ ንሆስፒታላት ናይ ቀዳማይ ደረጃ መሳርሒ ሕክምና ምስ ኣምቡላንስ ክበፅሕ ከምዝግበርን፡ እቲ ሓገዝ ኣብ ሽረ፣ መቐለ፣ ወልድያ፣ ዳንሻን ጎንደርን ተባፂሑ ከምዘሎን ይገልጽ።

ዓለም ለኸ ማሕበር ቀይሕ መስቀል፡ ኣብ መቐለ ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ዓይደር ሕፅረት ናውቲ ሕክምናዊ መስፈዪ ክሪ፣ ኣንቲባዮቲክ፣ ደም ንከይረግእ ዝሕግዙ ኣፋውስ መቕጠኒ ደም፣ ኣፋውስ ጸረ ቃንዛ፣ ከምኡ'ውን ሕጽረት መሸፈኒ ኢድ ኣጋጢሙ ምህላዉ ቀይሕ መስቀል ኣፍሊጡ እዩ።

ብተወሳኺ ድማ፡ ሬሳታት ዝቕመጠሉ መሸፈኒ ሳናጡ'ውን ሕፅረት ከምዘሎ እቲ ኣብ ጀኔቫ ዝመደበሩ ዓለምለኻዊ ትካል ይገልፅ። ናብ'ቲ ሆስፒታል ከይዶም ዝተዓዘቡ ሰራሕተኛታት ቀይሕ መስቀል "80 ምኢታዊት ካብ ተሓከምቲ መውቃዕቲ ዘጋጠሞም ከምዝኾኑ" ካልእ ኣገልግሎታት ሕክምና ተቛሪፁ እቲ ዘሎ ውሱን ቀረብን ሰራሕተኛን ኣገልግሎት ሃንደበታዊ ሕክምና ይህቡ ምህላዎምን ገሊፆም።

ኣብ ሞንጎ ሰራዊት እቲ ክልልን ሰራዊት ኢትዮጵያን ይካየድ ዘሎ ውግእ ኣስታት ሓደ ወርሒ ኣቑፂሩ ኣሎ።

እዚ ማሕበር ሓዊሱ፡ ዝተፈላለዩ ዓለምለኸ ትካላት ሰብኣዊ ረድኤት፡ ኣብቲ ከባቢ ሓገዝ ንምሃብ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ መንገድታት ክፉት ክገብር ብተደጋጋሚ ይፅውዓ ኣለዋ።

እዚ ኲናት ካብ ዝጅምር፡ ኣብ ትግራይ መስመር ስልክን ሞባይልን፣ ኢንተርኔት፣ ኣግልግሎት ባንክን መብራህትን ተቛሪፁ ስለዘሎ ካብ ዝኾነ ኣካል ዝወሃብ ሓበሬታ ምርግጋጽ ኣይከኣልን።

ብሰንኪ እዚ ኵናት ብኣማኢት ዝቑፀሩ ሰባት ከምዝሞቱ ይእመን፤ ልዕሊ 43 ሽሕ ሰባት ድማ ህይወቶም ንምድሓን ካብ መረበቶም ተመዛቢሎም፡ ናብ ሱዳን ተሰዲዶም እዮም።

ኣመዓባብላ እቲ ኩናት

ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን: ብፖለቲካውን ሕገ-መንግስታውን ጉዳያት ንነዊሕ እዋን ክተፋነኑ ፀኒሖም።

ብ 3 ሕዳር ለይቲ፡ ሓይልታት ፀጥታ ትግራይ ንመዓስከራት ናይቲ ኣብቲ ክልል ዓስኪሩ ዝነበረ ክፋል ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣጥቂዖም ክብል ቀዳማይ ሚኒስተር አብዪ ኣሕመድ ድሕሪ ምኽሳሱ፡ ናብ ቅሉዕ ጎንፂ ኣምሪሖም።

እቲ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ክካየድ ተመዲቡ ዝነበረ ሃገራዊ መረፃ ኢትዮጵያ፡ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ብሓደ ዓመት ድሕሪ ምንውሑ ኣብ መንጎኦም ዝነበረ ርክብ ናብ ዝኸፍአ ደረጃ በጺሑ።

ምንዋሕ ናይቲ መረፃ ዝተቓወመ ህወሓት፡ ኣብ ትግራይ ክልላዊ መረፃ ንምክያድ ብዝወሰዶ በይናዊ ውሳነ መሰረት፡ ናይ ባዕሉ ኮሚሽን መረፃ ብምቛም ኣብ መጀመርታ መስከረም መረፃ ኣካይዱ።

ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ዝምራሕ መንግስቲ ፈደራል ብወገኑ፡ እቲ መረፃ "ዘይሕጋዊ" ምዃኑ ብምፍላጥ፡ ነቲ ሓድሽ መንግስቲ ክልል ትግራይ ኣፍልጦ ከምዘይህቦ ኣዊጁ።

መንግስቲ ክልል ትግራይ ብወገኑ፡ ድሕሪ መስከረም፡ ፈደራላዊ መንግስቲ ስልጣኑ ዘብቀዐ'ዩ ብምባል ኣፍልጦ ነፊግዎ።

ቤት ምኽሪ ፈደሬሽን ኢትዮጵያ'ውን፡ ንመንግስቲ ክልል ትግራይ ኣፍሪሱ ካልእ መንግስቲ ከምዘቕውም ብምግላፅ፡ ሓድሽ ኣመሓዳሪ ትግራይ ካብ ኣዲስ ኣበባ ሸይሙ።

መራሕቲ ክልል ትግራይ ግን፡ ነዚ ውሳነ "ክፍጸም ዘይክእል ሕልሚ ቀትሪ" ክብሉ ነፂጎምዎ።

ቅልውላው ትግራይ ኢትዮጵያ