ካብ መቕደላ ዝተዘመቱን ካብ ትካላት ጨረታ ዝተዓደጉን ቅርስታት ኢትዮጵያ ክምለሱ'ዮም

ዝምለሱ ቅርስታት

ምንጪ ስእሊ, Ethiopian Embassy UK

ኣብ 1868 ካብ መቕደላ ናብ እንግሊዝ ዝተወሰዱን ካብ ትካላት ጨረታን ውልቀሰባትን ዝተዓደጉ ቅርስታት ናብ ኢትዮጵያ ከምዝምለሱ፡ ኣብ እንግሊዝ ዝርከብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

እቶም ዝምለሱ ቅርስታት መስቀል፣ መፅሓፍ ቅዱስን ዋልታን ዘካተቱ እንትኾኑ ፋውንዴሽን ሻሃራዛድ'ዩ ዓዲጉ ነቲ ኤምባሲ ኣረኪብዎ።

እቲ ፋውንዴሽን፡ ኣብ እንግሊዝ ካብ ዝርከብ ሓደ ትካል ጨረታን ውልቀ ነጋዶን ከምዝዓደጎ ድማ እቲ ኤምባሲ ሓቢሩ።

ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ እንግሊዝ ተፈሪ መለሰ፡ እቶም ቅርስታት ንምቕባል ኣብ ዝተዳለወ መድረኽ ተረኺቡ፡ እዞም ቅርስታት ብምምላሶም ኣመስጊኑ።

እቲ ኣምባሳደር፡ ካብ መቕደላ ዝተዘመቱ ቅርስታት ዝሓዙ ሙዝየማት፣ ኣከብቲ ቅርስታትን ውልቀሰባትን ብተመሳሳሊ ነቶም ቅርስታት ክመልሱ ፀዊዑ።

ኣካያዲ ስራሕ ፋውንዴሽን ሻሃራዛድ ኣይተ ታሂር ሻህ፡ ምምላስ እቶም ቅርስታት ንኢትዮጵያውያን ዓብይ ቦታ ከምዘለዎ ከምዝፈልጥን፡ ንትካሎም ብምጥቃም ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝምድናታት ክህነፁ ኣተስፍዩ።

እቲ ኤምባሲ ነቶም ቅርስታት ናይ ምምላስ ተግባር ከምዝዓምም ተገሊፁ።

ቅድሚ ሕዚ ብጨረታ ክሽየጡ ተመዲቦም ዝነበሩን ካብ መቕደላ ናይ ዝተዘመቱን ክልተ ቅርስታት መሸጣ ክቋረፅ ከምዝተገበረ ይዝከር።

እቶም ብእንግሊዘዊ ትካል በስቢ ኦክሽነርስን ቫሉወርስ ብጨረታ ክሽየጡ ዝነበሩ ቅርስታት ጥንታዊ መፅሓፍ ቅዱስ ምስ ማህደሩ፣ መስቀልን ዋንጫታትን እዮም ኔሮም።

ትካል እቲ ጨረታን ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ እንግሊዝን ድሕሪ ዝገበርዎ ልዝብ'ዩ እቲ ጨረታ ተቛሪፁ።

ሰራዊት እንግሊዝ ነቶም ቅርስታት ካብ መቕደላ ንምግዓዝ 15 ሓራማዝን 200 ኣባቕል ከምዝተጠቐመ ሓበሬታታት ይገልፁ።

ኢትዮጵያ ካብ መቕደላ ዝተዘመቱን ብሚልየን ዳላር ዝግመቱ ቅርስታታ ንክምለሱላ ብ2008 ዓ.ም ንትካላት ቅርሲ እንግሊዝ ሓቲታ ኔራ።

መቕደላ 1868

መቅደላ በአውሮፓውያኑ 1868

ምንጪ ስእሊ, V&A Museum

• ኣብ መበል 19 ክፍለ ዘመን ቴዎድሮስ ምስ እንግሊዝ ርክብ ብምፍጣር ንኣቢሲንያ ከዘምን ወሲኑ

• እንተኾነ ናይ ወተሃደራዊ ድጋፍ ሕትኡ እንግሊዝ ዕሽሽ ስለዝበለቶ፡ ርክብ ክለቲአን ሃገራት ሓርፊፉ

• ናይዚ ግብረ መልሲ ድማ ናይ ቆንስላ እንግሊዝን ካልኦት ሰራሕተኛታትን ኣሲሩ

• ነዚ ስዒቡ እንግሊዝ ኣብ መቕደላ ናብ ዝርከብ ቤተ መንግስቲ እቲ ንጉስ ሰራዊታ ልኢኻ

• ኣብ ኢድ እንግሊዝ ኣይወድቕን ብምባል ድማ ሃፀይ ቴድሮስ ርእሰ ቅትለት ፈፂሙ

• ሰራዊት እንግሊዝ ድማ ክቡራት ብራናታት፣ ኣክሊላት፣ መስቀል፣ ካብ ወርቂ ዝተሰርሑ ዋንጫታት፣ ናይ ንጉሳውያንን ቤተ ክርስትያንን ንዋትን ዋልታን ዘሚቶም

• ኣብቲ እዋን ወዲ ሸውዓተ ዓመት ወዲ እቲ ንጉስ'ውን ናብ እንግሊዝ ተወሲዱ ኣብ ቤት ትምህርቲ ራግቢ ክመሃር ተጌሩ።

ወዲ ሃፀይ ቴዎድሮስ፡ ኣለማየሁ ቴዎድሮስ

ምንጪ ስእሊ, V&A Museum

• ወዱ ኣብ 18 ዓመት ብሕማም ሳንቡእ ምስ ሞተ ኣብ ቤተ መንግስቲ ዊንድሶር ተቐቢሩ

• ሙዝየም ቪክቶርያን ኣልበርት እንግሊዝ ካብ ወርቂ ዝተሰርሐ ኣክሊልን ዋንጫን ኣቐሚጡ

• ካብ መቕዳላ ዝተዘመቱ ካልኦት ቅርስታት ካብ ውልቀሰባት ናብቲ ሙዝየም ብውህብቶ ዝተለገሱ'ዮም