ኢትዮጵያ፡ 'ካልኦት ሰበስልጣን ንምቕታል ዝተትሓዘ ትልሚ ነይሩ'

መንግስቲ ክልል ኣምሓራ ካብ ስልጣን ንምእላይ ትልሚ ነይሩዎም ዝተብሃሉ ሰባት፡ ካልኦት ሰበ ስልጣን ናይ ምቕንጻል መደብ ከም ዝነበሮም ተገሊጹ።
ብቐዳም፡ ንሹም ኢታማጆር ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያ ጀነራል ሰዓረ መኮንን ሓዊሱ ዝተፈጸመ መቕተልቲ ሓሙሽተ ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስቲ ፌደራልን ክልልን፡ መንግስቲ 'ዕልዋ' ኢሉ ብዝሰመዮ ስርሒት ምኻኑ ይዝከር።
ግብረ ሓይሊ ፍትሕን ጸጥታን ትማሊ ምሸት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ኣብ ባህርዳን ኣዲስ ኣበባን ዝተፈጸመ መቕተልቲ ሰበስልጣን ዘራኽቦም ጉዳይ እንተሃልዩ ከጻሪ ምኻኑ ኣፍሊጡ።
እቲ ግብረ ሓይሊ፡ ካብ ቐዳም ጀሚሩ 255 ሰባት ተኣሲሮም'ዮም ክብል እንከሎ፡ እቶም 212 ኣብ ኣምሓራ፡ 43 ድማ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምኻኖም ገሊጹ።
ብሓሙስ፡ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝንቀሳቐስ ብሄራዊ ፓርቲ ኣብን፡ ኣብ ዝተፈላላዩ ከባቢታት ዝንቀሳቐሱ ልዕሊ 100 ኣባላቱን ደገፍቱን 'ተኣሲሮምኒ' ኢሉ እዩ።
ግብረ ሓይሊ ፍትሕን ጸትታን ብተወሳኺ፡ ክልተ ብሬን፣ 27 ክላሽን ከምኡ'ውን ብርክት ዝበሉ ኣጽዋር ከም ዝሓዘ ገሊጹ።
ኣብ ክሊ እቶም ኣብ ክልቲኡ ከባቢታት ዝተፈጸሙ ጥቕዓታት፡ ካልኦት ሰበ ስልጣን ናይ ምቕታል መደብ'ውን ከም ዝነበረ'ዩ መግለጺ እቲ ግብረ ሓይሊ ዘመላኽት።
ብምኻኑ ድማ፡ ኣብ መንጎ ክልቲኦም መጥቃዕታት ዘሎ ርክብ ኣጻርዩ ኣብ ቀጻሊ፡ ከም ዘቕርብ ሓቢሩ። እንተኾነ፡ መንግስቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ባህርዳን ዝተፈጸመ ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ዘነጻጸረ መቕተልቲ፡ ብብርጋዴር ጀነራል ኣሳምነው ዝተወሃሃደ ምካኑ ሓቢሩ ነይሩ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







