ቱርኪ፡ ንኢትዮጵያን ሶማልያን ትሽምግል ኣላ

ኣብ መንጐ ኢትዮጵያን ሶማልያን ዘሎ ወጥሪ ንምቅላል፡ ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ክልቲአን ሃገራት ናብ ቱርኪ ከምዝኣተዉ ተሓቢሩ።
ምንጭታት ንቢቢሲ ሶማልኛ ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሶማልያ ኣሕመድ ፊቅን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ታየ ኣጽቀስላሰን ኣብቲ ዝርርብ ንምስታፍ፡ ሰኑይ 01 ሓምለ [ 24 ሰነ 2016 - ግእዝ] ናብ ኣንካራ ከምዝኣተዉ ሓቢሮም።
ቅድሚ ሽዱሽተ ወርሒ ኢትዮጵያ ምስታ ካብ ሶማልያ ናጽነታ ዝኣወጀት ሶማሊላንድ ናይ ምርድዳእ ስምምዕ ዝፈረመት ኰይና፡ እዚ ድማ ወደብ ባሕሪ ክትውንን ዘኽእላ እዩ።
እቲ ሰነድ፡ ኢትዮጵያ ነታ ቅድሚ 30 ዓመታት ናጻ ሃገር ምዃና ዝኣወጀት ሶማሊላንድ ኣፍልጦ ዝህብ እዩ።
ኢትዮጵያ ብወገና፡ ኣፍደገ ባሕርን ንመዓስከር ሓይሊ ባሕሪ ዝውዕል ገማግም ባሕርን ክትረክብ ከምዘኽእላ ይግለጽ።
እንተዀነ፡ እዚ ስምምዕ ንሶማልያ ኣዝዩ ኣቘጢዕዋ።
መንግስቲ ሶማልያ፡ ስምምዕ ኣዲስ ኣበባን ሃርጌሳን ንልዑላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ዝጥሕስ እዩ ክብል ጸኒሑ።
ሶማልያ በዚ ቁጥዐ ከይተገደበት፡ ኣብ ሞቃድሾ ንዝነበረ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ሰጒጋ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣምባሳደራ ምስሓባ ይዝከር።
ብዘይካ’ዚ መንግስቲ ሶማልያ ነቲ ኣብታ ሃገር ብሓልዮት ሕብረት ኣፍሪቃ ከም ዓቃብ ሰላም ዝተዋፈረ ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብ ግዝኣታ ክወፅእ ምሕታቱ ይዝገር።
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሶማልያ፡ ኣብ ቱርኪ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሶማልን ዝካየድ ዘሎ ዝርርብ "ድርድር" ምዃኑ ኣመልኪቱ።
ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሶማልያ ትማሊ ኣብ ኤክስ ገጹ፡ "ብሽምግልና ቱርኪ ኣብ መንጐ ሶማልያን ኢትዮጵያን ንዝግበር ዝርርብ፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ምስ ልኡኹ ናብ ኣንካራ ኣምሪሑ ኣሎ " ዝብል ጽሑፍ ኣስፊሩ።
ብዛዕባ’ቲ ዝርርብ፡ ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝዀነ መረጋገጺ’ኳ እንተዘይሃለወ፡ ኣምባሳደር ታየ ኣጽቀስላሰ ካብ ሶማልያዊ መዘናኡ ቐዲሙ ናብ ቱርኪ ከምዝኣተወ ምንጭታት ቢቢሲ ሶማልኛ ሓቢሮም።
ቱርኪ ስለምንታይ ሸምጋሊት ኰይና?
ድሕሪ እቲ ዝተፈረመ ስምምዕ ኣፍደገ ባሕሪ፡ ኣብ መንጐ ክልቲአን ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ወጥሪ ተፈጢሩ ጸኒሑ እዩ።
ኣዲስ ኣበባን ሞቓድሾን ፍልልያቶም ብዘተ ክፈትሑ ካብ ዝሓተቱ ኣመሪካ፡ ሕብረት ኣውሮጳ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ኬንያን ቱርኪን ይርከብዎም።
ኣንካራ ምስ ክልቲአን ሞቃድሾን ኣዲስ ኣበባን ድልዱል ቍጠባውን ወተሃደራውን ርክብ ኣለዋ።
ኢትዮጵያ ምስ ሶማሊላንድ ስምምዕ ኣፍደገ ባሕሪ ድሕሪ ምፍራማ፡ ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ ወርሒ ቱርኪን ሶማልያን ናይ ወተሃደራዊን ቍጠባን ስምምዕ ተፈራሪመን።
ዋላ'ኳ ምሉእ ዝርዝር ናይቲ ስምምዕ እንተዘይተገልጸ፡ ቱርኪ ሓይሊ ባሕሪ ሶማልያ ንምሕያልን ገማግም ባሕሪ እታ ሃገር ብሓባር ንምሕላውን ኣብ ስምምዕ ከምዝበጽሓ ይንገር።
ድሕሪ እቲ ስምምዕ፡ ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ፡ መንነታ ዘይተፈልጠት መርከብ ውግእ ሓይሊ ባሕሪ ቱርኪ ናብ ወደብ ሞቓድሾ ክትኣቱ ተራእያ።
ፕረዚደንት ሸኽ ሓሰን፡ ኣብ እዋን ኣቀባብላ እታ መርከብ ዝሃቦ መደረ፡ ብደገፍ መንግስትን ህዝብን ቱርኪ "ሶማልያ ብናይ ገዛእ ርእሳ ሓይሊ ባሕሪ ንባሕራዊ ግዝኣታ እትቈጻጸረሉ ግዜ ርሑቕ ኣይኰነን" ኢሉ።
ቱርኪ እውን ምስ ኢትዮጵያ ወተሃደራዊ ስምምዕ ዝፈረመት ሃገር እያ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፡ ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ናብ ኣንካራ ብምኻድ ምስ ፕረዚደንት ረሲፕ ጣይብ ኤርዶጋን ዘይተገልጸ ስምምዕ ምትሕብባር ወተሃደራውን ፋይናንሳውን ሓገዛት ፈሪሙ ተመሊሱ።
ኣብ ኲናት ትግራይ፡ ካብ ዝተሳተፋ ድሮናት ውግእ ገሊአን ዋንነተን ቱርኪ ከምዝዀነ ይንገር።
እንታይ እዩ ተፈጢሩ ነይሩ?
ሚኒስትር ሃብቲ ነዳድን ማዕድንን ሶማልያ ነበር መሓመድ ሙኽታር ኢብራሂም ንቢቢሲ ሶማልኛ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኢትዮጵያ ምስ ሶማሊላንድ ዝተገበረ ስምምዕ ክትስርዞ እንተኽኢላ፡ ኣዲስ ኣበባን ሞቓድሾን ኣብ ሓባራዊ ጉዳያት ዘተ ክጅምራ ከምዝኽእላ ገሊጹ።
ንርእይቶ ሚኒስተር ፔትሮሊየምን ማዕድንን ነበር ሓሰን ዝድግፍ ርእይቶ፡ ቅድሚ ሒደት መዓልታት ካብ ፕረዚደንት ሶማልያ ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ተሰሚዑ ነይሩ።
ፕረዚደንት ሓሰን፡ ብ17 ሰነ 2016 ዓ.ም [ግእዝ] ኣብ ሞቃድሾ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ማሕበረሰብ ምብራቕ ኣፍሪቃ፡ “ኢትዮጵያ ንኣፍደገ ባሕርን ወደባትን ሶማልያ ክትጥቀመሉ ኣይንቃወምን ኢና” ኢሉ ነይሩ።
ይዅን'ምበር፡ ኢትዮጵያ ከምኡ ክትጥቀም እትኽእል "ቅኑዕ መንገዲ" ክትክተል እቲ ፕረዚደንት ኣተሓሳሲቡ።
"ንህዝቢ ሶማልያ ብንጹር ክገልጾ ዝደሊ ነገር፡ ኢትዮጵያ ንኣፍደገ ባሕሪ ሶማልያ ክትጥቀም እትገብሮ ጻዕሪ ብኣወንታ ኢና ንርእዮ። ኢትዮጵያ ግን ኣፍደገ ባሕሪና ክትጥቀመሉ እንፈቕደላ፡ ልክዕ ከምቲ ዩጋንዳ ንኣፍደገ ባሕሪ ኬንያ፡ ቡሩንዲን ሩዋንዳን ድማ ንኣፍደገ ባሕሪ ታንዛንያ ዝጥቀማሉ ኣገባብ እዩ” ኢሉ።
"ካብዚ ወጻኢ ፈጺሙ ተቐባልነት ኣይረክብን'ዩ"።
ድሕሪ ስምምዕ መረዳዳኢ ሰነድ ኢትዮጵያን ሶማሊላንድን፡ ሶማልያ ንኢትዮጵያ ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃን ሕቡራት ሃገራትን፡ ኣብ ዝተረኸቡ ምድረኻትን ኣጋጣሚታትን ኵሉ ክትከስስ ጸኒሓ ኣላ።
ቅድሚ ሓደ ሰሙን፡ ተወካሊ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፡ ኢትዮጵያ ዶብ ጥሒሳ ክብል ከሲሱ፤ ኢትዮጵያ ግን ነቲ ክሲ ነጺጋቶ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







