ኢትዮጵያ፡ ብእንግሊዝ ዝተዘምቱ ሓድግታታ ከተምልስ ከምዝተጸገመት ገሊጻ

ልዑል አለማየሁ

ምንጪ ስእሊ, Julia Margaret Cameron

ድሕሪ'ቲ ኣብ መንጎ መንግስቲ ብሪጣንያን ሃጸይ ቴዎድሮስን፡ ኣብ ኢትዮጵያ መቅደላ ኣብ ዝበሃል ቦታ ዝተገበረ ኩናት፡ ካብ ኢትዮጵያ ቁጽሪ ዘይብሉ ቅርሲ፣ ሃብትን ንብረትን ተዘሚቱ እዩ።

ኣብቲ እዋን ወዲ ሸውዓተ ዓመት ህጻን ዝነበረ ወዲ ሃጸይ ቴዎድሮስ፡ ልዑል ኣለማየሁ 'ውን ተጨውዩ ተወሲዱ እዩ።

ንቡዙሕ እዋን ነቶም ብብሪጣንያ ዝተዘምቱ ቅርስታት ንምምላስ ጻዕሪ ክግበር ጸኒሑ እዩ። ኣብ ቀረባ እዋን ድማ፡ ቁራጽ ቁኑን ጸጉሪ ሃጸይ ቴዎድሮስ ናብ ኢትዮጵያ ዝተመለሰ ክኸውን ከሎ፡ ኣስከሬን ልዑል ቴዎድሮስ ንምምላስ ጻዕሪ ቀጺሉ ኣሎ።

ሚኒስተር ባህልን ቱሪዝምን ኢትዮጵያ ዶ/ር ሂሩት ካሳው፡ ልኡል አለማየሁ ኣቡኡን ኣዲኡን ምስሰኣነ፡ ንቐረባ ኣዝማዱ ክወሃብ እናተገበኦ፡ ብዘይሕጋዊ መገዲ ናብ እንግሊዝ ምስተወሰደ "ሕጉስ ኣይነበረን" ትብል።

ንግስቲ ቪክቶሪያ "ኣብ እንዳማትካ፡ ጓና ኮይንካ ከይተሓጎስካ ምሟትካ የሕዝነኒ" ክትብል ሓዘና ምግላጻ፡ ኣለማየሁ ሕጉስ ዘይምንባሩ ዘረድእ እዩ ትብል ዶ/ር ሂሩት።

ድሕሪ ሞት ልዑል አለማየሁ፡ ኣስከሬኑ ናብ ሃገሩ ክምለስ ተደጋጋሚ ሕቶ'ኳ እንተቐረበ፤ ክሳብ ሕዚ ምላሽ ኣይተውሃበን።

ካብቶም ብብሪጣንያ ዝተዘምቱ ቅርስታት፡ ታቦታት እውን ይርከብዎም።

"[እዞም ታቦታት] ነዓኣቶም ዋላ ሓደ ትርጉም የብሎምን፤ ንዓና ግን መንፈሳዊ ህይወትና እውን እዩ። ስለዝኾነ፡ ነዚኦም ክትመልስ እንከላ [እንግሊዝ] ሓደ ሰብኣዊ መሰላት ተኽብር አላ፡ ካልኣይ ድማ ምስታ ዓባይ ፈታዊትና ዝኾነት ብሪጣንያ ዝህልወና ርክብ፡ ካብ ምሕዝነት ሓሊፉ ቤተሳባዊ ክኸውን እዩ ዝገብሮ" ትበል እታ ሚኒስተር።

ብሪጣንያ ኮነት ካልኦት ካብ ኣፍሪቃ ቅርስታት ዝዘመታ ሃገራት ኣውሮጳ፡ ነቶም ቅርስታት ክመልሳ ሕቶ ምስዝቐርበለን፡ ኢትዮጵያ ኮነት ኣፍሪቃ ነቶም ቅርስታት ክሕልዋሉ ዝኽእላ ኣሰራርሓ የብለንን ዝብል ምላሽ ይህቡ።

ዶ/ር ሂሩት ግን፡ ኢትዮጵያ ነቶም ቅርስታት ኮነ ናይ ኣስከሬን ልዑል አለማየሁ ዝዓርፈሉ ቦታ ከምዘዳለወት ትገልጽ። እቲ ዝተመረጸ ቦታ፡ ቤተ መንግስቲ ከምዝኾነ'ውን ትዛረብ።

ገለገሊኦም ቅርስታት፡ ኣብ ብሪጣንያ ኣብ ቤተመዘክር ዝረኣዩ ክኾኑ ከለዉ፡ እቶም ታቦታት ግን ኣብ ሓደ ክፍሊ ተዓጽዮም እዮም ዘለዉ።

መንግስቲ ብሪጣንያ ነቶም ታቦታት ክመልስ ቃል ከምዝኣተወ እታ ሚኒስተር ትዛረብ።

ኣብ መንጎ እዞም ክልተ መንግስታት ልዝብ እኳ ይካየድ እንተሃለወ፡ ብዙሕ ብድሆታት እዩ ዘሎ። እቲ ቀንዲ ጸገም፡ ብመሰረት ሕጊ ብሪጣንያ፡ ሓንሳብ ናብ ቤተመዘክር ዝኣተወ ቅርሲ ኣይወጽእን።

ነዚ ድማ እዩ፡ ነቶም ቅርስታት ብልቓሕ ውሰድዎም ዝብል ኣማራጺ ዝቐርብ ዘሎ። ዶ/ር ሂሩት፡ እዚ ከም ኣማራጺ ምቕራቡ ከምዘገረመላ ትዛረብ።

"ብኸመይ ኢና ነቲ ናይ ባዕልና ሃብቲ ተለቂሕና እንወስድ ከ? ሂብናዮም ዘይኮነስ ሰሪቖም እዮም ወሲዶምዎ። ስለዝኾነ፡ ብሕጋዊ መገዲ እዩ ክምለስ ዘለዎ" ትብል።

ነቲ ሕጎም ክጥሕስዎ ስለዘይደለዩ እዮም 'ምበር፡ ዝምለሰሉ ግዜ ስለዘይጥቀስ 'ንሓዋሩ ውሰድዎ' ማለት ከምዝኾነ "ነጊሮምና እዮም" ትብል።

እንተኾነ ግን፡ ነቶም ቅርስታት ብልቓሕ ንምውሳድ፡ ኢንሹራንስ ምእታው ከም ቅድመ ኹነት ምቕማጡ ጸገም ፈጢሩ ምህላዉ ትገልጽ።

እቲ ዝተሓተተ መጠን ገንዘብ ብዙሕ ብምዃኑ፡ በዚ መገዲ ነቶም ቅርስታት ንምውሳድ ከምዘይከአሉ'ውን ዶ/ር ሂሩት ትዛረብ።