ሱዳን ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ዶባት ከምዝዓጸወት ጸብጻባት ሓቢሮም

ዶብ ሱዳንን ኢትዮጵያን

ሱዳን፡ ብሰንኪ ኣብ ግዝኣት ገዳርፍ ዘጋጠመ ምውሳኽ መልከፍቲ ኮሮናቫይረስ፡ ምሰ ኢትዮጵያ ዘራኽባ ምብራቓዊ ዶባ ከምዝዓጸወት ሱዳን ትሪቡን ዝተባህለ ማዕከን ዜና ጸብጺቡ፡፡

ዞባ ገዳርፍ ቀንዲ መእተዊ ናይቶም ብምኽንያት እቲ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ናብ ሱዳን ዝስደዱ ኢትዮጵያውያን እዩ፡፡

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ቁጽሪ ብሰንኪ እቲ ኲናት ዝተሰደዱ ሰባት 70 ሽሕ በጺሑ ነይሩ፡፡

ዕላማ እቲ ምዕጻው ‘‘ብመንግስቲ ካብ ዝፍቀደሎም ወጻኢ ወጻእተኛታት ናብታ ሃገር ከይኣትዉ’’ ንምኽልካል ምዃኑ እዩ ተገሊጹ ዘሎ፡፡

እቶም ናብታ ሃገር ክኣትዉ ዝፍቀደሎም ሰባት'ውን እንተኾነ ጥቡቕ መምርሒታት ጥዕና ተኸቲሎም እዮም ክኣትዉ፡፡

ብተወሳኺ ኣብ መሳጊድ እታ ሃገር ዘለዉ ኢማማት ፡ ኣብ እዋን ጾም ሮሞዳን ኣብ ለይቲ ዝካየድ ጸሎት ታራውህ ኣብ ቀጽሪ እቶም መሳጊድ ጥራሕ ከካይዱ ተኣዚዞም ኣለዉ፡፡

ብሰንኪ እቲ ኢትዮጵያ እትሃንጾ ዘላ ግድብ ህዳሰን ኣብ ዶብ ክልቲአን ሃገራት ዝርከብ ኣልፋሽጋ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ከባቢን ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ወጥሪ እናሓየለ መጺኡ እዩ፡፡

ኢትዮጵያ ብምኽንያት እቲ ኣብ ትግራይ ዝተወለዐ ኲናት ሰራዊታ ካብ ዶብ ክልቲአን ሃገራት ምስሓባ ስዒቡ፡ ሱዳን ይግበኣኒ እትብሎ ከባቢታት ከምዝተቖጻጸረት ይፍለጥ፡፡

ዓቢ ግድብ ህዳሰ ምስ ኢትዮጵያ

ምንጪ ስእሊ, AFP

ኢትዮጵያ ብወገና ሱዳን ሰራዊታ ክትስሕብን ጉዳይ ዶብ ክልቲአን ሃገራት ብዘተ ክፍታሕን ጻውዒት ገይራ ነይራ፡፡

ሃገራት ኢትዮጵያ፣ ግብጽን ሱዳንን ኣብ መጀመርታ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ኣብ ኮንጎ ኪንሻሳ ተራኺበን ኣብ ህንጸት ግድብ ህዳሰ ዘካየደኦ ዘተ ብዘይፍረ ከምዝተበተነ ዝዝከር እዩ፡፡ ኣብ ቀረባ እዋን መንግስቲ ኢትዮጵያ ክልቲአን ሃገራት ንካልኣይ ዙር ምምላእ ማይ ግድብ ህዳሰ ዝዕዘቡ ሰብሞያ ክመርጻ ዘቕረበትለን ሕቶ ክልቲአን ሃገራት ነጺገነኦ እየን፡፡