ደልታ ዝተባህለ ዓሌት ኮሮናቫይረስ ኣብ ኢትዮጰያ ተረኺቡ

ደልታ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ብፍጥነት ዝጋፋሕን ሓደገኛ ከምዝኾነን ዝንገረሉ ‘ደልታ’ ዝተባህለ ዓሌት ኮሮናቫይረስ ኣብ ኢትዮጵያ ከምዝተረኸበ ሚኒስትሪ ጥዕና ኣፍሊጡ፡፡

ሚኒስተር ጥዕና ኢትዮጵያ ዶ/ር ሊያ ታደሰ እዋናዊ ኩነታት ኮሮናቫይረስ ኣብታ ሃገር ኣመልኪታ አብ ዝሃበቶ መግለጺ እቲ ሓድሽ ዓሌት እቲ ዝኸፈአ ከምዝኾነ ገሊጻ፡፡

‘‘ኣብ ዝኾነ ክሊ ዕድመ ንዘሎ ዘጥቅዕን ንኸቢድ ሕማምን ሞትን ዘሳጥሕን ብፍላይ ኣብ ዘይተኸተቡ ዝበርተዐን’’ ከምዝኾነ ዝሓበረት ሚኒስተር ሊያ፡ቅድሚ ሰሙናት እቲ ሓድሽ ዓሌት ኣብታ ሃገር ምእታዉን ዘይምእተቃውን ንምፍላጥ መጽናዕቲ ይካየድ ከምዘሎ ኣፍሊጣ ነይራ።

ዓሌት ደልታ ምስ ካልኦት ዓሌታት እቲ ቫይረስ እንትነጻጻር ናይ ምግፋሕ ዕድሉ ብዕጽፊ ዝዛየደ ከምዝኾነን ዘስዕቦ ሕማም እውን ዝበርተዐ ከምዝኾነን ማእከል ምቁጽጻርን ምክልኻልን ሕማማት ኣመሪካ ይገልጽ፡፡

ኮይኑ ግና ሙሉእ ክታበት ኣብ ዝወሰዱ ሰባት ዘብጸሖ ጉድኣት ዝወሓደ ከምዝኾነ ይጥቀስ፡፡

ኢትዮጵያ ዛጊድ ንልዕሊ 2.5 ሚልዮን ዜጋታታ ክታበት ኮሮናቫይረስ ሂባ ኣላ፡፡

ሚኒስትሪ ጥዕና ዶ/ር ሊያ ታደሰ ከምዝገለጸቶ ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት ኣብታ ሃገር ቁጽሪ ብኮሮናቫይረስ ዝልከፉ፣ ብጽኑዕ ዝሓሙን ዝሞቱን ኣዐሪዩ ወሲኹ እዩ፡፡

ብሰኑይ ዝወጸ መዓልታዊ ጸብጻብ ኮቪድ እታ ሃገር፡ 6679 ሰባት ተመርሚሮም ካብኣቶም እቶም 1190 እቲ ቫይረስ ከምዝተረኸቦም ዘመላኽት ነይሩ፡፡ ብተወሳኺ 22 ሰባት ከምዝቱን 727 ሰባት ኣብ ክፍሊ ጽኑዕ ክንክን ከምዝነበሩን የረድእ፡፡

ብሓፈሻ ኣብ ኢትዮጵያ ቁጽሪ በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ልዕሊ 316 ሽሕ ዝበጸሐ ኮይኑ፡ እቶም ልዕሊ 285 ሽሕ ካብቲ ቫይረስ ድሒኖም እዮም፡፡

ምግፋሕ እቲ ቫይረስ ዘተሓሳሰቦ ሚኒስትሪ ጥዕና እታ ሃገር ቅድሚ ሰሙናት ጥቡቓት ዝተባህሉ መምርሒታት ኮሮናቫይረስ ኣውጺኡ ምንባሩ ዝዝከር እዩ፡፡