ብሰንኪ ኮቪድ-19 ዝተሰናኸለ ሃገራዊ መረጻ ኢትዮጵያን፡ ኣብታ ሃገር ዘሎ ፖለቲካዊ ዘይህድኣትን

መረፃ ኢትዮጵያ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መንግስቲ ኢትዮጵያ ሃገራዊ መረፃ እንተዘየናውሖ ነይሩ፡ ኣብቲ ዝሓለፈ ቀዳም እዩ ክሳለጥ ነይሩ።

ኣብ ጉዳይ ምንዋሕ እቲ መረፃ ሕቶ ዘልዕሉ ኣለዉ።

ብኻልእ ወገን ድማ ብስሩ ኣብ ምንዋሕ እቲ መረፃ ኣይሰማማዕን ዝበለ መንግስቲ ክልል ትግራይ፡ እቲ መረፃ ከሳልጥ ኣብ ምሽብሻብ እዩ ዝርከብ።

ምዝገባ መረጽቲ ትማሊ ናይ መወዳእታ ዝተዛዘመ ኾይኑ፡ ልዕሊ 2.7 ሚልዮን መረጽቲ ተመዝጊቦም ኣለዉ፡ ረቡዕ ጳጉሜን 4 ድማ መረጻ ዝካየደሉ ዕለት እዩ።

መረፃ ኢትዮጵያ ከምዝተናውሕ ካብ ዝግለፅ ካብ ወርሒ ጉንበት ንነዘ፡ ኣብታ ሃገር እንታይ ዓይነት ለውጥታት ፖለቲካን ድሕንነትን ኣጋጢሞም?

ተንታኒ ፖለቲካን ድሕንነትን ኣደም ካሴ ኣበቤ ( ዶ/ር)፡ ብዙሓት ብሃንቀውታ ትፅቢት ዝተገበረሉ ሃገራዊ መረፃ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ምንውሑ ስዒቡ፡ ዝሐሸ ቅድመ ምድላው ንምግባር ዕድል ክፈጥር ይኽእል'ዩ ኢሎም ካብ ሞንጎ ዘተስፈዉ'ዩ ነይሩ።

ይኹን'ምበር፡ ኣብ ባይታ ኣብ ፖለቲካን ጸጥታን ብተደጋጋሚ ጎሊሆም ዝተርኣዩ ፀገማት ኣብቲ ተንታኒ ቅረታ ፈጢሩ እዩ።

"ቀደሙ'ውን ኢትዮጵያ ኣብ ዘይደልደለ ስግግር እያ ነይራ። ምንዋሕ እቲ መረፃ ንሓደሓደ ተቓወምቲ ጉጅለታት፡ ሓድሽ ናይ ክትዕ ነጥቢ ፈጢሩ፡ ነቲ ተወጢሩ ዝፀንሐ ኩነታት ፖለቲካን ድሕነነትን ዝያዳ ኣኽሪርዎ" ይብል።

እቲ መረፃ መዓስ ይካየድ ዝብል ናይ ምውሳን ዕድል ንመንግስቲ ፌደራል ጥራሕ ምውሃቡን ንተቓወምቲ ካብ ዝኾነ ዓይነት ወግዓዊ ግደ ዝኸልከለ ምዃኑ ነቲ ዋዒ ከምዘጋደዶ ይሕብር።

ተሓላቒ መሰል ውሑዳን ማይኖሪቲ ራይትስ፡ "ኣብታ ሃገር ብብዝሒ ህዝቢ ኣብ ቅድሚት ኣብ ዝስራዕ ክልል ኦሮሚያ፡ ብሄርን ሃይማኖትን መሰረት ዝገበረ ጥቕዓት ተፈፂሙ፤ ሰባት ተቐቲሎም፣ ንብረቶም'ውን ዓንዩ" ይብል።

ነዚ ስዒቡ መንግስቲ ዝወሰዶ ናይ ምእሳር ስጉምቲ ድማ፡ ኣብ ሓደ ሓደ በቲ መጥቃዕቲ ዝደንገፁ ሰባት ድጋፍ ዝረኸበ ይመስል ነይሩ።

ይኹን'ምበር እቲ ስጉምቲ ናይ ተቓውሞ ምንቅስቓስ ዘዳኽም እዩ ኢሎም ዝቃወምዎ'ውን ኣለዉ።

ስሙያት ኣባላቱ ዝተኣሰርዎ ኦሮሞ ፌደራሊስት ኮንግረስ (ኦፌኮ) ኣቦ ወንበር ፡ መረራ ጉዲና (ፕሮፌሰር)፡ "እቲ ዋና ነገር ናብታ ሃገርን ፖለቲካን ናብ ዝነበርሉ ምርግጋዕ ንምምላስ ክኸውን ኣለዎ" ይብል።

ይኹን'ምበር "እቲ ይኽየደሉ ዘሎ መገዲ ንኹላትና ዝጠቅም ኣይኮነን። እቶም ሰባት ( ኣባላቶም) ዝተኣሰረሉ መገዲ ኣብ መንእሰይ ኦሮሞ ተቐባልነት ዝረኸበ ኣይመስለንን። እኳድኣስ ንተቓወምቲ ዝጭፍልቕ ፈተነ እዩ ዝመስለኒ" ኢሉ።

"ፀገምና ፖለቲካዊ እዩ፡ መንግስቲ ይኽተሎ ዘሎ መገዲ ግና 'ልዕልና ሕጊ' ዝብል'ዩ፤ ፀገምና ልዕልና ሕጊ ኣይነበረን፡ ፀገምና ፖለቲካና ለውጢ ዘየርኢ ምዃኑ እዩ። ብፍላይ ድማ ዲሞክራስያዊ ስግግር ንምስኻዕ ዝነበረ ተስፋ ምኽሻፉ ዋጋ የኽፍለና ኣሎ" ብምባል።

ዝተኣሰሩ ሰባት ንነዊሕ ግዘ ክሲ ከይተመስረቶም ምፅንሖምን ፖሊስ ወይ ኣኽባሪ ሕጊ ብዘቕረብዎም ተደጋገምቲ ተወሰኽቲ መዓልቲ ይወሃበና ዝብሉ ሕቶታት ስዒቡ፡ ከይዲ ፍርዲ ምጉታቱ ድማ፡ እቲ ካልእ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ዝቐርብ ነቐፌታ እዩ።

ኣብዚ ጉዳይ ሕቶ ዝቐረበሉ ፕረስ ሴክሬታሪ ቤት-ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስቴር ንቢቢሲ ብፅሑፍ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ ናይቲ ዘጋጠመ ዕንወት ስፍሓትን ዕምቆትን ግዘ ዝወስድን ብዙሕ ሃፍቲ ዝሓትት ምርመራ ከምዝኾነ ሓቢሩ።

"ብዓብይ ፃዕርን ትግሃትን፡ ኣኽበርቲ ሕጊ ትካላትና፡ እቲ ከይዲ ምርመራ ይውድኡ ኣለዉ" ብምባልኣብ ፍሉጣት ፖለቲከኛታት ስራሕቲ ምርመራ ተዛዚሙ ናይ ክሲ ምጅማር ከይዲ ከምዝተጀመረ ገሊፁ።

ናይዚ ምኽንያት ድማ፡ ፖለቲከኛታት ዘለዎም ፀላውነት ተጠቒሞም ኣብ ልዕሊ መሰኻኽር ስግኣት ንከይፈጥሩ ምዃኑ ድማ ምላሽ እቲ ቤት-ፅሕፈት ይሕብር።

"ሓላፍነት ብዝጎደሎ መገዲ ንዝንቀሳቐሱ፣ ነታ ሃገር ንዘመሓድር ሕጊ ከም ቁምነገር ንዘይቖፅሩ ተቓወምቲ ፖለቲከኛታት፡ መንግስቲ ምላሽ እንትህብ ኣዝዩ ከምዝተቖጠበን፡ ካብ ድሕሪ ሕዚ ግና ከምዚ ዓይነት ምቑጣብ (ምዕጋስ) ኣይክህሉን" ኢሉ።

ኢትዮጵያ ሕዚ'ውን ካብ ፖለቲካዊ ወጥሪ ዝወፀት ኣይትመስልን። ቅድሚ ሓደ ሰሙን እኳ ኣብ ክልል ኦሮምያ ሰልፍታት ተቓውሞ ነይሮም፤ ምስዚ ብዝዛመድ ድማ ሰባት ተቐቲሎምን ተጎዲኦምን እዮም።

ኣፈፃሚት ስራሕ ኢዜማ ዝኾነት ሂሩት ክፍሌ፡ ኣብ ህይወታ ኣርባዕተ ግዘ ተኣሲራ እያ። ኣብዚ ቀረባ ግዘ ቅትለት ስነ-ጥበባዊ ሃጫሉ ሁንዴሳ ስዒቡ ብዝተፈጠረ ዘይምርግጋዕ ብውሑዱ ህይወት 170 ሰባት ምስ ዘጥፈአ ናዕቢ ብዝተሓሓዝ፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ዝነበረ ህውከት ኢድ ኣለዋ ብዝብል ን 21 መዓልታት ተኣሲራ።

ኣብ ቤት-ማእሰርቲ ካብ ትኣቱ ሓደ ግዘ ጥራሕ ከምዝተመርመረትን፡ ኣብቶም ፈለምቲ መዓልታት ካብ ስድራ ምግቢ ይኣትወላ ከምዘይነበረ፣ ንጠበቕኣ ከንዘይረኸበትን፡ ቅያር ክዳን ከምዘይነበራን እያ ትገልፅ።

ሂሩት፡ ነቲ ኣብ ወርሒ ሰነ ዝተፈጠረ ናዕቢ ስዒቡ ካብ ሞንጎ ዝተኣሰሩ ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ሰባት፡ ናይ ምፍታሕ ዕድል ካብ ዝረኸቡ ውሑዳት ሓንቲ እያ።

ነቲ ዝተጠርጠረትሉ ገበን ከምዘይወዓለቶ ትገልፅ ሂሩት ክፍሌ፡ ብተደጋጋሚ ትእሰር ዘላ ብዘለዋ ፖለቲካዊ ተሳትፎ እዩ ዝብል እምነት እዩ ዘለዋ።

ኣብ እዋን ኢህወዴግ፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝፀንሐትሉ ግዘ ሸውዓተ ዓመት እንትኸውን፡ ን19 ዓመታት ክትእሰር እያ ተፈሪዳ ነይራ።

ይኹን'ምበር ኣብቲ እዋን ንኣዋርሕ ዝቐፀለ ህዝባዊ ተቓውሞ ስዒቡ ኣብ 2010 ዓ.ም፡ ብዙሓት ንክፍትሑ እንትውሰን፡ ንሳ እውን ናብ ገዝኣ ክትምለስ በቒዓ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ምምፅኡ ስዒቡ ዕላዊ ዝተገበሩ ምምሕያሻት ምስረኣየት፡ ናይ ማእሰርቲ ዘበን ኣብቂዑ ኢላ ከምዝሓሰበት ትዛረብ ሂሩት፡ ሕዚ ግና "ብዙሕ ርግፀኛ ኣይኮንኩን" ትብል።