ኣብ ክልል ቤኒሻንጉል ብዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ዝተጠርጠሩ ሰባት ኣብ ቀይዲ ኣትዮም

ኢትዮጵያ

ኣብ ማንዱራ፡ ክልል ቤኒሻንጉል ብዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ዝተጠርጠሩ ሰባት ኣብ ቀይዲ ኣትዮም።

ኣብ ቤኒሻንጉል ማንዱራ ኣብ ዝበሃል ወረዳ ብዝተልዓለ ጎንፂ፡ 14 ጥርጡራት ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተዉ ጉዳያት ኮምዩኒኬሽን እቲ ክልል ኣፍሊጡ።

እቲ ቤት-ፅሕፈት፡ ንሓላፊ ቢሮ ህንፀት ሰላምን ፀጥታን ኣይተ ኣበራ ጠቒሱ ከምዘፍለጦ፡ ነቲ ዝተፈጠረ ጎንፅን ቅትለትን ብምውዳድ ዝተጠርጠሩ ሰባት ኣብ ቀይዲ ኣትዮም።

ምስቲ ዘጋጠመ ጎንፂ ተኣሳሲሩ፡ ብርክት ዝበሉ በላሕቲ ነገራትን ብረታትን ካብ ጥርጡራት ከም ዝተተሓዙ ድማ ተገሊፁ።

ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ኣብ ዞባ መተከልን ወረዳ ማንዱራን፡ ካብ ዝሓለፈ ሰንበት ጀሚሩ ብዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ብውሑዱ ሸሞንተ ሰባት ከምዝሞቱን፡

13 ሰባት ድማ ከምዝትጎድኡን ምምሕዳር ዞባ መተከል ኣይተ ግርማ ታደሰ ንንቢቢሲ ተዛሪቦም።

ከም ሓበሬታ እቶም ሓላፊ፡ ኣብቲ ቀበሌ ሓደ መንበሪ ገዛ ክቃጸል እንከሎ፡ ነቲ ኩነታት ንምህዳእ ዝሰርሕ ዝነበረ ፖሊስ እውን ተጎዲኡ እዩ።

ብበላሕቲ መሳርሕታትን ብረትን እቲ መጥቃዕቲ ከም ዝተፈፀመ ዝዛረቡ ኣይተ ግርማ፡ ዝተጎድኡ ሰባት ኣብ ሆስፒታላት ፓዊን ቻግኒን ሕክምናዊ ሓገዛት ይግበረሎም ከምዘሎ ገሊፆምልና።