መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ትካላት ረድኤት እገዳ ዘንበረሉ ምኽንያት ኣፍሊጡ

ምንጪ ስእሊ, MSF/NRC
ኤጀንሲ ትካላት ሲቪክ ማሕበረሰብ ኢትዮጵያ ኣብታ ሃገር ዝሰርሑ ዝነበሩ ሰለስተ ትካላት ሰብኣዊ ረድኤት ዝኣገደሉ ምኽንያት ወግዓዊ ገይሩ።
ጉጅለ ዶብ ኣልቦ ሓካይም ሆላንድ፣ ኖርወጂያን ረፊዩጂ ካውንስን ኣል ማክቱም ፋውንጄሽንን ዝተባህሉ ትካላት፡ ንሰለስተ ወርሒ ከም ዝተኣገዱ መንግስቲ ኣፍሊጡ።
እቲ ኤጀንሲ፡ ሰለስቲኦም ገበርቲ ሰናይ ትካት ወጻኢ ካብ መንግስቲ ብዝተዋህቦም ፍቓድ መሰረት ኣብ ዝተፈላለዩ ሰብኣዊ ተግባራት ክሰርሑ ከም ዝሰጸንሑ ብምዝኽኻር፡ እቲ ኤጀንሲ ክገብሮ ብዝጸንሐ ክትትል ግን ካብ ዝተጣየሸሉ ዕላማ ወጻእ ክንቀሳቐሱ ስለ ዝተረኽቡ ንሰለስተ ወርሒ ተኣጊዶም ኣለው ኢሉ።
ዶብ ኣልቦ ሓካይም ሆላንድን ኖርወጂያን ረፊዩጂ ካውንስልን ኣብዚ ጉዳይ ምስ ሰበ ስልጣን እታ ሃገር ይዘራረቡ ከም ዘለው ገሊጾም።
መጻረዪ ሓበሬታ ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ብትዊተር ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ፡ ክልቲኦም ትካላት ናይ ሓሶት ሓበሬታ ብማሕበራዊ ሚዲያን ካልኦት ኣማራጺታትን ክዝርግሑ ጸኒሖም’ዮም ይብል።
“ሰለስቲኦም ትካላት ናይ ስራሕ ፈቓድ ዘይተዋህቦም ናይ ዜጋታት ወጻኢ ናብ ውሽጢ ሃገር ብምእታው ንልዕሊ ሽዱሽተ ወርሒ ከስርሑዎም ተረኺቦም” ክብል ኤጀንሲ ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብ ይኸስስ።
ኣል ማክቱም ፋውንዴሽን ድማ “ሚኒስቴር ትምህርቲ ፕሮቶኮላት ኮቪድ-19 ብዘይምኽባር፣ ኣጠቓቕማ በጀት ግልጽነት ዝጎደሎ ምዃኑን ብሽም እቲ ቤት ትምህርቲ ዝመጽእ በጀት ንኻልእ ዕላማ ይጥቀም ብምህላዩ ከምኡ’ውን ኣብ ምምሕዳር ሰራሕተኛታት ጸገም ስለ ዝተራእዮ’ዩ” ብምባል ከም ዝተኣገደ ኣመልኪቱ።
ኤጀንሲ ትካላት ሲቪክ ማሕበረሰብ ኢትዮጵያ፡ “ሰለስቲኦም ትካላት ካብ ዝተጣየስሉ ዕላማ ወጻእ ረብሓ ሃገር ብዝጻባእ መልክዑ ክንቀሳቐሱ ስለ ዝተረኽቡ” ካብ ተግባሮም ንክእረሙ ብተደጋጋሚ ዘተ እንተተገብረ’ውን ክዕረዩ ብዘይምኽኣሎም መርመራ ተገይሩ ናይ መወዳእታ ውሳነ ክሳብ ዝወሃብ ንሰለስተ ወርሒ ተኣጊዶም ክብል ገሊጹ።
እቶም ትካላት እንታይ ኢሎም?
ኖርዌጅያን ረፊዩጂ ካውንስል ካብ 23 ሓምለ 2013 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ግእዝ] ጀሚሩ መንግስቲ ምንቅስቓስ ከም ዝኣገዶ ኣረጋጊጹ።
ዞባዊ ሓላፊ ሚድያን ኮምኒኬሽንን እቲ ተካል ጀርሚ ቴይለር፡ መንግስቲ ብቕጡፍ ተግባራዊ ዝግበር እገዳ ከም ዘንበረን ኣብዚ ጉዳይ ምስ ሰብ መዚ ኢትዮጵያ ይዘራረቡ ከም ዘለዉን ንቢቢሲ ተዛሪቡ፡፡
"ነቲ ትእዛዝ ኣኽቢርና ኣብ መላእ እታ ሃገር ዝርከቡ ንጥፈታታትና ደው ኣቢልና ኢና፤ ኣብዚ ጉዳይ ምስ ሰበስልጣን ንዘራረብ ኢና ዘለና’’ ክብል ጀርሚ ቴይለር ንቢቢሲ ሓቢሩ፡፡
ጉጅለ ዶብ ኣልቦ ሓካይም ሆላንድ ብተመሳሳሊ ካብ 23 ሓምለ 2013 ዓ/ም ጀሚሩ፡ ምንቅስቓሶም ከም ዝተገደበ ዝገልጽ ደብዳበ ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከም ዝበጸሖ ኣፍሊጡ፡፡
ኤምኤስኤፍ ትማሊ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ "እቲ እገዳ ዝተነበረሉ ዝርዝር ምኽንያት ንምርዳእ ካብ ሰበስልጣን መብርሂ ኣብ ምሕታት ኣለና’’ ኢሉ ነይሩ፡፡
እቲ ኣል ማክቱም ዝተባህለ ትካል ግን ዛጊድ ብዛዕባ እቲ እገዳ ዝበሎ ነገር የለን፡፡
ቅድም ክብል ሰበስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያ ገለ ትካላት ረድኤት ንሓይልታት ትግራይ ዘይተፈቐዱ ሓገዛት ክገብሩ ምፍታኖም መረዳእታ ኣለና ብምባል ሽም ከይጠቐሱ ንገለ ትካላት ይነቕፉ።
ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳይ ወጻኢ ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴን ኣብ መፋርቕ ዝሓለፈ ወርሒ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ መንግስቲ ምስ ገለ ትካላት ሰብኣዊ ረድኤት ዘለዎ ዝምድና ዳግም ንምጽናዕን ገሊኦም'ውን ካብ ሃገር ንምስጓግ ከም ዝግደድን ገሊጹ ነይሩ።
ንሱ፡ ገለ ሰብኣዊ ሓገዝ ነብፅሕ ዝብሉ ትካላት'ውን እቲ ኲናት ክቕፅል ይገብሩ ኣለው'ዮም ዝብል ክሲ ኣቕሪቡ ነይሩ።
ሓድሽ ኣተሓባባሪ ህጹጽ ረድኤት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ማርቲን ግሪፊትስ፡ ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ሰብኣዊ ሓገዝ ዘቕርቡ ትካላት ንሓይልታት ትግራይ ይውግኑ እዮም ምባሎም ‘‘ሓደገኛ እዩ’’ ክብል ትማሊ ገሊጹ፡፡
‘‘መርትዖ እንተሃልዩ ብመረዳእታ ክድገፍ ይግባእ፤ ሓቂ ንምዝራብ ግን እዚ ኣካይዳ ሓደገኛ እዩ’’ ብምባል እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዑደት ክገብር ዝቐነየ ሓላፊ ተዛሪቡ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







