ብሪጣንያ ስደተኛታት ዝጸዓና ጀላቡ ናብ ድሕሪት መሊሳ

መርከብ ብሪጣንያ ስደተኛታት ምዃኖም ዝግመት ሰባት ናብ ዶቨር፡ ኬንት ተምጽእ

ምንጪ ስእሊ, PA Media

ዋና ጸሓፊት ውሽጣዊ ጉዳያት ብሪጣንያ ፕሪቲ ፓተል ስደተኛታት ዝጸዓና ጀላቡ ናብ ዶብ እታ ሃገር ንኸይኣትዋ ኣብ ባሕሪ ክምለሳ ኣዚዛ።

ኣብዚ ሰሙን ጥራይ ልዕሊ 1,500 ስደተኛታት፡ ጀላቡ ብምጥቃም ንመስመር ባሕሪ እንግሊዝ ከምዝሰገሩ ይግለጽ።

ፕሪቲ ፓተል ምስ ፈረንሳዊ መዘንኣ ትማሊ ረቡዕ [09/09/2021] ኣብቲ ጉዳይ ዝዘተየት ኮይና፤ እቶም ስደተኛታት ከይሰግሩ ንምቁጽጻር ኣብ ዘኽእሉ ሓደሽቲ ስጉምትታት ግን ክሰማምዑ ኣይከኣሉን።

ነተን ስደተኛታት ዝጸዓና ጀላቡ ናብ ማያዊ ኣካላት ፈረንሳ ክምለሳ ምግዳድ ብወገን ሰበልጣን ፈረንሳ ተቐባልነት ኣይረኸበን። ምኽንያቱ ድማ ሓደገኛ ስለዝኸውን ይብሉ።

ብመሰረት ዓለምለኸ ሕጊ ባሕሪ እንተኾይኑ ህይወቶም ኣብ ሓደጋ ዝወደቑ ሰባት ካብ ውሽጢ ባሕሪ ክተድሕኖም ግድን’ዩ።

ነቲ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ካብ መንቀሊኡ ደው ንምባል ኩሎም ዝሓሹ ኣማራጺታት ክጥቀም ከምዝደልይ ዝገልጽ መንግስቲ እንግሊዝ፤ ቤት ጽሕፈት ውሽጣዊ ጉዳያት ብወገኑ እተን ንኣሽቱ ጀላቡ ነቲ ሓደገኛ ጉዕዞ ደው ዘብላሉ ውሑስን ሕጋውን ኣማራጽታት ይግምግምን ይፍትንን ምህላዉ ይሕብር።

ፕሪቲ ፓተል መራኽብ ነተን ነኣሽቱ ጀላቡ ካብ ማያት ብሪጣንያ እናደፍአ ክርሕቓ ክገብረአን መምርሒ ከምዝሃበት ጸብጻብ ’ዘ ደይሊ ቴሌግራፍ’ ኣመልኪቱ።

እዚ ዝኸውን ግን ውሑስን ድሩትን ኣብ ዝኾነ ኩነታት እሞ ድማ ነዚ ንምፍጻም ስልጠና ብዝወሰዱ ኣባላት ጥራሕ ከምዝኾነ ምንጪታት ነቲ ጋዜጣ ሓቢሮም።

እታ ሓላፊት ጉዳያት ውሽጢ ሃገር ብትዊተር ኣብ ዘሕለፈቶ መልእኽቲ ምስ ሚንስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ፈረንሳ ጀራልድ ዳርማኒን ከምዝተዘራረበት ብምሕባር “[ስደተኛታት ዝጸዓና ጀላቡ] ከይሰግራ ምግባር ንህዝቢ ብሪጣንያ ፍጹም ቀዳምነት ዝወሃቦ ጉዳይ እዩ” ክትብል ወሲኻ ገሊጻ።

እቲ ፈረንሳዊ በዓል ስልጣን ክልቲኦም ሰበስልጣን ቅድሚ ምርኻቦም ብደብዳበ ኣብ ዝጸሓፈላ መልእኽቲ፤ ነቶም ኣብ ባሕሪ ንሓደጋ ዝተቓልዑ ስደተኛታት ቀዳምነት ምሃብ ልዕሊ ኩሎም ጉዳያት ከምዝኾነ ሓቢሩዋ ነይሩ።

ሃገሩ ቑጽሪ እቶም ኣብ ገማግም እቲ መትረብ ዝዋፈሩ ሓለዋ ክውስኽ ክትገብር ከምእትኽእል ኣብቲ ደብዳቤ ወሲኹ ገሊጹ።

ኣካል እቲ ዝተገበረ ስምምዕ፡ መንግስቲ እንግሊዝ ነቲ ፈረንሳ እትገብሮ ጻዕርታት ሓገዝ ዝኸውን 54 ሚልዮን ፓውንድ ክህባ መብጽዓ ተኣትዩ’ኳ እንተነበረ፤ ፕሪቲ ፓተል ግን ቁጽሪ ዝሰግራ ዘለዋ ጀላቡ ይውስኽ ብምህላዉ እቲ ገንዘብ ክፍኖ ኣይትደልይን።

እቲ ገማግም ኣዝዩ ነዊሕ ብምዃኑ ኣባላት ፖሊስ ኣዋፊርካ ነተን ነኣሽቱ ጀላቡ ምግታእ ከምዘይከኣል ዝገልጹ ኣካላት’ውን ኣለዉ።

ኣብዚ ዓመት ጥራይ ልዕሊ 12,600 ስደተኛታት ብመትረብ እንግሊዝ ጉዕዞ ከምዝገበሩ ይግለጽ።

ቤት ጽሕፈት ውሽጣዊ ጉዳያት እታ ሃገር ከምዘመልክቶ ብሰሉስ ጥራይ ካብ ዝነበሩ 17 ፈተነታት 456 ሰባት ከምኡ’ውን ብረቡዕ ካብ ትሸዓተ ፈተነታት ን301 ሰባት ኣድሒኖም ወይ ንጉዕዞኦም ኣቋሪጾም። ፈረንሳይ እውን ኣብተን ክልተ መዓልታት 628 ሰባት ናብ ብሪጣንያ ከይበጽሑ ዓጊታ።

ኣብዚ ዓመት ልዕሊ 10,000 ስደተኛታት ካብ ዝገበርዎ ፈተነ ክግትኡ ከምዝተገበረን ኣስታት 300 ኣብ ቀይዲ ከምዝወዓሉን ይግለጽ።

ትካላት ሰብኣዊ ሓገዝ ግን እቲ ኣብ ልዕሊ ሓተትቲ ዕቑባ ዝፍጸም ኣሰራርሓ “ሰብኣውነት ዝተላበሰን ሓላፍነት ዝተምልኦን” ክኸውን ይጽውዑ።

ሰባት ኣብ ብሪጣንያ ዕቑባ ናይ ምሕታት መሰል ከምዘለዎም ዝገልጽ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል፤ “[እቶም ስደተኛታት] ዝሓሸ ኣማራጺ ስለዘይብሎም ነቲ ሓደገኛ መገዲ ይመርጹን ኣብ ኣስገርቲ ይተኣማመኑን” ክብል የረድእ።

ስደተኛታት ኣብ መትረብ እንግሊዝ እንታይ የጋጥሞም?

  • ኣብ ማያት ብሪጣንያ እንተተረኺቦም ናብ ወደብ ብሪጣንያ ክውሰዱ ዝኽእሉሉ ዕድል ይህልዎም
  • ኣብ ዓለምለኻዊ ማያት እንተሃልዮም፤ ብሪጣንያ እቶም ስደተኛታት ናበይ ክውሰዱ ከምዘለዎም ምስ ሰበስልጣን ፈረንሳ ተሓባቢራ ትሰርሕ
  • ነብሲወከፍ ሃገር ነናይ በዓልተን ዞባታት ፍተሻን ምድሓንን ኣለወን
  • ብመሰረት ‘ደብሊን III’ ተባሂሉ ዝፍለጥ ሕጊ ኣውሮጳ እቶም ሓተትቲ ዕቑባ ናብታ ፈለማ ዝኣተዉላ ሃገር ክምለሱ ይግበር። እንግሊዝ ግን ካብዚ ስምምዕ ንርእሳ ካብ እተግልል ጸኒሓላ፤ ነዚ ኣሰራርሓ ኣብ ዝትክእ ሓድሽ ውጥን እውን ኣይተሰማምዐትን።