ኢትዮጵያ፡ ኣብ ልዕሊ ትካል ስደተኛታት ኖርወይ ዝተነበረ እገዳ ብኽልተ ኣዋርሕ ተናዊሑ

ካውንስል ስደተኛታት ኖርወይ

ምንጪ ስእሊ, NORWEGIAN REFUGEE COUNCIL FACEBOOK

መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ትካል ስደተኛታት ኖርወይ ኣንቢርዎ ዝጸንሐ እገዳ ንተወሰኽቲ ክልተ ኣዋርሕ ከምዘናወሖ ኣፍሊጡ።

ትካል ስደተኛታት ኖርወይ፡ ብወሳነ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከምዝሓዘነ እውን ኣፍሊጡ'ሎ፡፡

እቲ እገዳ ንኽልተ ኣዋርሕ ከምዝተናወሐ ብሰበስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያ ከምዝተነገሮ እቲ ትካል ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ፡፡

ዋና ጸሓፊ እቲ ትካል ጃን ኢገላንድ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምብጻሕ ከምዘካየደን ነቲ ክልከላ ኣመልኪቱ ምስ ሰብመዚ ዕዉት ዘተ ከምዘካየደን ተገሊጹ ነይሩ፡፡

ዋና ዳይረክተር እቲ ትካል ኒገል ትሪክስ ‘‘መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ኣብታ ሃገር ከይንንቀሳቐስ ዘንበሮ ክልከላ ንተወሰኽቲ ክልተ ኣዋርሕ ክናዋሕ ብዘሕለፎ ውሳነ ሓዚንና ኢና፡፡ ኣብዚ እዋን ድማ ብዛዕባ እቲ ውሳነ ዝበለጸ ርድኢት ክህሉን መልሲ ንምሃብን ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ንዘራረብ ኣለና’’ ምባሉ ኣብቲ መግለጺ ተሓቢሩ፡፡

ካብቲ ዘተ ብተወሳኺ ምስ ህዝብን መንግስትን ኢትዮጵያ ቀልጢፎም ናብቲ ቅድሚ ሕጂ ዝነበሮም ናይ ምትሕብባር ደረጃ ክምለሱ ከምዝደልዩ እቲ ዳይረክተር ገሊጹ፡፡

ካውስል ስደተኛታት ኖርወይ ዝርከቦም ሰለስተ ትካላት ረድኤት ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ተኸልኪሎም፡፡

ኣብቲ እዋን ካውንስል ስደተኛታት ኖርወይ፣ ዶብ ኣልቦ ሓካይም ሆላንድን ኣል ማክቱም ፋውንዴሽንን ካብ ዝተጣየሽሉ ዕላማ ወጻኢ ክንቀሳቐሱ ተረኺቦም ብዝብል ካብ ምንቅስቓስ ከምዝተኣገዱ ኤጀንሲ ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ ነይሩ፡፡

ኤንኣርሲ ብወገኑ ኣብ ማሕራዊ ሚድያ ናይ ሓሶት ሓበሬታ ኣናፊሱን ሰራሕተኛታቱ ግቡእ ፍቓድ ከይረኸቡ ተንቀሳቒሱን ዝብል ክሲ ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከምዝቐረበሉ ኣብ መግለጺኡ ሓቢሩ፡፡

እቲ ትካል ካብ 2011 ብኣቆጻጽራ ኣውሮጳ ጀሚሩ ኣብ ኢትዮጵያ ኣገልግሎት ትምህርቲ፣ ጽሩይ ዝስተ ማይ፣ ምግብን መጽለልን ክህብ ጸኒሑ እዩ፡፡

ኣብ 2020 ድማ ኣብ ክልላት ኦሮምያ፣ ደቡብ፣ ቤንሻንጉል ጉሙዝ፣ ጋምቤላ፣ ሶማልን ከተማ ኣዲስ ኣበባን ንልዕሊ 585 ሽሕ ሰባት ሓገዝ ምሃቡ ተገሊጹ፡፡

ትካል ስደተኛታት ኖርወይ፡ ብሕጊ ተማእዚዙ ሰብኣዊ ሓገዛት መሰረት ዝገበረ ዕላማ ሒዙ ከምዝሰርሕ ብምግላጽ፡ ንውሳነ መንግስቲ ተቐቢሉ ስራሕቱ ደው ከምዘበለ ኣፍሊጡ፡፡