ኣብ እዋን ኲናት መቅደላ ብእንግሊዛውያን ዝተዘምቱ ቅርሲታት ብጨረታ ከይሽየጡ ተገይሩ

ምንጪ ስእሊ, ETHIOPIAN EMBASSY IN LONDON
ኣብ እንግሊዝ፡ ንሎሚ ብኣቆጻጽራ ግእዝ 10 ሰነ 2013 ዓ/ም ብጨረታ ክሽየጡ ተባሂሎም ዝነበሩ ካብ መቕደላ ዝተዘረፉ ክልተ ቅርሲታት መሸጠኦም ደው ክብል ከምዝተገበረ ተገሊጹ፡፡
ነቲ ጨረታ ዘውጸአ ኣብ ብሪጣንያ ዝርከብ 'በስቢ ኦክሽነርስን ቫሉወርስን' ዝተባህለ ኣጫራቲ ትካል እንትኾን፡ ኣብ ለንደን ዝርከብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ምስ ሓለፍቲ እቲ ትካል ብዝገበሮ ዘተ እዩ እቲ ጨረታ ክቋረጽ ተገይሩ ዘሎ፡፡
ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ እቶም ብጨረታ ክሽየጡ ቀሪቦም ዝነበሩ ቅርሲታት፡ ጥንታዊ መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ማህደሩ፣ መስቀልን ጽዋእን ከምዝኾኑ ሓቢሩ፡፡
እዞም ጥንታውያን ቅርሲታት ካብቶም ኣብ ኲናት መቕደላ ወፊሮም ዝነበሩ ወታሃደራት እንግሊዝ ሓደ ብዝነበረ ጀነራል ዊልያም ኣርቡትኖት ዝተወሰዱ እዮም፡፡
ካብ መቕደላ ዝተዘረፉ ቅርሲታት ንምምላስ ይካየድ ምስዘሎ ጻዕሪ ብዝተሓሓዝ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኤምባሲ ኢትዮጵያ እቶም ቅርሲታት ካብቲ ጨረታ ክወጹ ናብቲ በስቢ ዝተባህለ ትካል ደብዳበ ጽሒፉ ነይሩ፡፡
ካብዚ ብተወሳኺ: እቶም ቅርሲታት ናብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝምለሱሉ ኩነታት እውን እቲ ትካል ክተሓባበር ተሓቲቱ ኣሎ፡፡
ምክትል ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣቶ በየነ ገብረመስቀል ብወገኑ ‘‘ምስ በስቢ ኣብ ስምምዕ ምብጻሕና ሕጉሳት ኢና፡፡ እዞም ቅርሲታት ንኢትዮጵያውያን ዓብዪ ባህላዊ፣ መንፈሳውን ታሪኻውን ትርጉም ኣለዎም፡፡ እቶም ሕዚ ዘለዉ ይኹኑ እቶም ዝመጹ ኢትዮጵያውያን ታሪኾም ክዕቅቡ ይደልዩ እዮም፡፡ ስለዚ እዞም ፍሉያት ቅርሲታት ናብ ሃገርና ዝምለሱሉ እዋን ብታሕጓስ ኢና ንጽበዮ’’ ኢሉ፡፡
እቶም ቅርሲታት ናብ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ዝመለሱሉ ኩነታት እውን ምስ በስቢ ይዘራረብ ከምዘሎ እቲ ኤምባሲ ኣፍሊጡ፡፡
ሰራዊት እንግሊዝ ነቶም ሓድጊታት ናብ እንግሊዝ ንምጉዕዓዝ 15 ሓራምዝን 200 ኣባቕልን ከምዝተጠቐመ መረዳእታታት የመልክቱ፡፡
ኣብ 2008 ዓ/ም፡ ኢትዮጵያ ዝተዘረፉን ሚልዮናት ዶላራት ዘውጽኡን ቅርሲታታ ክምለሱላ ንዝተፈላለዩ ትካላት ቅርሲ ሓቲታ ነይራ፡፡
መቅደላ 1868
- ኣብ 19 ክፍለ ዘበን ቴድሮስ ምስ እንግሊዝ ርክብ ብምፍጣር ኣቢሲኒያ ዘበናዊት ንምግባር ወሲኑ፡፡
- ኮይኑ ግና እቲ ወታሃደራዊ ሓገዝ ክግበረሉ ዘቕረቦ ሕቶ እንግሊዝ ሸለል ስለዝበለቶ ርክብ እተን ሃገራት ሓርፊፉ፡፡
- ነዚ ግብረ መልሲ ድማ ቴድሮስ ንቆንስል እንግሊዝን ካልኦት ዜጋታት ወጻእን ኣሲሩ፡፡
- ነዚ ስዒቡ ድማ እንግሊዝ ናብቲ ኣብ መቅደላ ዝነበረ ቤተ መንግስቲ እቲ ንጉስ ሰራዊት ልኢኻ፡፡
- ኣብ ኢድ እንግሊዛውያን ኣይወድቕን ዝበለ ቴድሮስ ድማ ንባዕሉ ቀቲሉ፡፡
- ወታሃደራት እንግሊዝ እውን ብራናታት፣ ኣኽሊላት፣ ናይ ወርቂ ጽወኣት፣ ናይ ነገስታትን ኣብያተ ክርስትያናትን ኣቑሑትን ካልእን ዘሪፎም ወሲዶም፡፡
- ኣብቲ እዋን ወዲ ሸውዓተ ዓመት ህጻን ዝነበረ ወዲ እቲ ንጉስ እውን ናብ እንግሊዝ ተወሲዱ ኣብ ቤት ትምህርቲ ራግቢ ክመሃር ተገይሩ፡፡
- እቲ ወዲ ንጉስ ኣብ 18 ዓመቱ ብሕማም ሳምባ ምስ ሞተ ኣብ ቤተ መንግስቲ ዊንድሶር ተቐቢሩ፡፡
- ኣብ እግሊዝ ዝርከብ ቤተ መዘክር ቪክቶርያን ኣልበርትን ናይ ወርቂ ኣኽሊልን ጽዋእን ኢትዮጵያ ሒዙ ኣሎ፡፡
- እቶም ካብ መቅደላ ዝተዘረፉ ካልኦት ቅርሲታት ድማ ካብ ውልቀ ሰባት ነቲ ቤተ መዘክር ከም ህያብ ዝተበርከቱ እዮም፡፡






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







