ፕሮፈሰር ባይሩ ታፍላ፡ ንዑረት ኣሰኒፎም ኣህጕራዊ ተፈላጥነት ዝረኸቡ ኤርትራዊ ሊቅ

ፕሮፈሰር ባይሩ ታፍላ

ምንጪ ስእሊ, ፕሮፈሰር ባይሩ ታፍላ

ፕሮፈሰር ባይሩ ታፍላ ብዛዕባ ታሪኽ ኢትዮጵያን ኤርትራን ብዝምልከቱ ጕዳያት መጻሕፍትን ድርሰታትን ከምኡ'ውን ታሪኽ ህይወት ሰባትን ዝጸሓፉን ዝሰነዱን፡ ሕጂ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሃምቡርግ (ጀርመን) ከም መምህርን ተመራማሪ-ታሪኽን ንነዊሕ እዋን ዘገልገሉ፡ ኣህጕራዊ ስም ዘለዎም ዓቢ መምህር'ዮም።

ፕሮፌሰር ባይሩ፡ ብዉሑዱ፡ ትሽዓተ መጻሕፍቲ፡ ማዕረ ሚእቲ ድርሰታትን ታሪኽ ህይወት ሰባትን፡ ከምኡ'ውን ኣብ ዝተፈላለዩ ኢንሳይክሎፒድያታት ዓለም ብርክት ዝበሉ ጽሑፋት ብምብርካት ኣብ መኣዲ ኣህጕራውያን ተመራመርቲ ብኽብሪ ይዝከሩ።

እዞም ብ15 ታሕሳስ 1938 እድርባ ኣብ እትበሃል ጥቓ ከረን ኣብ እትርከብ ዝተወልዱ ኤርትራዊ መምህር፡ ኣብ ቁልዕነቶም ጓስዮም፡ ኣብ ህይወት ሓያል መሰናኽል ሰጊሮም፡ ኣብ ዝለዓለ ጽፍሒ ምርምር ታሪኽ ዝበጽሑ ምሁር ተመኩሮኦም ንቢቢሲ ኣካፊሎም ኣለው።

መምህር ባይሩን ናይ ዓይኖም ጸገምን...

መምህር ባይሩ ኣብ ኤርትራ እዮም ተወሊዶም። ኤርትራ፡ ዝበዝሑ ናይ ቀረባ ቤተሰቦም ዝሰፍርሉ ሃገር ስለ ዝዀነ መንነቶም ኣብ ደሞም ተሰሪቱ እዩ። ዋላ እውን ወዲ 12 ዓመት ምስ ኮኑ ካብ ኤርትራ እንተወጽኡ ርክቦም ስለ ዘየቋረጹ፡ ሓሓሊፎም እውን ንኤርትራ ይበጽሑ ስለዝነበሩ ምስታ ሃገር ጽኑዕ ርክብ ኣለዎም።

ወለዶም ትሑታት ግን ከኣ ኣብ ቅንዕና ዝምርኮሱ ህርኵታት ምንባሮም ይገልጹ።

ወላዲኦም፡ ብፈረንሳውያን ዝሰልጠነ፡ ብ1889 ክህነት ዝለበሰ፡ ሓው ነይሩዎም። ኣቦኦምን ኣኮኦምን ከኣ ናይ ቀረባ ዝምድናን ፍቕርን ስለዝነበሮም ኣቦኦም ካብ ኣኮኦም ብዙሕ ከምእተማህሩን ኣዲኦም እውን ምዕቡል ኣቦ ከምዝነበሩወን የዘንትው።

"ኣባሓጎይ ካብ ሓድሽ-ዓዲ (ዓንሰባ)'ዩ፣ ኣብ ባጽዕ ዝነበረሉ እዋን ብዙሕ ዝረኣየን ዝተማህረን ሰብ ነበረ። ድሓር ኣብ ዓዲ ተመሊሱ ኣካብ-ቀረጽ ኵይኑ ይሰርሕ ነይሩ። ብትርፊ ጊዜኡ ድማ ሰባት ይዳኒ ነበረ። ንዅሎም ደቁ ኸኣ ኣምሂሩዎም - ፊደል ቈጺሮም'ዮም። ኣደይ ግን ኣይተማህረትን። ፊደል ኣይትቝጸር'ምበር፡ ኣዝያ መስተውዓሊት ነበረት" እናበሉ ብኣኽብሮት ይዝክርወን።

ብቖልዓኦም ንዘረባ ስድረኦም ተጠንቂቐ ይሰምዑን ንዝተኣዘዙዎ ነገር ኣጽፊፎም ይገብሩዎን ከም ዝነበሩ ይዝክሩ። ክሳብ ሕጂ ከኣ ንዝሓዙዎ ስራሕ ተጠንቂቖም ብጽፈት እዮም ዝሰርሑዎ።

"እዚ ኸኣ ህያብ ወለደይ'ዩ" ክብሉ ከኣ ይገልጹዎ። ዝተረፈ ሰፊሕ ዛንተኦም ኣብታ ብዛዕባ ታሪኽ ህይወቶም ዝጽሕፉዋ ዘለው መጽሓፍ ኣስፊሖምን ኣጽፊፎምን ከስፍርዎ ምዃኖም ሓቢሮም።

ክሳብ ሕጂ ንኣስታት 70 ዓመታት ካብ ኤርትራ ወጺኦም ኣብ ኢትዮጵያ፡ ኣሜሪካ፡ ዳሕራይ ከኣ ዝነውሐ ክፋል ህይወቶም ኣብ ጀርመን እውን እንተተቐመጡ መንነቶም ኣይሃሰሰን።

ስድራ ቤቶም ሓረስቶት'ዮም ነይሮም። ምስ ሸውዓተ አሕዋቶም ከኣ ዓብዮም። ዋላ እውን ግዜ እንተነውሐ ዝጓስዩሉን ስድረኦም ዝሓርስሉን ዝነበሩ ጎላጉልን ኣኽራናትን ዓዶም ክሳብ ሕጂ ኣብ ሓንጎሎም ተወቂጦም ኣለው።

"ኣባሓጎይ ብዙሓት ኣሓ ነበርኦ። ኣነ ዝተወለድኩሉ እዋን ግን ስድራይ 20-30 ዝኾና ኣሓ ከም ዝነበሮም ይዝከረኒ። ስለዚ ድሓን ናብራ ነይሩና ክብል እኽእል። ኣብ ልዕሊ'ተን ኣሓ ኣጣል ነይረናና፣ ኣነ ኸኣ ካብ ወዲ ኣርባዕተ ዓመት ጀሚረ ኣጣል እሕሉ ነበርኩ" ክብሉ እዋን ቁልዕነቶም ይዝክሩ።

እዞም ምስ ምሉእ ብርሃን ዓይኖም ዝተወልዱ መምህር ወዲ ሸውዓተ ዓመት ኣቢሎም ምስ ኮነ አዒንቶም ክደክም ጀመረ። ምስ መሳትኦም ክጓስዩ እንከለው ኣብ ዝባን ዓዶም ኮይኖም ኣርሒቖም ብምምዕዳው ንጐደቦ ዓድታት ብዘይ ጸገም ክርእዩወን ይዝከሮም።

"ንኣብነት ነታ ካብ ዓድና ሒደት ኪሎሜትራት ዝርሕቀታ ሮብቶ እትበሃል ኣብ ጥቓ ዒላበርዒድ እትርከብ ቍሸት ኣብ ጎቦ ደይበ ክርእያ እኽእል ነይረ፣ ምናዳ እታ ብጻዕዳ ቀለም ዝተለኽየት ቤተ-ክርስትያኖም ኣብ ኩርባ ስለ ዝነበረት ኣማዕድየ ክርእያ ይዝከረኒ" ይብሉ።

ዳሕራይ ግን ዓይነይ ብሓበላ ክኽለል ስለዝጀመረ ክብሉ ክብሉ ሮብቶ ኾነት እተን ካልኦት ዓድታት ክስወራኦም ምስ ጀመራ ሽግሮም ንስድረኦም ኣካፊሎሞም።

"ኣብ ኣስመራ ትሰርሕ ዝነበረት ሓትነይ ብዛዕባ ሽግረይ ምስ ሰምዐት ንስድራይ ቀልጢፍኩም ሒዝኩምዎ ናባይ ምጹ በለቶም። ሽዑ ኣደይ ንኣስመራ ሒዛትኒ ከደት። ኣብኡ ኣብ ሆስፒታል ኣትየ በቲ ሽዑ ኣዝዩ ፍሉጥ ዝነበረ ሓኪም ዓይኒ፡ ፕሮፈሶር ጉወራ፡ ተመርመርኩ" ይብሉ ነቲ ፈላሚ ናይ ክሊኒካዊ ናይ ዓይኒ ሕክምና ብምዝካር።

እቲ ሓኪም ነታ ሓንቲ ዓይኖም ጠቢሑ ክፍውሶም ፈቲኑ ግን ኣይኰነሉን። ንእሽተይ ስለ ዝዀነ፡ ድሕሪ መጥባሕቲ ኸኣ ሃዲኡ ስለ ዘይድቅስ ቍሩብተይ ይዕበ'ሞ ሽዑ ኣምጽእዎ' ኢሉ ከኣ ኣፋነዎም። እንተኾነ ድሕሪ ክልተ ዓመት ንካልኣይ ጊዜ መጥባሕቲ ክግበረሎም ንኣስመራ ምስ ተመልሱ እውን ኣይሰለጦምን። ኵነታተይ እናኸፍአ ስለዝኸደ ከኣ ኣብ ፍጹም ዑረት በጽሑ።

ዓይኖም ምስ ዓወሩ ዓቢ ሓዎም፡ ግእዝ ተማሂሮም ንካልኦት ምእንቲ ክምህሩ ኣብ ገዳም ከእትውዎም ደለዩ፤ ሓትንኦም ግን ብርትዕ ኢለን ስለ ዝነበራ ኣብ ኣስመራ ሓደ ኢደ-ጥበብ ንክምሃሩ ሓሳብ ኣቕረባ'ሞ ሓሳበን ሰዓረ።

ፕሮፈሰር ባይሩ ኣብ ዓውደ ትምህርቲ

"ኵነታተይ ምስ ሰለስቲኡ ዓበይቲ ሃይማኖታት ክርስትና ተኣሳሲረ ክነብርን ክምዕብልን ኣኽኢሉኒ ክብል እኽእል። ኣብ ዝኸድክዎ ኵሎም ይሕግዙኒ ነይሮም። ብንእሽተይ ጓሳ'ድኣ'የ ነይረ'ምበር ፊደል ኣይቈጸርኩን ...እቲ ሓልዮትን ክንክንን ኩሉ ጊዜ'የ ዝዝክሮ" ይብሉ።

ኣብ ንኡስ ዕድሜኦም፡ ኣብ ገዛ-ከኒሻ፡ ኣብ ቤት ማሕተም-ሚስዮን መጽሓፍ ምጥራዝ ተማሂሮም ኣብኡ ንክልተ ዓመት ኣገልገሉ። ኣብቲ ቤት ማሕተም መጻሕፍቲ እናጠረዙ ኣቶ ገብረሚካኤል ቴድሮስ ዝበሃሉ ሓላፊ፡ ካብ ኩሉ'ቲ ዝጠረዙዎን ዘይጠረዙዎን መጻሕፍቲ፡ ሓሓንቲ ይህቡዎም ነበሩ።

ከምኡ እናበሉ ከኣ ብዙሕ መጻሕፍቲ ኣከቡ። ነቶም ከንብቡ ዝኽእሉ ሰባት ኣንብቡለይ እናበሉ ከኣ ፍልጠት ክድልቡ ጸዓሩ። እቲ ዘንብቡሎም ዝነበሩ ጽሑፍ ኩሉ ይርድኦም ስለ ዝነበረ እናፈተውዎ ከዱ። ሽዑ ክምሃሩ ከምዝኽእሉ ተረደኦም እሞ ብኡ ኣቢሉ ፍቕሪ ትምህርቲ ሓደሮም።

ሓንቲ እንግሊዛዊት ኵነታቶም ምስ ረኣያ እዚ ስራሕ ንሓዋሩ ኣይክጠቕሞን'ዩ'ሞ ክምሃር ኣለዎ ኢለን ንኣዲስ ኣበባ ንክኸዱ ሓገዝኦም። ኣብቲ እዋን'ቲ ኣብ እንጦጦ (ኣዲስ ኣበባ) ብሚስዮን ሽወደን ዝካየድ ናይ ዓይነ ስዉራን ቤት ትምህርቲ ስለዝነበረ ንክመሃሩ ናብኡ ገዓዙ።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ 'ብረይል' (ናይ ዓይነ ስዉራን ፊደል) ተማሂሮም ክምዕብሉ ጀመሩ። ቀስ ኢሎም ከኣ ናይ ብረይል ማሺን ኰነ ቴፕ-ሪኮርደር ስለ ዝረኸቡ ኣብ ትምህርቲ ደፍኡ። ምስኡ ኸኣ ታይፕ ምግባር ስለ ዝተመሃሩ ዕዮ ትምህርቶም ክጽሕፉ ሓገዞም።

ናይ ሻምናይ ክፍሊ ፈተና ምስ ሓለፉ ኣብ ካልኣይ ደረጃ (ቤት ትምህርቲ ሚኒሊክ) ተመዝገቡ። ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሓንቲ ክፍሊ ተኻርዮም ባዕሎም ነብሶም እናኣለዩ ከኣ ትምህርቶም ቀጸሉ።

ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቶም ምስ ኣጠናቀቑ ኣብ ሃይለ-ስላሴ ዩኒቨርሲቲ ዘእቱ ፈተና ተፈቲኖም ሓለፉ። ካብ 1961-65 ኣብ ዩኒቨርሲቲ ብባችለር መዓርግ-ብትምህርቲ ታሪኽን/ትምህርታዊ ክልሰ ሓሳብን ተመረቑ።

ኣብቲ ዩኒቨርሲቲ (ክፍሊ መጽናዕቲ-ኢትዮጵያ) ንሒደት ዓመታት ከኣ ሰርሑ። ብድሕሪኡ፡ ኣብ መፋርቕ ስሳታት ምዃኑ'ዩ፡ ንሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ተጓዒዞም ካብ ሃወርድ ዩኒቨርሲቲ (ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ ዝርከብ ፍሉጥ ዩኒቨርሲቲ) ብ1968 ናይ ማስተርስ መዓርግ ሒዞም ንኣዲስ ኣበባ ተመሊሶም ኣብቲ ዩኒቨርሰቲ ከም መምህር ተቘጽሩ።

መጽሓፍ ባይሩ ታፍላ

ምንጪ ስእሊ, ፕሮፈሰር ባይሩ ታፍላ

ጕዕዞ ንጀርመን

እዞም ነቲ ትዕድልትና ተቐቢልናን ተጠቒምናን ክንሰርሕ ኣለና ኢሎም ተጊሆም ዝሰርሑ መምህር፡ ቋንቋታት ትግርኛን ኣምሓርኛን እንግሊዘኛን ጀርመንን ብግቡእ ተጠቒሞም'ዮም ዝሰርሑ፡ ከምኡ'ውን ብቑዕ ኣፍልጦ ግዕዝ ጣልያንን ፈረንሳይን ዘሎዎም ተመራማሪ መሰረት ህይወቶም ትምህርቲ ምዃኑ ይዛረቡ።

ብ1975 ካብ ጀርመን ማህደረ-ትምህርቲ ረኺቦም (ትካል ኣለክሳንደር ቮን ሁምቦልት) ንሃምቡርግ ተጓዕዙ። እቲ ንፈለማ ጊዜ ዝተመራመርሉ ኣርእስቲ ድማ ብዛዕባ ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ሃገራት ኤውሮጳን ዝነበረ ርክባት ከመይ ይመስል ከም ዝነበረ ንምድህሳስ ነበረ።

መምህር ባይሩ ግን ናይ ትምህርቲ ዝነበሮም ጽምኢ ንከርውዩ ኣብ ሃምቡርግ ዩኒቨርሲቲ ናይ ባዕሎም ምርምር ብምክያድ ወሰኽሉ። ብ1979 ከኣ ብ1871-1936 ዝነበረ ዝምድናታት ኢትዮጵያን ጀርመንን ንማዓርግ ዶክተርነት ዝበቅዕ ምርምር ኣቕረቡ። ካብ ሽዑ ጀሚሮም ድማ ብዓል ደረባ ናይቲ ዩኒቨርሲቲ (ክፍሊ ምብራቓዊ መጽናዕቲ) ኰይኖም ስርሖም ጀመሩ፣ ክሳብ ጡረታ ዝኣተዉሉ ጊዜ ኸኣ ተጊሆም ሰርሑ።

ብ1989 ፖስትግራጁዌት (postgraduate) መጽናዕቲ ስለ ዘማልኡ ፍሉይ ናይ 'ፕሪቫትዶዘንት' (privatdozent) መዓርግ ተቐበሉ - ኣብ ምርምርን ምምህርናን ብሉጽ ዓወት ንዝተጐናጸፈ ምሁር ዝወሃብ መዓርግ ምዃኑ'ዩ (ምሉእ መጽሓፍ ጽሒፎም ስለ ዘቕረቡ)። ድሕሪ ክልተ ዓመት ድማ ናይ ፕሮፈሶር መዓርግ ተዋህቦም።

ዓበይቲ ስርሓት ድሕሪ ጥሮታ

መምህር ብ2003'ዮም ጥሮታ ወጺኦም። ይዅን'ምበር፡ ድሕሪ ጡረትኦም ኮፍ ኣይበሉን፣ ካብ ምጽሓፍ-ዓለም ከቶ ኣይወጹን።

ኣብዚ እዋን ሓደ 'ኣህጕራዊ መጽሔት ኢትዮጵያን ኤርትራ' (International Journal of Ethiopian and Eritrean Studies) ኣብ ምድላው ይርከቡ። እቲ ዝበዝሐ ጊዜኦም ግን ኣብ ገዝኦም ኰይኖም ብዛዕባ ታሪኽ ክመራመሩ'ዮም ዘሕልፍዎ።

ሕጂ ኣብ 83 ዕድሚኦም በጺሖም ክነሶም፡ ደኺመ ከይበሉ ክልተ መጻሕፍቲ ናይ ምጽሓፍ መደቦም ኣበጊሶም ይርከቡ። እቲ ቀዳማይ፡ ዳርጋ ኣብ ምዝዛም ዝበጽሐ ታሪኽ ኤርትራ'ዩ - ካብ ምውዳቕ ምድረ-ነገስት ኣኽሱም ጀሚሩ ክሳብ ጣልያን ዝኣተወሉ ዘመን። እቲ ካልኣይ ድማ ብዛዕባ ጕዕዞ ህይወቶም ንክጽሕፉ ምድላዋት የካይዱ ኣለው።

ነቲ ድሮ ኣብ ምዝዛም በጺሑ ዘሎ መጽሓፎም (ብዛዕባ ታሪኽ ኤርትራ) እኹል መወከሲ ሓበሬታ ረኺቦሙሉ እንተኾይኖም ምስተሓተቱ፦

"እቲ ስራሕ ከቢድ'ዩ ነይሩ፣ ሓበሬታታት ክእክብን ኣብ ጽሑፍ ከስፍሮን ብሓቂ ነዊሕ ጊዜ ወሲዱለይ። ቅድሚ ጣልያን ምእታዉ ዝነበሩ ሰነዳት ብቋንቋ ጣልያን ዘይኰኑስ ብቋንቋታት ቱርኪ፡ ዓረብ፡ ፖርቹጊዝ ስለ ዝነበሩ ንምእክቦምን ንከተርጕሞምን ነዊሕ ጊዜ ወሲዱለይ፣ ሕጂ ማዕረ ን450 ገጻት ዝኣክል ሓበሬታ ስለ ዝኣከብኩ ንምሕታሙ ጊዜኡ በጺሑ ኣሎ ኢለ እኣምን" ክብሉ ሓቢሮም።

መጽሓፍ ባይሩ ታፍላ

ምንጪ ስእሊ, Bairu Tafla

ተወሳኺ ሓበሬታ

ፕሮፈሰር ባይሩ ብ1980 ምስ ሂልደጋርድ አቫ ሽሚት ዝበሃላ ጀርመናዊት ሓዳር ገይሮም ወድን ጓልን ኣለዎም።

ሓደ ካብ'ቶም ድሕሪ ጥሮታ ዝጸሓፉዎ መጽሓፍ "ሽግርን ጕዕዞን ሓደ ኤርትራዊ መኰነን - ተዘክሮታት ከንቲባ ጊላሚኪኤል" ዝበሃል መጽሓፍ ብ2007 ኣሕተምዎ።

ገለገለ ካብ'ቶም ዝና ዘትረፉ መጻሕፍቶም ንምግላጽ፡

  • ብዛዕባ ርክባት ኢትዮጵያን ጀርመንን (ባህላውን ፖለቲካውን ቍጠባውን ርክባት) - 1981፣
  • ኢትዮጵያን ኣውስትርያን - ታሪኽ ርክባቶም (1994) ክጥቀስ ይከኣል
  • ብዛዕባ ዓጽመ ጊዮርጊስን ስርሖምን - ታሪኽ ጋላን ንግስነት ሽዋን (1987)
  • ዜና መዋእል ሃጸይ ዮውሃንስ 4ይ (1872-1889)፣
  • መዛግብ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ዘበን ንጉስ ሚነሊክ (1884-1900) ... ዘቕረቡዎም ጽሑፋት ኣድናቖት ኣትሪፉሎምዩ።

ኣብ መደምደምታ ...

ንድሕሪት ተመሊሶም ዘሕለፉዎ ህይወት ክገልጹዎ እንከለው ከኣ፦

"ኣነ ብሓቂ ዕድለኛ'የ፣ ኣብ ኩሉ ጥዑይን ንጽቡቐይ ዝምነን ሰብ እናረኸብኩ እቲ ዕድል'ቲ ሰለይ ኣቢሉኒ'ዩ። ኣነ ዝገበርክሎም ዘይብለይ ኩሎም 'እንታይ ኢኻ ትደሊ? ብከመይ ክንሕግዘካ?" እናበሉ ከሳልዩኒ ብሓቂ ዓቢ ጸጋ'ዩ። ኣብ ኤርትራ፡ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ኣሜሪካ ይኹን ኣብዚ ዘለኹዎ ዓዲ ይኹን (ዓዲ ጀርመን) ኩሉ ጊዜ ዝሕግዘኒ ሰብ ምስ ረኸብኩ'የ ... ሽግረይ ከኣ በቲ ለውሃቶምን ሓገዛቶምን ከም እተቓለለ ኣጸቢቐ እፈልጦ'የ" ኢሎም ብምምስጋን ካብ ወለዶም ዝወረሱዎ ስነ ስርዓትን ኣበርቲዕኻ ምስራሕን ንኹሉ ምኽባርን ዝብል መርሓ ከምዝኽተሉ ሓቢሮም።