ነባር ተጋዳላይ ህወሓት ኣቦይ ስብሓት ነጋ መን'ዩ?

ሓደ ካብ ፍሉጣት ነባራት መራሕቲ ህወሓት ምዅኑ ዝፍለጥ ወዲ 86 ዓመት ኣቶ ስብሓት ነጋ ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ብሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያ ምትሓዙ ይዝከር።
ንሱ፡ ሓደ ካብቶም ብወግዒ ክድለዩ ዝጸንሑ ላዕለዎት መራሕቲ ህወሓት ኮይኑ፡ ምስ ብዓልቲ ቤቱን፡ ሓፍቱ ወይዘሮ ቅዱሳን ነጋን 'ዩ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ ዘሎ።
ካልኦት መራሕቲ'ውን ምስኡን ብድሕሪኡን ኣብ ቁጽጽር ኣትዮም ኣለዉ። ሓደ ካብኦም ፕረዚደንት ክልል ትግራይ ዝነበረ ኣቶ ኣባይ ወልዱ ናብ ኣዲስ ኣበባ ተወሲዱ ኣሎ።
እቲ ብ4 ሕዳር ኣብ መንጎ ሓይልታት ትግራይን ፈደራላዊ መንግስትን ዝተወለዐ ኲናት ሕጂ'ውን ይቕጽል ምህላዉ ይግለጽ። ኣብቲ ስፊሕ ምፍንቓልን ዕንወትን ኣውሪዱ ዘሎ ጎንጺ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሞይቶም ክኾኑ ከምዝኽእሉ ይግለጽ።

ኣቦይ ስብሓት ነጋ መን'ዩ?
ኣቶ ስብሓት ነጋ፡ ቅድሚ 46 ዓመታት፡ ኣብ ለካቲት 1967 (1975)፡ ዕጥቃዊ ቃልሲ ህወሓት ካብ ዝመስረቱ ተጋደልቲ ሓደ'ዩ።
ንሱ፡ ካብቶም ሽግ ወያነ ኣብ ደደቢት ዝወልዑ 11 ሓደ እንተዘይኮነ'ኳ፡ ኣብቲ እዋን ምጅማር ዕጥቃዊ ቃልሲ ካብቶም ናይ ከተማ ስርዒት ኮይኖም ዝተመደቡ እዩ ነይሩ።
እቲ ውሩይ ጥሮተኛ ፖለቲከኛ 'ኣቦይ ስብሓት' ብዝብል'ዩ ዝያዳ ዝፍለጥ።
ኣብ ውሽጢ'ቲ ንኣስታት 30 ዓመታት ንኢትዮጵያ ዝመርሐ ህወሓት/ኢህወዴግ፡ ተደማጽን ዓብዪ ጽልዋ ዝነበሮን ሰብ እዩ።
መብዛሕትኦም መስረቲ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ [ህወሓት] ተምሃሮ ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርሲቲ ዝነበሩ ተወለድቲ ትግራይ እዮም።
ቅድሚ ንበረኻ ምውጽኦም ኣብቲ ዩኒቨርሲቲ ኣብ ዝነበርሉ፡ ማሕበር ገስገስቲ ብሄር ትግራይ (ማገብት) ዝተባለ ምትእኽኻብ ፈጢሮም።
ሓደ ካብ ኣባላት ናይቲ ማሕበር ዝኾነ ኣቦይ ስብሓት ካብታ ኣብ ደቡብ ኢትዮጵያ እትርከብ ከተማ ይርጋኣለም እናተመላለሰ፡ ብዛዕባ ክፍጠር ዝድለ ዝነበረ ዕጥቃዊ ቃልሲ ኣብ ዝግበር ዝነበረ ክትዕ ንጡፍ ተሳትፎ ይገብር ምንባሩ ሓደ ካብ ኣባላት ናይቲ ማሕበር ዝነበረ ንቢቢሲ ገሊጹ።
'ኣድማ ዘለዓዓለ ወዲ ደጃዝማች'
ኣቶ ስብሓት ኣብ 1928 ዓ.ም (1935) ሰራዊት ኢጣልያ ንኢትዮጵያ ኣብ ዝወረረሉ እዋን፡ ኣብ ማእከላይ ዞባ ክልል ትግራይ፡ ካብ ታሪኻዊት ከተማ ዓድዋ ውጽእ ኢላ ኣብ እትርከብ ዓዲ ኣቤቶ ኣብ እትብሃል ቁሸት ካብ መስፍናዊ ('ፊውዳላዊ')ቤተሰብ ተወሊዱ።
ኣብኡ፡ ደጃዝማች ነጋ፡ ናይ ወረዳ ኣማሓዳሪ ኣብ ዝነበሩ እዋን፡ መንእሰይ ስብሓት ምስኦም እናተንቀሳቐሰ ከም ጸሓፊ ኮይኑ ይሕግዞም ምንባሩ፡ ኣብ 1989 (1997) ምስ እፎይታ ዝተባህለ መጽሄት ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕትት ተዛሪቡ ነይሩ።
ቀዳመይ ብርኪ ትምህርቲ ከኣ ኣብ ከተማ ዓድዋ ጀሚሩ።
ፈለማ ናይ ሃይማኖት ትምህርቲ ('ናይ ቀሺ') ድሕሪ ምውሳዱ፡ ድሒሩ ኣብቲ ኣብ ትሕቲ ቤተክህነት ዝመሓደር ኣብ ዝነበረ ዘመናዊ ቤትምህርቲ ቀዳማይ ደረጃ ጀሚሩ።
ኣብቲ እዋን'ቲ ወላዲኡ፡ ዛና ናብ ዝተባህለ ከባቢ ድሕሪ ምቕያሮም፡ ምስኦም ግዒዙ። ኣቡኡ፡ 'ንስኻ ኢኻ ትወርሰኒ" ይብልዎ ምንባሮም ብምዝካር፡ ኣብ ቁልዕነቱ ኣብ ሕርሻ ተዋፊሩ ምንባሩ ይገልጽ።
ይኹን እምበር፡ ብናይ ኣሕዋቱ ምድፍፋእ ናብ ቤትምህርቲ ተመሊሱ ክሳብ 9ይ ክፍሊ ኣብ ዓድዋ ከምዝቕጽል ተገይሩ።
ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቱ ድማ ኣብቲ ኣብ ከተማ መቐለ ዝርከብ ፍሉጥ ቤትምህርቲ ኣጼ የውሃንስ ተኸታቲሉ።
ምስ ሪፖርተር ዝተባህለ መጽሄት ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕትት፡ ደንጉዩ ትምህርቲ ከምዝጀመረ ብምጥቃስ ንሱ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ከሎ "ምንኣሰይ ሓወይ ብዲግሪ ተመሪቑ" ኢሉ ነይሩ።
ሓደ ኣብ ካልኣይ ደረጃ መማህርቱ ዝነበረ ተጋዳላይ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ምስክርነት፡ ኣቶ ስብሓት ኣብቲ ኣብ 1955 (1953) ዝተወልዐ ኣድማ ተምሃሮ ኣንጻር መስፍናዊነት ('ፊውዳሊዝም') ኣብቲ ቤትምህርቲ ካብ ዝነበሩ ንጡፋት ኣውሃሃድቲ ከምዝነበረ ተዛሪቡ።
ድሓር ናብ በረኻ ከይዱ መራሒ ህውሓት ኮይኑ ከምዝጸንሖ ዝገለጸ እቲ ተጋዳላይ፡ በቲ ናይ ሽዑ ንቕሓቱ ይዝክሮ።
ቅድሚ ናብ ዩኒቨርሲቲ ምእታዉ ድማ፡ ኣብ ከተማታት ሰላሌ፡ ጓሃ ጽዮን፡ ፍቼን ደብረብርሃንን መምህር ኮይኑ ሰሪሑ።
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ብዓውዲ ስነ-ቁጠባ (ኢኮኖሚክስ) ቀዳማይ ዲግሪ ብምርካብ ተመሪቑ።
ብድሕሪ'ዚ ኣብ ሚኒስትሪ ኢኮኖሚ ከም ኪኢላ ቁጠባ ተቖጺሩ ንሓደ ዓመት ሰሪሑ።
"ኣብዚ እዋን'ዚ ናይ ብሄር ሕቶ ይለዓል ብምንባሩ፡ ናብ ትግራይ ክቕየር ሓቲተ" ይብል ኣብቲ ምስ እፎይታ ዝገበሮ ቃለመሕትት።
እቲ ዘቕረቦ ናይ ቦታ ምቕያር ጠለብ ተቐባልነት ስለዘይረኸበ፡ ካብቲ ዝነበሮ ስራሕ ብምውጻእ ናብ ምምህርና ተሰጋጊሩ።
ብኸምዚ ድማ ናብ ዓድዋ ተመሊሱ ዳይረክተር ቤት ትምህርቲ ንግስተ ሳባ ኮይኑ ሰሪሑ። ብዙሕ ከይጸንሐ ግን፡ ናብቲ ኣብ ክልል ደቡብ እትርከብ ከተማ ይርጋኣልም ተቐዪሩ መምህር ኮይኑ ቐጺሉ።
"ኣብኡ መምህር እንከለኹ ደርግ ናብ ስልጣን ደዪቡ" ክብል ኣብቲ መጽሄት ተዛሪቡ።

'ኣቦይ' ዝብል ቅጽል ብኸመይ ተዋሂብዎ?
'ኣቦይ' ዝብል ኣጸዋውዓ ኣብ ህዝቢ ትግራይ ዓብዪ ትርጉም ዘለዎ ኣገላልጻ'ዩ። አቲ ቃል ንዕድመ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣውራ ዝብል ትርጉም ክወሃቦ ይኽእል።
መብዛሕትኡ ግዜ ድማ ንዕርቂ ብሽምግልና ንዝዋሳእ ልዑል ክብሪ ዝወሃቦ ሰብ ዝወሃብ መጸውዒ'ዩ።
ኣብ እዋን ስርዓት ሃይለስላሰ፡ ናይ ኢትዮጵያ ባይቶ (ሸንጎ) ኣባል ዝነበረን፡ ድሒሩ ነቲ ስርዓት ብምቅዋም መንእሰያት መሪሑ ንደደቢት ዝኣተወ 'ስሑል' ብዝብል ናይ ኲናት መጸውዒ ዝፍለጥ ኣቶ ገሰሰ ኣየለ፡ ንኣቦይ ስብሓት ብ10 ዓመት ይዓብዮ።
ፈላሚ ተጋዳላይ ስሑል ኣብ 1968 (1976) ድሕሪ ምስውኡ፡ ካብቶም ቀዳሞት ተጋደልቲ ዝዓበየ ዝነበረ ኣቦይ ስብሓት ኮይኑ።
ብዙሓት ተጋደልቲ ድማ 'ኣቦይ' ዝብል ቅጽል ኣጥቢቖም ክጽውዕዎ ጀሚሮም። ኣብ እዋን ቃልሲ ተዋዛያይን ተጫራቕን ነይሩ ተባሂሉ ይንገረሉ።
ሓደ እዋን፡ ተጋዳላይ መለስ ዜናዊ ሓሚሙ ብቓሬዛ ተሰኪሞም እናወሰድዎ ከለዉ፡ ሓረስቶት ይረኽብዎም።
'መን ድ'ኣዩ እዚ ተሰኪምክምዎ ዘለኹም' ኢሎም ምስ ሓተትዎም፡ ኣቦይ ስብሓት "መልሓስ" ዝብል ምላሽ ከምዝሃብዎም ይዕለል። ተዛራቢ'ዩ ንምባል'ዩ ነይሩ።
ሓቀኛ ናይ ገዛ ስሙ ወልደስላሴ ነጋ እንትኸውን፡ ስብሓት ዝብል ብወተሃደራት ሃጸይ ሃ/ስላሰ ናይ ዝተቓትለ ብሩህ ኣእምሮ ዝነበሮ፡ ስብሓቱ ውነህ ዝበሃል መዘከርታ እዩ።
ዝበዝሑ ተጋደልቲ ህወሓት ኣብቲ ናይ 17 ዓመታት ገድሊ ብዝተዋህቦም ኣስማት ይጽውዑ።
ኣቶ ወልደስላሴ ነጋ ድማ፡ ክሳብ'ዛ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ሓይልታት ጸጥታ ፈደራል ዝኣቱ 'ኣቦይ ስብሓት' ተባሂሉ ይጽዋዕ ኣሎ።
ኣብ እዋን ቃልሲ ዝነበሮ ኣበርክቶ
ኣብ እዋን ዕጥቃዊ ቃልሲ ኣቶ ስብሓት፡ ኣብ ናይ ከተማታት ውደባ ተመዲቡ ይሰርሕ ነይሩ።
ኣብዚ ግዜ'ዚ፡ ሓደ ካብ ላዕለዎት መራሕቲ ህወሓት ዝነበረ ኣቶ ስዩም መስፍን፡ ኣብ ዘይተመደበሉ ንጥፈታት ኣብ ከተማ መቐለ ምስ ረኸቦ ከም ዝገሰጾ ይዛረብ።
ኣብተን ናይ መጀመርታ ሒደት ዓመታት፡ ግዝያዊ ኣቦመንበር እቲ ውድብ ዶ/ር ኣረጋዊ በርሀ'ዩ ነይሩ። ኣቦይ ስብሓት ድማ ሓደ ካብቶም 7 ላዕለዎት መራሕቲ ነይሩ።
ኣብቲ ናይ 1971 ዓ.ም (1978) ፈላሚ ጉባኤ ህወሓት ግን ኣቦመንበር ኮይኑ ተመሪጹ።
ኣብ 1981 (1989) መለስ ዜናዊ ክሳብ ዝርከቦ ድማ ን10 ዓመታት ነቲ ውድብ መሪሕዎ።
ኣብተን ቀዳሞት ዓመታት፡ ተጋዳላይ ስብሓት ኣብ ተጋደልቲ ህወሓት ብቆራጽነቱ ይፍለጥ ነይሩ።
ይኹን እምበር፡ ላዕለዎት መራሕቲ እቲ ውድብ ብመርበባት (ኔትዎርክ) ኣብ ምክፍፋል ኢድ ነይርዎ ብዝብል ይንቀፍ።
ኣብ 1968 (1976) ኣብቲ ውድብ "ሕንፍሽፍሽ" ተባሂሉ ዝፍለጥ ውሽጣዊ ምክፍፋል ምስ ተፈጥረ ይኹን ኣብ 1977 ዝተወስደ ምግላል ላዕለዎት መራሕቲ ዝነበሩ ኣረጋዊ በርሀን [ዶክተር] ግደይ ዘርኣጽዮንን ወሳኒ ተራ ነይርዎ ተባሂሉ'ውን ይሕመ።
ብተመሳሳሊ፡ ኣብቲ ናይ 1993 ዓ.ም (2001) ምክፍፋል'ውን ናይ ቀዳማይ ሚኒስተር ነበር መለስ ዜናዊ ጸግዒ ከምዝወሰደ ይንገረሉ።
ድሕሪ'ቲ ዝተፈጥረ ውሽጣዊ ምክፍፋል ገለ መራሕቲ ናብ ማእሰርቲ ምእታዎም ምስዚ ዘተሓሕዝዎ'ውን ኣለዉ፡ ዋላ'ኵ ብልሽውና ዝብል ጉልባብ እንተ ተዋህበ።
ኣብቲ ዳሕረዋይ ምክፍፋል፡ ብዝነበሮ መርበብ፡ ናይ ጸጥታ ትካላት፡ ሰራዊትን ማእከላይ ኮሚቲ ናይቲ ውድብን ምስ መለስ ዜናዊ ክውግኑ ዘይተሓላለ ጻዕሪ ከምዝገበረ ይንገረሉ።
ድሕሩ ግን፡ ምስ መለስ ዜናዊ ዘይምርደዳእ ኣይነበሮን፤ ካብቲ ንነዊሕ እዋን ዝመርሖ ብዙሓት ኩባንያታት ዝሓቖፈ 'ትእምት' ምውራዱ'ውን ሕጉስ ኣይነበረን።
ትእምት ብድሕሪኡ ንዝተወሰነ እዋን ብኣምባሳደር ኣባዲ ዞሞ፡ ደሓር ድማ ብብዓልቲ ቤት መለስ ዜናዊ ዝኾነት ወይዘሮ ኣዜብ መስፍን ክምራሕ ተገይሩ።
ህወሓት፡ ትካላት ትእምት ንብረት ህዝቢ ትግራይ ምዃነን'ኳ ክገልጽ እንተጸንሐ፡ ንዝሓለፉ 28 ዓመታት ግን ብናይ ባዕሉ ፖለቲካውያን ሰብመዚ'ዩ ዘምሓድረን ነይሩ።

ገለ ኣቦይ ስብሓት ካብ ዝበሎም
ከም ባህሊ መብዛሕትኦም መራሕቲ ህወሓት ኣብ ናይ ሓባር መሪሕነት ዝኣምኑ ኮይኖም፡ ካብ ውድብ ወጻኢ ብውልቆም ናጻ ኮይኖም ናይ ምዝራብ ዝንባለ የብሎምን።
ኣቶ ስብሓት ግን፡ ዋላ'ኳ ነዚ ዝፈልጥ እንተኾን ዝራኣዮ ካብ ምዝራብ ዓዲ ዝውዕል ኣይኮነን።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ምስ ቢቢሲ ኣብ ዘካየዶ ቃለመሕትት "ብውልቂ ወይ ጉጅለ ዝግበር ቃልሲ ኣይዕውትን'ዩ" ክብል ተዛሪቡ።
"ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ፡ ብሄራዊ መልክዕ ዘለዎ ኮይኑ፡ ውሽጣዊ ትሕዝትኡ ደርባውን ኢትዮጵያውን'ዩ ነይሩ። ህዝባዊ ቃልሲ'ዩ፡ ብጽንዓት ዝተቓለሰ ህዝቢ'ዩ። ኣነው'ን ብዓቕመይ ተጋዳላይ'የ" ኢሉ።
ኣቶ ስብሓት ኣብ ኢህወዴግ ዝሳዕረረ ብልሽውና ከምዘሎ ኣብ ዝረኸቦ መድረኽ ይዛረብ ነይሩ።
"ብልሽውና እናኣንፎሓኸ ዝመጽእ ሕማም'ዩ" ክብል ዝስማዕ ኣቶ ስብሓት፡ ነቲ ኣብ ልዕሊኡ ዝቐርብ ናይ ብልሽውና ክሲ ክጻረ ይኸእል'ዩ ዝብል መልሲ ሂቡሉ ነይሩ።
"ክጻረ ኣለዎ። ንሱ'ዩ ዝልመን ነይሩ። መን'ዩ ብልሸዉ? ንጹህከ መን'ዩ? ኢሉ ዘጻሪ ጅግና ኣይተረኽበን። ቆራጽነት የለን" ብምባል "ኣነ ከምዚ'የ" ክብለ ከምዘይደሊ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ብኢህወዴግ ተመሪጹ እንከሎ ብደገፍ ኣመሪካ ናብ ስልጣን ከምዝመጽኣ ድሕሪ ምኽሳሱ "ካብቲ ዝኣዘዙና ንላዕሊ ኢህውዴግ ፈሪሱ'ዩ፡ ሕገመንግስቲ ፈሪሱ፡ ፈደራላዊ ስርዓት'ውን ፈሪሱ'ዩ" ክብል ተዛሪቡ። እቲ ብህውሓት ዝምራሕ ዝነበረ መንግስቲ ግን ንዓመታት ምስ ኣመሪካ ጥቡቕ ዝምድና ከምዝነበሮ'ዩ ዝፍለጥ።
ዶክተር ኣብዪ ኣሕመድ ስልጣን ምስ ሓዘ፡ ንኣቦይ ስብሓት ካብ'ቲ ብዳይሬክተርነት ዝመርሖ፡ 'ዓለም ለኸ ኢንስትትዩት ሰላምን ልምዓትን' ብጥሮታ ዘፋነዎ እንትኸውን፡ ደጋፊ ህወሓት ምበር ናይ ዝኾነ ፖለቲካዊ ውድብ ኣባል ከምዘይኮነ ኣብቲ ምስ ቢቢሲ ዝነበሮ ጻንሒት ተዛሪቡ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







