ኩባንያ ተስላ፡ ንምንታይ ንኤሎን ማስክ 1 ትሪልዮን ዶላር ግንዖ ክወሃቦ ሓሳብ ኣቕሪቡ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሓላፊ ኩባንያ ተስላ ኤሎን ማስክ ኣብ ዝቕጽሉ ዓሰርተ ዓመታት ክዕመሙ ንዝተቐመጡ ዓበይቲ ሸቶታታት ተግባራዊ እንተ ገይሩ፡ ልዕሊ ሓደ ትሪልዮን ዶላር ዝግመት ግንዖ ክወሃቦ እቲ ኩባንያ ሓሳብ ኣቕሪቡ።
እቲ ድሮ ኣብ ዓለምና ዝሃብተመ ዝዀነ ማስክ፡ ኣብዚ ሓደ ዕቑድ (10 ዓመት) ክሃርሞ ተቐሚጠምሉ ዘሎ ሸቶታት፤ ዋጋ ተስላ ብሸሞንተ ዕጽፊ ክዓቢ ምግባር፡ ሓደ ሚልዮን ሮቦታት ኪነታዊ-ብልሒ ምሻጥ ካልኦት 12 ሚልዮን መካይን ተስላ ምሻጥ፡ ከምኡ'ውን ካልኦት ዓበይቲ ዕላማታት ከዐውት ዝብሉ እዮም።
እዚ ዝውሃቦ ብመልክዕ ደሞዝ ወይ መቝሽሽ ዘይኰነ፡ ናይ ሓደ ትሪልዮን ዝግመት ብርኪ ክወስድ ዘኽእሎ እዩ ክኸውን።
ቦርድ ናይቲ ኩባንያ፡ ኣውፈርቲ ነቲ ግንዖ ምሃብ ዝብል ሓሳብ ዝድግፍ ድምጺ ክህቡ ጸዊዑ ኣሎ።
ኣደ መንበር ተስላ ሮቢን ደንሆልም፡ "ሎሚ ዘይከኣል ክመስል ዝኽእል ዘሎ ሓሳባት፡ ብዝሓሸ ቴክኖሎጅን ዓቢይ ምህዞን ክዉን ክኸውን ይኽእል እዩ፡" ኢላ።
"ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ንኤሎን ምዕቃብን ምሽላምን፡ [ኩባንያ] ተስላ ነዞም ዝተቐመጡ ሸቶታት ንኸዐውቶምን ኣብ ታሪኽ ዝዓበየ ኩባንያ ንምግባሩን መሰረታዊ እዩ።"
ቀጺላ፡ እቲ ዝወሃብ ግንዖ ብርኪ፡ "ነቲ ብዓል ራእይ መራሒና ብዝለዓለ ንኽዓዪ ከም ዝድርኾ፡" ገሊጻ።
እዚ ዝስዕብ ዘሎ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ 29 ቢልዮን ዶላር ዝግመት ሽልማት ብርኪ ድሕሪ ዝተዋህቦ እዩ። መጀመርታ 50 ቢልዮን ዶላር ክወሃቦ ተኣሚሙ እኳ እንተ ነበረ ቤትፍርዲ ኣመሪካ ግን "ዘይፍትሓዊ ብርኪ እዩ፡" ብምባል ውዱቕ ገይሩዎ።
ብመሰረት እዚ ዳሕረዋይ ውጥን ድማ እዚ ግንዖ ኣብ 12 ምዕራፋት (ብመሰረት 12 ሸቶታት ዕዳጋ) ተኸፋፊሉ ክሽለሞ እዩ። እቲ ቀዳማይ ምዕራፍ፡ ዋጋ ዕዳጋ ቴስላ ብዕጽፊ ናብ 2 ትሪልዮን ዶላር ክዓቢ ዝገብር ኰይኑ፡ እቲ ናይ መወዳእታ ምዕራፍ ድማ 8.5 ትሪልዮን ዶላር ምብጻሕ እዩ። እዚ ከኣ ልዕሊ ዕጽፊ ዋጋ ናይቲ ኣብ ዓለምና ዝኸበረ ኩባንያ Nvidia ክኸውን ማለት'ዩ።
ብተወሳኺ፡ ጐድኒ ጐድኒ ነፍስወከፍ ሸቶታት ዕዳጋ፡ ትግባራኣዊ ሸቶታት (operational milestone) ክሃርም ኣለዎ። እዚ ንሸቶታት ሮቦትን ተሽከርከርትን ዘጠቓልል ኰይኑ፡ ኣታዊታት ተስላ ብ24 ዕጽፊ ንምዕባይ ዝዓለመ እዩ።
ፋይናንሳዊ ጸብጻብ ኩባንያ ተስላ ከም ዘመልክቶ፡ ብመንጽር ዝዓለፉ ዓሰርተ ዓመታት ክርአ እንከሎ፡ ኣብዚ ግዜ'ዚ መሸጣታት ብዝቐልጠፈ እናጐደለ ይርከብ። እዚ ድማ ብሰንኪ እቲ ኣብ ልዕሊ ማስክ ዝርአ ዘሎ ሕማቕ ኣረኣእያታት ምዃኑ ገለ ክኢላታት ይገልጹ።
ኣብ ኤ.ጀይ ቤል ተንታኒ ወፍሪ ዳን ኮትስዎርዝ፡ እቲ ዝቐረበ ግንዖ "እምነት ዝልምን" ክኸውን'ዩ ኢሉ፣ "ሓደ ሰብ ክንድ'ዚ ዋጋ ኣለዎ ድዩ?" ክብል ድማ ይሓትት።
ቀጺሉ፡ ማስክ ካብ ተስላ ወጻኢ ብዝፍጽሞም ተግባራት እቲ ኩባንያ ከም ዝተጐድአ ገሊጹ። ስለዚ ድማ፡ "ማስክ ንስርሑ ክቃለስ ደኣ ኣለዎ'ምበር፡ ቦርድ ተስላ ንዕኡ ንምጽናሕ ክቃለስ የብሉን፡" ኢሉ።
እዚ ቦርድ ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ዘይፈልጥ ግንዖ ዝእምም ዘሎ፡ እቲ ኩባንያ ንማስክ ክትክኦ ይደሊ ኣሎ ክበሃል ንዝጸንሐ ወረ ድሕሪ ምንጻጉ እዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







