ኣብ ኢንግሊዝ ቻነል ትጥሕል ካብ ዝነበረት ጃልባ ሓደ ኤርትራዊ ከምዝሞተ ተገለጹ

ምንጪ ስእሊ, PREMARMANCHE
ኣብ መትረብ ኢንግሊዝ (ኢንግሊሽ ቻነል) ትጥሕል ካብ ዝነበረት ጃልባ ሓደ ኤርትራዊ ስደተኛ ከምዝሞተ ተገሊጹ።
ዓቀብቲ ሕጊ ፈረንሳ ኣብ ዙርያ እዚ ብሓሙስ ዘጋጠመ ሓደጋ መርመራ ከም ዝጀመሩ ክግለጽ እንከሎ፡ እቲ ግዳይ ዕድሚኡ ኣብ ክሊ 25 ክሳብ 30 ዓመት ዝርከብ ከም ዝኾነ ተገሊጹ።
እቲ ግዳይ ካብቲ ባሕሪ ብምውጻእ ኣብ ካሌይ ናብ ዝርከብ ሆስፒታል ምስ ተወስደ ከም ዝሞተ ተገሊጹ።
እቲ ኤርትራዊ ግዳይ ሓደ ካብቶም ኣብታ ጃልባ ዝነበሩ 36 ሰባት እዩ።
ንሱ ምስ ኣፍቃሪኡ ኣብታ ጃልባ'ኳ እንተነበረ፡ ክብደት ንምጉዳል ዘሊሉ ናብቲ ባሕሪ ክኣቱ እንከሎ ከም ዝተፈላለዩ ሓደ ፈረንሳዊ ገባሪ ሰናይ ውልቀሰብ ገሊጹ።
ካልኦት ናብቲ ባሕሪ ዝኣተው ሰባት'ውን ብሄሊኮፕተር ቤልጅምን ኣብቲ ከባቢ ብዝነበራ ናይ ዓሳ ምዝፋፍ ጀላቡን ክወጽኡ ተገይሩ።
ሰራሕተኛ ማሕበር ገባሪ ሰናይ ስደተኛታት ዩቶፒያ56 ዝኾነ ኒኮላ ፖዝነር፡ ምስቶም ዝደሓኑ ሰባት ኣብ ወደብ ዱንኪርኪ ከምዝዘራረበ ሓቢሩ።
ናይቲ ዝሞተ ኤርትራዊ ኣፍቃሪት ዝኾነት ውልቀሰብ፡ እቲ መጻምዳ ሓደ ካብቶም ዘሊሎም ናብቲ ማይ ዝኣተው ምዃኑ ተዛሪባ።
"እታ ጃልባ ክትጥሕል ምስ ጀመረት ክብደት ክንክዩ ደልዮም። ስለዚ ዘሊሎም ናብቲ ማይ ኣትዮም . . . ኩሉ ሰብ'ውን ዝሓዞ ሻንጣ እናደርበየ ክብደት ክንኪ ይገብተር ነይሩ" ከም ዝበለቶ ኒኮላ ሓቢሩ።
እታ ጓል 22 ዓመት ከም ዝኾነት እትዛረብ ኤርትራዊት ስደተኛ፡ ፖሊስ ናብቲ ሆስፒታል ሒዞምዋ ምስ ከዱ ኣስክሬን መጻምዳ ክተለሊ ከም ዝኽኣለት ተሓቢሩ።
ብሓሙስ፡ ብዙሓት ጀላቡ ጸገም ምስ ኣጋጠመን፡ ልዕሊ 160 ሰባት ምድሓን ከም ዝተኽኣለ ሰብ መዚ ሓይሊ ባሕሪ ፈረንሳ ገሊጾም።
ትማሊ ድማ፡ ካልኦት ትሸዓተ ህጻናት ዝርከቡዎም 39 ሰባት'ውን ኣብ ጸበባ ካብ እትርከብ ጃልባ ብምድሓን ናብ ዱንኪርክ ክምለሱ ከም ዝተገብረ ተሓቢሩ።
ፖለቲከኛ ሌበር ፓርቲ ሚኒስትሪ ጉዳይ ውሽጢ ዓዲ ኢንግሊዝ ኒክ ቶማስ-ሲሞንድስ "እዚ ኣዝዩ ዘስካሕክሕ ሓደጋ'ዩ፤ ንስድራ ግዳያትን መሓዙትን ምጽንናዕ ንምነ" ኢሉ።
ወሲኹ፤ "ሚኒስትራት ኮንዘርቫቲቭ ፓርቲ እቲ ጸገም ብቕልጡፍ ንምፍታሕ፣ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ዝፍጸም ዝተዋደደ ገበን ዕስለ ጠጠው ንምባልን ሰባት እዚ ሓደገኛ መገዲ ክወስዱ ዝደፋፍኦም ዘሎ ምኽንያት ንምፍታሕን ምስ ፈረንሳ ትርጉም ኣብ ዘለዎ ስምምዕ ክበጽሑ ይግባእ" ኢሊ።
ኣብዚ ዓመት፡ ልዕሊ 100 ሰባት ብኣናኣሽተ ጀላቡ ብኢንግሊሽ ቻነል ኣቢሎም ናብ ዓዲ ኢንግሊዝ ኣትዮም።
ዓዲ እንግሊዝ እዚ ጠጠው ንምባልን ኣብ ገማግም ዝግበር ሓለዋ ፖሊስ ንምጥንኻርን ንመንግስቲ ፈረንሳ 54 ሚልዮን ፓውንድ ንምሃብ ተሰማሚዓ እያ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







