ኣቡነ ኪዳነማርያም ካሳ፡ በዓል ሔቦ ተመራማሪ ካህን

ኣቡነ ኪዳነማርያም ካሳ
መግለጺ ስእሊ, ኣቡነ ኪዳነማርያም ካሳ

ኣብ ታሪኽ ማሕበረሰብ ካቶሊክ ኤርትራ ካብቶም ብተደጋጋሚ ስሞም ዝርቋሕ ጓሳ ምእመናን ካህን ኣቡነ ኪዳነማርያም ካሳ እዮም።

ኣባ / ዶክ. ቴድሮስ ኣብርሃ ዝተባህሉ ተመራማሪ ታሪኽ ቤተክርስትያን ካቶሊክ ዞባና፡ ብዛዕባ ኣቡነ ኪዳነማርያም ካሳ ኣብ ኢንሳይክሎፒድያ አትዮፒካ ሓደ ግሩም ዓንቀጽ ጽሒፎም ኣለዉ።

ኣባ ቴድሮስ ኣብርሃ (መምህርን/ካህንን) ኣብ ቤተ ክርስቲያናዊ ስነ ፍልጠት ዞባና ልዑል ፍልጠት ዘሎዎም ክኢላ፡ ሓያሎ ጽሑፋትን መጻሕፍትን ዘሕተሙን ኣብ ጳጳሳዊ ዩኒቨርሲቲታት ሮማ ዝምህሩን ዝነጥፉን ተመራማሪ'ዮም።

ኣብ መፋርቕ 1800ታት ከም ላዛሪስትን ካፑቺንን እየሱሳውያንን (Jesuits) ዝኣመሰሉ ማሕበራት ኣብ ዞባና ሚስዮናዊ ንጥፈታት የካይዱ ነይሮም፤እንተዀነ ሚስዮናውያን ካቶሊክ መስጐጕቲ የጓንፎም ነይሩ።

ንኣብነት ደጃች ውቤ ሃይለማርያም (1799 – 1867) ኣብ ትሕቲ ቍጽጽሮም ኣብ ዝነበሩ ከባቢታት ኣብ ልዕሊ ሚስዮናውያን ካቶሊክ ግፍዕታት ይፍጽሙ ከምዝነበሩ ኣብ ሰነዳት ታሪኽ ሰፊሩ ይርከብ።

እቶም ሚስዮናውያን ግን ነቶም ብድሆታት ብምስዓር፡ ኣብያተ ትምህርቲ፡ ሚስዮናት፡ ክሊኒካት፡ መዕቈብ ዘኽታማት መስሪቶም'ዮም፤ ኣብ ጐድኒ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ ኰይኖም ይሰርሑ ነበሩ።

ካብ ሽዑ ጀሚሩ ንጥፈታት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ብቐጻሊ ኣብ ጸግዒ ሕብረተሰብ ኤርትራ ኰይኑ ኣብ ብርክት ዝበሉ መዳያት ተዋሲኡ'ዩ።

ብገንዘብ ክትመን ዘይከኣል ኣበርክቶ ብምግባር - መንፈሳውን ንዋታውን ሓገዛት ኣበርኪቱ፤ ንደቀ'ባት መልሚሉ ኣብ ሓላፍነት ዝመልኦ ስርሓት ልምዓትን ምሕደራን ኣዋሲኡ'ዩ።

ጁስቲኖ ደ-ጃኮቢስ፡ ሓደ ካብ'ቶም ቀንዲ ኣበገስቲ ስርሓት ሚስዮን፡ ነቲ ፈለማ ዝተተኽለ ማሕበረሰብ ካቶሊክ ኣብ ኤርትራ ኣብ ምድሪ ኣከለጉዛይ'ዮም ጀሚሮምዎ።

ንሶም ስርዓት ኣሌክሳንድርያ ዝኽተል - ናይ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ምዃኑ'ዩ - ምስ ስርዓተ ካቶሊካዊ ቅዳሴ ኣወሃሂዶም ክጥቀሙሉ ዝኸኣሉን ዓቢ ጽልዋ ዝነበሮምን ሚስዮናዊ ምንባሮም ይንገረሎም'ዩ።

ዘመናዊት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን፡ ምስ ሮማ ዘራኽቦ ናይ ምብራቓውን ግእዛውን ስርዓት ቤተ ክርስቲያን ከተኣታትዉ ብምኽኣሎም ጥራይ ዘይኰንስ፡ ደቀ'ባት ኣቕሽሽቲ መልሚሎም ብምቕራብ፡ ጽሑፋት ትምህርቲ ሃይማኖት ናብ ትግርኛ ብምትርጓም ...ወዘተ. ስሞም ክሳብ ሕጂ ብጽቡቕ'ዩ ዝዝከር።

ብኣባ ቴድሮስ ኣብርሃ ንዝቐረበ ጽሑፍ ምስ እንምልከት ኣቡነ ኪዳነማርያም ካሳ ብ21 ሚያዝያ 1886 ኣብ ሔቦ ካብ ኣቦኦም ካሳ ታመኑን ኣደኦምን ሓጐሳ ከም ዝተወልዱን ኣብ 65 ዕድመኦም ድማ ኣብ ኣስመራ ከም ዝዓረፉን ብምርቋሕ'ዩ ዝጅምር።

ኣባሓጐኦም ድማ ሓደ ካብቶም ሽዓ ኢሎም ብሚስዮናዊ ደ-ጃኮቢስ ዝተጠመቑ ኣቦ ምንባሮም ይጠቅስ። ሬሳ ደ-ጃኮቢስ ኣብ ሔቦ ከም ዝተቐብረ ሰነዳት ቤተክርስትያን ይሕብሩ፣ መቓብሮም ድማ ከም ቅዱስ ናይ ንግደት ቦታ ኰይኑ ይቕጽል ኣሎ።

ኣቡነ ኪዳነማርያም ካሳ
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ታሪኽ ኣቡነ ኪዳነማርያም ብግቡእ ንኽርድኣና እቲ ንሶም ዝተወልድሉን ዝዓበይሉን ዘመንን ዝነበሩ ኵነታትን ምግላጽ የድሊ።

ኣቡነ ኪዳነማርያም ኣብ ዝተወልድሉ ዘመን፡ ጣልያን ንባጽዕ ኣብ ትሕቲ ግዝኣቶም ኣእትዮም ግብጻውያን ከኣ ካብ ኤርትራ ተደፊኦም ዝወጽሉ ዘመን ነበረ።

በቲ ካልእ ሸነኹ ድማ ራእሲ ኣሉላ (ገዛኢ መረብ ምላሽ ዝነበሩ) ንጣልያን ይከራኸሩዎም ነበሩ፣ ኣብ ዶግዓሊ ከም ዝሰዓርዎም ድማ ይዝንቶ - (1888)።

ይዅን'ምበር ጣልያን ገስጋሶም ደው ኣየበሉን፣፡ ንኣስመራ ገጾም ከኣ ደየቡ። ሽዑ ገስጋሶም ኣሳልጦ ምእንቲ ክረክብ ድማ ሓደ ክሳብ መታሕት ዝበጽሕ ወተሃደራዊ መስመር ባቡር ቀልጢፎም ክሰርሑ ከኣሉ።

ብኻልእ ሸነኹ እቲ መስመር ክሳብ ኣስመራ ንኽበጽሕ መደብ ወጺኡ ክስርሓሉ'ውን ጀመረ። መቸም ታሪኽ መስመር ባቡራት-ኤርትራ ነብሱ ዝኸኣለ ታሪኽ ስለ ዝዀነ ኣብዚ ኣቋሪጽና ናብ ካልእ ንስገር።

ጣልያን ብመደቦም መሰረት ኣብ ከበሳ ኤርትራ ደይቦም ንኣስመራ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽሮም ምስ ኣእተዉዋ (1889) ከይጸንሑ ከኣ (ብ1890 ምዃኑ'ዩ) ኤርትራ ብምልእታ ግዝኣቶም ከም ዝዀነት ብወግዒ ኣወጁ።

ኣብ ዓመቱ ኸኣ ኣቦኦም ንኣቡነ ኪዳነማርያም ዓረፉ። ሽዑ ኣቡነ ኪዳነማርያም ወዲ ሓሙሽተ ዓመት'ዮም ነይሮም፤ ድሕሪ ሞት ወላዲኦም ከኣ ኣደኦም ፈላሲት ኰና።

ጣልያን ንኤርትራ ብምጕዝዛይን፡ እቲ ልሙዕ መሬት ከበሳ ብምርሳይን ኣብ ጸይቂ ስራሕ ምስ ኣተወ፡ በቲ ካልእ ሸነኽ ድማ ደግያት ባህታ ሓጎስ ኣንጻር ጣልያን ተቓውሞኦም ዘሐየልሉ ዘመን ነበረ።

ኣይጸንሐን ግን፡ ውግእ ዓድዋ ኣርከበ፣ ጣልያን ምስ ዓሳክሮም (ኤርትራውያን ዓሰክር ምዃኑ'ዩ) ኸኣ ተሳዕሩ። እቲ ስዕረት'ቲ ድማ ንኤርትራውያን ዓሰክር ብዙሕ ጸገም ፈጠረ።

ጣልያን ኣብ ዓድዋ ይሰዓሩ'ምበር ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ጣልያንን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብዝተገብረ ውዕል ኤርትራ ብጥቅምቲ 1896 ብወግዒ ኣብ ኢድ ጣልያን ንኽትኣቱ ዳግማዊ ሚኒሊክ ፈቐዱሎም።

ኣይጸንሑን፡ ኢጣልያዊ ፈርዲናንዶ ማርቲኒ ከም ገዛኢ ኤርትራ ዝተሸሙሉ ዘመን ኣስመራ ወግዓዊት ርእሰ-ከተማ ግዝኣቶም ገበርዋ።

ኣቡነ ኪዳነማርያም ግን ዕድል ገይሮም ልክዕ በቲ ዘመን'ቲ ኣብ ከረን ዝርከብ ዘርኣ-ክህነት ኣተዉ። ኣብ ከረን እናተማህሩ ድማ ጣልያን ብሸነኾም ንኤርትራ ከም ናቶም-ሓላሎም ንምምዕባል ብዕቱብ ኣብ ስራሕ ተጸምዱ። ብመደቦም መሰረት ኸኣ ንርእሶም ክብሉ ኣማዕበሉዋ።

ሽዑ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ኤርትራውያን ዓሰክር ጣልያን ንክዀኑ ዝኽተብሉን ዝምልመልሉን ዘመን ኣተወ። እወ፡ ዕስክርና ኣብ ህይወት ኤርትራውያን ዓቢ ተራ ስለ ዝነበሮ ብግቡእ ክጥቀስ ዝግብኦ ዛዕባ'ዩ።

ዓሰክር ጣልያን ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዝተመልመሉ ወተሃደራት ኰይኖም ካብ 1880'ታት ክሳብ ካልኣይ ውግእ ዓለም ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሕመረት መግዛእታዊ ወተሃደራዊ ሓይሊ ጣልያን ከም ዝነበሩ ክጥቀስ ዝግብኦ ሓቂ'ዩ። ልዑል ስልጠና ዝወሰዱን መብዛሕትኡ ግዜ ከም ተዋጋእቲ ኣድናቖት ዘትረፉን፡ ኣብ ዓበይቲ ዞባዊ ግጭታት ከኣ ወሳኒ ተራ ከም ዝተጻወቱን 'ዮም ዝዝከሩ።

ብተወሳኺ ኤርትራውያን ዓሳክር ርኡይ ሕብረተሰባዊ ለውጢ ኣምጺኦም'ዮም ክንብል ንኽእል። ንኣብነት፡ ብቐሊሉ ዘይግመት ሓድሽ ማሕበራዊ ደርቢ ፈጢሮም'ዮም፣ እቲ ካብ ደርቢ ሓረስታይ ወጺኡ ናብ ደርቢ ሰራሕተኛ ዝተሰጋገረ ሕብረተሰብ ድማ ብገንዘብ ዝምወል ቍጠባ ኣተኣታትዩ'ዩ፣ ክእለት ብምጥራይ ዘመናዊ ትካላት ፈጢሩ፣ ኣብ ኤርትራ ብኣታቶም ኣቢሉ ምትሕውዋስ ባህልታት ተራእዩ፣ ኣብ ስድራቤታት ኤርትራ 'ውን እንተዀነ ለውጥታት ተኣታትዩ ክበሃል ይከኣል።

እቶም ዓሰክር ኣብ ሶማል፡ ኢትዮጵያ፡ ሊብያ ከም ዝተዋፈሩ ምዝካር የድሊ። ምስኡ ድማ ሓድጎም ምስቲ ሕማቕ ታሪኽ መግዛእትን ሳዕቤናቱን ዝተኣሳሰር ምዃኑ ዘይምርሳዕ።

ሽዑ ጣልያን ኣተኵሮም ኣብ መታሕት ብምቕያር ንመሬት ደቂ መታሕት ሃገርዎ፣ ተጠቕምሉ ኸኣ። ዝርጋሐ መንገዲ ባቡራት ኣብ መፈጸምታ ብምብጽሑ ድማ ጣልያን ኣብ ኵሉ ንየው-ነጀው ክብሉ ጀመሩ።

ብልጫታት ስርዓተ መርበብ ሓዲድ-ባቡር ኣብ ኤርትራ ቍጠባውን ንግዳውን ብልጫታት፣ ምምሕዳራዊ ጥቕምታት፣ ወተሃደራውን ስትራተጂያውን ብልጫታት፣ ከምኡ'ውን ማሕበራውን ትሕተ-ቅርጻውን ብልጫታት ከተኣታቱ ብምኽኣሉ ክጥቀስ ዝግብኦ ጉዳይ'ዩ።

እምበኣርከስ፡ ኣቡነ ኪዳነማርያም ዝዓበይሉ ሕብረተሰብ ነዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ይመስል ምንባሩ ምርዳእ የድሊ።

ፈርዲናንዶ ማርቲኒ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ፈርዲናንዶ ማርቲኒ

ኣቡነ ኪዳነማርያን ኣብ ዓሰርተ-ኣርባዕተ ዕድመኦም ኣብ ከረን ዝርከብ ዘርኣ-ክህነት ኣተዉ። ብእምነት ካቶሊክ ብዝምልከት ናይ ሰሚናርዮ ትምህርቶም ምስ ኣጠናቀቑ ኣብ እየሩሳለም ዝርከብ ፓትርያርካዊ መንበረ ጵጵስና ላቲን ተወሳኺ ቴዎሎጂያዊ ትምህርቲ ንኽምሃሩ ተላእኩ።

ብ1914 ኣቡነ ኪዳነማርያም ትምህርቶም ወዲኦም ንኣስመራ ተመለሱ። ሽዑ ኣብ ዓመቶም ኣብ ሰገነይቲ በቶም ናይ መጀመርታ ሃዋርያዊ ቆመስ ኤርትራ ዝነበሩ ካሚሎ ካረራ ተቐቢኦም መዓርግ ቅስና ለበሱ።

ካሚሎ ካረራ ንካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኤርትራ ኣገደስቲ መሰረታት ዘንቢሩላ ዓቢ ካህን ማሕበር ካፑቺን ነበሩ።

ኣቡነ ኪዳነማርያም ንዓሰርተ ዓመት ዝኣክል ንቅሽነት ዝተሓጽዩ መንእሰያት ይምህሩን የሰልጥኑን ነበሩ። ኣብ ከባቢኦም ድማ ኣብ ስርሓት ጕስነት-ምእመናን ይሳተፉ ነበሩ።

ብተወሳኺ ምስ ፍራንቸስኮ ዳ-ባሳኖ ብምትሕብባር ብግእዝ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ምስንዳእ ተራ ነይሩዎም'ዩ። ፍራንቸስኮ ዳ-ባሳኖ ዓቢ ሓዋርያዊ ሓላፍነት ኣብ ኤርትራ ዝነበሮም ካፑቺን ነበሩ።

እዞም ንደቀባት ካቶሊካዊ ማሕበረሰብ ክመርሑ ዝተመዘዙ ካህን ኣብ ሞንጎ እቶም ፈረንጂ ኣቡን ቸለስቲኖ ካታነኦ ዝበሃሉ ሃዋርያዊ ቆሞስ ኤርትራ ኰነ ደቀባት ኣቕሽሽትን ከም መንጎኛ ኰይኖም ምትእስሳር ናይ ምፍጣር ዓቕሚ ስለ ዝነበሮም፡ ለባምን መስተውዓልን ከኣ ስለ ዝነበሩ ተራኦም እናዓዘዘ ከደ።

ኣቡነ ኪዳነማርያም ሕጊ ቀኖና (ቤተክርስትያን እትምርሓሉ ሕጊ) ንክልተ ዓመት ንክምሃሩ ብ1928 ኣብቲ ኣብ ሮማ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ግረጎርያና ተላእኩ።

ኣቡን ካታነኦ (ሓለቓኦም ንኣቡነ ኪዳነማርያም) ምስ'ቶም ኣብ ኤርትራ ዝርከቡ ኣቕሽሽቲ ካቶሊክ ሓቢሮም ኤርትራ ናታ ኣቡን ከም ዘድልያ ድሌቶም ምስ ኣቃልሑ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፒዮስ መበል 11 ከም ኣቡን ኰይኖም ከገልግሉ ብ1930 ኣብ ቫቲካን ዝርከብ ቤት ጸሎት (ኮለጅዮ-አትዮፒኮ) ቀብኡዎም።

ብ1930 ንኣስመራ ድሕሪ ምምላሶም ኣጸቢቖም ዘድሃብሉ ጕዳይ እንተነበረ ምምልማል ተምሃሮ ዘርኣ-ክህነት ነበረ።

ብዘመኖም ብርክት ዝበሉ ኣቕሽሽቲ ካቶሊክ ክምልምሉ ጥራይ ዘይኰነስ ብዙሓት ተምሃሮ ሰሚናርዮ ናብ ሮማ ብምልኣኽ ልዑል ትምህርቲ ከም ዝቐስሙ ገይሮም'ዮም። እዚ ሓደ ካብቲ ዝተጓናጸፍዎ ዓወታት ነበረ።

ብተወሳኺ ብሃይማኖት ኦርቶዶክስ-ተዋህዶ ዘገልግላ ዝነበራ - ከም ድግሳ፡ ማዕረባ፡ ድባርዋ፡ ዓዲ ዃላ ... ወዘተ. ዘኣመሰላ ንኣሽቱ ከተማታት ይዅና ቍሸታት ማሕበረኮማት ካቶሊክ ብፍቶት ከስተናግዳ ከም ዝኽእላ ብምግባሮም፡ ንቍጽሪ ኣባላት ቤተክርትያን ክብ ከም ዝብል ገይሮም'ዮም።

ኣቡነ ኪዳነማርያም ካሳ
መግለጺ ስእሊ, ኣቡነ ኪዳነማርያም ካሳ

ኣብ ትሕቲ መርሓ ኣቡነ ኪዳነማርያም ኣብ ዞባና ዘቤታውን ባህላውን ስርዓት ቅዳሴ ክፈጥሩ ብምኽኣሎም (ካብቲ ብላቲን/ጣልያን ዝዕብለል ስርዓት ዝተፈልየ) ንድልየት ደቀባት መራሕቲ ሃይማኖትን ምእመናን ቦታ ከም ዝረክብ ገይሮም'ዮም ክበሃል ይከኣል።

ብግዜ ካልኣይ ውግእ ዓለም ብርክት ዝበሉ ሚስዮናውያን ካብ ኢትዮጵያ ስለ ዘተሰጐጉ ኣብቲ ቅርጺ ቤተክርስትያን ካቶሊክ ዞባና ጸገም ብምፍጣሩ ኣቡነ ኪዳነማርያም ንኣዲስ ኣበባ ነቶም ሃጓፋት ንክመልኡ ተላእኩ።

ነቲ ኣብ ኣዲስ ኣባበ ዝነበረ ሃዋርያዊ ውክልና ድማ ተቐበልዎ። ብኣኡ ኣቢሎም ድማ ሓላፍነት ሰበኻ ሃገር ተሰከሙ።

ነቲ ሓላፍነት ብግቡእ ንክኣልዩ ድማ ኣብ ኣስመራ ምስኦም ዝነበሩ ኣቕሽሽቲ - ከም ኣባ ገብረየሱስ ሃይሉ፡ ኣባ ተኽለማርያም ፈታው፡ ኣባ ተስፋማርያም ተኽልዝጊ፡ ኣባ ዮውሃንስ ገብረማርያም፡ ኣባ ጉግሳ ግደይ፡ ኣብ ሃብተገብሪኤል ተስፉ - ሒዞም ተጓዕዙ፤ ካብ 1943 – 1949 ከኣ ኣገልገሉ።

ብድሕሪኡ ካብ ኣዲስ ኣበባ ንኣስመራ ምስ ተመልሱ ዘይተጸበይዎ ጸገም ኣጓነፎም። ሽዑ ዕድመኦም 63 በጺሑ ነበረ፤ እቲ ጸገም ብርክት ዝበሉ ኣቕሽሽቲ ብሓደ ዘይተሓጐስሉ ጕዳይ ብጭቕ ስለ ዝበሎም ነበረ።

እቲ ጕዳይ ከኣ ብዛዕባ ምግዓዝ ዘርኣ-ክህነት ብዘርኢ ጕዳይ ነበረ ኢሎም ጸሓፊ ኣባ ቴድሮስ ኣብርሃ ነቲ ጕዳይ ጥቕስ ኣቢሎም - ብሰፊሑ ከየብርሁ - ሰገርዎ።

እቲ ጕዳይ ንኣቡነ ኪዳነማርያም ኣጕሃዮም፣ ከም ዝሓምሙ 'ውን ገበሮም - ይብል እቲ ጽሑፍ።

ብሕማም ምኽንያት ከኣ ስርሖምን ሓላፍነቶምን ክዝሕትል ጀመረ'ሞ፡ ቤት ጽሕፈት ጳጳስ ክልተ ሃዋርያውያን ኣመሓደርቲ ንኣቡነ ኪዳነማርያም ክትክእዎም መዘዙ፤ ኣቡነ ያዕቆብ ገብረየሱስ ኣብ ኤርትራ፡ ኣቡነ ሃይለማርያም ካሕሳይ ድማ ኣብ ኢትዮጵያ ተመደቡ።

ክልቲኦም ኣቡናት ብዕለት 1 ግንቦት 1951 ተቐብኡ፣ ኣርባዕተ ወርሒ ቅድሚ ስንብታ ኣቡነ ኪዳነማርያም።

እቶም ክቡርን ህርኩትን ለባምን ምዃኖም ዝንገረሎም ኣቡነ ኪዳነማርያም ካሳ ኣብቲ ዝተወልድሉ ቦታ - ኣብ ሔቦ - ሓመድ ኣዳም ለበሱ።