ኢትዮጵያ፡ ኣብ ክልል ቤኒሻንጉል ጉሙዝ ኣብ ልዕሊ ነበርቲ መጥቃዕቲ ተፈጺሙ

መንነቶም ዘይተፈልጠ ዕጡቓት ኣብ ክልል ቤኒሻንጉል ጉምዝ፡ ዞባ መተከል ኣብ ዝርከቡ ከባቢታት መጥቃዕቲ ብምፍጻም ካብ ሰላማውያን ሰባት ንብረት ከም ዝዘመቱ ሰብመዚ ሓቢሮም።
እቶም "ጸረ-ሰላም ሓይልታት" ዝተባህሉ ዕጡቓት፡ ሰባት ብምዕጋት ብረት ከምዝዘመቱ ምክትል ኮሚሽነር ፖሊስ ናይቲ ክልል ኮማንደር ነጋ ጃራ ጠቒሱ።
ትማሊ ሰኑይ ኣብ ዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ'ውን፡ ሰባት ከምዝቐተሉን ከም ዝጨወዩን እቲ ኣዛዚ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
ቅድሚ ቅሩብ መዓልታት ተጨውዮም ዝነበሩ 30 ሰባት ከም ዝተፈትሑ ተፈሊጡ'ሎ።
ነበርቲ በቲ ኣብ ልዕሊኦም ብቐጻሊ ዝካየድ ዘሎ መጥቃዕትታት ብምስግጋእ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ከምዝረከቡ ንቢቢሲ ገሊጾም።
ኣብ ምንቅስቓስ ህዝብን ንጥፈታት መንግስትን ዓቢ ጽልዋ ኣንቢሩ ከምዘሎ'ውን እቶም ነበርቲ ይሕብሩ።
ነቲ ኩነታት ንምህዳእ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ምስ ናይቲ ክልል ሓይልታት ጸጥታ ኣብቲ ከባቢ ኣትዮም ከምዘለዉ እቲ ሓላፊ ፖሊስ ተዛሪቡ።



![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







