ህወሓት ሕጋውነቱ ክምለስ ዘቕረቦ ሕቶ ተነጺጉ

ምንጪ ስእሊ, TPLF
ህወሓት፡ ብሃገራዊ ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ ተሰሪዙ ዝጸንሐ ሕጋውነት ክለዓል ዘቕረቦ ሕቶ ከም ዝተነጸገ እቲ ቦርድ መረጻ ኣፍሊጡ።
ሃገራዊ ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ ሎሚ 13 ግንቦት 2023 ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ህወሓት ብመሰረት እቲ ኣዋጅ ዳግመ ምዝገባ ሕቶ ምስ ኣቕረበን እቲ ቦርድ ብሕጊ መሰረት ምስ ኣጽደቖን ጥራይ ሕጋውነት ክረክብን ንጥፈታቱ ክጅምርን ከምዝኽእል ኣመልኪቱ።
ህወሓት ቅድሚ ሒደት ሰሙን ናብ ቦርድ መረጻ ኣብ ዝጸሓፎ ደብዳበ፡ ስምምዕ ፕሪቶርያ ብምጥቃስ ስረዛ ሕጋዊነት ናይቲ ውድብ ክእለን እገዳ ንብረት ናይቲ ውድብ’ውን ክለዓልን ሕቶ ኣቕሪቡ ነይሩ።
ቅድሚ ክልተ ዓመት ቦርድ መረጻ፡ ህወሓት ኣብ ሓይሊ ኣብ ዝተመስረተ ዓመጽ ከም ዝተሳተፈ ብምግላጽ ሕጋውነት እቲ ወድብ ክስረዝ፣ ሓለፍቲ እቲ ውድብ ብስም እቲ ውድብ ከይንቀሳቐሱ ክግደ፤ ከምኡ’ውን ንብረት እቲ ውድብ ዕዳ እንተሃልይዎ ዕዳ ንምኽፋል ክውዕል፡ ዝተረፈ ገንዘብን ንብረትን ድማ ሲቪካዊ ትምህርቲ ንዝመርጹ መምሃሪ ክውዕል ምውሳኑ ይዝከር።
ህወሓት፡ እቲ ዝተፈጸመ ስምምዕ ሰላም ኣብ ግምት ብምእታው እቲ ቦርድ ቅድሚ ክልተ ዓመት ዘሕለፎ ውሳነ ከልዕል ከም ዝሓተተ ቦርድ መረጻ የመልክት።
እቲ ቦርድ ከም ዝገለጾ፡ ብህወሓት ዝፍጸም ኣብ ሓይሊ ዝተመስረተ ዓመጽ የለን። ይዅን እምበር ሕጋዊ ስብእና ውድብ ንምምላስ ዝሕግዙ ድንጋገታት ኣብ ኣዋጅ 1162/2011 ከም ዘይተቐመጡ ጠቒሱ።
በዚ ምኽንያት ህወሓት ሕጋውነቱ ናብ ንቡር ክምለስ ዘቕረቦ ሕቶ ከም ዘይተቐበሎ ሓቢሩ።
ስለዝዀነ ብመሰረት እቲ ኣዋጅን መሰል ድንጋገታትን፡ ህወሓት ሕጋውነት ክረክብ ዝኽእል ዳግማይ ክምዝገብ ሕቶ ምስ ዘቕርብን እቲ ቦርድ ድማ ብሕጊ መሰረት ምስ ዘጽድቖን ጥራይ ከም ዝዀነ ወሲኑ ኣሎ።
እቲ ቦርድ ንመራሕትን ንብረትን እቲ ውድብ ዝምልከቱ ሕቶታት፡ ውጽኢት ናይቲ ስረዛ ስለዝዀኑን ከም ብሓድሽ ክሕተቱ ስለዘይክእሉን ብምግላጽ እቲ እገዳ ከም ዘይተለዓለ ተጠቒሱ ኣሎ።
ብሄራዊ ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ ኣብ 19 ጥሪ 2021 ሕጋውነት ህወሓት ከም ዝሰረዘ ይፍለጥ።
ቅድሚ ክልተ ዓመት ኣብ ትግራይ ኣብ ዝተወልዐ ኲናት፡ ሓይልታት ትግራይ ምስ ሰራዊት ፈደራል መንግስቲ ኣብ ደማዊ ኲናት ተጸሚዶም ከምዝነበሩን፡ እቲ ኲናት በቲ ኣብ ሕዳር ዝተኸተመ ስምምዕ ሰላም ከም ዝተዛዘመ ዝዝከር እዩ።
ነዚ ስዒቡ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ፡ ብ22 መጋቢት 2023 ኣብ ልዕሊ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ኣንቢርዎ ዝጸንሐ ብያን 'ግብረሽበራዊ' ኣልዒሉ'ዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







