ነበርቲ ዝተፈላለያ ከተማታት ትግራይ ‘ኣብ ፍርሕን ስግኣትን’ ይነብሩ

ነበርቲ ዝተፈላለያ ከተማታት ትግራይ 'ኣብ ፍርሕን ስግኣትን' ይነብሩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ትግራይ ቅድሚ ኣስታት 50 መዓልቲ ጎንጺ ምስተወለዐ ዝተቛረጸ መሰረታዊ ኣገልግሎታት፡ ዛጊት ብዘይካ ኣብ ውሱናት ከባብታት ሕጂ’ውን ተቛሪጹ ብምህላዉ፡ ነበርቲ ብሕጽረት ቀረባት ይሳቐዩ ምህላዎም ይገልጹ።

ወሲኾም ድማ፡ ናብረኦም ብስግኣትን ፍርሕን ዝተጎልበበ ምዃኑ እዮም ዝዛረቡ።

ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት፡ ወረ ሞትን ሓዘንን ብሰፊሑ ከምዝስማዕን፡ ጥሜት’ውን ኣንጸላልዩ ከምዘሎን ቢቢሲ ካብ ሰለስተ ከተማታት ዘዘራረቦም ነበርቲ ይገልጹ።

እቶም ዘዘራረብናዮም ሰባት፡ ንውሕስነቶም ስሞም ከይጠቐስና፡ ንቢቢሲ ዝበልዎ ብኣንደበቶም ከምዝስዕብ ነቕርበልኩም።

ነባሪ ከተማ መቐለ

ናይ ተስፋ ምቑራጽ ስምዒታት እዩ ዝስመዖ ዘሎ እቲ ሕብረተሰብ። ብዘይካ ምኽፋት ስልክን መብራህትን፡ ሕብረተሰብ ኣብ ፍርሒ እዩ ዘሎ። ብዙሕ መርድእ እዩ ዝስማዕ ዘሎ። ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ንዝሞቱ ሰላማውያን ሰባት ሓዘኑ ይገልጽ ለሎ።

ናይ ሸቐጥ ይኹን ካልእ ኣገልግሎት’ውን የለን። ሰብ መንቀሳቐሲ የብሉን። ቅርሺ ካበይ ከምጽእ? ታክሲታት’ውን መብዛሕተአን ነዳዲ ስኢንና ኢለን ደው ኢለን እየን ዘለዋ። እተን ዘለዋ ታክስታት ድማ ብኽቡር ዋጋ እየን ነቲ ሕብረተሰብ ኣገልግሎት ዝህባ ዘለዋ።

ህዝቢ ኸኣ ገንዘብ ስለዘይብሉ፡ ነዚ ኣገልግሎታት ክረክብ ኣይከኣለን። ኣብ ጸገም እዩ ዘሎ። ከም’ቲ ኮማንድ ፖስት ዝብሎ፡ ሰብ ከምድላዩ ኣማስዩ ብሰላም ክኣቱ ኣይትሪኦን። ኣብ መንፈስ እቲ ህዝቢ ድንጋጸ ኣሎ።

ኣብ ከተማ መቐለ፡ ንሰባት ኣበይ ኣምሲኻ ብምባል'ውን ብግፍዒ ምቕጥቃጥ ኣሎ። እቲ ሃብታም'ውን ትካላት ንግዱ ከይከፍት ነቲ ወታደር’ውን እዩ ዝፈርሖ ዘሎ።

ነባሪት ከተማ ማይጨው

ሽግር ንጻወሮ ኢና ዘለና እምበር፡ ሰብ ኣብ ጸገም እዩ ዘሎ። ባንኪ ተዓጽዩ እዩ ዘሎ ኣይተኸፈተን። ምንቅስቓስ ሰብ ኣሎ እዩ፡ ግን ካብ ሰዓት ክልተ ጀሚሩ ሰዓት እቶ እቶ ኣሎ።

መገዲ ብሞኾኒ ሓሓሊፉ ይኽፈት ኣሎ። ብውልቂ ደኣ እዩ’ምበር፡ ብዙሕ ምንቅስቓስ የለን።

ጽዕነት [ሸቐጥ] ካብ ኣላማጣ ክመጽእ ጀሚሩ’ሎ። በርበረን ፈሓምን ዝጸዓና መካይን ይመጽኣ ኣለዋ።

ተምቤን ዓብዪ ዓዲ

ትማሊ [ብሰሉስ] እየ ካብ ዓብዪ ዓዲ ናብ መቐለ ተመሊሰ። ነታ ዓዲ ክትርእያ፡ ኣዝዩ ዘሕዝን'ዩ።

ኣብኡ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ እዩ ዘሎ። ዓዲ ምሉእ ዓንዩ እዩ። ማዕጾ የለን። ዘይተሰበረ ምስትያት የለን።

ሰብ ገና ፎቖዶ በረኻታት እዩ ዘሎ። ክስቶ በቲ ኣሎ፡ ክስቶ ኸኣ በቲ ኣሎ ክበሃል ኢኻ ትሰምዕ። [ሰብ ተበታቲኑ እዩ ዘሎ]።

እታ ከተማ ብመድፍዕ፡ ብኸቢድ ብረት ተወቒዓ እያ። ንምግላጹ ከቢድ፡ ከቢድ እዩ።

ኣነ ብዝረኣኹዎ፡ ሰብ ዝብላዕ ዝሰተ የብሉን፤ በርበረ የብሉ ጨው የብሉ። ሕክምና’ውን የለን። ኣብ’ቲ ሆስፒታላት ሰራዊት ምክልኻል እዩ ዘሎ።

ብዙሕ ዝሓመመ ሰብ ኣሎ፡ ሽኮርያን ካልእን ሕማማት ዘለዎ ሰብ ኣሎ፡ ዝረኽቦ ኣገልግሎት ግን የብሉን። ፎቖዶ መገዲ ዝወለዳ ሓራሳት ከምዘለዋ ሰሚዕና።

ናብ ከተማ ዘይተመለሰ ሰብ ኣሎ። ብደብዳብ ከቢድ ብረት ዝሞቱ ስድራ ኣለዉ። እቲ ህዝቢ ኣዝዩ ጸልሚትዎ ኣሎ። በኽየ እየ መጺአ ኣብ’ቲ ዓዲ።

ዝተቓጸለ ባንኪ ኣሎ። ናይ ኤቲኤም ማሽናት ኣብ’ቲ ከተማ እዩ [ዓንዩ] ተዘርጊፉ ዘሎ። ኣብ ውሱን ቦታታት መብራህቲ መጺኣ ነይራ።

ሰብ ጠምዩ እዩ ዘሎ፤ ናብ ባዕሎም ናብ ምክልኻል ከይዶም ሃቡና ዝበሉዎም ሰባት ኣለዉ።

መንግስቲ'ኸ እንታይ ይብል?

መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ እቲ ኣብ ትግራይ ዝነበረ ጎንጺ ከምዘብቀዐን ትግራይ ናብ ንቡር ምንቅስቓሳ ትምለስ ከምዘላን እዩ ዝገልጽ።

ኣብ ትግራይ ግዚያዊ ምምሕዳር ኣቑሙ መሓውር ይዝርግሕ ምህላዉ’ውን ይገልጽ።

ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ካብ ሞንጎ ዝሸሞም ከንቲባ መቐለ ኣቶ ኣታኽልቲ ሃይለስላሰ ኣብ’ቲ ዝሓለፈ ሰሙን ክዛረብ እንከሎ፡ ኣብ’ታ ከተማ መሰረታዊ ኣገልግሎታት ንምቕራብ ይሰርሑ ምህላዎም ገሊጹ ነይሩ።

እቲ ግዚያዊ ከንቲባ ቅድሚ ሰሙን፡ ኣብ’ታ ከተማ ኣገልግሎት ባንኪ ኣብ ውሽጢ ክልተ መዓልታት ከምዝጅምር ተመጻቢዑ’ኳ እንተነበረ፡ ዛጊድ ኣብ’ታ ከተማ ኣገልግሎት ባንኪ ኣይጀመረን።

እቲ ከንቲባ ወሲኹ፡ ካብ መቐለ ኣዲስ ኣበባን ኣዲስ ኣበባ መቐለን ኣገልግሎት ንግዳዊ መጓዓዝያ ነፋሪት ከምዝጀመረ ብዕለት 18 ታሕሳስ ገሊጹ ነይሩ።

መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ግን፡ ትማሊ ረቡዕ ታሕሳስ 23 ካብን ናብን መቐለ፡ ኣገልግሎት በረራ ንምሃብ ትኬት ክቖርጽ ጀሚሩ።

ምክንያት እቲ ግጭት እንታይ እዩ?

እቲ ኣብ ሞንጎ ክልል ትግራይን ፈደራልን ዝነብረ ምትፍናን፡ ቀዳማይ ሚኒሰተር ኣብይ ኣሕመድ፡ ሓይልታት ክልል ትግራይ ኣብ ልዕሊ ኣብቲ ክልል ዓሪዱ ዝነበረ ሰራዊት ፈደራል መጥቃዕቲ ፈጺሞም ኢሉ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ትግራይ ኣብ መጀመርታ ሰሙን ናይ ወርሒ ሕዳር ኵናት ምስ ኣወጀ፡ እቲ ዝነበረ ወጥሪ ናብ ቅሉዕ ኵናት ዓሪጉ።

ቅድሚ መጀመርታ ሕዳር ኣብ ዝነበረ ግዜ እቲ ንክልል ትግራይ ዝመርሕ ውድብ ህወሓትን ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ዝምራሕ መንግስቲ ፈደራልን ንሓድሕዶም ኣፍልጦ ተነፋፊጎም ርክቦም ሓርፊፉ ነይሩ።

ህወሓት ንዝሓለፈ ኣስታት ሰላሳ ዓመታት፡ ኣብቲ ብሕብረት ሰልፍታት ዝቖመ ኢህወደግ ብዓብላልነት ክመርሕ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ 2018 ናብ ስልጣን ምስ ምጽአ እቲ ዝነበሮ ዓብላልነት ስኢኑ ኣብ ክልል ትግራይ እዩ ተሓጺሩ ጸኒሑ።