ናይጄርያዊ ባህላዊ ሓኪም፡ ዝተኣማመነሉ መርከሲ ጥይት ክሰርሐሉ ስለዘይከኣለ ሞይቱ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሓደ ናይጄርያዊ ፈላጢ ባህላዊ ሕክምና፡ ዝትኮሰኒ ጥይት ከምክነለይ እዩ ኢሉ ዝተኣማመነሉ መርከሲ ብዘይመስርሑ፡ ሞይቱ።
ወዲ 26 ዓመት ቺናካ ኣድዙዌ፡ ዝትኮስ ጥይት የምክን እዩ ኢሉ ዝኣመነሉ መድሓኒት፡ ኣብ ክሳዱ ምስ ኣሰረ፡ ንፈተነ፡ ሓደ ዓሚሉ ናብኡ ክትኩሰሉ ይነግሮ።
ግና ኣይ ከምቲ ቀዲሙ ዝሓሰቦን፤ ዝተመነዮ ተሪፉ፡ ባዕሉ ብዘምፅኦ ጣጣ ህይወቱ ክትሓልፍ ግድን ኮይኑ።
ነዚ ዝሰምዐ፡ ፖሊስ ደቡብ ምብራቕ ናይጄርያ፡ ነዚ ተግባር ንዝፈፀመ ዓሚል እቲ መዋቲ ኣብ ቀይዲ ኣውዒልዎ።
ኣብ ናይጄርያ፡ ባህላዊ ሕክምናን ባህላዊ እምነትን ልሙድ ብምዃኑ፡ ብዙሓት ዝተፈላለየ ሕማም ዘለዎም ናይጄርያውያን፡ ንባህላዊ ሓኪም ምምኻር እዩ ዝቐንዖም።
ብተመሳሳሊ ኣብ መጀመርታ እዚ ዓመት፡ ኣብ ናይጄርያ፡ ኣብ ሓደ እንዳ ባህላዊ ሓኪም ብምኻድ ጥይት የምክን እዩ ዝተብሃለ መድሓኒት ሰትዩ፡ እቲ መድሓኒት ዉጽኢታዊ ምዃኑ ንምርግጋፅ ብዝገበሮ ፈተነ ዘይተሳኽዐሉ ዓሚል ሞይቱ እዩ።
ፖሊስ እውን ነዚ ባህላዊ መድሓኒት ዝሸጠ ባህላዊ ሓኪም ኣብ ቀይዲ ኣውዒሉ።
ፀብፃባት ከምዝሕብርዎ፡ ኣብታ ሃገር ዝተተኮሰልካ ጥይት ዘምክን መድሓኒት ኣሎ ብዝብል ባህላዊ እምነት፡ ብዙሓት ግዳያት ሞት ኮይኖም እዮም።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







