ሳልሳይ ወያነ ትግራይ፡ ንዝተገብረ ሕገመንግስታዊ ምምሕያሽ ከምዘይተቐበሎ ገሊጹ

ሰልፊ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ፡ ነቲ ትማሊ ብባይቶ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ዝተገብረ ሕገ መንግስታዊ ምምሕያሸ ነጺግዎ።
ትማሊ፡ ባይቶ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ህጹጽ ኣኼባ ብምጽዋዕ ንዓንቀጽ 48 ሕገ መንግስቲ ትግራይ ከም ዘመሓየሸን "ተመዓዳዊ ሓንፈፅ ስርዓተ መረፃ" ከም ዘተኣታተወን ይፍለጥ።
ሰልፊ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ከም ዝሓበሮ፡ ባይቶ ትግራይ ሕገ መንግስቲ ኣመሓይሹ ዘፅደቖ ስርዓት መረፃ ንሓደ ውድብ 96 ድምፂ ሂቡ ንካልኦት ውክልና ዘስእን ስርዓት መረፃ እዩ ብምባል ኮኒንዎ።
ባይቶ ክልል ትግራይ፡ ነቲ ቅድሚ ሕጂ ዝነበረ ብዝሒ መናብር ካብ 152 ናብ 190 ክብ ኣቢልዎ።
እቲ 152 መናብር ማለት (80 ሚኢታዊት)፡ ብዝሒ ድምፂ ንዝረኸበ ፖለቲካዊ ሰልፊ ከም ዝተሓዝአን፡ እቲ 38 መናብር (20 ሚኢታዊ) ድማ፡ እቶም ተወዳደርቲ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ካብ ዝተፈላለዩ ኑቕጣታት መረፃ ብዝኣከብዎ ድምፂ ዝማቐልዎ ንክኸውንን ኣጽዲቑ።
ብመሰረት ሰልፊ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ግን፡ 50+1 ( ሓምሳ ተደመሮ ሓደ) ዝረኸበ ሰልፊ ዓብላሊ ክኸውንን፡ እቲ ዝተረፈ መናብር ድማ እቶም ዝተረፉ ተወዳደርቲ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ክሕዝዎ ኣለዎም ይብል።
እቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ውድብ ህወሓት፡ ነቶም ካልኦት ፖለቲካዊ ውድባት ሓዊሱ ኣብ ከይዲን ሕግን መረጻ ዘካየዶ ዘተ፡ ወላ እኳ ብሓሳብ እንተተሳዕረ፡ ብመገዲ ባይቶ ኣቢሉ ድልየቱ ኣፅዲቑ'ሎ ክብል ሳወት ይኸስስ።
"ሕገ መንግስቲ ክሳብ ምምሕያሽን ምስ ፖለቲካዊ ውድባት ዘተ ምክያድን ዝነኣድ እዩ፤ ኮይኑ ግና ገዛኢ ውድብ ኣርሒቑ ኣይእምትን ዘሎ" ክብል ነቒፉ።
ሳወት፡ ንህልውናን ብሄራዊ ረብሓ ህዝቢ ትግራይ ዝወጣወጥን ዝኾነ ይኹን ፀገም እንተኣጋጢሙ፡ ኣብ ትግራይ ምስ ዝርከቡ ፖለቲካዊ ውድባትን ካልኦት ሲቪክ ማሕበራትን ኮይኑ ሓቢሩ ከምዝምክት ደጊሙ ኣፍሊጡ።
ኩነታት ተቓወምቲ ሰልፍታት ትግራይ
ኣብ ትግራይ ብተደጋጋሚ መረጻ ክካየድ ክጽውዑ ዝጸንሑ፡ ኣብ ትግራይ ዝንቀሳቐሱ ገለ ፖለቲካዊ ውድባት፡ መንግስቲ እቲ ክልል፡ መረጻ ክካየድ ምውሳኑ'ኳ እንተነኣዱ፡ እቲ ክሳብ ሕጂ ዘሎ ኣካያይዳ ግን ኣሳታፊ ከምዘይኮነ ክገልጹ ጸኒሖም እዮም።
እተን ተቓወምቲ ውድባት፡ እቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ውድብ ህወሓት፡ ዝተፈላለዩ ምኽንያታት እናፈጠረ፡ ኣባላት እቶም ተቓወምቲ ሰልፍታት ብዝተፈላለየ መገዲ ከምዝኣስሮምን ጸቕጢ ከምዝፈጠረሎምን ይገልጹ።
ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ንፖለቲካ ትግራይ ብሒቱ ዝርከብ ህወሓት "ባንዳታት" ኢሉ ንዝገለጾም ውዳበታትን ውልቀ ሰባትን 'ንምጽራይ' ወፍሪ ከምዝጀመረ ብምሕባሩ ብብዙሓት ወገናት ክወቀስ ጸኒሑ እዩ።
እቲ ውድብ፡ ንፖለቲካ ክልል ትግራይ ኣሳታፊ ክገብሮ ምዃኑ ክዛረብ'ኳ እንተጸንሐ፡ ንገለ ካብቶም ብፓርቲ ደረጃ ተወዲቦም ክንቀሳቐሱ ዝፍትኑ ዘለው ጉጅለታት ግን ከም 'ጸላእቲ' ክገልጾም እዩ ዝስማዕ።
ብተወሳኺ እዚ ኣብ ሓጺር ናይ ግዜ መቓን ዝሰናዳእ ዘሎ ክልላዊ መረጻ እተን ኣብዚ ቐረባ እዋን ዝተፈጥራ ሰልፍታት ፖለቲካዊ ፕሮግራመን ንህዝቢ ኣረዲአን ሰዓብን ተኸታልን ንኽረኽባ እኹል ግዜን ዕድልን ስለዘየሎ፡ እቲ ዝካየድ ምርጫ ማዕረ ክንደይ ርትዓዊ ክኸውን እዩ ዝብል እውን ኣዘራረቢ ኮይኑ ጸኒሑ ኣሎ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







