ኢትዮጵያ፡ ቁራጽ ቁኑን ጸጉሪ ሃጸይ ቴዎድሮስ ካብ እንግሊዝ ተቐቢላ

ሃገራዊ ቤተመዘክር ኲናት ዓዲ እንግሊዝ፡ ቁራጽ ቁኑን ጸጉሪ ሃጸይ ቴዎድሮስ ንኢትዮጵያ ኣረኪቡ።
ሃጸይ ቴዎድሮስ ኣብ ኩናት መቅደላ ምስተሳዕረ፡ ንርእሱ ከምዘጥፈአ ታሪኽ የዘንቱ። ኣብቲ እዋን ከኣ ካብ ርእሱ ቁኑን ጸጉሪ ተቖሪጹ ተወሲዱ ነይሩ።
ድሕሪ ሞት ሃጸይ ቴዎድሮስ፡ ብዙሕ ቅርስታትን ንብረትን ከምዝተዘምተ ኣብ መጻሕፍቲ ታሪኽ ተጻሒፉ ንረኽቦ።
እቶም ዝተዘምቱ ቅርስታት፡ ናብ ኢትዮጵያ ከምዝምለሱ ክዝረብ ጸኒሑ እዩ። ብረቡዕ ድማ፡ ቁራጽ ቁኑን ጸጉሪ ሃጸይ ቴዎድሮስ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ብድሙቕ ስነስርዓት ንኢትዮጵያ ተዋሂቡ'ሎ።
ነቲ ጸጉሪ፡ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝርከብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ እዩ ተረኪብዎ።
ኣብቲ ጽምብል ዘረባ ዘስመዐት ሚኒስተር ቱሪዝም ኢትዮጵያ ዶ/ር ሂሩት ካሳው፡
"እዚ ሓደ ካብ ዓበይቲ ታሪኻት ኢትዮጵያ እዩ። ታሪክ ምሕላውን ታሪኽ ክቕጽል ምግባርን ድማ ቀንዲ መሰረት ህልውና ሃገር እዩ" ኢላ።
"ድምር ታሪክ እዩ ሃገር ዝፈጥር" ክትብል ድማ ወሲኻ።

ን 20 ዓመታት ኣብ ለንደን ዝተቐመጠ ሰለሞን ተረፈ፡ ኣብቲ ብረቡዕ ዝተኻየደ ጽምብል ካብ ዝተረኸቡ ዕዱማት ሓደ እዩ።
ሰለሞን ብውልቅኡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከተማታት ዓዲ እንግሊዝ እናዞረ፡ ኣብ ቤተመዘክር ዝተዓቀቡ ቅርስታት ኢትዮጵያ ይርኢ ከምዝነበረ ይዛረብ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣስታት 300 ቅርስታት ንምምላስ ሕቶ ኣቕሪቡ እዩ።
እንተኾነ ግን፤ ካብዚኦም ብተወሳኺ ዘይፍለጡን ዘይተመዝገቡን ቅርስታት ከምዘለዉ ዝዛረብ ሰለሞን፤ ሃሊፋክስ ኣብ ዝተባህለ ከተማ 'ኤዲንብረ' ኣብ ዝበሃል ጥንታዊ ቤተመንግስቲ ከምኡ ድማ ኣብ ካልኦት ከተማታት ልዕሊ ሚኢቲ ዓመታት ዕድመ ዘለዎም ቅርሲታት እናሃደነ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ከፍልጥ ጸኒሑ እዩ።
ኣብ ኩናት መተማ ዝተሳተፉ ወተሃደራት እንግሊዝ፡ ካብ ስኮትላንድን ኣየርላንድን'ውን ዝመጹ ስለዝነበሩ፤ ናብዞም ቦታታት ከይተረፈ ቅርስታት ኢትዮጵያ ከምዝገዓዘ ሰሎሞን ይዛረብ።
"ነዞም ቅርስታት ንምምላስ ኣጸጋሚ ዝኸውን ዘሎ፤ እዞም ቅርስታት ካብ ውልቀሰባት ነቶም ኣብያተ መዘክር ብህያብ ዝተውሃቡ ስለዝኾኑ እዩ" ይብል። ኣብ ገለ ቦታታት ዝረኣዮም ቅርስታት ከይስእል እኳስ ከምዝተኸልከለ ይዛረብ።
ቁራጽ ቁኑን ጸጉሪ ሃጸይ ቴዎድሮስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ተረኪብዎ ኣሎ። እንተኾነ ግን፤ ብኸመይ ናብ ኢትዮጵያ ከምዝውሰድን ኣበይ ከምዝዕቀብን ዛጊድ ኣይተገለጸን።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







