ኣመሪካ ዕጸ ፋርስ ጽዒና ዝተባህለት ጃልባ ቨነዝወላ ኣዕንያ - ሰለስተ ሰባት ሞይቶም

ምንጪ ስእሊ, DONALD TRUMP/TRUTH SOCIAL
ሰራዊት ኣመሪካ፡ ናብታ ሃገር ኣብ ዝወስድ ዓለምለኻዊ ማያት እትጕዓዝ ኣብ ልዕሉ ዝነበረት ዕጸ ፋርስ ጽዒና ነይራ ዝተባህለት መርከብ ቬነዝወላ መጥቃዕቲ ብምፍጻም ከም ዘዕነዋ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ሓቢሩ።
ንሱ፡ ብሰኑይ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ ኣብ ልዕሊ "ዓመጽቲ 'ካርተላት' ዘይሕጋዊ ምስግጋር ዕጸፋርስ" ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሰለስተ ሰባት ከም ዝተቐትሉ ገሊጹ።
እታ ጃልባ ሓሽሽ ሒዛ ከም ዝነበረት ዝሕብር መርትዖ ግን ኣየቕረበን።
ቨነዝወላዊ መዘናኡ ኒኮላስ ማዱሮ፡ ካራካስ ኣንጻር "ዓመጽ" ኣመሪካ ንነብሳ ክትከላኸል ምዃና ብምግላጽ፡ ንላዕለዋይ ዲፕሎማት ኣመሪካ ማርኮ ሩቢዮ "ጐይታ ሞትን ኲናትን" ኢሉዎ።
ኣመሪካ፡ ነቲ ሰበስልጣን ጸረ ዕጸፋርስ እዩ ዝበልዎ ስርሒታት መራኽብ ውግእ ናብ ደቡባዊ ካሪብያን ድሕሪ ምውፋራን 11 ሰባት ዝቐተለ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍጻማን ኣብ መንጐ ክልቲአን ሃገራት ዝነበረ ወጥሪ ዝያዳ ተጋዲዱ።
ትራምፕ፡ ትሩዝ ሶሻል ዝተባህለ ማሕበራዊ መራኸቢኡ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ሎሚ ንግሆ ብትእዛዘይ፡ ወተሃደራዊ ሓይልታት ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ብደቂቕ ዝተለለዩ፡ ብዘይተለመደ መገዲ ዓመጽ ዝፍጽሙ ካርተላት ዘይሕጋዊ ምስግጋር ዕጸፋርስን ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ጸጥታ መጥቃዕቲ ዝፍጽሙ ኣሰጋገርቲ ዕጸ-ፋርስን ካልኣይ ቅልጡፍ መጥቃዕቲ ተፈጺሙ፡" ኢሉ።
ወሲኹ፡ "እዞም ዕሉላት ዓመጽቲ ዝዀኑ ካርተላት ዘይሕጋዊ ምስግጋር ዕጸ-ርስ ንሃገራዊ ድሕነት ኣመሪካ ሓደጋ'ዮም፡" ኢሉ።
እቲ ጽሑፍ፡ ናይ ኣስታት 30 ካልኢት ቪድዮ'ውን ዘጠቓለለ ኰይኑ፡ ኣብ ውሽጢ ማይ ዝነበረት መርከብ ክትፍንጀርን ድሕሪኡ ድማ ብሃልሃልታ ክትነድድን ዘርኢ'ዩ።
ትራምፕ ድሒሩ ካብ ኦቫል ኦፊስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣመሪካ እተን ጀላቡ ናይ ጕጅለታት ዕጸፋርስን 'ናርኮ-ተሮሪስትን' -ኣሰጋገርቲ ዕጸ-ፋርስ ብምፍርራሕን ዓመጽን ንሰበስልጣን መንግስቲ ንምጽላው ዝፍትኑ- ምዃነን መርትዖ ከም ዝሓዘት፡" ገሊጹ።
"ነቲ ጽዕነት ኣድቂቕኻ ምርኣይ ጥራይ'ዩ ዘድሊ - ኣብ መላእ ውቅያኖስ ኣብ ኵሉ ቦታ ዓበይቲ ሳናጡ ኮኬይንን ፈንታኒልን ዘርጠብጠብ ኢሉ እዩ ነይሩ፡" ይብል።
ትራምፕ ወሲኹ፡ "ስኢልናዮም ኢና፣ ልዑል ጥንቃቐ ዝመልኦ እዩ ነይሩ፡ ምኽንያቱ ንስኻትኩም -ሚድያታት - ደድሕረና ከም እትኸዱ ንፈልጥ ኢና፣ ጥንቁቓት ኢና፡" ክብል ተዛሪቡ።
ኣስዒቡ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዝተገብረ ጻዕርታት ብባሕሪ ናብ ኣመሪካ ዝግበር ዘይሕጋዊ ምስግጋር ዕጸ-ፋርስ ከም ዝነከየ'ኳ እንተገለጸ፡ እቶም ብምፍርራሕን ዓመጽን ንሰበስልጣን መንግስቲ ንምጽላው ዝፍትኑ ኣሰጋገርቲ ዕጸ-ፋርስ ብመሬት ናብታ ሃገር ይኣቱ ከም ዘለዉ ተኣሚኑ።
"ኣብዚ ሕጂ እዋን ነቶም ካርተላት ንነግሮም ኣለና፡ ንሕና'ውን ደው ከነብሎም ኢና፡" ኢሉ።
ሩቢዮ፡ ብሰኑይ ነቲ መጀመርታ ኣብ ልዕሊ ካብ ቨነዝወላ ሓሽሽ ጽዒና ዝተባህለት ጃልባ ዝተፈጸመ ፈላማይ መጥቃዕቲ ተኸላኺሉ ነይሩ።
እዚ መጥቃዕቲ ድማ ንዅሎም ኣብታ ጃልባ ዝነበሩ 11 ሰባት ቀቲሉ፤ ዋሽንግተን እታ መርከብ ናብ ኣመሪካ ኣብ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ከም ዝተሳተፈት "100% መርትዖን እምንተን" ከም ዘለዋ ገሊጹ።
"ገለ ካብዘን ጀላቡ ክዓንዋ ኣለወን" ክብል ኣብ ፎክስ ኒውስ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት ገሊጹ።
ንሱ ወሲኹ፡ ማዱሮ ኣብ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ዕጸ-ፋርስ ተሳቲፉ ብዝብል ምኽንያት "ንሃገራዊ ድሕነት ቀጥታዊ ስግኣት" ኣመሪካ ከም ዝዀነ ተዛሪቡ።
ድሒሩ፡ መራሒ ቨነዝወላ ኒኮላስ ማዱሮ ምስ ኣመሪካ ዝነበሮ ርክብ "ብናይ ቦምባ ምፍርራሕ ከም ዝዓነወ፡" ገሊጹ።
"ዝምድናታትና ካብ ሃንኮትኮት ዝበለ ኵነታት ናብ ምሉእ ምብትታን ዝበጽሓሉ ደረጃ ሰጊርና ኣለና።"
ፕረዚደንት ቨነዝወላ፡ መንግስቲ "ንርእሱ ናይ ምክልኻል ሕጋዊ መሰሉ፡ ምሉእ ብምሉእ" ክጥቀመሉ'ዩ ኢሉ።
ቅድሚ ሕጂ ክኢላታት ሕጊ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃብዎ ቃል፡ ኣብ ኣህጉራዊ ማያት ኣብ ልዕሊ ቀዳመይቲ መርከብ ቨነዝወላ ዝተፈጸመ ሞት ዘስዓበ መጥቃዕቲ፡ ኣህጉራዊ ሰብኣዊ መሰላትን ሕጊ ባሕርን ዝጥሕስ ክኸውን ከም ዝኽእል ገሊጾም ነይሮም።
ኣመሪካ ሕጂ "ኣብ መሬት ቨነዝወላ መጥቃዕቲ ክትጅምር ድያ" ዝብል ሕቶ ብሰንበት ብሓደ ጋዜጠኛ ምስ ተሓተተ፡ ትራምፕ "እንታይ ከም ዝኸውን ክንርኢ ኢና" ክብል መሊሱ።
እቲ ፕረዚደንት ኣብ ኒውጀርሲ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ቨነዝወላ "ኣባላት ጕጅለታተን፡ ነጋዶ ዕጸፋርስን ዕጸፋርስን ትሰደልና ኣላ፡" ኢሉ።
ኣብ ባሕሪ ደቡባዊ ካሪብያን "ናይ መጀመርታ መጥቃዕቲ ካብ ዝፍጸም ንደሓር" ኣዝዩ ከም ዝነከየ ገሊጹ።
ክኢላታት ብዛዕባ ሕጋውነት ናይቲ ብ2 መስከረም ኣብ ልዕሊ እታ ጃልባ ዕጸ-ፋርስ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ኣህጉራዊ ሕጊ ዝጥሕስ ክኸውን ይኽእል እዩ ብምባል ሕቶታት ኣልዒሎም።
ቨነዝወላ ድሕሪ ክልተ መዓልቲ፡ ክልተ ኤፍ-16 ነፈርቲ ውግእ ኣብ ልዕሊ ወተሃደራዊት መርከብ ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ ብምብራር ምላሽ ሂባ።
እዚ ድማ ትራምፕ ዝዀነ "ኣብ ሓደገኛ ኵነታት" ዘእትወና ነፈሪት ቨነዝወላ ብጥይት ከነውድቃ ኢና ኢሉ ከጠንቅቕ ምኽንያት ኰይኑ እዩ።
ድሕሪ ሒደት መዓልታት ድማ፡ ብቀዳም 13 መስከረም 2025፡ ሚኒስተር ጕዳያት ወጻኢ ቨነዝወላ ይቫን ጊል፡ ሓይልታት ኣመሪካ ኣብ ልዕሉ መርከብ ቨነዝወላ ተሰቒሎም ክብል ምስ ከሰሰ እቲ ወጥሪ መሊሱ ዓጕሪ።
እታ "ንእሽቶን ዘይትጻባእን" ጃልባ ገፈፍቲ ዓሳ ኢሉ ዝገለጻ መርከብ፡ ንሸሞንተ ሰዓታት "ብዘይሕጋውን ተጻባእቲ [ኣመሪካ]" ከም ዝተታሕዘት ገሊጹ።

ምንጪ ስእሊ, Venezuela Ministry of Information
ምኒስትሪ ጕዳያት ወጻኢ ቨነዝወላ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ድማ፡ እቶም ነቲ ምምንዛዕ ዝኣዘዙ ሰባት፡ ኣብ ካራካስ "ኣብ ካሪብያን ንዝገደደ ኲናት ንምምኽናይ ዝሕግዝ ፍጻመ ይደልዩ ከም ዘለውን፡ እቲ ምንቅስቓስ ናይ ስርዓት ለውጢ ንምምጻእ ዝዓለመን'ዩ፡" ክብል ከሲሱ።
ኣመሪካን ዓባይ ብሪጣንያ ሓዊሱ ካልኦት ብዙሓት ሃገራትን፡ ማዱሮ ኣብ ሓምለ 2024 ዳግማይ ምምራጹ ኣፍልጦ ኣይሃባን።
ብሓገዝ ነጻ ተዓዘብቲ ብተቓወምቲ ዝተኣከበ መርትዖታት ብምምልካት ድማ፡ መወዳድርቱ ኤድሙንዶ ጎንዛለዝ ኣብቲ ምርጫ ከም ዝተዓወተ ዘርኢ እዩ ይብላ።
ሰበስልጣን ኣመሪካ ማዱሮ 'ካርተል ኦፍ ዘ ሳንስ' ዝተባህለ ካርተል ዕጸፋርስ ይመርሕ ኣሎ ክብሉ'ውን ከሲሶም።
ኣመሪካ፡ ንሱ ንክትሓዝ ሓበሬታ ንዝሃበ ድማ 50 ሚልዮን ዶላር ክትህብ ምዃና ትገልጽ።
ማዱሮ ነቲ ክሲ ብምንጻግ፡ ኣመሪካ ካብ ስልጣኑ ንምእላይ "ሃጸያዊ ስጕምቲ" ትወስድ ኣላ ብምባል ከሲሱ'ሎ።
ንሱ፡ ቨነዝወላውያን ኣብቲ ብሲቪላት ዝቘመ ሓይሊ ምልሻ ክምዝገቡ ጸዊዑ'ሎ።
እዚ ሓይሊ እዚ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ብቐንዱ ኣብ ፖለቲካዊ ሰልፍታትን ምርኢታትን ቁጽሪ ንምዕባይ ይጥቀመሉ ዝነበረ'ዩ።
ሰራሕተኛታት መንግስታዊ ጽላት፡ ናብቲ ምልሻ ንኽጽንበሩ ጸቕጢ ከም ዝተገብረሎም ሓቢሮም።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







