ጸጕርና ስለምንታይ ኣብ ንኡስ ዕድመና ይስይብ፣ ክምለስከ ይኽእል ዶ?

ምንጪ ስእሊ, Ashley Sukru
ኣሽሊ ስኩሩ ጓል 14 ዓመት ተምሃሪት ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ኣብ ዝነበረትሉ እያ፡ ጸጕራ ክስይብ ከም ዝጀመረ ዝፈለጠት።
መሓዛኣ ነቲ ዝሰየበ ጸጕራ ኣውጺኣ ኣርእያታ፤ እታ ህሞት፡ ኣሽሊ ንብዙሕ ዓመታት ብዛዕባ መልክዓ ንዝነበራ ስምዒት ዝቐየረት ነበረት።
"ሽዑ ንሽዑ 'ኣይፋልን! ስብየት ክህልወኒ ኣይክእልን፣ ገና 14 ዓመት ጥራይ እየ ዘለኹ" ምባላ ትዝክር።
"ኣብ ግዜ ምሳሕ ናብ ገዛይ ተመሊሰ፡ ጸጕረይ ሓደ-ብሓደ እናፈለኹ ክኣሪ ምስ ጀመርኩ ጻዕዳ ጸጕሪ ዘር ከብል ከም ዝጀመረ ተረዲአ፤ ሓፊረ።"
ኣብዚ እዋን 28 ዓመት ገይራ ዘላ ካናዳዊት ኣሽሊ፡ ኣብቲ እዋን ቀለም ጸጕሪ ንኽትቅባእ ንስድራኣ ከም ዝለመነቶም ትዝክር።
"ምስ ኵሉ ሰብ ንምምስሳል ኣብ እትፍትነሉ፡ ስብየት ጸጕሪ ግን ምስ ካልኦት ክትመሳሰል ዝገብር ኣይኰነን። ክሓብኦ እፍትን ነይረ" ትብል።
ስለምንታይ ሰባት ኣብ ዘይዕድመኦም ይስይቡ?
ተመራመርቲ መዓስ ከም እትስይብ ንምውሳን ተወርሶ (ጀነቲክስ) ወሳኒ'ዩ ይብሉ። ኣሽሊ ዝገበረቶ ምርመራ'ውን ነዚ እዩ ዘመልክት። ወላዲታ ጓል 14 ዓመት እንከላ እያ ሰዪባ፤ ዓባያ ድማ ኣብ 17 ዓመተን ክስይባ ጀሚረን።
ሓካይም፡ ቍፅሮም ዝዛይድ ዘሎ ኣብ ክሊ ዕድመ 20ታትን 30ታትን ዝርከቡ ዝስይቡ መንእሰያት ከም ዘለዉ ይገልፁ።
ጽቡቕ መነባብሮ ዘለዎም ካውካዝያውያን ኣብ 35 ዕድመኦም ምስያብ ይጅምሩ፣ ኣፍሪቃውያንን ኤስያውያንን ድማ፡ ካብዚ 10 ዓመት ድሕሮም - ማለት ኣብ ኣስታት 45 ዕድመኦም ስብየት ይጅምሩ።
ቅድሚ እዚ ክሊ ዕድመ ዝርአ ስብየት ግን፡ ስብየት ቅድመ-ግዜ እዩ። እዚ ተርእዮ ድማ ኣብ ፀዓዱ ኣብ 20 ዓመት፣ ኣብ ኣፍሪቃውያን ኣብ 30 ከምኡ ድማ ኣብ ኤስያውያን ትሕቲ 25 ዓመት ዕድመ የጋጥም።
እዚ ደረት ዝፈላለ ዘሎ፡ ስርዓተ ተገባብሮ እቶም ሕብሪ ዝህቡ ዋህዮታት ካብ ዓሌት ናብ ዓሌት ዝተፈላለዩ ብምዃኖም እዩ።
ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ሓፈሻዊ ሓኪም ዝዀነ ዶክተር ሰርመድ መዝሀር፡ "እዚ ድማ፡ እቲ ንቡር ምስ ዕድመ ዝመጽእ እርጋን መዓስ ከምዝኽሰትን እቶም ካልኦት ጠንቅታት ቅድመ-ግዜ መዓስ ከም ዝመጽኡን ክንምርምር የኽእለና" ይብል።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ጸጕሪ ንምንታይ ይስይብ?
ሓድሽ ጸጕሪ 'ሜላኖክተስ' ዝበሃሉ ጸጕሪ ዘዕብዩ ዋህዮታት ኣብ ዘለውዎ ቈርበት፡ ካብ ንኣሽቱ ባእታት ጸጕሪ 'ፎሊሲስ' ይበቍል።
'ሜላኖሳይተስ' ክልተ ዝተፈላለዩ ባእታታት ቀለም - ኡሜላኒን ፎሜላኒን - ዘፍሪ ኰይኑ፡ እቲ ቀዳማይ ምጽላም ጸጕሪ ዝውስን ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ካልኣይ ድማ ማዕረ ክንደይ ክቐይሕ ወይ ክብጩ ዝውስን እዩ። እዚኦም ሕብሪ ዓይኒን ቈርበትን እውን ዝውስኑ እዮም።
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኒውዮርክ ጕጅለ ተመራመርቲ ኣብ መስርሕ ዕብየት ዋህዮ ዘካየድዎ መፅናዕቲ፡ ጸጕርና እናኣረገ ኣብ ዝኸደሉ፣ ምስ ዝረግፍን ደጋጊሙ ምስ ዝበቍልን፡ እቶም ሕብሪ ዝህቡ ዋህዮታት እናተዳኸሙ ይኸዱ፡ በዚ ድማ ጻዕዳ ወይ ጨዓይ ሕብሪ ሒዙ ክወጽእ ይኽእል።
ስለዚ፡ እቶም ንጸጕሪ ሕብሩ ዝህቡ ፍሉያት ዋህዮታት ኣብ ውሽጢ እታ ጸጕሪ ዝበቝለላ ቆርበት ኣብ ዝርከብ ንእሽቶ ከፋታት ምንቅስቓስ የቋርጹ። ዓቕሚ ስኢኖም ድማ ናብቶም ሕብሪ ጸጕሪ ዝህቡ ዋህዮታት ክቕየሩ ኣይክእሉን። ዝዀነ ሕብሪ ኣብ ዘይተሰርሓሉ ኸኣ፡ እቲ ጸጕሪ ሓምዅሽታይ፡ ጻዕዳ ወይ ብሩራዊ ሕብሪ ሒዙ ይበቍል።
ሕጽረት መኣዛዊ መግቢ ጠንቂ ቅልጡፍ ስብየት ይኸውንዶ?
ተመራመርቲ ኣመሪካን ብራዚልን፡ እቶም ሕብሪ ቈርበትን ጸጕሪን ዝቈጻጸሩ ዋህዮታት ኣብ እዋን ከቢድ ጭንቀት ከም ዝጕድኡ ኣረጋጊፆም።
ሰብሞያ ግን፡ ጠንቂ ኣብ ዘይዕድመ ምስያብ ምስ ጕድለት ዝተመጣጠነ ኣመጋግባ ዝተኣሳሰር ክከውን ከም ዝኽእል ይገልጹ።
ሕፅረት ቫይታሚን ዲ፡ ቢ-12፡ ኮፐር፡ ኣይረን፡ ዚንክን ፎሊክ ኣሲድን ምስ ኣብ ዘይዕድመ ምስያብ ይተሓሓዙ። ካብዚኦም ከኣ ዋሕዲ ቫይታሚን ቢ-12 ኣብ ዘይዕድመ ንምስያብ እቲ ዝዓበየ ምኽንያት እዩ።
'ኮባላሚን' ብዝብል ዝፍለጥ ቢ -12 ንዋህዮታት ጸጕሪ ሓዊሱ፡ ነቶም ኣብ ሰብነትና ኦክስጅን ዘዘዋውሩ ጥዑያት ዋህዮታት ቀይሕ ደም ንኽፈርዩ ዕዙዝ ግደ ኣለዎ።
እዅል ኦክስጅን ዝረክቡ ዋህዮታት ጸጕሪ፡ ኣብ መፍረ ሕብሪ ብቝዓት ክዀኑ ይኽእሉ።
ዶክተር መዝሀር፡ "ቢ12 ብቐንዱ ካብ ተዋፅኦ እንስሳት ዝርከብ እዩ። ሓደ ሰብ ምሉእ ብምሉእ ተዋፅኦ እንስሳት ዝምገብ እንተ ዘይኰይኑን ሓገዝቲ ንጥረነገራት እንተዘይወሲዱን፡ ኣብ ዘይዕድመኡ ክስይብ ይኽእል እዩ" ይብል።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ከም ነሓስ ዝኣመሰለ ባህሪያዊ ማዕድን፡ ነቲ ንሕብሪ ንምፍራይ ዝሕግዝ ባእታ "ሜላኒን" ንምፍራይ ዝሰርሕ ታይሮሲነዝ ኣብ ምንቕቓሕ ኣገዳሲ እዩ። ከምኡ'ውን ሰልፊሽ፡ ስምስም [ሰሊጥ]፡ ኣሕምልቲ፡ ስጋን ጸላም ከብድ ዝኣመሰሉ መግብታት ጽቡቕ ምንጪ እዮም።
ይዅን'ምበር፡ ልዕሊ ዓቐን ዚንክን ቫይታሚን ሲን ምውሳድ፡ ካብዞም ምግብታት ንረኽቦ ማዕድን ነሓስ ክመጺ፣ ብሰንኩ ድማ ነቲ መጠን ከጕድሎ ከምዝኽእል ክኢላታት የጠንቅቑ።
ኣብ 20ታት ዕድመኣ ክትስይብ ዝጀመረት በዓልቲ ሞያ ስነኣመጋግባን ደራሲትን ማሪያ ማርሎው፡ ኣብዚ ቀረባ ዓመታት ብፍላይ ድማ ኣብ እዋን ለበዳ ኮቪድ፡ ሰባት ዓቕሚ ምክልኻል ሕማም ንምዕባይ ዚንክ ክወስዱ ከም ዝጀመሩ ትገልፅ።

ምንጪ ስእሊ, Maria Marlowe
"ዚንክ ክትወስዱ እንተደሊኹም፡ ምስ ኮፐር ክትወስድዎ ኣለኩም። ልዑል መጠን ኣይረንን ቫይታሚን ሲን'ውን ንመጠን ኮፐር ይንክዩ እዮም" ትብል።
ዶክተር መዝሀር፡ "ሰባት ምስ ነሓስ ብዝዛመድ ምንካይ ክብደት ሰብነት፣ ምስሓው ጸጕሪን ነድሪ ቈርበትን ከጋጥሞም ይኽእል፤ እምብዛ ምድኻምን ምስልቻውን ከምኡ'ውን ንቝሪ ዘይምፅዋር ክስምዖም ይኽእል።"
ማሪያ ማርሎው ምርመራ ምስገበረት፡ ሕፅረት ነሓስ፡ ሓጺንን ኣዮዲንን ከምዘለዋ ፈሊጣ።
ኣመጋግባ ኣብ ዘይዕድመ ንዝርአ ስብየት ይመልስ ዶ?
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኮሎምቢያ ዝተኻየደ መፅናዕቲ፡ ጭንቀት ኣብ ዝጐድለሉ ሓድሽ ጸጕሪ ባህሪያዊ ሕብሩ ሒዙ ከም ዝበቍል የረጋግጽ።
ጸጕሪ ብሰንኪ ሕፅረት ንጥረነገር እንተሰይቡ'ውን ብተመሳሳሊ መንገዲ ቅድም ናብ ዝነበሮ ምምላስ ከም ዝከኣል ሓኻይም ይገልፁ።
ዶክተር መዝሀር፡ "እቲ ስብየት ምስ ዘርኢ ዝተሓሓዝ እንተዀይኑ ግን ኣይምለስን" ይብል።
ብትሕዝቶ ዝሃብተሙ ምግብታት ምምጋብ እንተዘይኰይኑ ግና መመላእታታት [ሳፕልመንትስ] ምውሳድ ከም ዘድሊ ሰብሞያ ይመኽሩ።
"ጸጕሪ ናብቲ ፈለማ ዝነበሮ ሕብሪ ምምላስ እንተዘይተኽኣለ'ውን፡ ተወሳኺ ስብየት ከይምዕብል ነቲ መስርሕ ይገትኦ።"
እዚ ኰይኑ ግን፡ ስይበት ንምምላስ ዘኽእል ዝተረጋገፀ ፍወሳ ከምዘየለ ይግለጽ።
ማሪያ ማርሎው፡ ስርዓት ኣመጋግብኣ ምስ ኣስተኻኸለት ኣብ ዝሰየበ ጸጕራ ለውጢ ከም ዝረኣየት ትዛረብ።
ለውጢ ንምርኣይ ግና ብውሕዱ ሰለስተ ወርሒ ከም ዝተፀበየት ትገልፅ ማሪያ፡ ንዝሰየበ ጸጕራ ምሉእ ብምሉእ ናብቲ ዝነበሮ ክትመልሶ ግን ኣይከኣለትን።
ኣብ ኣትክልትን ፍረታትን ዝርከብ 'ኣንቲኦክሲደንት' ንዝተጐድአ ጀነቲክስ፣ ኣብ ዘይዕድመ ንዘጋጥም ምብራሕን ስብየት ንምክልኻል ይሕግዝ።
ሽጋራ ምትካኽ፡ ስነ-ልቦናዊ ጭንቀት፡ ልዕሊ ዓቐን ኣልኮላዊ መስተ፡ ህዝቢ ብጻዕቂ ኣብ ዝነብረሉ ከባቢ ምንባር ንጸጕሪ ሃሰይቲ እዮም።
ማሪያ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣደ ቈልዓ ምስ ኰነት ስሩዕ ልምድታታ ደው ኣብ ዘበለትሉ፡ ተወሰኽቲ ዘለላታት ስብየት ደጊሞም ከም ዝተመለሱ ትዛረብ።

ምንጪ ስእሊ, Ashley Sukur
ንኣሽሊ ግና ስርዓት ኣመጋግባኣ ምምዕርራይ ነቲ ብዘርኢ ዝወረሰቶ ስብየት ዝቕይሮ ኣይኰነን። ኣመለኻኽታኣ ግና ተቐይሩ እዩ።
ስብየታ ኣካል መንነታ ኰይኑ። ሕጂ ብኦንላይን ብዛዕባ መንእሰይነትን ፅባቐን ንዝነበረ ኣመለኻኽታ ዝብድህ ማሕበረሰብ ክትሃንፅ ትኽእል እያ።
"ኣብ ቲክቶክን ኢንስታግራምን ምልጣፍ ምስ ጀመርኩ፡ ኣብ ናተይ ዕድመ ዘለዋ ጸጕረን ዝሰየበ ብዙሓት ደቀንስትዮ ረኺበ" ትብል።
" 'ዝሰየበ ጸጕሪ ዘጽልእ'ዩ፣ ስብየት ናይ ኣረግቶት'ዩ' ኣብ ክንዲ ምባል፡ ደቀንስትዮ ዝሰየበ ጸጕረን ንክቕበልኦ ክጕስጕስ እትስፎ፡" ትብል።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







