ስኑዕ ዜና ዝዘርግሑ መራሕቲ ሃገራት ዓለም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ፌስቡክን ትዊተርን መራሕቲ ዝተፈላለዩ ሃገራት ዘጠቅዑዎም ጽሑፋት ኣልዮም።
እቶም መራሕቲ ሃገራት፡ ብዛዕባ ኮረናቫይረስ ዝተዛብዑ ሓበሬታ ኣቃሊሖም እዮም ተባሂሎም።
ፌስቡክ፡ ብፕረዚደንት ብራዚል ጀይር ቦልሶናሮ ዝተለጠፈ 'ሃይድሮኦክሲክሎሮኪን' ንኮሮናቫይረስ ቫይረስ ፍቱን መድሓኒ ከምዝኾነ ዝገልጽ ቪድዮ፡ ኣጥፊእዎ እዩ።
እቲ ፕረዚደንት ንስግኣት ኮረናቫይረስ ብተደጋጋሚ ከነኣእስን፡ ብራዚላውያን፡ ብሓካይም ዝግለጽ ማሕበራዊ ምርሕሓቕ ብዙሕ ከየድህብሉን ክገልጽ ተሰሚዑ እዩ።
ትዊተር ብወገኑ፡ ኣብ ገዛ ክዳሎ ዝኽእል መድሓኒት ኮረናቫይረስ ኣመልኪቱ፡ ብፐረዚደንት ቨነዝዌላ ኒኮላስ ማዱሮ ዝተለጠፈ ሓበሬታ፡ ኣጥፊኡ ኣሎ።
እቶም ማሕበራዊ መራኸብቲ፡ ብመራሕቲ ሃገራት ዝተለጠፉ ጽሑፋትን ቪድዮታትን ክድምስሱ ልሙድ ኣይኮነን፡ ዋላ ልክዕ ዘይምኻኑ እናፈለጡ፡፡
ትዊተር፡ ሕክምና ብዝምልከት ዝወሃቡ ዝተሰሓሓቱ ሓበሬታታት ንምጥፋእ ዘኽእሎ መምርሒ ኣውጺኡ እዩ፡፡
ፌስቡክ 'ውን ኣካላዊ ጉድኣት ክብጽሑ ዝኽእሉ ሓበሬታታት ምጥፋእ ጀሚሩ እዩ።
ፌስቡክ ካብ ኢንስታግራም ሓዊሱ ንሓበሬታ ፐረዚደንት ብራዚል ዘጥፈኦ ጉድኣት ዘብጽሕ ሰለዝኾነ ገሊጹ ኣሎ።
'ፍቱን መድሓኒት'
ምምሕዳር ምግብን መድሓኒትን ኣመሪካ ግን ውሁዳት ሃይድሮኦክሳይክሎሮኪን ኣብ ህጹጽ እዋን ንሕሙማት ኮቪድ-19 ንምሕካም ኣብ ጥቕሚ ክወዕሉ ኣጽዲቑ ኣሎ፡፡
ፕረዚደንት ትራምፕ እውን እቲ መድሓንጅት ዓሶ ውጽኢታዊ መድሓኒት ኮረናቫይረስ ከምዝኾነ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ገሊጹ ነይሩ።
ውድብ ጥዕና ዓለም ዛጊድ ዝተረጋገጸ መድሓኒት ኮረናቫይረስ ከምዘየለ ሓቢሩ እዩ።
ትዊተር ብተወሳኺ፡ ናይ ፕረዚደንት ትራምፕ ናይ ውልቅኡ ጠበቓ ዝኾነን ናይ ኒው ዮርክ ከተማ ከንቲባ ዝነበረን ሩዲ ጊዩላኒ ዝጸሓፎ፡ እቲ መድሓኒት ፍቱን ክመዝኾነ ዝገልጽ ሓበሬታ ኣጥፊእዎ ኣሎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







