ባይቶ ትግራይ፡ ሕገመንግስታዊ ምምሕያሽ ብምግባር 38 መናብር ወሲኹ

ባይቶ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ፡ ህጹጽ ኣኼባ ብምግባር ንዓንቀጽ 48 ሕገመንግስቲ ትግራይ ኣመሓይሹ።
ብመሰረት እቲ ምምሕያሽ፡ "ተመዓዳዊ ሓንፈፅ ስርዓት መረፃ" ክተኣታቶ ተገይሩ’ሎ።
ኣብ ትግራይ ቅድሚ ሎሚ ዝነበረ 152 በዝሒ ተወከልቲ ኣባላት ባይቶ ናብ 190 መናብር ክብ ክብል ተገይሩ።
እቲ 152 መናብር (80 ሚኢታዊ) ብኣብዝሓ ድምፂ ብዝሰዓረ ፖለቲካዊ ሰልፊ ዝተሓዝ እዩ።
እቲ 38 መናብር (20 ሚኢታዊ) ድማ፡ እቶም ተወዳደርቲ ፖለቲካዊ ውድባት ካብ ዝተፈላለዩ ናቑጣታት መረፃ ብዝኣከብዎ ድምፂ ዝማቐልዎ ከም ዝኸውን ተገሊጹ።
ነቲ 38 መናብር ንምምቓል፤ ውድባት ኣቐዲመን ኣብ ኮምሽን መረፃ ሰባት ኣመዝጊበን ክፀንሓ እየን።
ብውልቀ ዝወዳደሩ ሰባት ግን፡ ብኣብዝሓ ድምጺ እንተስዒሮም ጥራይ እዮም ወንበር ዝረኽቡ እምበር፡ ኣብ ምምቓል እቶም 38 መናብር ከም ዘይካተቱ'ውን ተገሊጹ።

![ሃበራዊ ስእሊ ፖለቲከኛታት ኣቶ ልደቱ ኣያሌው [ጸጋም] ከምኡ'ውን ጀዋር መሓመድ](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/660/cpsprodpb/5EB0/production/_113104242_2a92ba02-eb5d-447a-8ddb-a55eb982ee68.jpg.webp)


![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







