ኢትዮጵያ ሓደስቲ ነፈርቲ ውግእን ድሮናትን ከምዝዓጠቐት ኣፍሊጣ

ነፈርቲ ውግእ ኢትዮጵያ

ምንጪ ስእሊ, FDRE Defense Force

ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ኣዝየን ዘመናውያን ነፈርቲ ውግእን ኣጥቃዕቲ ድሮናትን፡ ስማ ካብ ዘይተጠቕሰት ሃገር ከምዝረኸበ ኣፍሊጡ።

እቲ ‘ሓምሻይ ወለዶ’ [G-5] ዘመናውያን ነፈርቲ ውግእ ከም ዝዓጠቐ ዘፍለጠ ሓይሊ ኣየር፡ ኣብ ወግዓዊ ናይ ፈይስቡክ ገጹ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ “ሓይሊ ኣየር ፈደራላዊ ሪፓብሊክ ኢትዮጵያ፡ ቀዳማይ ክፋል ናይተን ስኾይ ‘SU-30’ ዝዓይነተን ነፈርቲ ውግእን፡ ስትራተጅያዊ መጥቃዕቲ ዘካይዳ ድሮናትን” ኣትየን ኣለዋ ኢሉ።

እዚ ዝግለጽ ዘሎ፡ ኢትዮጵያ ምስ ሶማሊላንድ ኣብ ጉዳይ ኣፍደገ ባሕሪ ዝተኣሳሰር ሓደ መረዳድኢ ስምምዕ ድሕሪ ምፍራመን፡ ምስታ ንሶማሊላንድ ከም ኣካል ግዝኣታ ኣትቘጽራ ሶማልያ፡ ዲፕሎማስያዊ ምፍጣጥ ተፈጢሩሉ ኣብ ዘሎ እዋን እዩ።

ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት እታ ሃገር፡ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ነዚ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ “እቲ ሰራዊት፡ ክሊ ኣየር እታ ሃገር ንምክልኻል ዘኽእሎ ዘመናዊ ኣጽዋር ብቐጻሊ ክዓጥቕ እዩ” ኢሉ።

“እዚ ኣትዩ ዘሎ ሓደስቲ ዘመናዊ ወተሃደራዊ ዕጥቂ፡ ነታ ሃገር ንምጥቃዕ ዝግበር ዝዀነ ይዅን ፈተነ ንምምካን ኣገዳሲ እዩ፡” ክብል እውን ወሲኹ ኣተሓሳሲቡ።

ኣማኻሪ እቲ ፊልድ ማርሻል፡ ሌተና ጀነራል ኣለምሸት ደግፌ ብወገኑ፡ “ውሽጣውያንን ግዳማውያንን ጸላእቲ፡ ኢትዮጵያ ብዘመናዊ ኣጽዋር ርእሳ ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ከምዘለዋ ይፍለጡ” ክብል ኣብ ዝሓለፈ 13 ጥሪ ኣጠንቂቝ ምንባሩ ይዝከር።

እቲ ካብ ዝዀነ ወገን ስግኣት ከምዘሎ ዘምስል መግለጺ ዝሃበ ጀነራል፡ ብንጹር ንኣየኖት ግዳማውያን ጸላእቲ ኣየመልከተን። ኰይኑ ግን፡ ብጉዳይ ሶማሊላንድ ብዝተላዕለ ወጥሪ፡ ናብ ኲናት ከይዓርግ ስግኣት ከምዘሎ ክግለጽ ይስማዕ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ሶማልያ በረራ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ሎሚ 17 ጥሪ ብምኽልካላ፡ ነቲ ኣብ መንጐአን ተፈጢሩ ንዘሎ ወጥሪ ከጋድዶ ከምዝኽል ይትንተን።

ብዘይካ'ዚ ኢትዮጵያ፡ ካብቲ ንሓሙስ 18 ጥሪ፡ ኣብ ጉዳይ ኢትዮ-ሶማልያ ክዝቲ ኣብ ዩጋንዳ ዝተጸውዐ ኣኼባ ከምዘይትሳተፍ ኣፍሊጣ።

እቲ ብእዋናዊ ኣቦ መንበር ኢጋድ፡ ፕረዚደንት ጅቡቲ እስማዒል ዑመር ገለ ዝተጸውዐ ህጹጽ ኣኼባ፡ ኣብ ዛዕባ ኲናት ሓድሕድ ሱዳን - እቶም ኣብ ኲናት ተጸሚዶም ዘለዉ ጀነራላት ስምምዕ ምቛም ተዅሲ ክገብሩን፡ ፖለቲካዊ ፍታሕ እቲ ግጭት ንኽፈጥሩን ኣብታ ሃገር ሲቪላዊ መንግስቲ ንምቛም ዘኽእል ባይታ ኣብ ምጥጣሕን እውን ክዛተ ምዃኑ፡ ኣቐዲሙ ዝወጸ ኣጀንዳ ኣኼባ የመልክት።

እቲ ኣብ ጉዳይ ኢትዮ-ሶማል ሎሚ ረቡዕ ክዘራረብ ምዃኑ ዝተገልጸ ኣኼባ ማሕበር ሃገራት ዓረብ ብዝተመደቦ መሰረት፡ ብማንዛ ክጋባእ ትጽቢት ተገይሩሉ'ሎ።