ኢንስታግራም ብምጥቃም ካብ ሃብታማትን ፍሉጣን ሰባትን ዝጉሕሉ ‘ኣክሮባት ሰረቕቲ’ ሚላን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ሚላኖ ኢጣልያ ዝርከብ ብ ‘ኣክሮባት ሰረቕቲ’ ዝፍለጥ ጉጅለ ጉሓላሉ፡ ገጻት ኢንስታግራም ናይ ሃብታማትን ፍሉጣት ሰባትን እታ ከተማ ድሕሪ ምክትታል፡ ንመንበሪ ገዝኦም ከም ዝዘምቱ፡ ኣኽበርቲ ሕጊ ኣቃሊዖም።
እቲ ጉጅለ፡ መእተዊ ሃጓፋት ንምርካብ፡ ፍሉጣት ሰባት ዝዝርግሕዎ ስእልታት ይምርምር። እቲ ስእሊ ኣበይ ከም ዝተወስደ ሕላገት ዝግበረሉ ስእሊ እቶም ሰባት ኣበይ ከም ዝነብሩ፡ መዓስ ይኣትውን ይወጹን ኣብ ምፍላጥ ይሕግዞም።
ሰብ መዚ ዝዘርግሕዎ ተንቀሳቓሲ ምስሊ፡ እቶም ሰረቕቲ ህንጻታት እናሓኾሩ የርኢ።
ጋዜጠኛ ዲሌታ ሊኦታን ተጻዋቲ ኩዕሶ እግሪ ኣችራፍ ሃኪሚን ካብ ግዳያት እቲ ጉጅለ እዮም።
ኣብ ዝሓለፈ ጥሪ ሓደ ጥርጡር ኣብ ቀይዲ ክኣቱ እንከሎ፤ ካልኦት ሰለስተ ድማ ብረቡዕ ተታሒዞም ኣለው። ሓደ ካብኣቶም ወዲ 17 ዓመት ብምዃኑ ኣብ ናይ ትሕቲ ዕድመ ቤትፍርዲ ክቐርብ እዩ።
እቲ ናይ ፈለማ ስርቂ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 6 ሰነ ዝተፈጸመ ኮይኑ: እቲ ጉጅለ ኣስታት 150,000 ዶላር ዘውጽእ ስልማት፡ ቦርሳታትን ናይ ኢድ ሰዓታትን ዝርከብዎ ንብረት ካብ ዲሊታ ሰሪቑ።
ድሕሪ ሽዱሽተ ኣዋርሕ፡ ኣብ ታሕሳስ፡ ተመሳሳሊ መገዲ ብምጥቃም ናብ መንበሪ ገዛ ኢሎኖራ ኢንካርዶና ሰቢሮም ከም ዝኣተው ተፈሊጡ።
እቶም ሰረቕቲ በቲ ህንጻታት ናይ ምሕኳር ዘለዎም ፍሉይ ክእለት እዮም ‘ኣክሮባት ሰረቕቲ’ ዝብል ቅጽል ተዋሂቦም።
እቶም ሰረቕቲ ኪንዮ እቲ ስእሊ ኣበይ ከም ዝተስኣለ ዝነግር ሓበሬታ፡ እቲ ገዛ እንታይ ዓይነት መስኮት ከም ዘለዎ እውን ካብቲ ኣብ ኢንሰታግራም ዝልጠፍ ስእልታት ብምምርማር ምድላዋቶም ከም ዝውጥኑ ፖሊስ ይሕብር።
ኣብቲ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ዝፈጸምዎ ስርቂ፡ ሓደ ሰብ ነቲ ህንጻ እናሓኾረን ካልኦት ኣብ ታሕቲ ኮይኖም እናተጸበይዎን፡ ካብ ናይ ጸጥታ ካሜራ ዝተረኽበ ተንቀሳቓሲ ምስሊ የርኢ።
ካልኦት ክልተ ብጾቱ ከኣ ኣብ ውሽጢ እቲ ገዛ ኮይኖም ይጽበይዎ ከም ዝነበሩ ኣኽባር ሕጊ ፍራንቸስካ ክሩፒ ንጋዜጠኛታት ሓቢራ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







