ቅልውላው ሰሜን ኢትዮጵያ፡ ሓይልታት ትግራይ ንደሴ ከምዝሓዙ ይገልጹ መንግስቲ ግን ሓሶት እዩ ይብል

ከተማ ደሴ

ሓይልታት ትግራይ ኣብ ክልል ኣምሓራ፡ ንእትርከብ ስትራተጂካዊት ከተማ ደሴ ከምዝተቖጻጸሩዋ ይገልጹ። መንግስቲ ፌዴራል ግን፡ እታ ከተማ ኣብ ኢድ ሰራዊቱ ከምዘላ ይሕብር።

ማዕከን ዜና ሮይተርስ፡ ብሳተላይት ቴሌፎን ዘዘራረቡዎ ወሃቢ ቃል ህወሓት ጌታቸው ረዳ ሓይልታቶም ንከተማ ደሴ ከምዝተቖጻጸሩዋን ብዘሓት ሰራዊት መንግስቲ ፌደራል ከምዝማረኹን ከምዝሓበሮም ጸብጺቦም።

እንተኾነ፡ ወሃቢ ቃል መንግስቲ ፌደራል ለገሰ ቱሉ፡ እታ ከተማን ከባቢአን ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ከምዘሎ ብምሕባር "ህወሓት፡ ሓይልታቱ ኣኻኺቡ ምስላጥ ምስ ኣበዮ ብወረ ክደዓዓስ ዝብሎ ዘሎ እዩ" ብማለት ነቲ ዝውረ ኣስተናዒቑዎ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ሰራዊት ህወሓት ንደሴ ንምቁጽጻር፡ ሙሉእ ለይቲ ብዝፈተላለዩ ሸነኻት ከጥቅዑ እኳ እንተፈተኑ፡ ሰራዊት መንግስቲ ግን ነቲ መጥቃዕቲ መኪቶም ጸረ-መጥቃዕቲ ከምወሰዱ ገሊጹ።

እንተኾነ ኣገልግሎት መራኸቢታት ተቛሪጾም ብምህላዎም፡ ቢቢሲ፡ ነቶም ጸብጻባት ብነጻ ኣካል ከረጋግጾም ኣይከኣለን።

ካብ ነበርቲ ከተማ ደሴ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ግን፡ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሓይልታት ትግራይ ካብ 'ጦሳ ተራራ' ወሪዶም፡ ብሰኞ ገበያ፣ 'ተቋም'ን 'ሳላይሽን' ብዝበሃሉ ከባብታት እታ ከተማ ክሓልፉን ኣብ ማእከል እታ ከተማ ክንቀሳቐሱን ከምዝረኣዩ ንቢቢሲ ሓቢሮም።

ካብቶም መሰኻኽር እቲ ሓደ፡ "ገለ ካብቶም ሓይልታት፡ ነቲ ተኣኪቡ ዝነበረ ህዝቢ ሰላምታ ክህቡን ከረጋግኡን ርእየ" ክብል ተዛሪቡ።

ኣብታ ከተማ ካብ ትማሊ ንጉሆ ኣትሒዙ ባንክታትን መብዛሕትኡ ትካላት ንግድን ተዓጽዮም ከምዘው ነበርቲ ገሊጾም።

ከተማ ደሴ ካብ ርእሰ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣስታት 400 ኪሎ ሜተር ርሒቓ ትርከብ።

ቢቢሲ ንመሰኻኽር ዓይኒ ነበርቲ እታ ከተማ ድሕሪ ምዝርራቡ ድሕሪ ቀትሪ መራኸቢታት ስልኪ እታ ከተማ ተቛሪጹ።

ማዕከን ዜና ኤኤፍፒ ብወገኑ፡ ንቃል ነበርቲ ብምጥቃስ፡ ሓይልታት ኢትዮጵያ ካብ ከተማ ደሴ ከምዘንሰሓቡን፡ ድሕሪ እቲ ዝወዓለ ከቢድ ውግእ ኣብ ገለ ከባብታት እታ ከተማ መብራህቲ ከምዝተቛረጸን ጸብጺቡ።

ከተማ ደሴ

ምንጪ ስእሊ, DESSIE CITY COMMUNICATION/FB

ተሌቬዥን ክልል ትግራይ፡ 'ሓይልታት ትግራይ ንከተማ ደሴ ምሉእ ብምሉእ ከምዝተቖፃፀርዋ' ጸብጺቡ።

ብተወሳኺ ሓይልታት ትግራይ ንነበርቲ ኮምበልቻ፡ 'ኣብ ገዝኦም ክኾኑን ንብረቱም ክሕልዉን' ጸዊዖም።

ዓሚ ሕዳር ዝተወልዐን ኣስታት ሓደ ዓመት ዝገበረን ኵናት ትግራይ፡ ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ልሒሙ ከበድቲ ውግኣት ይካየድ ኣሎ።

ሰብ መዚ ክልል ኣምሓራ፡ ሓይልታት ትግራይ ንታሪኻዊት ከተማ ላሊበላን ካልእ ሓያሎ ከባቢታትን ምስተቐጻጸሩ ንመንእሰያቶም ናብ ግንባር ክኸቱን ስለዝጸውዑ፡ ኣብዚ ቅነ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ፡ ብርክት ዝበሉ መንእሰያት ጎዘሞ ሒዞም ናብቲ ኵናት ክብገሱ ዘርኢ ተንቀሳቐስቲ ምስልታት ተዘርጊሖም ኔሮም።

እንተኾነ ቢቢሲ ነቶም ቪድዮታት ብዘይሻራዊ ኣካል ከረጋግጾም ኣይከኣለን።

መራሕቲ ህወሓት፡ እቲ ኣብ ትግራይ ተነቢሩ ዘሎ ዕፅዋ ክሳብ ዝለዓል ውግእ ከምዝቕጽሉ እዮም ዝገልፁ።

እቲ ንህወሓት ከም ግብረ-ሽበራውያን ዝርእዮም መንግስቲ ኢትዮጵያ ከኣ፡ ናብ ክልል ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዛት ንኸይኣቱ ዕንቅፋት ከምዝኾኑን፡ ኣብ ትግራይ፡ ክልል ኣምሓራን ዓፋርን ብዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ተሓተትቲ ከምዝኾኑን እዩ ዝኸሶም።

ብሰንኪ እቲ ኣብ ትግራይ ዝተወለዐ ኲናት፡ ልዕሊ 2 ሚልዮን ህዝቢ ካብ ቤቱ ተመዛቢሉ፡ ልዕሊ 60 ሽሕ ድማ ህይወቱ ንምድሓን ናብ ጎረቤት ሃገር ሱዳን ተሰዲዱ ኣሎ።

ኣስታት 400,000 ሰባት ከኣ ናብ ዓጸቦ ብዝቀራረብ ጥሜት ይሰቐዩ ከምዘለዉ ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት ይገልጽ።

ብሰንኪ እቲ ኣብ መንጎ ሓይልታት መንግስቲ ፌደራልን ትግራይን ኣብ ክልል ዓፋርን ኣምሓራን ዝካየድ ዘሎ ኵናት፡ ደቂ ኣንስትዮ፣ ህጻናትን ኣረጋውያንን ዝርከቡዎም ኣስታት 500 ሽሕ ሰባት ከምእተመዛባሉ ሰብ መዚ እተን ክልላት ንቢቢሲ ገሊጾም።