ትካል ስደተኛታት ኖርወይ ኣብ ጉዳይ እገዳ ምንቅስቓሱ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘትዩ

ዋና ጸሓፊ እቲ ትካል ጃን ኢግላንድ

ምንጪ ስእሊ, YASUYOSHI CHIBA

ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ዝገብሮ ምንቅስቓስ ሰብኣዊ ሓገዛት ንኣዋርሕ ዝተኣገደ ካውንስል ስደተኛታት ኖርወይ ምስ ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ከምዝዘተየ ኣፍሊጡ።

ዋና ጸሓፊ እቲ ትካል ጃን ኢግላንድ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ናብ ኣዲስ ኣበባ ምብጻሕ ከምዝገበረን ምስ ሰበስልጣን መንግስቲ እታ ሃገር ከምዝዘተየን ኣብ ዌብሳይት ትካሎም ዝዘርግሖ ሓበሬታ የመልክት።

ምስ ሰበ ስልጣን ኢትዮጵያ ሃናጺ ዝኾነ ዘተ ከምዘካየዱ'ውን እቲ ዋና ጸሓፊ ሓቢሩ።

እቲ ተነቢሩ ዝጸንሐ እገዳ፣ ፍቓድ ስራሕ፣ መሃያ ሰራሕተኛታት፣ መድሕን ህይወት ዝኾኑ ፕሮግራማት ምጅማርን ካልኦት ጉዳያትን ብዝምልከት ከምዝዘተዩ ተገሊጹ’ሎ።

ዳይክተር ሽርክናታትን ፖሊሲን እቲ ትካል ኦሌ ኦልቫንግ “ኣብ ሰብኣዊ ረድኤት ነጻን ዘይሻራውን ዝኾነ ምላሽ ንምሃብ ዘለና ድለውነት ነጊርናዮም ኣለና። ብዘይካ’ዚ ኣብ ኢትዮጵያ ንምስራሕ ዘለና ድልየትን ምስ ሰበስልጣን እታ ሃገር ጽቡቕ ርክብ ሃኒጽና ንምስራሕ ቅሩባት ምዃንና ኣፍሊጥናዮም ኢና” ክብል ምዝራቡ ኣብቲ ዌብሳይት ዝወጸአ ሓበሬታ የመልክት።

ካውንስል ስደተኛታት ኖርወይ ዝርከቦም ሰለስተ ትካላት ረድኤት ካብ 23 ሓምለ 2013 ኣቆጻጽራ ግእዝ ጀሚሩ ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ዝገብርዎ ምንቅስቓስ ከምዝተኣገዱ ይዝከር።

ጉጅለ ዶብ ኣልቦ ሓኻይም ሆላንድ፣ ካውንስል ስደተኛታት ኖርወይን ኣል-ማክቱም ፋውንዴሽንን ካብ ዝቖሙሉ ዕላማ ወጻኢ ብዝኾነ ኣገባብ ክንቀሳቐሱ ተረኺቦም ብዝብል እቲ ውሳነ እግድ ከምዝተነበረ ኤጀንሲ ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ ነይሩ።

“ሰለስቲኦም ትካላት ንዝተጣየሹሉ ዕላማ ብዝጻባእን ንረብሓታት እታ ሃገር ብዝጻረርን ኩነታት ክንቃቐሱ ስለዝተረኸቡ” ዝበለ እቲ ኤጀንሲ፤ ክእረሙ ብተደጋጋሚ’ኳ ዘተ እንተተገበረ ክእረሙ ብዘይምኽኣሎም ንሰለስተ ኣዋርሕ ከምዝተኣገዱ ሓቢሩ።

“ኣገዳሲ ዝኾነ ናይ ሰብኣዊ ረድኤት ስራሕትና ክንቕጽል ምእንታን እቶም ሰበስልጣን ነቲ እግድ ከልዕልዎ ተስፋ እንገብረሉ ዘተና ክንቕጽለሉ ኢና” ኢሉ ኦሌ ሶልቫንግ።

እቲ እገዳ ብዝተናውሐ መጠን ኣብ ልዕሊ ሰራሕተኛታትና፣ መሻርኽትናን ረድኤትና ዝጽበዩ ሰባትን ዘብጽሖ ኣሉታዊ ጽዕንቶ ኣዝዩ የሻቕለና ኣሎ” ክብል ድማ ወሲኹ ገሊጹ።

ትካል ስደተኛታት ኖርወይ ካብ 2011 ኣ.ኣ ጀሚሩ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ትምህርቲ፣ ቀረብ ዝስተ ማይን ሓለዋ ጽርየት፣ መዕቖቢ፣ መግብን ካልኦት ሓገዛትን ክህብ ጽኒሑ።

ኣብ 2020 ድማ ኣብ ክልላት ኦሮሚያ፣ ደቡብ፣ ቤኒሻንጉል ጉሙዝ፣ ጋምቤላን ሶማሊያ ከምኡ ድማ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ን585 ሽሕ ሰባት ሓገዝ ከምዝገበረ ይገልጽ።

ሰበስልጣን ኢትዮጵያ፡ ገለ ትካላት ረድኤት ንሓይልታት ትግራይ ደገፍ ንምግባር ከምዝፈተኑ ዝገልጽ መረዳእታ ኣለና እንተበሉ’ውን ኣስማት ናይቶም ትካላት ግን ኣየነጸሩን።

ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣተሓባባሪ ህጹጽ ረድኤት ማትሪን ግሪፍትስ፡ “ትካላት ረድኤት ንሓይልታት ትግራይ ይውግኑ እዮም ዕጥቂ’ውን የቕርቡ” ብዝብል ካብ ሰበስልጣን ኢትዮጵ ንዝቐረበ ክሲ “ሓደገኛ እዩ” ክብል ምንጻጉ ይዝከር።

ኣብ ልዕሊ ትካላት ረድኤት ዘነጻጸረ “መሰረት ዘይብሉ ጠቐነ” ደው ክብልን ከምዚኦም ዝበሉ ጃምላዊ ክስታት ምቕራቦም ልክዕ ከምዘይኮነን ምዝራቡ ሮይተርድ ጸብጺቡ ነይሩ።

“መረዳእታ እንተሃልዩ ክቐርብ ኣለዎ። ሓቂ ንምዝራብ ግን ከምዚ ዝበለ ኣካይዳ ሓደገኛ እዩ” ክብል’ውን ወሲኹ ገሊጹ።