ኤርትራ እቲ ብኣሜሪካ ዝተነብረላ ሓድሽ እገዳ ‘ህዝቢ ኣሳቒኻን ኣጥሚኻን ናዕቢ ንምብግጋስ ዝዓለመ' ብምባል ተቓዊማቶ

መንግስቲ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ሽዱሽተ ትካላትን ውልቀሰባትን ኤርትራ እገዳ ድሕሪ ምውሳኑ መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ተቓውሞኦም ገሊጾም።
ኤርትራ እቲ እገዳ ኣብቲ ዞባ ዘላቒ ፍታሕ ንኸይወሓስ ዝዓለመ ክትብሎ እንከላ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ ዘላቒ ሰላም ከይህሉ ስግኣት'ያ ዝብል እምነት ከም ዘይብሉ ሓቢሩ።
ሚኒስትሪ ዜና ኤርትራ ሎሚ ቀዳም ነቲ ብዓርቢ ቤት-ግምጃ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ንዘሕለፎ እገዳ ኣመልኪቱ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቲ ዝቐረበ ክሲ ሓቅነት ከም ዘይብሉ ብምግላጽ "ንህዝቢ ኣጥሚኻን ኣሳቒኻን ናዕቢ ንምብግጋስ" ዝዓለመ ክብል ነጺግዎ።
"ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብሓፈሻ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ኸኣ ብፍሉይ፡ ዘላቒ ርግኣት ዝፈጥር መሰረታዊ ፍታሕ ንኸይወሓስ፡ ቀጻሊ/ዝተናውሐ ናይ ህውከት ሕሱም-ሸንኰለል ንምምሕዳር፡ ንኤርትራ ብጠቐነ ግዳይ/ገንሸል ንምግባር ዝዓለመ፣ ኣህጉራዊ ሕጊ ዝረግጽ፣ ልዑላዊነትን ናጽነትን ሓርነትን ህዝብታትን ሃገራትን ዝግህስ – በይናዊ እገዳ’ዩ” ኢሉ።
መንግስቲ ኣመሪካ እቲ ዘንበሮ እገዳ ነቶም ኣብ ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ ዝተዋስኡ ቀንዲ ኣካላት ዕላማ ዝገበረን ንህዝቢ ዝዓለመ ከምዘይኮነን ምግላጹ ዝፍለጥ ኮይኑ፤ ሚኒስትሪ ዜና ኣብ ዝሃቦ ምላሽ “ህዝቢ ኣሳቒኻን ኣጥሚኻን፡ ናዕቢ ንምብግጋስ ዘይሕጋውን ኢሞራላውን ‘እገዳ’ እናበየንካ፡ ‘እገዳና፡ ንህዝቢ ኤርትራ ንምህሳይ ኣይኰነን’ ዝብል ምምጽዳቕን ‘ንብዓት ሓርገጽን’፡ ንዝዀነ የዋህ ዝምስጥ ወይ ዘጋጊ ኪኸውን ኣይክእልን” ኢሉ።
ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ብወገኑ ቅድሚ ሒደት ሰዓታት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ መንግስቲ ኣመሪካ ኣገዳሲ ሓቅታት ከም ዝጎሰየ ብምግላጽ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ እገዳ ምንባሩ ኮኒኑ።
ህወሓት ናብ ልኡላዊት ሃገር ኤርትራ ሮኬታት ከምዝወንጨፈን ኤርትራ መሬታዊ ሓድነታ ንምውሓስ ምላሽ ናይ ምሃብ መሰል ከምለዋ፤ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ሰራዊት ኤርትራ መሬታዊ ሓድነቱ ንምክልኻል ናብ ኢትዮጵያ ምእታው ብዝምልከት ጥርዓን ንኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ከምዘየቕረበ፤ መንግስቲ ኢትዮጵያ በይነኣዊ ምቁራጽ ተኹሲ ድሕሪ ምእዋጁ ኤርትራ ሰራዊታ ከምዝሰሓበትን፤ ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ ዘላቒ ሰላም ከይህሉ ዕንቅፋት እያ ኢሉ ከም ዘይኣምንን ብምጥቃስ፡ ኣመሪካ ነዚ ሓቅታት ክትግንዘቦ ከምዘይከኣለት ከሲሱ።
እቲ መግለጺ ወሲኹ፡ እገዳታት ነቲ ኲናት መዕለቢ ንምምጻእ ዝዓለሙ እንተኾይኖም፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ እቲ እገዳ ክግበረሉ ዘለዎን መንግስቲ ኣመሪካ ኮነ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ተሪር ስጉምቲ ክወስደሉን ዝግባእ ህወሓት እዩ ኢሉ ከምዝኣምን ሓቢሩ።
ክፍሊ ገንዘብ ኣመሪካ ብዓርቢ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ሓላፊ ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ብ/ጀነራል ኣብርሃ ካሳ ነማርያምን ሓላፊ ቁጠባዊ ጉዳያት ህግደፍ ዝኾነ ኣቶ ሓጎስ ገብረሂወት ወልደኪዳንን እቲ እግዳ ከምዝግበረሎም ጠቒሱ።
ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፡ ገዛኢ ውድብ ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራስን ፍትሕን (ህግደፍ)፡ ከምኡ'ውን እቲ ብህግደፍ ዝውነኑ ዓቢ ንግዳዊ ኮርፖረሸን ቀይሕ ባሕሪን ማዕከን ሕድርን ኣብቲ እገዳ ኣትዮም ዘለዉ ትካላት እዮም።
"ኩሉ ኣብ ኣመሪካ ዝርከብ ንብረትን ረብሓታትን" ናይቶም ኣብቲ ዝወጸ እገዳ ዝተጠቕሱ ኣካላት "ተዓጽዩ" ከምዘሎ እቲ መግለጺ ኣፍሊጡ።ኣመሪካ፡ ኣቐዲማ'ውን ኣብ ልዕሊ ጠቕላሊ-ሓለቓ-ስታፍ ሰራዊት ኤርትራ ጀነራል ፊሊጶስ ወልድዮሃንስ ተመሳሳሊ እገዳ ኣንቢራ ምንባራ ይዝከር።
"ኣብቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዘሎ ቅልውላዉ" ኢድ ዘለዎም ትካላትን ውልቀሰባትን ብምዃኖም እቲ እገዳ ከምዝተገብረሎም'ውን ክፍሊ ገንዘብ ኣመሪካ ገሊጹ'ሎ።"ሓይልታት ኤርትራ፡ እቲ ግጭት ካብ ዝጅመር ኣትሒዞም ናብ ኢትዮጵያ ብምእታው ጃምላዊ ቅትለት፡ ዝምታን ጾታዊ ዓመጽን ፈጺሞም" ክብል እቲ ውሳነ ከሲሱ።
ሓይልታት ኤርትራ ኣብ ጎኒ ሰራዊት ኢትዮጵያ ብምስላፍ ኣብቲ ኲናት ምስታፎም ይፍለጥ። ኣብ ፈለማ ወርሒ ሰነ ሓይልታት ኤርትራ፡ ካብ መሬት ኢትዮጵያ ክወጹ ከምዝጀመሩ መንግስቲ ኢትዮጵያ ገሊጹ ነይሩ።
ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ መንግስቲ ኤርትራ ንፖሊሲ ኣመሪካ ኣብቲ ዞባ ክነቅፍ ጸኒሑ'ዩ።ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ'ውን፡ መንግስቲ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ሰበስልጣን ኢትዮጵያን መራሕቲ ህወሓትን ተመሳሳሊ እገዳታት ኣንቢሩ ነይሩ'ዩ።
ነቲ ዝቕጽልዎ ዘለዉ ኲናት ደው እንተዘየቢሎም ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓት እገዳ ከምእተንብር'ውን ኣመሪካ ኣጠንቂቓ'ላ።"ኩሎም ወገናት ናይቲ ግጭት ብዘይ ቅድመ-ኩነት ናብ መኣዲ ዘተ ክመጹ ኣለዎም።
ተጻብኦታት ንምቁራጽ ርኡይ ገስጋስ እንተዘይሃልዩ፡ ሕቡራት መንግስታት [ኣመሪካ] ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ተወሳኺ ስጉምትታት ክትወስድ ድልውቲ'ያ ዘላ" ይብል እቲ ብዓርቢ 12 ሕዳር ዝወጸ መግለጺ።ብ17 መስከረም ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን፡
ምስ ሰብኣዊ ቅልውላውን ምግሃስ ሰባዊ መሰላትን ግጭት ሰሜን ኢትዮጵያ ርክብ ኣለዎም ኣብ ልዕሊ ዝተባህፈሉ ወገናት እገዳ ክግበር ዘኽእል መምርሒ ፈሪሙ ምንባሩ ይዝከር።
እቲ ኣብ ፈለማ ወርሒ ሕዳር 2020 ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ኲናት፡ ካብ ወርሒ ሓምለ ጀሚሩ ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ከምዝለሓመን ይፍለጥ።ኣብቲ ኲናት ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ሞይቶም ክኾኑ ከምዝኽእሉ ይግለጽ።
ኩሎም ወገናት ግፍዕታትን ምግሃስ ሰባዊ መሰላት ፈጺሞም ተባሂሎም ይኽሰሱ።ተቓወምቲ ሓይልታት ትግራይ ንኣገደስቲ ከተማታት ደሴን ኮምቦልቻን ድሕሪ ምቁጽጻሮም ኣብቲ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝወስድ መስመር እትርከብ ከተማ ከሚሰ ምስ ሓይልታት ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ተራኺቦም ኣለዉ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ድሕሪ ምትሓዝ ደሴን ኮምቦልቻን፡ ህዝባዊ ክተት ብምእዋጅ ኣብታ ሃገር ን6 ኣዋርሕ ዝጸንሕ ህጹጽ እዋን ኣዊጁ'ሎ።እቲ ግጭት ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ሰፊሕ ምፍንቓል፡ ኩነታት ዓጸቦን ጥምየትን ዝርከቦ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላዉ ኣስዒቡ'ሎ።









![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







